ብህፃንነቱ ካብ ሞት ምስ ዘትረፎ ዶክተር ዝተራኸበ ኢትዮጵያዊ ሓኪም

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ገጠር ኢትዮጵያ ተወሊዱ ዝዓበየ መስፍን፡ ወዲ 11 ዓመት ከሎ ብፅኑዕ ሓሚሙ ነይሩ።

ናይቲ ከባቢ ሓካይም ክሕግዝዎ ኣይከኣሉን። ንዝሓሸ ሕክምና ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተሰዲዱ።

ኣብኡ'ውን ኣይተሓከመን፡ ሓደ ገባሪ ሰናይ ትካል ንሕክምና ናብ ኣመሪካ ክኸይድ ገይሩ።

ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮነ ድማ ናብ ኣትላንታ ጆርጅያ ገዓዘ።

ዶክተር ጂም ካውተን ዝተባህለ ኣመሪካዊ ዶክተር ክልተ ህይወት ዘድሕን መጥባሕቲ ልቢ ገይሩሉ።

"ዝመውት እዩ መሲሉኒ ነይሩ። ዶክተር ጂም ካውተን እዩ ህይወተይ ኣትሪፉዋ" ይብል መስፍን።

ድሕሪ እቲ ቀዳማይ መጥባሕቲ፡ ገለ ፀገማት ስለ ዘጋጠሞ፡ ካልኣይ መጥባሕቲ ክገብር ግድን ኰይኑዎ።

"ዝመውት ዘለኹ እዩ መሲሉኒ ነይሩ። ዶክተር ሪክ ሆትዝ ግን ኣይፈቐደን። ጂም ኣብቲ ዳግማይ መጥባሕቲ ንኻልኣይ ግዜ ህይወተይ ኣድሒኑኒ" ክብል ይዝክር።

ዶክተር ጂም ንፖድካስት ቢቢሲ 'ሃፒ ፖድ' ኣብ ዝሃቦ ቃለመሐትት፡ ህይወት ምድሓን ፃውዒት ነፍሱ ምዃኑ ይኣምን።

"መጥባሕቲ ልቢ እናገበርኩ ህይወት ንምድሓን ከም ዝተወለድኩ ኣብ ማእከል ስረሐይ እዩ ተረዲኡኒ" ይብል።

ድሕሪ ካልኣይ መጥባሕቲ ጂም ንመስፍን ኣብ ልቡ መካኒካዊ ቫልቭ ኣእትይሉ። ሓደ ሓደ ግዜ ድምፂ ይስማዕ ነይሩ።

"እቲ ቆልዓ ነዚ ድምጺ ይሰምዖ ነይሩ። 'ከመይ ጌረ ከረደኦ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?' ኢለ ክሓስብ ጀሚረ"።

ስለዚ ድማ ነቲ ቘልዓ ዝነበረ መስፍን ሰዓት ሂቡዎ።

"ቆልዑ ብዛዕባ'ቲ ካብ ቫልቭ ልቡ ዝወጽእ ድምጺ ክሓቱዎ ከለዉ፡ "ናይቲ ሰዓት 'ዩ" ይብሎም"

መስፍን ድሕሪ ሕክምናኡ ኣብ ኣመሪካ ተሪፉ።

እናዓበየ ምስ ከደ፤ ንሱ ድማ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ልቢ፡ ናይ ምስትንፋስ ኩነታት ዝከታተል መሳርሒ -ፐርፉዥኒስት [cardiac perfusionist] ከፅንዕ ወሰነ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ዝተገበረሉ መጥባሕቲ ልቢ፡ ንውሳነኡ ዝደረኸ ምዃኑ ገሊጹ።

ህይወቱ ዘድሓነ መጥባሕቲ ልቢ ካብ ዝግበረሉ 25 ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ።

መስፍን ሕጂ ኣብ ጎኒ እቲ ህይወቱ ዘድሓነ ሓኪም መጥባሕቲ ጂም ካውተን ኮይኑ ክሰርሕ በቚዑ ኣሎ።

"ኣብቲ መጥባሕቲ ዝካየደሉ ዓራት ምድቃስ እንታይ ከም ዝመስል እፈልጥ እየ። እቲ ሕማም ከመይ ከምዝኰነ እፈልጥ እየ። እቲ ፍርሒ እፈልጦ እየ" ይብል።

