እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ከባብታት ሑመራ፣ ኣላማጣን ፀለምትን ካብ ምምሕዳር ትግራይ ወፃኢ መረፃ ከካይዳ ተወሲኑ
ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ እተን ካብ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግበአኒ ዝለዓለለንን ሰፋሕቲ ከባብታት ትግራይ፡ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ወፃኢ ኰይነን ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ መረፃ ከካይዳ ከም ዝተወሰነ ኣፍሊጡ።
ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ 16 ለካታት 2018 ዓ.ም [ግ]፡ ኣብ ዕላዊ ፌስቡክ ገፁ ኣብ ዝጠቀዖ መግለፂ፡ እተን ሓሙሽተ ክልላት መረፃ፡ ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወፃኢ ኮይነን መረፃ ከምዘካይዳ ዘፍለጠ፡ ካብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብዝመፅኦ ውሳነ መሰረት ተደሪኹ ምዃኑ ይገልፅ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "እዚ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ዘይብሉ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎ ውሳነ ብፅኑዕ እናኾነነ፡ እዚ ሓደገኛ ውሳነ ዘስዕቦ ዙርያ መለሽ መዘዝ ኣብ ግምት ኣትዩ ብኣግኡ ክእረምን ዳግመ ግምት ክግበረሉን ብፅኑዕ ይሓትት" ብዝብል፡ ነቲ ውሳነ ነፂጉ ኣሎ።
እቲ ቦርድ መረፃ፡ 22 ጥሪ 2018 ዓ.ም [ግ] ዝርዝር ክልላትን ጣብያታትን መረፃ ዕላዊ እንትገብር፡ እተን ሓሙሽተ ክልላት መረፃ፡ ማለት'ውን ሑመራ፣ ዓዲ-ረመፅ፣ ፀለምቲ፣ ኮረም-ኦፍላን ከምኡ'ውን ራያ-ኣላማጣን፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዝዀና ዝገልፅ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ቦርድ ኣብቲ ሎማዓንቲ ዘውፀኦ ደብዳበ፡ ቤት ምኽሪ ፌዴፈሬሽን ብ25 ጥሪ 2018 ዓ.ም ናብቲ ቦርድ ዝፀሓፎ ደብዳበ ግን፡ እተን 'ኣካታዕቲ' እናበለ ዝገልፀን ክልላት መረፃ፡ ሕገ-መንግስታዊ ፍታሕ ክሳብ ዝረኽባ፡ "ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ብዝዀነ መገዲ ተወከልቲ ፌዴራል ክመርፃ ኣለወን" ዝብል ውሳነ ከምዝተቐበላ ኣፍሊጡ።
"እቲ ቦርድ ዘውፀኦ ዝርዝር ክልላትን ጣብያታትን መረፃ ስዒቡ፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን 25 ጥሪ 2018 ዓ.ም ኣብ ዝሰደደልና ደብዳበ፡ ንክልቲአን ክልላት ዘካትዓ ሓሙሽተአን ከባብታት መረፃ፡ ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ፡ ተወከልቲ ሃገራዊ ባይቶ ክመርፃ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡና" ይብል።
ከምኡ'ውን፡ ብመሰረት ውሳነ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣብተን ግዝኣታት፡ ክልላዊ መረፃ ዝካየድ፡ እቲ ሕቶ ይግበአኒ ዕላዊ ፍታሕ ምስረኸበን ኣብ ዝምቹ እዋን ከምዝዀነ ይሕብር።
ከም ንቡር፡ ኣብታ ሃገር ነፍስወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ፡ ህዝብታት ንክልቲአም ባይቶ ፌዴራል፡ ንባይቶ ክልልን ወረዳን ወከልቶም ይመርፁ።
ኲናት ትግራይ፡ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም [ግ] ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ንሰፊሕ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ ሓዊሰ፡ ኣብ ቁፅፅር ዕጡቓት ኣምሓራ ዝርከቡ ገለ ከባብታት፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዕልባት ክረኽቡ ትፅቢት ይግበር ነይሩ።
እንተዀነ፡ እቶም ዛጊድ ንክልቲኦም ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘካትዑ ከባብታት፡ እነሆ ፍታሕ ከይረኸበ ሻድሻይ ዓመቱ ሒዙ ይርከብ።
ብፍላይ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ነበርቲ፡ ናብ መረበቶም ከይተመልሱ መረፃ ንምክያድ ከይፍተንን፡ ናብ ካልእ ዙር ጐንፂ ከይመርሕን ሰፊሕ ስግኣት ኣሎ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብቲ ዘውፀኦ ምላሽ፡ "ሕዚ ድማ ብቅሉዕ ሕገ መንግስትን ስምምዕ ፕሪቶሪያን ብምጥሓስ፣ ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘወድቕ ውሳነ ተመሓላሊፉ ኣሎ" ክብል ተቓውሞ ኣስሚዑ ኣሎ።