ኣቢይ ኣሕመድ፡ ካብ ሶማልያ ክሳዕ ምጽዋዕ ገማግም ባሕሪ ዝሕሉ 'ፍሉይ ሓይሊ' ከም ዝሃነጸ ገሊጹ

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብ22 ለካቲት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሃገሩ ንወተሃደራዊ ዓቕማ "ካብ ልምምድ ምድሪ ናብ ልምምድ ባሕሪ፡" ከም ዘሰጋገረቶን ካብ ሶማልያ ክሳብ ወደብ ምጽዋዕ [ኤርትራ] ንዝዝርጋሕ ዞባዊ ገማግም ባሕሪ ክትሕሉን ምዃና ገሊጹ።

ኣቢይ፡ ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ ንመበል 65 ዓመት ኣብ ዝተባዕለ እዚ ፍሉይ ስርሒታት፡ ኢትዮጵያ፡ "ብካሚካዝ [ድሮን] ዕርድታት ክድምስስ" ዝኽእል 'ፍሉይ ሓይሊ' ከም ዝሃነጸት ሓቢሩ።

እቲ መደብ ብመንግስታዊ ተለቪዥን ኢ-ቲቪ ብቐጥታ ተፈንዩ።

እዚ ዘረባ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራ ብሰንኪ ኣዲስ-ኣበባ ብተደጋጋሚ ተቕርቦ ዘላ ሕቶ ልዑላውነት ኣፍደገ ባሕሪ ወጥሪ ዓሲልሉ ኣብ ዘሎ፣ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ወጥሪ ኣብ ዝዓበየሉ ዝመጽአ እዩ።

"ተልእኾና ኲናት ዘወግድን ኲናት ዝውድእን ፍሉይ ሓይሊ ምህናጽ'ዩ... ኢትዮጵያ ኣይተደፈረትን ኣይክትደፍርን'ያ፡" ኢሉ።

"[ወተሃደራዊ] ምድላዋትና፡ ብሓፈሻ ኣብ ኣፍሪቃ ሰላምን ብልጽግናን ምርግጋጽ፣ ከምኡ'ውን ንሃገራት ዞባና ድጋፍን ዋልታን ንምዃን እዩ። ነዚ ንምትግባር ድማ ነቲ [ወተሃደራዊ] ስልጠና ካብ መሬት ናብ ባሕሪ ኣሰጋጊርናዮ ኣለና።"

ሓድሽ 'ፍሉይ ሓይሊ' ኢትዮጵያ፡ ካብ ሶማልያ ክሳብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዞባዊ ገማግም ባሕሪ ክሕሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

"ካብ ጫፍ ሶማልያ ክሳብ ጫፍ ምጽዋዕ፡ ንኣሕዋት ህዝብታት ኣብ ምክልኻል ግብረሽበራ ብምድጋፍ ኣብ ዞባና ሰላምን ራህዋን ከነረጋግጽ ኢና፡" ኢሉ።

"ኢትዮጵያ ብቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐን ብካሚካዝ [ድሮን] ዕርድታት ዘፍርስ፡ ውግእ ዘቀላጥፍን ዝውድእን ፍሉይ ሓይሊ ስለ ዝሃነጸት፡ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ድማ ሃገራት ኣፍሪቃ እንቋዕ ሓጐሰኩም እብል፡" ክብል መዲሩ።

ኣብቲ መደብ ቃሉ ዘስምዐ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ እዚ ፍሉይ ስርሒታትን ሓለዋ ሪፓብሊካንን ተልእኾኦም ብሓባር ክፍጽሙ ምዃኖምን ገሊጹ።

እቲ ተልእኾ እንታይ ምዃኑ ግን ኣይሓበረን።

ኣዛዚ እዚ ፍሉይ ስርሒታት ሌተና ጀነራል ሹማ ኣብደታ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ኣሃዱ ተልእኾኡ ንምፍጻም "ድሉው" ምህላዉ ገሊጹ።

"መንግስትናን ህዝብናን ብሓላፍነት ዝሃበና ዝዀነ ይዅን ተልእኾ [ንምፍጻም] ድልዋት ምዃንና ደጊመ ከረጋግጸልኩም እፈቱ፡" ኢሉ።

ቀዳማይ ምኒስተር፡ ሰበስልጣን መንግስትን ወተሃደራውያን ኣዘዝትን፡ ኣፍደገ ባሕሪ ምውሓስ ቀዳምነት ናይ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ተሰሚዖም እዮም።

ኣብቲ መደብ፡ ኣሃዱታት ኮማንዶ ሰልፍታት ብምክያድ ዝተፈላለዩ ምርኢታት ኣቕሪቦም፤ ንኣብነት ብፓራሹት ናብ ቀላይ ሃዋሳ ክዘሉ ተራእዮም። ኢቲቪ ነቲ ትርኢት "ተራእዩ ዘይፈልጥ" ክትብል ንኢዳቶ።

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንወደብ ዓሰብ `ብሓይሊ` ንምሓዝ ኣብ ተፈራርሓሉ ዘላ፣ ከምኡ`ውን ወጥሪ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓት ኣብ ዝዓበየሉ፡ ኣብቲ ዞባ ኣዕናዊ ኲናት ከይባራዕ ስግኣት ኣሕዲሩ ይርከብ።