ሶማልያ፡ ንምንታይ'ያ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተቘጢዓ

እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበታ፡ ሶማልያ ንዝሓለፈ ሰሙናት ነዚ ንምቕልባስ ኣብ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ተጸሚዳ ጸኒሓ።

መንግስቲ ሶማልያ ብኣካልን ብተሌፎንን ብዝገበሮ ሓያለ ርክባት ካብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ደገፋት ክረክብ ብምኽኣሉ ሓያለ ሃገራት ንውሳነ እስራኤል ተቓዊመናኦ።

እዚ ግን ንሶማል ኵሉ ለማጽ መንገዲ ኣይነበረን፣ እታ ንነዊሕ ዓመታት መሻርኽታ ዝነበረት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንውሳነ እስራኤል ስለዘይተቓወመቶ ርክበን ናብ ምሽሕካር ገጹ ኣመሪሑ ይርከብ።

እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ኢማራት ዓረብ ቀንዲ መሓዛ ሶማልያ ካብ እትኸውን ዓመታት'ያ ኣሕሊፋ።

ጸጥታ፡ ቍጠባን ፖለቲካን ናይታ ልዕሊ 3000 ኪሎሜተር ገማግም ባሕሪ ዘለዋ፡ ተደጋጋሚ ቅርሰናታትን ምስግጋር ኣጽዋርን ዝርኣየላ ሶማልያ ኣብ ምውሓስ'ውን ዓቢ እጃም ጸኒሕዋን ኣለዋን።

ኢማራት ምስ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያን ምስ ዞባታቱን ጥቡቕ ዝዀነ ቀጸላታት ርክብ ፈጢራ እያ ጸኒሓ።

ኣብ ፑንትላንድ ኣብ ወደብ ቦሳሶ፡ ኣብ ጁባላንድ ኣብ ኪስማዮ ኣብ ሶማሊላንድ ከኣ ኣብ በርበራ ምስ ወደባት ዝተኣሳሰር ስርሓት ተካይድ።

ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ፡ ኢማራት ንልኡላውነት ሶማልያ ኣነኣኢሳቶ ብምባል ኵሉ'ቲ ኣብ ሶማልያ ከተካይዶ ዝጸንሓት ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ደው ከተብሎ ብሰኑይ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድሕሪ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ፡ ብተለቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ መደብ ኣብ ዘስምዖ ቃል "ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጽቡቕ ርክብ'ዩ ጸኒሑና፣ እንተዀነ ንዓና ከም ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ክትቀርበና ኣይክኣለትን፤ ጥንቃቐ ዝመልኦ ገምጋም ድሕሪ ምክያድ፡ ነዚ ውሳነ'ዚ ክንወስድ ተገዲድና ኣለና" ኢሉ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነዚ ኣመልኪታ ዛጊት ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።

ኣብ ክራይስስ ግሩፕ ላዕለዋይ ተመራመሪ ዑመር መሓመድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ምፍሕፋሕ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሶማልያን ብሰንኪ እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ዝሰዓበ ምዃኑ ይገልጽ።

"ሶማልያ ነዚ ከም ምግሃስ ግዝኣታዊ ሓድነታ እያ ትርእዮ፤ ነቲ ውጽኢት ኣብ ምድጋፍ ድማ ብድሕሪ መጋረጃ ተራ ኢማራት ከምዝነበረ'ያ ትኣምን" ይብል።

ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ፡ እስራኤል እታ ቀዳማይቲ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ዝሃበታ ሃገር ኰይና።

እዚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊላንድ ሃርጌሳ ዓቢ ጽንብል'ዩ ተገይሩሉ።

ሶማሊላንድ ድሕሪ ምውዳቕ መራሒ ሶማልያ ዝይድ ባረ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ጀሚራ ነጻ ምዃና ብምግላጽ ናይ ገዛእ ርእሳ ፖስፖርትን ባጤራን ክትገብር ክኢላ። ሶማልያ ግን ኣካል ግዝኣተይ'ያ ብምባል ሃገር ክትከውን ኣይፈቐደትላን።

እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ስለዝሃበታ፡ ንሳ'ውን ነቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ባሕረይንን ሞሮኮን ምስ እስራኤል ርክባት ንምድልዳል ዝፈረማሉ ውዕል ኣብርሃም ክትፍርመሉ ምዃና ገሊጻ ኣላ።

