እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ።
ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝቕጽል ዘሎ ወጥሪ፡ ከም ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ ጁቡቲን ኬንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ነቲ ኵነታት ክጥቀማሉ ወይ ድማ ንዝመጽእ ለውጢ ንምምካት ጻዕርታት ይገብራ ኣለዋ።
እስራኤል፡ ነታ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ዝሃበቶ ሃንደበታዊ ኣፍልጦ ሃገርነት ከምኡ'ውን ጉዳይ ናይታ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋ እተስፍሕ ዘላ ቱርኪ፡ ሃገራት ኣማራጺታት ክርእያ ገይወሩን'ዩ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርኪን ግብጽን ብሓደ ክስለፋ ከለዋ፡ ኢራማትን እስራኤልን ድማ ብኣንጻሩ ቈይመን ኣለዋ።
ገለ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሓደ ካብዞም ክልተ ኣሰላልፋታት ከም ዝወገና ብንጹር ገሊጸን፣ገለአን ድማ ናብ ሓደ ዝዛዘወ ኣረኣእያ እኳ እንተ`ለወን፡ ብግልጺ ካብ ምግላጽ ግን ጥንቃቐ ኣርእየን ይርከባ።
ቢቢሲ ሞኒተርን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ዞባ ዘለዎ ኵነታት ብምፍታሽ፡ ምንቅስቓሳት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንወግዓዊ መግለጺታትን ምስ ግዳማዊ ሓይልታት ዘለወን ዝምድናን ዝምልከት ትንታነ ኣዳልዩ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ናብ ኢማራት ገጻ ትጽጋዕ
ኢትዮጵያ ካብ ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ብወግዒ መርገጺኣ ከይተፍልጥ ጥንቃቐ እኳ እንተ ገበረት፡ ናይ ቀረባ መሓዛ ኣቡዳቢ ኰይና ግን ትቕጽል ኣላ።
ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ከም ዝሕብርዎ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ዳዕመ-ሰሪዕ `ኣጽዋር ከተጓርተሉ ኣብ ዝጸንሐት መስመራት` ሶማልያን ምብራቓዊ ሊብያን መሰናኽላት ክገጥማ ጸኒሑ።
ስለዝዀነ፡ ኢማራት ኣጽዋር ናብቶም ዕጡቓት ንምስግጋር ኣብ ኢትዮጵያ ዝያዳ ክትምርኰስ ከም ዝገበራ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሮይተርስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝምወል ምስጢራዊ መዓስከር ወተሃደራዊ ታዕሊም ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከም ዝሃነጸት ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ።
እቲ ጸብጻብ ምስ ወጽአ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ብዓልመዚ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፡ ፍቓድ ናይቶም ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ክጽብጽቡ ዝነበሮም ጋዜጠኛታት ሮይቶርስ ሰሪዙ፣ ፍቓድ ስራሕ ካልኦት ሪፖርተራት`ውን ኣየሐደሰን።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንመዓስከር ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ኢትዮጵያ ምወላ ምግባራን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኢዳ ምእታዋን ንዝቐረበላ ክሲ ብተደጋጋሚ ነጺጋቶ።
ኢትዮጵያ ንዳዕመ-ሰሪዕ ሓገዝ ትገብር ኣላ ዝብል ክሲ ብሰበስልጣን ሱዳን ቀሪቡላ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቶምን ካብ ሃገሩ ተበጊሶም ኣብ ግዝኣት ኣል-ባሕር ኣል-ኣዝራቕ (ብሉ ናይል) ንዝርከቡ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን መጥቃዕቲ ክፍንዉ ምፍቃዳ ከሲሶም።
ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብቶም ናብ ዶባት ኢትዮጵያ ዝቐረቡ ከባቢታት ሱዳን ዘካይዱዎ መጥቃዕቲታት እናወሰኸ ምምጻኡ ነዚ ክሲ ዘራጕድ ምዃኑ ዝገልጹ ኣለዉ።
