ኢትዮጵያ፡ ናብ ዳግማይ ኲናት ክትኣቱ ድያ?

ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ዳግም ናብ ኲናት ሓድሕድ ከይእቶ ስግኣት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ክልል ትግራይ ክወጽኡ ይድርኾም ኣሎ። እቲ ዝቐደመ ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ደው ካብ ዝብል ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ጥራይ'ዩ ኣቝጺሩ ዝርከብ።

"እቶም ዓቕሚ ዘለዎም ይዅኑ እቶም ኣውቶቡሳት ክጥቀሙ ዘይክእሉ [ብነፋሪት] ይወጽኡ ኣለው፡" ክብል ሓደ ነባሪ ከተማ መቐለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ብዙሓት መንእሰያት ናብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይኸዱ ከም ዘለው ገሊጹ። ሰባት ኣገደስቲ ነገራት ክዓቝሩ ይፍትኑ ስለ ዘለው፡ ዋጋ ሸቐጣት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብ ባንክታት ገንዘብ ንምውጻእ ምጕያይ ከም ዝስትውዓልን ይግለጽ።

ኣብዚ እዋን፡ ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 2000 ብር (13 ዶላር) ጥራይ ከውጽእ ገደብ ተገይርሉ ኣሎ።

ሕጽረት ገንዘብ ነቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝዛዘመ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ግጭት ዘዘኻኽር ብምዃኑ፡ እቶም ዓበይቲ ዝውውር ክገብሩ ዝደልዩ መብዛሕትኡ ግዜ ብኤሌክትሮኒካዊ ኣገባብ ንኸሳልጡዎ ተወሳኺ ክፍሊት ክኸፍሉ ኣለዎም።

እቲ ስምምዕ ሰላምከ?

ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ፡ ብገምጋም 600 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ። እቲ ክልል ድማ ናብ ዝኸፍአ ጸግዒ ጥሜት ክጥሕል ከም ዝገበሮ ይሕብር።

ስለዚ፡ እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት (ውዕል ፕሪቶሪያ) ዓብይ ሩፍታ ሒዙ መጺኡ።

እዚ ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶርያ ምስ ተፈረመ፡ እቲ ኲናት ደው ኢሉ፤ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ድማ ናብ ንቡር ተመሊሱ።

ይኹን እምበር፡ ክልተ ካብቶም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብቲ ስምምዕ ብዘይምክታቶም ብኡ ንብኡ ስግኣት ተላዒሉ።

  • ብሰሜን ምስ ትግራይ እትዳወብ ኤርትራ ሓንቲ ካብኣቶም'ያ። ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኖም ተዋጊኦም'ዮም
  • ኣምሓራ፡ ብሸነኽ ምዕራብ ንትግራይ ጐረቤት ኰይኑ፡ ዕጡቓት እቲ ክልል እውን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተዋጊኦም። ኣብ መጀመርያ ሰሙናት እቲ ኲናት፡ ንመሬት እቲ ብሕርሻ ዝሃብተመ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ሒዞም፣ እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ምንጪ ዘይምቅዳው ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ክልቲኦም - ኤርትራ ይዅን ምስቶም ካብ ኣምሓራ ዝመጽኡ ዕጡቓት ምልሻታት ዝነበሮ ርክብ ሓርፊፉ።

እታ ሃገር ኣብ ዝመጽእ ሰነ መረጻ ንምክያድ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ መንግስቲ ፈደራል ነቶም ብሓይልታት ኣምሓራ ዝተጐብጡ ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ምፍታሕ ብዘይምኽኣሉ ምስ ህወሓት ኣብ ምትህልላኽ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ዅሉ ሰፊሕ ዘይምትእምማን ዘስዓበ ኰይኑ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብቕልጡፍ ይዝረግ ኣሎ ማለት እዩ።

ሕጂ ነገራት ተጋዲዶም ድዮም?

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ሰራዊት ከም ዘሎ ዘይተረጋገጹ ጸብጻባት ክገልጹ ቀንዮም ኣለው።

ነዚ ስዒቡ፡ ሕቡራት ሃገራት ንዅነታት እቲ ዞባ "ኣዝዩ ዘይርጉእ" ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ መወዳእታ ጥሪ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ፈደራልን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣምሓራ ናብ ዝርከቡ ከባቢታት ክምለሱ ዝተንቀሳቐሱ ሓይልታት ትግራይን ሓጺር ግጭት ምንባሩ ይፍለጥ።

