እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ሶማሊላንድ ዝበጽሐ እስራኤላዊ ሚኒስተር ቀልጢፉ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ንፈለማ ግዜ ኣብ ሶማሊላንድ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዱ።
እቲ ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ሃርጌሳ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ሶማሊላንድ ዝተራኸበ ጊዴዎን ሳእር ቀልጢፉ ናብ ሃገር ከምዝተመልሰ ተፈሊጡ'ሎ።
እስራኤል ብ26 ታሕሳስ ንሶማሊላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ'ዩ እቲ ላዕለዋይ ሚኒስተር ናብ ሶማሊላንድ ኣትዩ ነይሩ።
ካብ ሃርጌሳ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብዕድመ ፕረዚደንት ዓብዲራሕማን (ዒሮ) ናብ ሶማሊላንድ ፈላሚ ወግዓዊ ምብጻሕ ምክያደይ ዓቢ ክብሪ ይስመዓኒ" ኢሉ።
"እዚ ምብጻሕ እዚ፡ መልእኽቲ እዩ፣ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሶማሊላንድን ዘሎ ዝምድና ንምድንፋዕ ተላዒልና ከምዘለና" ይብል ሚኒስተር ጌደዎን።
ምስ ፕረዚደንት ዓብዲራሕማን ዝርከቦም ሰበሰልጣን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ብምግላጽ፡ ንልኡላውነትን ሃገርነትን ሓድሕደን ኣፍልጦ ምሃበን ናብ ዝኾነ ወገን ዘነጻጸረ ከምዘይኮነ ገሊጹ።
ዒሮ ብወገኑ፡ እቲ ድሕሪ 34 ዓመት ዝተፈጸመ ዝበሎ ምብጻሕ ከምዘሐጎሶ ብምግላጽ፡ "ነቲ መንግስቲ እስራኤል ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ንምሃብ ብ26 ትሕሳስ 2025 ዝወሰዶ ታሪኻዊን ተባዕን ዘለኒ ምስጋና ኣቕሪበ" ብምባል ንኢዱ።
"ሶማሊላንድ ተተኣማምንን ሓላፍነታዊትን መሻርኽቲ ምዃናን፡ ከምኡ'ውን ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ዘለዋን፡ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ሰላም፡ ጸጥታን ሃናጺ ጽምዶን ጽኑዕ ተወፋይነት ከምዘለዋን ደጊመ ኣረጋጊጸ"።
ኣብ ሞቓድሾ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ "ዘይሓጋዊ" ዝበሎ ምብጻሕ ናይቲ ላዕለዋይ እስራኤላዊ ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ'ሎ።
"ነዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ናብ ሃርጌሳ ዝበሮ ወራር ኢሚግረሽን ብትሪ ንኽንኖ" ይብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።
እስራኤል ወሲዳቶ ዘላ ውሳነ ካብ ሞቓድሾ፡ ግብጺ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓብ፡ ጂቡቲን ቱርኪን ዝርከብአን ሃገራት እቲ ዞባ ሓያል ተቓውሞ ገጢምዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ብዓርቢ 26 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሎሚ፡ ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ከም ዝሃብናያ ኣፍሊጠ፡" ክብል ሓቢሩ ነይሩ።
"ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ [ጊዴወን] ሳኣርን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማሊላንድን ሓባራዊን ሓድሕዳዊን ኣዋጅ ፈሪምና። ንህዝቢ ሶማሊላንድ፡ ዓወት፡ ብልጽግናን ናጽነትን እምነየሎም፡" ክብል ነታንያሁ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ንትካል ስለያ ወጻኢ እስራኤል (ሞሳድ) ከምኡ'ውን ሚኒስተር ሳእር ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ብፍሉይ ምምስጋኑ'ውን ኣቓልቦ ስሒቡ ነይሩ።
ቻይና፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብኦም ሓለያ ሃገራትን ውድባትን፡ ሶማሊላንድ ኣካል ሶማልያ ብምዃና ከም ልኡላዊት ሃገር ምፍላጣ ኣብ ሶማልያን እቲ ዞባን ዘይምርግጋእን ኣሉታዊ ኣብነትን ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
ብወገን ናይቲ ኣብ ሞቓድሾ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝተዋህበ ግብረመልሲ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ሶማልያ ኰነ ኢልካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ ብምባል እቲ ብእስራኤል ዝተወስደ ውሳነ ነጺግዎ።
ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ ግን፡ "ታሪኻዊ ህሞት" ክብል ፈላሚ ኣፍልጦ ምርካቡ ከም ዘሐጐሶ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ ተሪር መግለጺ፡ ሶማሊላንድ ዘይትንጸል ኣካል ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ምዃና ዘነጽር መርገጺ ወሲዱ'ሎ።
"ዝዀነ ይዅን ንሓድነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሶማልያ ንምድኻም ዝግበር ፈተነ ንመሰረታዊ መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጻረር ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ኣህጉር ንሰላምን ምርግጋእን ኣዝዩ ሰፊሕ ጽልዋ ዘለዎ ሓደገኛ ቅድመ-ኵነት ዘቐምጥ ሓደጋ ኣለዎ፡" ይብል።
እታ ኣቐዲማ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ መብጽዓ ኣትያ ዝነበረት ኢትዮጵያን ንውሳነ እስራኤል ብዝምልከት ዝዀነ መግለጺ ካብ ምሃብ ተቖጢባ ትርከብ።
ኤርትራ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ብዝምልከት ካብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ዘየወላውል ንጹር መልሲ ኪወሃቦ" ጸዊዓ።
ቻይና ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ሕልናዊ ሓላፍነት " ክትስከም ከምኡ'ውን ነቲ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ "ዘየማትእ ምላሽ" ኣብ ምሃብ ኣጃማ ክትጻወት ዝጸውዐት ኣስመራ፡ ነቲ ውሳነ ምስ ጉዳይ ታይዋን ኣተሓሒዛቶ ምንባራ ይዝከር።
እቲ "ጸወታ" ምስጢር ዘይኰነስ፡ ንሓያሎ እዋን ክጥጃእ ዝጸንሐን፡ "ሓደገኛ ዞባዊን ዓለማዊን ቅልውላውን ዕንወትን" ዘለዓዕል ሓደጋ ከምዘለዎ'ዩ እቲ ብመገዲ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ዝነቅፍ።
እንተዀነ እቲ መግለጺ ኤርትራ ንእስራኤል ይኹን ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ብስም ኣይጠቐሰን።
በይዢንግ ብወገና፡ "እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም 'ናጻ ልኡላዊት ሃገር' ብወግዒ ምፍላጣ ቻይና ዘለዋ ከቢድ ስክፍታን ተሪር ተቓውሞን ትገልጽ" ይብል።
"ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ሕግን፡ ሶማሊላንድ ዘይትንጸል ኣካል መሬት ሶማልያ እያ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእትኣ ወርሒ ታሕሳስ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ሶማልያ ባዕላ እትርከበን ሓያሎ ኣባላት ሃገራት እስራኤል ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ከም ዝቃወማ ገሊጸን ነይረን እየን።