ስዑዲ ዓረብ ግና ንኢትዮጵያ ናብ ደንበኣ ንምምጻእ እትገብሮ ጻዕሪ ኣየቋረጸትን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 11 ለካቲት 2025 ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ልኡል ፋይሳል ቢን ፋርሓን ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዘራሪቡ።
እቲ "ውጽኢታዊ" ተባሂሉ ዝተገልጸ ዝርርብ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ሪያድ ኣብ መንጎ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልተአን ሃገራት ዝተኻየደ ርክብ ዝሰዓበ እዩ።
ብ17 ለካቲት፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ንወግዓዊ ዑደት ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። እቲ ናይ ፕረዚደንት ዑደት፡ ኢትዮጵያ ናብ ኢማራትን እስራኤልን ዝያዳ ከይትጽጋዕ ዝግበር ፈተነ ተባሂሉ'ዩ ተራእዩ።
ኢትዮጵያ ዛጊት ኣብቲ እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበቶ ኣፍልጦ መርገጺኣ ብንጹር ኣይገለጸትን። ይዅን`ምበር፡ ከም ኣምሳያ ስምምዕ ወደብ፡ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ ምስ ሃርጌሳ ስምምዕ ከም ዝፈረመት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብ እስራኤልን ሶማሊላንድን ክትጽጋዕ ተኽእሎ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ብምድላይ፡ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ወጥሪ ክጋደድ ገይሩዎ እዩ።
እቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ ልዑል ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ስለ ዘስዓበላ፡ ነቲ ጉዳይ ካብ ምድፋእ ሰገጥ ክትብል ተገዲዳ።
በቲ ስምምዕ ተፋሓፊሐን ዝነበራ ሶማልያን ኢትዮጵያን ብመንጎኝነት ቱርኪ ኣብ ኣንካራ ስምምዕነት እኳ እንተ ፈጸማ፡ ሞቓድሾን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ቅድመ-ዅነት ኣፍደገ ባሕሪ ናብ ዘተ ከም ዝኣተዋ ይንገር።
ንኢትዮጵያን ሶማልያን ዝሸምገለ ፕረዚደንት ቱርኪ ኤርዶጋን፡ እስራኤል ንሃርጌሳ ኣፍልጦ ምሃባ፡ "ንሶማሊላንድ ይዅን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ይዅን ረብሓ ከም ዘይህሉዎ፡" ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ዑደት ገሊጹ።
እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ወግዓዊ ዝገበረትሉ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ከካይዱዎ ዝተሰማምዕሉ ዘተ ኣብ ዝተጓተተሉ እዋን እዩ።
እዚ ሃንደበታዊ ስጕምቲ እስራኤል፡ ንኢትዮጵያ ዝያዳ ኣማራጺታት ሂቡዋ ኣሎ።
ኣብዚ ግዜ`ዚ ንኢትዮጵያ ኣማራጺ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ሶማልያ ገጢሙዋ ኣሎ ወይ ድማ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ ዳግማይ ከተበራብሮ ትኽእል እያ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ነዚ ጉዳይ እንተ ተልዕሎ፡ ዘጋጥሞ ጸቕጢ ካብቲ ዝሓለፈ ክውሕድ ተኽእሎ ኣሎ።
እንተዀነ ኢትዮጵያ፡ ዛጊት ዘለዋ ኣማራጺታት ክፉት ክትገብሮ ዝመረጸት ትመስል።
ኤርትራ፡ ምስ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ትስለፍ
ኢትዮጵያ ምስታ ዝምድናኣ ምስ ኤርትራ ክልሕልሕ ዝጸንሐ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጥቡቕ ርክብ ክትገብር ከላ፡ ኣስመራ ድማ ምስቲ ካልእ ወገን ክትስለፍ ገይሩዋ ኣሎ።
ኤርትራ ነዚ ሕርያ ዝወሰደት፡ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጎአን ዝጸንሐ ዝምድና ቅድሚ ምኽራሩ እዩ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ኢትዮጵያ ተልዕሎ ዘላ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ዋንነት ወደብ ዓሰብን ብነድኢ ኢማራት ዓረብ ምዃኑ ከሲሱ ነይሩ።
ኢማራት ዓረብ ንኢትዮጵያን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ተጠቒማ ኣብ ሱዳን ኢዳ ተእቱ ከም ዘላ`ውን ከሲሱ።