ሽዑ፡ መጥቃዕቲ ድሮናት ተፈጺሙ፤ ናብ ከተማታት ትግራይ ዝግበር በረራታት እውን ንኣስታት ሓደ ሰሙን ደው ኢሉ።

ኢትዮጵያ'ውን ኤርትራ ንሓይልታት ትግራይ ብምድጋፍ ኢዳ ኣእትያ ክትብል ከሲሳ'ያ።

ኤርትራ ነዚ ትነጽጐ፤ ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንጎ ህወሓትን ኣስመራን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምቅርራብ ከም ሓደጋ ይርእይዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣንጻር ኢትዮጵያ "ኲናት ንምውላዕ" ምስ "ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝርከቡ ሰባት፡" ምሕዝነት ትፈጥር ኣላ ክብል ናብ ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ጽሒፉ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ልዕሊ ትግራይ "ወራር ንምፍጻም፡" ምድላው ከም ዘሎን "ህዝቢ... ህልውናኡ ንምዕቃብ መጥቃዕቲ ክቃወምን ንነብሱ ክከላኸልን ግዴታ ክህልዎ እዩ፡" ኢሉ።

ቍጥዐ ህወሓት እንታይ'ዩ?

ህወሓት፡ ኣብ እዋን ኲናት ዝኸሰሮ ከም ምዕራብ ትግራይ ዝኣመሰለ ከባቢታት ከምልስ ይደሊ።

ኣብቲ ግጭት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ካብቲ ከባቢ ሃዲሙ ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ግዝያዊ መዓስከራት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ክነብር ጸኒሑ'ዩ። እዚኦም ክሳብ ሕጂ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይክኣሉን።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኣብ መንጐ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ዘሰሓሕብ ሓሙሽተ ከባቢታት፡ ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወጺአን፡ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብቐጥታ ክመርጻ ከም ዝተወሰነ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ምግላጹ ንብዙሓት ተጋሩ ኣቘጢዑዎም ኣሎ።

ኣብ እዋን ኲናት ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ተበይኑ ዝነበረ ህወሓት፡ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ዘለዎ ሕጋዊ ሰብነት'ውን ክምለስ ይደሊ።

እቲ መስርሕ ግን ብሰንኪ ዘይምርድዳእ ተዓናቒፉ ስለ ዝጸንሐ፡ ቦርድ መረጻ ፍቓድ ህወሓት ሰሪዙዎ'ዩ - እዚ ማለት ኣብ ዝመጽእ መረጻ ክወዳደር ኣይክእልን እዩ።

ህወሓት ንርእሱ፡ ምግምማዕ ኣጋጢሙዎ'ዩ፤ ገለ ኣባላት ሓድሽ ሰልፊ ብምቛም፡ ነቲ ድሮ ወጥሪ ዝዓሰሎ ኵነታት የተሓላልኽዎ ኣለው።

ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ሓድሽ ሰልፊ ክሳብ ዝምስረት እቲ ሰልፊ ን20 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ርኡይ ተራ እኳ እንተነበሮ፡ መራሕቲ ህወሓት ናብቲ ሓድሽ ሰልፊ - ብልጽግና - ክጽንበሩ ፍቓደኛታት ከይኰኑ ተሪፎም።

ደገፍቲ ኣብይ ነቶም ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተሪፎም ዘለው መራሕቲ፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ብግቡእ ከተግብርዎ ብዘይምኽኣሎምን ገጾም ናብ ኤርትራ ብምዛሮምን ይነቕፉዎም።

እዚ፡ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኣሰላልፋ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ኵነታት ኣዝዩ ዝተፈለየ ክኸውን ገይሩዎ ኣሎ።

ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ስለምንታይ ሓርፊፉ?

ክልቲአን ጐረባብቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዘይርጉእ ዝምድና እዩ ነይሩወን - ካብ መሓዙት ናብ ጸላእቲ ምዃን ዝቀያየር ኵነታት ክርኣየን ጸኒሑ ኣሎ።

ኤርትራ ኣብ 1993 ብወግዒ ካብ ኢትዮጵያ ናጽነታ ረኺባ፣ ድሒራ ግን ኣብ ኣዝዩ ደማዊ ዶባዊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ተዋጊኣ።

ኣብይ ነቲ ምስ ኤርትራ ን20 ዓመት ዝጸንሐ ኵነተ-ኲናት ከብቅዕ ብምግባር ኣብ 2019 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተዓዊቱ'ዩ።

ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝያዳ ዝደልደለ ምሕዝነታዊ ዝምድና ግን፡ ብሰንኪ ዘልዓሎ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ናይ ቃላት ኲናት ዓሪጕ ይርከብ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ እታ ልዑል ብዝሒ ህዝቢ ሒዛ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ናጽነታ ምስ ረኸበት - 1350 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ሒዛ - ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ብምስኣና እዩ።

