እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምምሕዳር ትራምፕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን 75 ሃገራት እገዳ ቪዛ ኣንቢሩ
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ካብ 21 ጥሪ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከበአን 75 ሃገራት ዜጋታተን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ እግዳ ኣንቢሩ።
እቲ ምምሕዳር ትማሊ ረቡዕ 14 ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ "ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣመሪካ 'ሲስተም' ዝግበር ምንሻው" ደው ከምዘብሎን "ነቶም ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን መልዕሎን ኣመሪካ ሃብቲ ዘደልቡ" ደው ንምባል ኢሉ ነዚ ሕጊ ከምዘተኣታተዎ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእን ቍጽሪ ናይቶም ናብ ኣመሪካ ብሕጋውን ብዘይሕጋውን መንገዲ ዝኣትዉ ሰባት ንምድራት ቃል ከምዝኣተወን ዝዝከር'ዩ።
ኣቐዲሙ'ውን ኣብ ልዕሊ ካብ ብራዚል፡ ኢራን፡ ሩስያን ሶማልያን ዝመጽኡ ገያሾ ናይ ቪዛ እገዳ ከምዘንበረ ይዝከር።
እቲ ሓድሽ ዝወጽአ እግዳ ካብ 21 ጥሪ ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝኸውን'ኳ እንተ ተነገረ፡ ዝርዝር ናይተን ናይ መገሻ እገዳ ዝተገበረለን 75 ሃገራት ግን ብወግዒ ኣይወጽአን ዘሎ።
ኤፒ ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር ናይተን ሃገራት ግን ካብ ኣፍሪቃ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣልጀርያ፡ ግብጺ፡ ካሜሮን፡ ጋምብያ፡ ጋና፡ ኣይቮሪ ኮስት፡ ላይበርያ፡ ሊብያ፡ ናይጀርያ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ርዋንዳ፡ ሰኔጋል፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ታንዛንያ፡ ዩጋንዳን ቱንዝያን ኣብቲ ዝርዝር ኣትየን ኣለዋ።
እተን ዝተረፋ ሃገራት ከኣ ኣፍጋኒስታን፡ ኣልባንያ፡ ኣርመንያ፡ ኣዘርባጃን፡ ባሃማስ፡ ባንግላድሽ፡ ቤላሩስ፡ ቦዝንያ፡ ብራዚል፡ ካምቦድያ፡ የመን፡ ታይላንድ፡ ሶርያ፡ ኔፓልን ካልኦትን ይርከበአን።
ምክትል ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቶሚ ፒጎቲ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት "ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣመሪካ ሸኸም ዝዀኑን ንልግሲ ህዝብን መንግስትን ኣመሪካ ክምዝምዙ ዝጸንሑን ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ስልጣን ተጠቒሙ ደው ከብሎም'ዩ" ኢሉ።
እቲ ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ዝምራሕ ክፍሊ፡ " ነቶም መልዕሎ ንምውዳድ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ረብሓ ንምርካብን ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ዜጋታት ወጻኢ ንኸይኣትዉ" ኣገባባቱ ዳግማይ ክግምግም እንከሎ፡ መስርሕ ቪዛ ደው ከብሎ ምዃኑ ፒጎት ወሲኹ ገሊጹ።
ብመሰረት ማዕከን ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ንዅሎም ኣብያተ ጽሕፈት ቆንስል ንዜጋታት እተን ኣብዚ ዝርዝር ኣትየን ዘለዋ 75 ሃገራት ኵሉ ናይ ቪዛ መስርሓቶም ደው ከብልዎ መምርሒ ሂቡ ኣሎ።
እንተዀነ እቲ ኣገዳ ቪዛ ነቶም ስደተኛታት ዘይኰኑ፡ ግዝያውያን በጻሕቲ [ቱሪስት]፡ ከምኡ ከኣ ብስራሕ ንዝገሹ ከምዘይምልከት እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ካብተን ትራምፕ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ኣስጋእቲ'የን ዝበለን ከም ሩስያ፡ ኢራን፡ ኣፍጋኒስታንን ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጽኡ ገያሾ ኣገዳ ቪዛ ከምዝገበረ ዝዝከር'ዩ።
ድሕሪ'ቲ ሓደ ብስደት ካብ ኣፍጋኒስታን ናብ ኣመሪካ ዝኣተወ፡ ኣብ ሕዳር ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ መጥቃዕቲ ጥይት ምፍጻሙ፡ ምምሕዳር ኣመሪካ ብቕጽበት ኣብ ልዕሊ 19 ሃገራት እግዳ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።
እቲ እገዳ መገሻ ኣብ ታሕሳስ'ውን ዝርዝር ሓሙሽተ ሃገራት ተወሲኸናኦ።
ዜጋታት ናይተን ቀዲሙ እገዳ ዝተነበረለን 19 ሃገራት ሕቶ ዑቕባ፡ ሕቶ ዜግነትን፡ ሕቶ ግሪን ካርድን ብቕጽበት ደው ከምዝብል'ዩ ተገይሩ።