ኣብ ክራይስስ ግሩፕ ላዕለዋይ ተመራመሪ ዑመር መሓመድ፡ "እቲ ዞባ ኣብ ክልተ ጂኦፖለቲካዊ ደንበታት'ዩ ዝከፋፈል ዘሎ፤ ኣብ ሓደ ወገን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እስራኤልን በቲ ሓደ ወገን ከኣ ስዑድ ዓረብ፡ ቱርክን ካልኦትን ዘለውኦ ደንበ" ይብል።

ብሰኑይ ሚድል ኢስት ኣይ ኒውስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘጋጠማ ዲፕሎማስያዊ ክሳራ ነቶም ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ቦሳሶ ዝነበሩ ኣባላት ከተውጽእ ከምዘገደዳ ይሕብር።

ዑመር መሓመድ ከምዝበሎ፡ ርክብ ሶማልያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ኣብ 2024 ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊላንድ ወደብ ክትረክብ ንሳ ከኣ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ምዃና ካብ ዝተገለጸሉ ኣትሒዙ'ዩ ክሽሕክር ጀሚሩ።

"ኢትዮጵያ ኣብ 2024 ምስ ሶማሊላንድ ንዝገበረቶ ናይ ምርድዳእ መዘክር ስዒቡ'ዩ፣ ሶማልያ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ውዕል ብትሪ ክትቃወሞ እናተጸበየት ክትድግፎ ከምእትኽእል ስለዘስተብሃለት እዩ፡ ጥርጣረ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ።

"ኢትዮጵያ ግን ነቲ ኣፍልጦ ቃል ጥራይ'ያ ኣትያ፣ እስራኤል ቀዲማታ ፈጺማቶ" ክብል ይውስኽ ዑመር።

እቲ ተንታኒ፡ ሶማልያ'ውን ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ መሬታ ተጠቒማ ንመራሒ ተገንጸልቲ የመን ዓይዳሩስ ኣል ዙበይዲ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከምዝሓገዘቶ'ያ ትኸስስ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መወዳእታ በጺሑ ዝነበረ ሰንሰለት ርክባተን ስለዝበተኾ እቲ ዝምድናአን ናብ ምብትታን ክኣቱ ደሪኽዎ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ዓሊ ዑመር ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ክሊ ሰማያት ሶማልያ ተጠቒምካ መዓርፎ ነፈርቲ ሶማልያ ንመሰጋገሪ ሓደ ኮብላሊ ሰብ ክትጥቀመሉ ሶማልያ ዕሽሽ እትብሎ ነገር ኣይኰነን" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ብስዑድያ ዝሕገዝ ኣብ የመን ዘሎ ልፍንታዊ ዕጡቕ ሓይሊ'ውን ተመሳሳሊ ክሲ ብምምስራት፡ ነቲ ኣብ ደቡብ የመን ዝርከብ ዕጡቕ ጕጅለ ዝመርሕ ዓይዳሩስ ብጃልባ ናብ በርበራ ሰጊሩ ብጉልባብን ሓለዋን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብሞቓድሾ ኣቢሉ ብነፋሪት ናብ ኣቡዳቢ ከምዝሰገረ'ዩ ዝኸስስ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ኣብ የመን ዝርከብ ዕጡቕ ጕጅለ ከምዘይትድግፍ ትሕብር።

ኣብ መንጎ ሶማልያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓባት ክርአ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን።

ኣብ 2018 ሶማልያ ብመሓመድ ዓብደላሂ ፎርማጆ ትምራሕ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተይ ኢዳ ተእቱ ኣላ ብምባል ከሲሳታ ነይራ።

ኣብቲ እዋን፡ እቲ ሕጂ ፕረዚደንት ሶማልያ ዘሎ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ተቓዋሚ መንግስቲ ስለዝነበረ፡ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘለዎ ደገፍ'ዩ ገሊጹ ነይሩ።

ሕጂ ግን ኣንጻር እቲ ዝነበሮ መርገጺ ብምውሳድ ነቲ ኣብ ጉዳይ የመን ኣብ ሞንጎ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ዘሎ ፍልልይ ናብ ረብሓኡ ከውዕሎ ይጽዕር ኣሎ።

