እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ክብ ዘብል ዝበሎ ሓድሽ ስትራተጂ
ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መላእ ሃገር መሰረተ-ልምዓት ንምሕያል፡ ቍጠባዊ ዕድላት ንምስፋሕን ርጉእ ኵነታት ንምፍጣርን ዘኽእል ግዝያዊ ስትራተጅያዊ ውጥን (I-CSP - 2025–2027) ከም ዝሓንጸጸ ገሊጹ።
"ኤርትራ፡ ምስ ብድሆታት ትሑት ኣፍራይነት፡ ክሊማዊ ጸቕጥታት፡ ውሱንነት መሰረተ-ልምዓትን ንኡስ ብሕታዊ ጽላትን እናገጠመት፡ ምቍሉል ቍጠባዊ ዕቤት፡" ተመዝግብ ከም ዘላ ዝገለጸ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ሜዳታት ማለት ጸዓት፣ ማይን ጽሬትን ከምኡ'ውን ቍጠባውን ፋይናንስውን ምሕደራ ንዝህቦ ሓገዝ ከም ዘስፍሖ ሓቢሩ።
ኣብ መዳይ ጸዓት፡ እቲ ባንክ ምስ ኤርትራ ብምትሕብባር፡ ዘተኣማምንን ብርትዓዊ ዋጋን ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምስፋሕ፡ ኣብ ተተካኢ ጸዓት ኣተኲሩ ከም ዝዓዪ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዘውጽኦ ሓበሬታ የረድእ።
ኣቕርቦት ጸዓት እንድሕር ተመሓዪሹ፡ ሓደ ነገር ንምፍራይ ዝግበሩ ወጻኢታት ከም ዝቕንሱ፡ ኢንዱስትሪ ሕርሻ ከም ዝሕይልን፡ ከምኡ'ውን ንስድራቤታትን ንኣሽቱ ትካላትን ሓደስቲ ዕድላት ክፈጥረሎም ትጽቢት ከም ዝገብር ይገልጽ።
ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ቅልውላው ጸዓት ኤርትራ ንምቅላላ ኣብ 2023 ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ምወላ ክገብር ምስ መንግስቲ ናይታ ሃገር ስምምዕ ከቲሙ ነይሩ።
እቲ ገንዘብ ኣብ ከባቢ ከተማ ደቀምሓረ ንዝትከል ናይ 30 ሜጋ ዋት ጸሓያዊ መመንጨዊ ጸዓት ንምምዕባል ክውዕል ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ።
እቲ ባንክ፡ ኤርትራ፡ "በቲ ዘይእኹል፡ ዘይስሩዕ፡ ክቡርን በካልን ቀረብ ጸዓት፡" ክትሳቐ ምጽንሓ ይገልጽ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መንግስታውያን ማዕከና ዜና ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት'ውን፡ ነቲ ካብ 120 ሜጋ ዋት ዘይሓልፍ ዝበሎ ዓቕሚ ናብ 360 ክብ ንምባል መደብ ከም ዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ሃገረ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ድሩት ናይ ምምንጫው ዓቕሚ፡ ብኸቢድ ናይ ኤለክትሪሲቲ ቅልውላው'ያ ትሓልፍ ዘላ፡" ክብል እቲ ባንክ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ገሊጹ ነይሩ።
"ዕላማ ናይቲ ፕሮጀክት፡ ተሓደስቲ ምንጭታት ጸዓት ብምምዕባል ነቲ ክዓቢ ዘለዎን ካብ ዝተፈላለየ ምንጭታት ዝርከብን ቀረብ ኤለክትሪሲቲ ንምብርካት'ዩ፡" ይብል ብዛዕባ'ቲ ምወላ ዝገልጽ ሰነድ ናይቲ ባንኪ።
ኣብ መወዳእታ 2022 ዝተወሳሰበ ስርዓተ-መርበብ (ኢንተግረይትድ ግሪድ ሲስተም) እታ ሃገር ናይ 151 ሜጋ ዋት ዓቕሚ ከም ዝነበሮን ዝበዝሐ ካብቲ ብናፍታ ዝሰርሕ ረስናዊ ምንጪ ዝርከብ ምዃኑን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ካብዚ ድማ ኣስታት 35 ሜጋ ዋት ጥራይ'ዩ ንኣገልግሎት ዝውዕል ድማ ይብል።
እቲ ዝርካቡ ዓቕሚ ዘመንጭዋ ማሽናትን ጀነረይተራትን ብእርጋንን ስእነት ናብዮትን ብቐጻሊ ዓዲውዒል ከም ዝዀና ይፍለጥ።
"ከም ሳዕቤኑ ድማ ምስቲ መርበብ ዝተራኸቡ ተጠቀምቲ ከይተረፉ ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ ኤለክትሪሲቲ ትሑት ኰይኑ፡ ን52 ሚእታዊት ናይቲ ህዝቢ ይሽፍን፡" ይብል እቲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዝግበር ልምዓታዊ መደባት ዝምውል ባንክ።
ብተወሳኺ ኣብ መጋቢት ናይዚ ዓመት፡ ኤርትራን ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ንህንጸት ፕሮጀክት ጸሓያዊ ጸዓት ዝውዕል ተወሳኺ 20 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ከም ዝኸተማ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ እዋኑ ገሊጹ ነይሩ።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ፕሮጀክት'ዚ ኣበይ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ዝገልጽ ሓድሽ ሓበሬታ ዛጊት የሎን።
ኣብ ትሕቲ 'ማይን ጽሬትን' ኢሉ ዘቐመጦ መዳይ፡ ሕብረተሰባትን ሓረስቶትን ቀረብ ጽሩይ ማይ ዝረኽብሉ ወፍሪ ክዓቢ ምዃኑ ይገልጽ።
"ስርዓተ ኣቕርቦት ማይ ምሕያል፡ ጥዕና ህዝቢ ንምምሕያሽ፡ ኣፍራይነት ሕርሻ ንምዕባይን ብሰንኪ ክሊማ ንዝተጐድአ ናብ ንቡር ንምምላስን ክሕግዝ እዩ።"
ኣብ መዳይ ቍጠባውን ፋይናንሳውን ምሕደራ'ውን፡ ምሕደራ ፋይናንስ መንግስቲ ንምዝማን፡ ስርዓታት እቶት ውሽጢ ሃገር ምሕያልን ግሉጽነት ምዕባይን ክስርሓሉ ምዃኑ ይገልጽ።
"ሓያላት [ፋይናንሳዊ] ትካላት፡ ወፍሪ ክስሕባን ንቝጠባዊ ንጥፈታት ዝያዳ ፍሉጥ ሃዋሁ ክፈጥራን፡" ትጽቢት ከም ዝግበረለን የብርህ።
ነዚ ዕማማት'ዚ ንምትግባር ከኣ 119.7 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክምደበሉ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ዋና ሓላፊ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ኬነት ኦንያንጎ፡ "እዚ ስትራተጂ'ዚ፡ ነቲ ባንክ ምስ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ቀጻሊ ሽርክነት ዘደልድል'ዩ። ኣገደስቲ መሰረተ-ልምዓታት ንምዕባይን ንህዝብን ማሕበረሰባትን ዕድላት ንምፍጣርን፡" ነቲ ናይ ጽባሕ ብልጽግና ኣብ ሎሚ ምዕያይ ከም ዘድሊ ገሊጹ።