እዚ፡ ንቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ጕዳይ ህልውና ኰይኑ፡ ደቡባዊ ወደብ ዓሰብ - ካብ ዶብ ኣስታት 60 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ - ክውንን ክደፍእ ጸኒሑ፤ ነዚ ብሓይሊ ክወስዶ'ውን ድሌት ከም ዘለዎ ኣአንፊቱ።

ኣብይ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ባይቶ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ቀይሕ ባሕርን ኢትዮጵያን ንዘልኣለም ተፈላልዮም ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም፡" ኢሉ።

ተራ ክልል ኣምሓራ እንታይ'ዩ?

ካብ 2023 ጀሚሩ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቀስ እናበለ ዝዓርግ ግጭት ክርአ ጸኒሑ ኣሎ።

እዚ፡ እቲ ክልል ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ንመንግስቲ ዝሃቦ ሓገዝ ብግቡእ ኣፍልጦ ስለ ዘይተዋህቦ ምስ ዝተፈጥረ ቍጥዐ ዝተኣሳሰረ'ዩ።

እቶም ዕጡቓት፡ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ከም ኣካል ክልል ኣምሓራ ብወግዒ ኣፍልጦ ክወሃቦ ይደልዩ።

ኢትዮጵያ'ውን ኤርትራ ኣብዚ ዘይምርግጋእ ኢድ ኣለዋ ክትብል ትኸስስ – ኤርትራ ነዚ ትነጽጎ።

ኣብ ጥሪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ፈደራል፡ ብኤርትራ ናብ ጸረ-መንግስቲ ምልሻታት ተላኢኾም ዝበልዎ 50 ሽሕ ጠያይቲ ከም ዝሓዙ ገሊጾም።

ካልእ ኲናት ነቲ ዞባ ናበይ ክወስዶ ይኸውን?

ትግራይ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ኲናት ዘስዓቦ በሰላ ገና ኣይሓወየትን ዘላ።

እቲ ዝበዝሐ ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ዳግመ ህንጸት ስለ ዘይተገበረሉ፡ ቍጠባ እቲ ክልል ምሉእ ብምሉእ ክምለስ ኣይከኣለን።

ሕዱር ሽቕለት ኣልቦነት ንብዙሓት መንእሰያት ናብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝሓሸ ዕድላት ንምርካብ ሓደገኛ መስመራት ስደት ክኽተሉ ይደፍኦም ኣሎ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ወይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምሉእ ኲናት ክለዓል እንተዀይኑ ትግራይ ቀንዲ ዓውደ ውግእ ክትከውን ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ድማ ነቲ ክልል መሊኡ ከዕንዎ እዩ። ነቲ ሰፊሕ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን ርግኣት ክኸልኦ ይኽእል።

ጎረቤት ሃገር ሱዳን፡ ድሮ በቲ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ትሕመስ እያ ዘላ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ክኢላ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሚኪኤል ወልደማርያም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትግራይን ካልኦት ኢትዮጵያውያን ውሽጣዊ ተዋሳእቲ ዘሳትፍ ዝዀነ ይኵን ኲናት ምስ ሱዳን ናይ ምትእስሳር ተኽእሎኡ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ክልቲኦም ግጭታት ክወሃሃዱ እዮም፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካልእ ኲናት ንምውጋድ እንታይ ክግበር ይከኣል?

ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ፡ ብፍላይ ካብ ኣመሪካ ከም ቀንዲ መንቀሊ ናይቲ ኣብ 2022 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ተራእዩ'ዩ።

ሕጂ፡ ኣብቲ ዞባ ምትእትታው ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ይርአ ስለ ዘሎ፡ ካብአን ዝመጽእ ጸቕጢ ካልእ ኣዕናዊ ግጭት ከወግድ ይኽእል እዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ኣዲስ ኣበባ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለዋ ክግለጽ እንከሎ፡ መወዳድርታ ስዑዲ ዓረብ ድማ ናብ ኣስመራ ዝያዳ ከም ዝቐረበት ይግመት።

ይዅን እምበር፡ ሚኪኤል በዚ ተስፋ ኣይገብርን።

ኣብዚ ግዜ'ዚ "ሕብረት ኣፍሪቃ እኹል ሚዛን የብሉን፡" ብምባል፡ ኣቓልቦ ኣመሪካ ድማ ኣብ ካልእ ቦታታት ከም ዘሎን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ከም ዝተመቓቐላን ይሕብር።