ሰሚራ ጋይድ ዝተብሃለት ተንታኒት ብወገና፡ "እዚ ዘሎ ዞባዊ ምዕባለን፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባን እቲ ኣብ የመን ዘሎ ሚዛን ሓይሊ ስዑድ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምቅይያሩን መንግስቲ ሶማልያ ሓደ መርገጺ ንኸወስድ ጸቕጢ ፈጢሩሉ'ዩ" ትብል።

እንተኾነ መንግስቲ ሶማልያ ነቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሶማልያን ዞባታታን ዘለዋ ናይ ወደብ ሽርከነት ደው ከብሎ ሓይሊ ከምዝሓጽሮ ዑመር መሓመድ ግምቱ የቐምጥ።

ብዓቢኡ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ፑንትላንድን ጁባላንድን እኹል ምቍጽጻር ስለዘይብሉ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብዘን ስልጣን ርእሰ ምምሕዳር ዘለወን ዞባታት ከይትሰርሕ ክኽልክላ እኹል ዓቕሚ ከምዘይብሉ ይግመት።

"መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ባይታ እኹል ሓይሊ የብሉን፣ ብፖለቲካዊ መዳይ እንተመጺእና'ውን ንፖለቲካዊ ድላይ እዘን ርእሰ ምምሕዳራት ክቕይር ዓቕሚ የብሉን" ይብል።

ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ኩባንያ ሎጂስቲክስ ዲፒ ዎርልድ፡ ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ዝርከብ ወደብ በርበራ ስርሑ ክቕጽል ምዃኑ ብምግላጽ፡ በቲ ዘውጽአ መግለጺ መንግስቲ ፈደራል ሶማልያ ዝተረበሸ ኣይመስልን።

ዲፒ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ዲፒ ዎርልድ ኣብ ውሑስን ስሉጥን ኣሰራርሓ እቲ ወደብን ንሶማሊላንድን ሰፊሕ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንግዳዊ ምምችቻእን ቁጠባዊ ረብሓታት ኣብ ምቕራብን ኣተኲሩ'ሎ፣ ፖለቲካዊ ውሳነታት፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ዝግበር ዘተ፡ ወይ ዲፕሎማስያዊ መርገጺታት ኣብ ዝምልከት ሕቶታት ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ክቐንዕ ኣለዎ" ኢሉ።

ኣብ መግለጺኡ፡ ሶማሊላንድ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘለዋ ስምምዕ "ሕጋውን ቀጻልን" ክሳብ ዝዀነ ዘሻቕል ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

ጁባላንድ'ውን መንግስቲ ሶማልያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘለዎ ርክባት ኣመልኪቱ ንዘሕለፎ ውሳነ ነጺጋቶ ኣላ።

ፑንትላንድ ብተመሳሳሊ ንመግለጺ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ "ምስ መትከላት ቅዋማዊ ምሕደራ ዘይቃዶ" ብምባል ከምዘይትቕበሎ ኣነጺራ።

ይዅን እምበር፡ ዑመር መሓመድ፡ ሶማልያ ገና ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ከምኡ'ውን መሻርኽታ ገለ ምትእስሳር ከምዘለዋ ይዛረብ።

"ሞቓድሾ ንክሊ ኣየር እታ ሃገር ትቈጻጸሮ'ያ። ነዚ ድማ ጎኒ ጎኒ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ተጠቒማ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብን ነተን ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሽርክነት ዘለወን ርእሰ ምምሕዳራትን ክትደፍአን ትኽእል'ያ" ይብል።

ኣስዒቡ፡ "ሶማልያ ንመርገጺኣ ብምትራር ከም በዓል ቱርኪን ስዑዲ ዓረብን ዝኣመሰላ መሻርኽቲ ክትረክብ ተኽእሎ ኣሎ" ክብል ይውስኽ።

ዑመር መሓመድ "ምትእምማን ስለዝጠፍአ"፡ ዝምድና ሶማልያን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ ዝቕጽል እዋን ክምሓየሽ ተኽእሎ ከምዘየለ ይኣምን።

ክመሓየሽ እንተዀይኑ "ነዚ ንምእራምን ንምምሕያሽን ዓቢ ዲፕሎማሲን ጭቡጥ ስጕምትታትን ምውሳድ ከድሊ'ዩ" ብምባል ከኣ ነቲ ጸቢብ ተኽእሎ ይገልጾ።