እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ንወተሃደራዊ ምርኢትን መግለጺን ኢትዮጵያ ዝሃበቶ ምላሽ
ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጎረባብታ ወተሃደራዊ ምፍርራሕ ተካይድ ኣላ ክትብል ኤርትራ ነቒፋ።
ኣስመራ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርኢትን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝቐረበ መግለጺ ሰበስልጣን እታ ሃገርን ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ "ቅሉዕ ምጥሓስ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎሮቤታን ጎረባብታን እዩ" ኢላ።
ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ "መርዛምን ቶኽታዂን" እዩ ክብል ገሊጽዎ።
ኣብይ ኣሕመድ ብ22 ለካቲት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሃገሩ ንወተሃደራዊ ዓቕማ "ካብ ልምምድ ምድሪ ናብ ልምምድ ባሕሪ፡" ከም ዘሰጋገረቶን ካብ ሶማልያ ክሳብ ወደብ ምጽዋዕ [ኤርትራ] ንዝዝርጋሕ ዞባዊ ገማግም ባሕሪ ክትሕሉን ምዃና ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብይ፡ ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ ንመበል 65 ዓመት ኣብ ዝተባዕለ እዚ ፍሉይ ስርሒታት፡ ኢትዮጵያ፡ "ብካሚካዝ [ድሮን] ዕርድታት ክድምስስ" ዝኽእል 'ፍሉይ ሓይሊ' ከም ዝሃነጸት'ውን ጠቒሱ'ዩ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራ ብሰንኪ ኣዲስ-ኣበባ ብተደጋጋሚ ተቕርቦ ዘላ ሕቶ ልኡላውነት ኣፍደገ ባሕሪ ወጥሪ ዓሲልሉ ኣብ ዘሎ፣ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ወጥሪ ኣብ ዝዓበየሉን'ዩ እቲ ዳርባ ቓላት ዝቕጽል ዘሎ።
"ተልእኾና ኲናት ዘወግድን ኲናት ዝውድእን ፍሉይ ሓይሊ ምህናጽ'ዩ... ኢትዮጵያ ኣይተደፈረትን ኣይክትደፍርን'ያ፡" ኢሉ።
"[ወተሃደራዊ] ምድላዋትና፡ ብሓፈሻ ኣብ ኣፍሪቃ ሰላምን ብልጽግናን ምርግጋጽ፣ ከምኡ'ውን ንሃገራት ዞባና ድጋፍን ዋልታን ንምዃን እዩ። ነዚ ንምትግባር ድማ ነቲ [ወተሃደራዊ] ስልጠና ካብ መሬት ናብ ባሕሪ ኣሰጋጊርናዮ ኣለና" ክብል ኣጠንቂቑ።
ሚኒስተር የማነ ኣብቲ ብኤክስ ዝሃቦ ምላሽ "ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምውሓስ ሓላፍነትን ጉዳይን ናይተን ኣብ ወሰናስኑ ዘለዋ ሃገራት'ዩ" ኢሉ።
መግለጺ ኣቢይ፡ "ምስቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ [ሽመልስ ኣብዲሳ] 'ኣብ ዝመጽእ ዓመት በዓል ኢረቻ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ (ዓሰብ) ከነብዕሎ ኢና' ዝበሎ" ዝመሳሰል ምዃኑ'ዩ እቲ ኤርትራዊ ብዓልስልጣን ከመሳስሎ ፈቲኑ።
"መሪር'ኳ እንተኾነ፡ ዘይርጉእ ዓለማዊ ኩነታትን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ታህዋጽን ጉልባብ ብምግባር ሰልፊ [ብልጽግና] ዓለምለኻዊ ሕግታት ፊን ከምዝበሎ ክጥሕስ ፍጹም ፍቓድ ከምዘለዎ'ዩ ዝኣምን"።
"ከምኡ ስለዝኾነ ድማ'ዩ፡ ድልየቱ በዞም ሓደገኛ ተግባራት ጎነጽን ዘይምርግጋእን ንገዛእ ርእሱ ከርዊ ዝሰርሕ ዘሎ፣ ሸሓኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ ድጐማ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ከምኡ'ውን ካልኦት ለገስቲ እናተጸበየ"።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣስመራ ዝነበራ ጥቡቕ ሽርክና ሓርፊፉ፡ ናብ ምትፍናን ኣብ ዝሰገረሉ ዘሎ እዋን፡ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስልጠናታት ኣብ ምሃብን ምሕያል ዕጥቅን ተጸሚዳ ከምእትርከብ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ክልቲአን ሃገራት ምስ ተቓወምቲ ሓድሕደን ዝገብርኦ ምንቅስቓስን'ውን ነቲ ወጥሪ የጋድዶ ከምዘሎ'ዩ ዝንገር።
መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ተተፋኒኑ ዘሎ ህወሓት ርክብ ብምምስራት ኣንጻር ኣዲስ ኣበባ ዝቐንዐ ልፍንቲ ይፈጥር ኣሎ ክብሉ'ዮም ሰብመዚ ኢትዮጵያ ዝኸሱ።
ምስ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ- ፋኖ ርክባት ከምዘለዎን ደገፍ ከምዝህብ'ውን ይወቕሱ።
እታ ንነዊሕ ዓመታት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ተአንግድ ዝነበረት ኣዲስ ኣበባ'ውን ብወገና፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቃለሱ ሓደስቲ ውድባትን ሓቚፋ ከምዘላ ይፍለጥ።
እቲ ኩነታት ነዘን ብተደጋጋሚ ክዳመያ ዝጸንሓ ድኻታት ሃገራት ናብ ዳግማይ ቐዛፊ ኲናት ከየምርሐን ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብቲ ዞባ ጽልዋ ኣብ ምፍጣር ዝርከባ ሃገራት ወጻኢ'ውን ነቲ ወጥርታት ኣብ ምዕራግ ግደ ይጻወታ ከምዘለዋ ይግለጽ።
ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝቕጽል ዘሎ ወጥሪ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ ጁቡቲን ክምጠጥ ተኽእሎ ከምዘለዎ ተንተንቲ የመልክቱ።
እስራኤል፡ ነታ ባዕላ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ዝሃበቶ ሃንደበታዊ ኣፍልጦ ሃገርነት ከምኡ'ውን ጉዳይ ናይታ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋ እተስፍሕ ዘላ ቱርኪ ሓይልታት ወጻኢ ኣብቲ ዞባ ዘለዎም ምትእትታው ዘነጽር'ዩ።