ኤርትራ ምስ ግብጺ ይዅን መሓዛኣ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዝምድና ከተሐይል ሓጊዙዋ። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ መራሕትን ሰበስልጣንን ሰለስተአን ሃገራት ኣብ ርያድ፡ ካይሮን ኣስመራን ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ተኸታታሊ ዘተ ኣካይዶም።
ጅቡቲ`ውን ከም ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘለዋ ዝምድና እናሻሕከረ ምስ ስዑዲ ዓረብ ድማ እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝተራእየ ምዕባለታት ንመርገጺ ጅቡቲ ኣይቀየረን።
ንጅቡቲ ዝያዳ ዘተሓሳስባ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ'ዩ። ዓባይ ተጠቃሚት ወደብ ጅቡቲ ዝዀነት ኢትዮጵያ፡ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ንተልኣቪቭ ክትስዕባ ከም እትኽእል ስክፍታኣ ገሊጻ።
ኣዲስ ኣበባን ሃርጌሳን ኣብ ስምምዕ ወደብ እንተ በጺሐን፡ ነታ 95 ሚእታዊት እትዋት ኢትዮጵያ ብወደባታ ዝኣቱ ጅቡቲ ልዑል ንግዳዊ ክሳራ ክኸውን እዩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ጅቡቲ፡ ሶማልያ ነቲ ኣንጻር ኣፍልጦ ሶማሊላንድ ዝጀመረቶ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ብምድጋፍ ዓቢይ ተራ ትጻወት ኣላ።
ዝምድናኣ ምስ ኢማራት ዝበተኸት ሶማልያ
ሶማልያ፡ ሶማሊላድ ካብ ግዝኣታ ተፈልያ ብሓያላት ሃገራት ደገፍ ከይትረክብ ዝነበራ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስግኣት ሓቂ ኰይኑ ተወሪሙዋ ኣሎ።
እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ኣብ ርክብ ሶማልያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ። ንነዊሕ እዋን መሓዛ ሶማልያ ዝነበረት ኣቡዳቢ፡ ሕጂ ንስጕምቲ እስራኤል ከም ዝኸሸነቶ ክሲ ቀሪቡላ።
ሶማሊላንድ ብእስራኤል ኣፍልጦ ካብ እትረክብ ኣብ ዝነበራ ሒደት መዓልታት፡ ሶማልያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝነበራ ስምምዓት ሰሪዛቶ። ብተወሳኺ'ውን ናይ ኣቡዳቢ ናይ ጽዕነትን ወተሃደራዊ ነፈርቲ ብኽሊ ኣየራ ከይበርራ ኣጊዳ ኣላ።
ሞቓድሾ ነዚ ስጕምቲ`ዚ ዝወሰደት፡ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብምዃኑ፡ ብትእዛዝ ስዑዲ ዓረብ ዝተወሰደ'ዩ ዝብል ግምታት ከስዕብ ደሪኹ።
ገለ ካብ`ቶም ዝተሰረዙ ስምምዓት፡ ኣቡዳቢ ገለ ኣውራ ወደባት ሶማልያ ከተመሓድር ተዋሂቡዋ ዝነበረ ፍቓድ ምጥቃስ ይከኣል።
ብተወሳኺ፡ ኣብ 2023 ተራ ኢማራት ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ጉዳያት ሶማልያ ዘዕቢ ዝነበረ ውዕል ምክልኻል`ውን ተሰሪዙ።
ኢማራት ዓረብ ምስ ሶማልያ ዘጋጠማ ምትፍናን ኣብቲ ዞባ ጽልዋኣ ንምስፋሕ ንዝወጠነቶ መደብ ዓቢይ ዕንቅፋት'ዩ። እንተዀነ፡ ኣቡዳቢ ኣብቲ ዝሻሕከረ ገጽታ ሶማልያ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ርክበን ይቕጽል ኣሎ።
ኢማራት ዓረብ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ ብተደጋጋሚ ጻውዒታት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ። ሰበስልጣን ሶማሊላንድ ንኢማራት ንምድጋፍ ሰልፍታት ኣዳልዮም። ኣብ መወዳእታ ጥሪ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ናብ ኣቡዳቢ ዑደት ኣካይዱ ነይሩ።
ትካል ምሕደራ ወደብ ኢማራትስ ዲፒ ዎርልድ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሶማሊላንድ ዝርከብ ወደብ በርበራን ኣብ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዎ ዞባ ፑንትላንድ ዝርከብ ወደብ ቦሳሶን የካይድ ኣሎ።
ሶማሊላንድ፡ ፑንትላንድን ጁባላንድን ነቲ መንግስቲ ሶማል ምስ ኢማራት ዓረብ ዝነበሮ ስምምዓት ንምቍራጽ ዝወሰዶ ውሳነ ነጺገንኦ።
ኣብ ልዕሊ እዞም ሰለስተ ግዝኣታት ቍጽጽር ዘይብላ ሶማልያ፡ ኢማራት ዓረብ ንጥፈታታ ከተቋርጽ እትግደደሉ መንገዲ ውሑድ እዩ።
ምሕያል ዝምድና ሶማልያን ቱርክን
ሶማልያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝነበራ ስምምዓት ክትስርዝ ምውሳና ኣብ ብዙሓት ጥርጣረታት ኣስዒቡ'ሎ።