ብሞያኡ ኣቢሉ ንሕሙማት ክሕግዝ ከምዝኽእል ስለዝኣመነ'ዩ ሕክምና ከጽነዕ መሪጹ።

ንመስፍን ሓደ ገባሪ ሰናይ ትካል'ዩ ንሕክምና ናብ ኣመሪካ ክኸድ ሓጊዙዎ።

ዑደት ህይወት ተኸቲሉ፡ ኣብ 'ሃርት ኣታክ ኢትዮጵያ' ወለንተኛ ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

መስፍን ናብቲ ትካል ግበረሰናይ እንትኸይድ፡ ጂም ኣብኡ ብወለንታ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣይፈለጠን።

"ክልቴና ንሓድሕድና ክንጠማመት ጀሚርና፤ ተገሪምና። ዑደት ህይወት ክሳብ ክንደይ ዘገርም ምዃኑ ኣብታ ህሞት ተረዲእና። ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝኰነ ተመሊስና ክንሓስብ ግዜ ኣይወሰድናን" ይብል መስፍን።

ጂም ክሳብ ሕጂ ንመስፍን ይዝክሮ እዩ። ድሕሪ 25 ዓመት'ውን እንተዀነ ተሓካሚኡ ኣይረሰዐን።

"ኣዝዩ ቆራጽን ሕጉስን ቆልዓ እዩ ነይሩ። ርእይ ኣቢልካዮ ክትፈትዎ ቀሊል እዩ ነይሩ" ብምባል ብዛዕባ መስፍን ተዘክርኡ ይዛረብ።

ንመስፍንን ጂምን ዘራኽቦም ናይ ሓባር ሂወት እዩ። ክልቲኦም ህይወት ከድሕኑ ይደልዩ።

"ካብ ዝሓለፍናዮ ኢና ንጅምር ዘለና። ቀደም ተሓካሚኡ እየ ነይረ። ሕጂ ብሓባር ህይወት ነድሕን ኣለና" ይብል።

ጂምን መስፍንን ልዕሊ 400 ህይወት ኣድሒኖም ኣለዉ፤ ንሓካይም ብዛዕባ መጥባሕቲ የሰልጥኑ።

ጂም ብመስፍን ብጣዕሚ እዩ ዝሕበን።

"መስፍን ኣዝየ እየ ዘድንቖ። ዘይሕለል ስርሑን ህይወቱን ገዲፉ ናብ ዓዱ ተመሊሱ የገልግል ኣሎ። ብዝሰርሖ ኩሉ ኣዝየ እየ ዝሕበን" ይብል።

ሕልሚ መስፍን ምስ ጂም ምስራሕ'ዩ ነይሩ።

"ሕልመይ ጋህዲ ኮይኑ። ምስቲ ሓደ እዋን መጥባሕቲ ዝገበረለይ ሓኪም እየ ዝሰርሕ ዘለኹ። ንኻልኦት ክንሕግዝ ምኽኣል ንዓና ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ" ይብል።

መስፍንን ጂምን፡ ብሓባር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ህይወት ንምድሓን ብሓባር ምስረሖም ሓጎሶም ገሊጾም።

ሕጂ ጡረታ ዝወጸ ጂም፡ ን36 ዓመታት ሓኪም መጥባሕቲ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

"ንልዕሊ 11 ሽሕ ሰባት መጥባሕቲ ልቢ ገይረ እየ" ኢሉ። ህይወት ንምድሓን ዝሓዞ ሕልሚ ከም ዝፈጸመ ይኣምን።

እዞም ክልተ ሰብ ሞያ ሕክምና ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ግዜ ብምጉዓዝ ብወለንታኦም ተሳቲፎም።

ጂም ኣብ ናይ መጀመርታ ናይ ወለንታዊ መገሻኡ ንመስፍን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ ረኣዮ ክኣምን ኣይከኣለን።

ጂምን መስፍንን ድሕሪ 25 ዓመት ከምዝተራኸቡን ብሓባር ህይወት ንምድሓን ተልእኾኦም ይቕጽሉ ከምዘለዉን ይዛረቡ።

መስፍንን ጂምን ብሓባር ህይወት ምድሓኖም ፍሉይ ስምዒት ከምዝፈጥረሎም ይዛረቡ።

"መስፍን፡ ኣብዚ ምህላዉ ኣዝዩ ፍሉይ ይገብሮ። ክቡር ዓርከይ'ዩ" ይብል ጂም።

"ንውላድ ሓደ ሰብ ተስፋ ምሃብ ዓቢ ዋጋ ኣለዎ። ንሕሙማት ሓደ እዋን ልክዕ ከምቲ ንሳቶም ዝገበርዎ መጥባሕቲ ልቢ ከም ዝገበርኩ እነግሮም እየ፤ ሰላምን ተስፋን ይፈጥረሎም"።