ዘለንስኪ፡ 'ፑቲን ሳልሳይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ኣሎ'

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ቭሎድሚር ዘለንስኪ፡ ፑቲን፡ "ሳልሳይ ውግእ ዓለም ክጅመር ገይሩ እዩ። ንድሕሪት ክምለሰሉ ዝኽእል እንኮ መንገዲ ልዑል ወተሃደራውን ቍጠባውያን ጽቕጢ፡" ብምግባር ምዃኑ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ገሊጹ።

ዘለንስኪ ኣብ ውሽጢ ኪየቭ ኰይኑ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ይሰዓር ከም ዘየሎን ኣብ መወዳእታ ብዓወት ዩክረይን ከም ዝዛዘምን ገሊጹ።

"ሕጂ'ውን ፑቲን ከም ዝጀመሮ እየ ዝኣምን። እቲ ሕቶ ክንደይ መሬት ክሕዝ ከም ዝኽእልን ብኸመይ ደው ከብሎ ከም ዝኽእልን'ዩ... ሩስያ ኣብ ዓለም ዝተፈልየ ሜላ ኣነባብራ ከተስገድድን ሰባት ንገዛእ-ርእሶም ዝመርጹዎ ህይወት ክትቅይርን ድሌት ኣለዋ፡" ኢሉ።

ዘለንስኪ፡ ምእንቲ ምቍራጽ ተዅሲ ክብል ንጠለባት ፑቲን ከም ዘየማልእ ብምግላጽ፡ ነቲ ሩስያ ዓሰርተታት ኣሽሓት ወተሃደራት ከፊላ ክትቈጻጸሮ ዘይከኣለት ቦታታት ክወጽእ ከም ዘይቅበሎ ተዛሪቡ።

"ነዚ ጉዳይ ብዝተፈልየ መንገዲ እየ ዝምልከቶ። ከም መሬት ጥራሕ ገይረ ኣይርእዮን እየ፣ ከም ክሕደት፡ መርገጺና ከም ምቕያር፡ ኣብኡ ዝነብሩ ኣሽሓት ህዝብና ከም ምግዳፍ እየ ዝርእዮ። 'ሓዲግካዮ ምኻድ' ንሕብረተሰብና ከም ዝኸፋፍል ርግጸኛ እየ፡" ኢሉ።

ፑቲን ነቲ እማመ ዘቕርብ ዘሎ 'ንዝተወሰነ እዋን ዕረፍቲ ብምውሳድ ዝያዳ ተደላዲሉ ንምምላስ እምበር ' ኲናት ክቕጽል ድልየት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ድሮ ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ዝርርብ ምቍራጽ ተዅሲ፡ "ዩክረይን ቀልጢፋ ናብ መኣዲ ዝርርብ ክትመጽእ ዝሓሸ እዩ፡" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

ትራምፕ ካብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ፡ ንዩክረይን ዝያዳ ጸቕጢ ምግባር ይቕጽል ኣሎ።

ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት'ውን ብወገኖም፡ ካብ ዩክረይን ክሳብ ሩስያ ዝግበር ግዝኣታዊ ሕድገታት መፍትሒ ናይቲ ትራምፕ ዝደልዮ ምቍራጽ ተዅሲ ምዃኑን፡ ትራምፕ ምስ ፑቲን ከም ዝተሰማምዐን ከመላኽቱ ጸኒሖም ኣለዉ።

ካብ ዋይት ሃውስ ወጻኢ ዘለዉ ሓያሎ ተንተንቲ እውን ዩክረይን ኣብቲ ኲናት ክትዕወት ከም ዘይትኽእልን ንሞስኮ ሕድገታት ከይገበረት ክትስዕር ከም ዘይኰነትን ይእምቱ።

እንተዀነ ዘለንስኪ ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ጀረሚ ቦውን፡ "ሎሚ ኣብ ኪየቭ ኣለኻ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዓድና፡ ኣብ ዩክረይን ኣለኻ። በዚ ኣዝየ እየ ዕጉብ። ክንሰዓር ዲና? ብርግጽ ኣይክኸውንን እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ንናጽነት ዩክረይን ንቃለስ ስለ ዘለና፡" ብምባል ነዚ ነጥብታት ይነጽጎ።

ዘለንስኪ ነቲ ደጋጊሙ ዩክረይን ክትዕወት'ያ ዝብሎ ከረድእ እንከሎ፡ ህይወት ዩክረንያውያን ናብ ንቡር ምምላስን ሞት ደው ምባልን ማለት ምዃኑ'ኳ እንተ ገለጸ፡ እቲ ንሱ ዘቐምጦ ሓፈሻዊ ኣገላልጻ ዓወት ግን ብመንጽር እቲ ካብ ፑቲን ዝመጽአ ዝበሎ ዓለማዊ ስግኣት እዩ።

ዘለንስኪ፡ "ሎሚ ንፑቲን ደው ምባልን ንዩክረይን ከይሕዛ ምኽልካልን ንመላእ ዓለም ዓወት'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፣ ምኽንያቱ ፑቲን ኣብ ዩክሬን ደው ኣይብልን'ዩ፡" ይብል።

መራሒ ዩክረይን ብዘይጻዓድ መንፈስ፡ "ግዝኣትና ክንመልስ ኢና - ናይ ግዜ ሕቶ ጥራሕ'ዩ። ሎሚ ነዚ ምግባር ማለት ሰራዊት [ሩስያ] ዓቢ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ - ሚልዮናት ሰባት - ምጥፋእ ማለት'ዩ። ከምዚ ዓይነት ስጕምትታት ዘኽፍሎ ዋጋ ንርዳእ ኢና። እዅል ዓቕሚ-ሰብ እንተ ዘይብልካ ክሳራ እዩ። ግን ድማ ብቕንዕና ክዛረብ እንተዀይነ፡ መሬት ብዘይ ሰባት እንታይ'ዩ? ዋላ ሓንቲ፡" ኢሉ።

ወሲኹ'ውን፡ "ንሕና እኹል ኣጽዋር የብልናን። እዚ ኣብ ልዕለና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ መሻርኽትና'ውን እዩ ዝምርኰስ። ስለዚ፡ ንሕጂ እዚ ዝከኣል ኣይኰነን። እንተዀነ፡ ናብቲ ፍትሓዊ ዶባት 1991 [ዩክሬን ናጽነታ ዝኣወጀትሉን ናይ መወዳእታ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት ዘቀላጠፈት ዓመት] ምምላስ ብዘይጥርጥር፡ ዓወት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ፍትሒ'ዩ። ዓወት ዩክረይን ምዕቃብ ናጽነትና እዩ። ንመላእ ዓለም ድማ መሬትና ብዓወት ብምምላስ ፍትሒ ምርግጋጽ እዩ፡" ክብል ተሓንዩ።

ይዅን'ምበር፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዳርጋ ኵሉ ናብ ዩክረይን ዝለኣኽ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ኣቢልዎ እዩ።፡

ኣመሪካ ግን ሕጂ'ውን ኣገዳሲ ደገፍ ስለያ ትህባ እያ፤ ሃገራት ኤውሮጳ ብወገነን ንዩክረይን ካብ ኣመሪካውያን ኣጽዋር ንምሽማት ቢልዮናት ገንዘብ ይስልዓ ኣለዋ።

ቢቢሲ ንፕረዚደንት ዩክረይን ብዛዕባ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ተጋራጫዊ ዝመስል ዘለንስኪ ነቲ ኲናት ዝጀመረ ውልቀ መላኺ እዩ ዝብል ምስ ክሲ ሓዘል መቓልሕ፡ ናይቲ ብቭላድሚር ፑቲን ዝቐርብ ኣበሃህላታት ዝመሳሰል ርእይቶታትን

ቢቢሲ፡ ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ብዛዕባ'ቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓድሕዱ ዝጋጮ ዝመስልን ነቲ ኲናት ዝጀመረ ውልቀ-መላኺ እዩ ዝብል ክስታትን ኣብ ዝተወከሰሉ፡ ንሰሓቕ እዩ መሊሱ።

"ኣነ ውልቀ መላኺ ኣይኰንኩን፣ ኲናት'ውን ኣይጀመርኩን - ንሱ እዩ [ንፑቲን]።" ክብል ነጺግዎ።

ዘለንስኪ ነቲ ተገራጫዊ ዝመስል ርእይቶታት ካብ ምሃብን ሓሳቡ ካብ ምቕያርን ዘይቍጠብ ትራምፕ፡ "ፕረዚደንታት ይቕየሩ፡ ትካላት ግን ይጸንሑ፡" ብምባል፡ ትራምፕ ዘይእመን ክኸውን ይኽእል፡ ንዘልኣለም ግን ኣብ ስልጣን ኣይክህሉን እዩ ብምባል ይምጕት።

ትራምፕ፡ ኣብታ ፑቲን ካብታ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ናይ መበል 20 ክፍለ ዘመን ንፈለማ እዋን መራሒ ዝዀነላ ሩስያ ምርጫ ክካየድ ኣይጠለበን።

ዘለንስኪ ቅድሚ ጠለብ ኣመሪካ ንሓፈሻዊ መረጻ ዩክረይ፡ ከምኡ'ውን ዘለንስኪ ብሩስያ ዘይሕጋዊ ፕረዚደንት ምዃን ምግላጽ፡ እቶም ውሕስነት ጸጥታ ኣብ ቦታኦም ክህልዉ ኣለዎም ይብል።

ቢቢሲ ኣብ ዝቕጽል መረጻ ክወዳደር ድዩ ኣይወዳደርን ኣብ ዝተወከሰትሉ፡ "ክወዳደርን ዘይክወዳደርን ይኽእል እየ፡" ብምባል ከም ዘይወሰነ ይጠቅስ።

እቲ መረጻ ኣብ 2024 ክካየድኳ እንተ ነበሮ፡ ድሕሪ ምሉእ ወራር ሩስያ ብዝተኣታተወ ወተሃደራዊ ሕጊ ግን ክካየድ ኣይከኣለን።

ዝተናወሐ ምርጫ ምክያድ፡ ንኽፍጸም ዘኽእል ሕጊ ንምቕያር ግዜ እንተ'ልይዎም ኣብ ዝተሓተትሉ እውን፡ ብቴክኒካዊ መዳይ ከም ዝከኣል ዝገለጸ ዘለንስኪ፡ ነቲ ሕጊ ብምቕያር መረጻ ክካየድ እንተዀይኑ ብቐዳምነት ንዩክረይን ዘውሕስ ጸጥታዊ ውሕስነት ከም ዘድሊ ይዛረብ።

ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዩክረይን ተቓወምትን ሓያላት ነቐፍትን ኣለዉዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ መሪሕነቱ ብዘጋጠሞ ናይ ብልሽውና ክስታት፡ ናይ ቀረባ ኣማኻሪኡ ንኽሓድጎ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

ኣብ ገለ እዋናት፡ ንመሻርኽቱ ብቐጻሊ ብዙሕን ዝሓሸን መሳርሒታት ክህብዎ ብዝገብሮም ጠለባት ኣቘጢዕዎም እዩ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ኦቫል ኦፊስ ብትራምፕን ቫንስን ዝቐረበሉ ክስታት፡ ምስጋና ኣልቦ ምዃኑ ዝገልጽ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዳሕረዋይ ዝርዝር ጠለቡ ካብ ዘሎ ንኣብነት፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ኣመርካ ልቸንሳ ኴንካ ፓትሪዮት ናይ ኣየር ምክልኻልን ሚሳይላትን ሓዊስካ ኣጽዋር ንምፍራይ ፍቓድ ክወሃቦም ዝጠልብ እዩ።

"ሎሚ እቲ ጉዳይ ምክልኻል ሓይሊ ኣየር'ዩ። እዚ እቲ ዝኸበደ ጸገም'ዩ። እቲ ዘሕዝን ግን መሻርኽትና ክሳዕ ሕጂ ባዕልና ከነፍሪ ፍቓድ ኣይህቡናን እዮም። ንኣብነት ስርዓታት ፓትሪዮት፡ ወይ'ውን ነቶም ድሮ ዘለዉና ስርዓታት ሚሳይላት'ውን ከይተረፈ። ኣብዚ ዛጊት ዓወት ኣይተጐናጸፍናን።"

ቢቢሲ እቶም መሻርኽቲ ዝብሎም ስለምንታይ ከምኡ ዘይገብሩ ኣብ ዝተወከሰሉ፡ ዘለንስኪ፡ "ኣይፈልጥን፣ መልሲ የብለይን፡" ክብል እዩ ብድብድቡ መሊሱ።