እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ጋሽ ባርካ ቀረብ ኤለክትሪክ ንምምሕያሽ ባጀት ሰሊዑ
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ኤርትራ ቀረብ ኤለትሪክ ንምስፍሕፋሕ ናይ 58 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ብ18 ለካቲት ዝጸደቐ ባጀት፡ ኣብ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝርከባ ሰለስተ ከተማታት ተሰነይ፡ ከርከበትን ባረንቱን ጽሩይን ዘየቋርጽን ኤለትሪክ ንምቅራብ ዝዓለም ከምዝዀነ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።
ካብቲ ሰልዲ እቲ 37.31 ሚልዮን ዶላር ብቀጥታ ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝውሃብ ኮይኑ እቲ ዝተረፈ 20.73 ከኣ ካብ ካልእ ባንክታት ብሓገዝ ዝርከብ'ዩ ክኸውን።
ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2025 ኣብ መላእ ኤርትራ መሰረተ-ልምዓት ንምሕያል፡ ቍጠባዊ ዕድላት ንምስፋሕን ርጉእ ኵነታት ንምፍጣርን ዘኽእል ግዝያዊ ስትራተጅያዊ ውጥን (I-CSP - 2025–2027) ከም ዝሓንጸጸ ምግላጹ ዝዝከር'ዩ።
ኣብቲ እዋን "ኤርትራ፡ ምስ ብድሆታት ትሑት ኣፍራይነት፡ ክሊማዊ ጸቕጥታት፡ ውሱንነት መሰረተ-ልምዓትን ንኡስ ብሕታዊ ጽላትን እናገጠመት፡ ምቍሉል ቍጠባዊ ዕቤት፡" ተመዝግብ ከም ዘላ ዝገለጸ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ሜዳታት ማለት ጸዓት፣ ማይን ጽሬትን ከምኡ'ውን ቍጠባውን ፋይናንስውን ምሕደራ ንዝህቦ ሓገዝ ከም ዘስፍሖ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ መዳይ ጸዓት፡ እቲ ባንክ ምስ ኤርትራ ብምትሕብባር፡ ዘተኣማምንን ብርትዓዊ ዋጋን ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምስፋሕ፡ ኣብ ተተካኢ ጸዓት ኣተኲሩ ከም ዝዓዪ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣረዲኡ ነይሩ'ዩ።
በዚ 58 ሚልዮን ዶላር 34 ሜጋዋት ዝዓቐኑ ኤለክትሪክ ከመንጩ ዝኽእል ንኡስ ርባብ [mini-grid] ብምትካል ኣብ ከተማታት ተሰነይ፡ ባረንቱን ከርከበትን ዝርገሐ ኤለክትሪክ ኣብ ምስፋሕ፡ ብርትዓዊ ዋጋ ንኣባይትን ንትካላትን ኤለትሪክ ኣብ ምቕራብን ክስራሕ'ዩ።
ብዘይካ'ዚ እዚ፡ ጽሩይ ማይ ኣብ ምቕራብን መስኖኣዊ ሕርሻ ኣብ ብምምዕባል፡ ምህርቲ ኣብ ምብርካትን ክስራሕ ንከኽእል ቀረብ ኤሌትሪክ ከዋድድ'ዩ።
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነበረ 542 ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ ሓዲሽ መስመር ኤለትሪክ ክዝርጋሕ ምዃኑን፡ እዚ ከኣ ንንኣሽገቱ ኣግሮ ኢንዱስትሪታት ስርሐን ብምስፍሕፋሕ ዋጋታት ቀረብ ክንክን ከኽእል ምዃኑ ሓቢሩ።
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ "እዚ ፕሮጀክት ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥ'ዩ ብፍላይ ኣብ እዋን ምህናጹ" ብምባል ነተን ኣብ ተተካኢ ጸዓት ዝነጥፋ ትካላት'ውን ተክኒካዊ ዓቕመን ኣብ ምምዕባል ክስራሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ "ምስ ግዜ እቲ ፕሮጀክት ልቀት ጋዝ ከጉድልን ኤርትራ ናብ ትሑት ካርቦንን ክሊማ ዝጻወር ቁጠባን ንምስግጋር ክድግፍ ትጽቢት ይግበር"ይበል።
ብሓፈሻ በዚ ሓዲሽ ፕሮጀክት ኣስታት 306 ሽሕ ተጠቐምቲ ክኾኑ ትጽቢት ከምዝግበር'ውን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።