ብኣንጻሩ፡ ሶማልያ ሓድሽ ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ምሕዝነት ንምፍጣርን ምስተን ዘለዋ መሓዙታ ስትራተጅያዊ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ኣበርቲዓ ትሰርሕ ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣሃዱታት ሓይሊ ባሕሪ፡ ልዕሊ 10 ዘመናዊ ታንክታትን ካልእ ከበድቲ ኣጽዋርን ዝሓዘት መርከብ ውግእ ቱርኪ 'ሳንካክታር' ናብ ሞቓድሾ ኣትያ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ነፈርቲ ውግእ ኤፍ-16 ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ሞቓድሾ በረራ ኣካይደን ነይረን።
ዳህሳስ ነዳዲ ዘካይዳ ከምኡ`ውን ናይ ጸጥታ ዝርከብአን ሓያሎ መራኽብ ቱርኪ፡ ናብ ሶማልያ ተጓዒዘን ኣለዋ። ኣታ 'ቻግሪ ቤይ' እትበሃል መርከብ ዳህሳስን ምዅዓትን ነዳዲ ቱርኪ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ዓሚቝ ማያት ሶማልያ ኲዕታ ክትጅምር ትጽቢት ይግበር።
ማዕከናት ዜና ሶማልያን ቱርኪን'ውን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶማል ኣብ እትርከብ ከተማ ላስካራ ሓድሽ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ ንምቛም መደብ ከም ዘሎ ሓቢረን።
እዚ ክህነጽ ዝሕሰብ መደበር፡ ካብቲ እስራኤል መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት መደብ ዘለዋ ወደብ በርበራ ሶማሊላንድ ብዙሕ ዘይርሕቕ ስትራተጅያዊ ገማግም ባሕሪ'ዩ ዝርከብ።
እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ፡ ቱርኪ ነዚ ስጕምትታት`ዚ ከተቀላጥፎ ዝደረኻ ይመስል።
ሶማልያ፡ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝሰኣነቶ ደገፍ ንምኽሓስን ኣብ ልዕሊ ግዝኣታዊ ሓድነታ ተወሳኺ ሓደጋታት ከይፍጠርን ኣብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ምስ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጽን ቀጠርን ናይ ምክልኻልን ጸጥታን ስምምዓት ፈሪማ።
እቲ ብ1 ጥሪ ብስዑዲ ዓረብን ሶማልያን ዝተኸተመ ናይ ምክልኻል ምትሕብባር ስምምዕ፡ ርያድ ንሓይልታት ሞቓድሾ ከተሰልጥን ዘኽእላን ክልተአን ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጸጥታዊ ምትሕብባር ክህልወን ምዃኑን ተፈሊጡ።
ሰራዊት ሱዳን ካብ ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኢማራት ይጥቀም
ሰራዊት ሱዳን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ ወተሃደራውን ፋይናንሳውን ደገፍ ትህቦ ከም ዘላ ንዓመታት ክኸስስ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ፍረ ግን ኣይረኸበን።
ከም ውጽኢቱ ድማ ምትፍናን ስዑዲን ኢማራትን ንሰራዊት ሱዳን ወርቃዊ ዕድል ፈጢርሉ ኣሎ። ንዝሓለፉ ሓያሎ ኣዋርሕ፡ ሱዳን ንወጥሪ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኢማራት ዓረብ ክትምዝምዞ ጸኒሓ።
ሰራዊት ሱዳን ምስ ፓኪስታን ዝፈረሞ ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ኣጽዋር ስዑዲ ዓረብ ከም ዝመወለቶ ብሰፊሑ ይእመን።
እቲ ስምምዕ ንሰራዊት ሱዳን ዘመናውያን ድሮናትን ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይላትን ከዕጥቖ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዳዕመ-ሰሪዕ እውን ብልጫ ክህቦ እዩ።
ሰራዊት ሱዳን ካብ መወዳእታ ጥሪ ጀሚሩ ኣንጻር ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክዕወት ጸኒሑ።
ልዕሊ ኵሉ ድማ ብሳላ ጽልዋ ስዑዲ ዓረብ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብቲ ኲናት ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝሰማማዕ መርገጺ ሒዙ ኣሎ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ ብዛዕባ ትህቦ ደገፍ ተቓውሞኣ እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ።