እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘለንስኪ፡ ሩስያ ሰላም ከተውርድ ምዕራባውያን ጸቕጢ ክገበሩ ተማሕጺኑ
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ መራሕቲ ምዕራብ ኣድላዪ ዝዀነ “ኵሉ መገድታት” ተጠቒሞም ንሩስያ ናብ ሰላም ክትመጽእ ጸቕጢ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።
ዘለንስኪ ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንዩክረይን ከተጥፍእን ንቕድሚት ክትስጕምን” ንእትደሊ ዘላ ሩስያ “ዝጭበጥ ኣስገዳድ” ሰላም ክግበረላ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ንነዊሕ ግዜ፡ ሓይልታት ሞስኮ ካብ ክሪሚያ ሓዊሱ ካብ ኵሉ መሬት ዩክረይን ክሳብ ዝወጽኡ ብቐጥታ ምስ ሩስያ ከም ዘይዘራረብ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።
እቲ ሕጂ ዘቕርቦ ዘሎ ጻውዒት ግን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዓወታት ኣብ እትረኽበሉ ዘላ እዋን ኰይኑ፡ ኪቭ ብሕጽረት ካብ ምዕራባውያን ዝቐርብ ኣጽዋር ተሃስያ ከም ዘላ ይፍለጥ።
ሩስያ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 3,200 ቦምባታት ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ትድርቢ ከም ዘላ ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት፡ “ነዚ ከመይ ገይርካ ትቃለሶ?” ክብል ኣብቲ ኣብ ማድሪድ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መግለጺ ሓቲቱ።
ሩስያ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ስዊዘርላንድ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ዋዕላ ሰላም ክትሳተፍ ዕድመ ይገበረላ ዝብል ሓሳብ ግን ነጺጉ።
ኣብቲ ጉባኤ ወከልቲ ልዕሊ 90 ሃገራት ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።
እቶም ልኡኻት፡ ኪቭ ካብ ዘቐመጠቶም ዓሰርተ ጠለባት መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ዩክረይን ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ንኽህሉ ዝሕግዝ መገዲ ክሕንጽጹ’ዮም ተባሂሉ ይግመት።
ዩክረይን፡ ኵሉ ዝተወረረ መሬት ክምለስ፡ ምስ ኲናት ዝተኣሳሰር ዝበጽሐ ዕንወት ካሕሳ ክኽፈልን ገበናት ኲናት ሩስያ ዝርኣየሉ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክህሉን ትጠልብ፤ ሞስኮ ነዚ ውጥን ነጺጋቶ’ያ።
ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን “ነቲ ሕጂ ብፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝዕወት ዘሎ ዕላማታት ንምዕዋት” ጥራይ ንዘተ ድሉው ምዃኑ እዩ ዝገልጽ፤ ሩስያ እቲ ወተሃደራዊ ወራር ኲናት ኢላ ኣይትጽውዖን።
ዘለንስኪ፡ መራሕቲ ምዕራብ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ብልግሲ ዝተዋህበ ኣጽዋር ዝተነበረ እገዳ ከልዕሉ ጸዊዑ። እዚ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት መጥቃዕቲ ንምፍጻም ከም ዝጥቀመሉ ይገልጽ።
እንተዀነ ኣመሪካ እትርከበን መብዛሕትአን ሃገራት ምዕራብ፡ ኪቭ እትፍጽሞም መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕሊ እቶም ብሩስያ ዝተጐብጡ ግዝኣታት ዩክረይን ጥራይ ከተድህብ ከም ዘለዋ ብትሪ ይገልጻ።
“ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸቕጢ ንምሕዳር ጥራይ ዘይኰነ፡ መሻርኽትና ኣንጻር ሩስያ ንነብስና ክንከላኸል’ውን ዕድል ክህባና ሓቢርና ክንሰርሕ ይግባእ” ክብል ዘለንስኪ ተዛሪቡ።
ሓደ ካብቲ እተን ለገስቲ ኣጽዋር ነቲ ብቢልዮናት ፓውንድ ዝግመት ሓገዝ ኣጽዋር ንክወሃባ ዘቕርባኦ ዘለዋ ቅድመ ኵነት፡ ዩክረይን፡ እዚ ኲናት ብኸመይ ክውዳእ ከም ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሳ ራእይ ከተነጽር ኣለዋ ዝብል’ዩ።
ስለዚ ድማ’ዩ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣቐዲሙ “10 ነጥብታት ውጥን ሰላም” ዝዘርግሐ።
እዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ምስሓብ ሓይልታት ሩስያን ካብ መጻኢ ወራር ሩስያ ውሕስነት ምርካብን የጠቓልል።
ኪቭ ኣቐዲማ’ውን ንሰላም ጻውዒት ከተቕርብ’ኳ እንተጸንሐት፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ግን ቃናኣ ተቐይሩ ኣሎ።
እቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ዋዕላ ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ህጹጽነት ክፈጥረሉ እንከሎ፡ ነዚ ተጠቒሙ ኣህጉራዊ ምልዕዓል ክፈጥር ይደሊ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝዀነ ዓይነት ስምምዕ ሰላም “ኣብ ዓውደ ውግእ ዘሎ ክውንነት ከንጸባርቕ” ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ክውንነት’ቲ፡ ሰራዊቱ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባ ሃርኪቭ ዩክረይን ዓቢይ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ምፍጻም ክቕጽሉ ዘጠቓልል’ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ዝያዳ ዓድታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ወተሃደራት ሩስያ ኣትየን ኣለዋ።
እዚ ን18 ኣዋርሕ ክቕጽል እንከሎ፡ ወተሃደራቱ መሬት ሒዞም ኣብቲ ግዝኣት’ዮም ዝጸንሑ ዘለው። ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ሩስያ ወይ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝዀነ ነገር ሕድገት ክገብሩ ኣይደልዩን።
ዩክረይን ግን፡ ዝዀነ ሕድገት ኣብ ኢድ ሞስኮ’ዩ ዘሎ ክትብል ትምጕት።
ኣዘዝቲ ዩክረይን ድማ ነቲ ኵነታት ይቈጻጸሩዎ ከም ዘለው ይገልጹ፤ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዳግማይ ኣህጉራዊ ጕዕዞ ምጅማሩ’ውን ነዚ ዘንጸባርቕ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ለካቲት 2022’ዩ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ጀሚሩ።