ምክትል ፕረዚደንት ባንክ ግሩፕ ንጸዓን ክሌማን ከቨተን ካርዮኪ እቲ ምወላ ምጽዳቑ ብሓጎስ ብምቕባል "እዚ እዋናዊ ወፍሪ፡ ኣብ ኤርትራ ኣዚዩ ዘድልዮም ማሕበረሰባት ዘተኣማምንን ብተመጣጣኒ ዋጋን ጽሩይ ሓይሊ ንምብጻሕ ክሕግዝ'ዩ፡ በዚ ድማ ስራሕ ምፍጣር ክድርኽ'ዩ፡ ውሽጣዊ ቁጠባታት ከሐይልን ኤርትራ ናብ ዘላቒ ጸዓት ዘለዎ መጻኢ ክትስጉም ክሕግዛን'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ትሕቲ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝነጥፍ 'ደዘርት ቱ ፓወር' ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ውጥን፡ ኣብ ትሕተ ሳህራ ዝርከባ ሃገራት ቀረብ ተተካኢ ጸዓት ንምትካል ዓሊሙ ዝተመስረተ ወፍሪ'ዩ።
በዚ ወፍሪ እዚ ከኣ ኤርትራ፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ጫድ፡ ማሊ፡ ሞሪታንያ፡ ኒጀር፡ ናይጀርያ፡ ሰኔጋልን ሱዳንን ተጠቐምቲ ክኾና'የን።
እዚ 'ደዘርት ቱ ፓወር' ዝተሰመየ ወፍሪ፡ ምስ ባንኪ ዓለም ብምልፋን ክሳብ 2030 ኣብ ኣፍሪቃ ን300 ሚልዮን ሰባት ሓዲሽ ቀረብ ኤለትሪክ ንምቕራብ ተሊሙ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ቅልውላው ጸዓት ኤርትራ ንምቅላላ ኣብ 2023 ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ምወላ ክገብር ምስ መንግስቲ ናይታ ሃገር ስምምዕ ከቲሙ ነይሩ።
እቲ ገንዘብ ኣብ ከባቢ ከተማ ደቀምሓረ ንዝትከል ናይ 30 ሜጋ ዋት ጸሓያዊ መመንጨዊ ጸዓት ንምምዕባል ክውዕል ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ።
እቲ ባንክ፡ ኤርትራ፡ "በቲ ዘይእኹል፡ ዘይስሩዕ፡ ክቡርን በካልን ቀረብ ጸዓት፡" ክትሳቐ ምጽንሓ ይገልጽ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ውን ምስ መንግስታውያን ማዕከና ዜና ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት'ውን፡ ነቲ ካብ 120 ሜጋ ዋት ዘይሓልፍ ዝበሎ ዓቕሚ ናብ 360 ክብ ንምባል መደብ ከም ዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ 2022 ዝተሓላለኸ ስርዓተ-መርበብ (ኢንተግረይትድ ግሪድ ሲስተም) እታ ሃገር ናይ 151 ሜጋ ዋት ዓቕሚ ከም ዝነበሮን ዝበዝሐ ካብቲ ብናፍታ ዝሰርሕ ረስናዊ ምንጪ ዝርከብ ምዃኑን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ካብዚ ድማ ኣስታት 35 ሜጋ ዋት ጥራይ'ዩ ንኣገልግሎት ዝውዕል ይብል።
እቲ ዝርካቡ ዓቕሚ ዘመንጭዋ ማሽናትን ጀነረይተራትን ብእርጋንን ስእነት ናብዮትን ብቐጻሊ ግልጋሎት ከም ዘይህባ ይፍለጥ።
"ከም ሳዕቤኑ ድማ ምስቲ መርበብ ዝተራኸቡ ተጠቀምቲ ከይተረፉ ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ ኤለክትሪሲቲ ትሑት ኰይኑ፡ ን52 ሚእታዊት ናይቲ ህዝቢ ይሽፍን፡" ይብል እቲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዝግበር ልምዓታዊ መደባት ዝምውል ባንኪ።
ብተወሳኺ ኣብ መጋቢት ናይ ዓመተ 2025 ፡ ኤርትራን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃን ንህንጸት ፕሮጀክት ጸሓያዊ ጸዓት ዝውዕል ተወሳኺ 20 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ከም ዝኸተማ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ እዋኑ ገሊጹ ነይሩ።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ፕሮጀክት'ዚ ኣበይ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ዝገልጽ ሓድሽ ሓበሬታ ዛጊት የሎን።