እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ እታ ብነዳድን ወርቅን ሃብታም ዝዀነት ኮርዶፋን ብደብዳብ ድሮን ትናወጽ
ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ሓድሽ ግንባር ኰይኑ ዘሎ ደቡባዊ ማእከል ዞባ ኮርዶፋን ብዙሓት ሰለማውያን ዝሞትሉ ብዙሕ ደብዳባት ድሮን ይፍጸሞ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ክልቲኦም እቶም ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዶም ዘለዉ፡ ብሕሜቲ ዝምርሑ ዳዕመ ሰሪዕን ብኣልቡርሃን ዝምርሑ ሰራዊት ሱዳንን ሓይሎም እናተመጣጠነ ኣብ ዝኸደሉ ንዞባ ኮርዶፋን ሓድሽ ግንባር ገይሮምዎ ይርከቡ።
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ዋላ'ኳ ብኣመሪካ ዝምራሕ ጻዕሪታት ሰላም እንተ ተኻየደ፡ ሓደ ካብ ዝልዓለ ሞት ሰለማውያን ሰባት ዝተረኣየሉ ኲናት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
እዚ ኣብ ቀረባ ኣብ ዞባ ኮርዶፋን ዝተገብረ ደብዳብ ድሮናት ኣብ ዕዳጋ፡ ማእከላት ጥዕና፡ ረድኤት ዝጽዓና መካይንን መንበሪ ኣባይትን'ዩ ተፈጺሙ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ትካላት ሰባዊ ረድኤትን'ውን ከቢድ ነድሪ ኣስዒቡ ኣሎ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ቮከር ቱረከ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኵሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ደብዳብ ብቕጽበት ደው ከብልዎ ኣለዎም" ኢሉ።
ብምስዓብ "ኵሎም ወገናት ካብ ንብረት ሰለማውያን ሰባት ምጥቃም ጀሚሮም ንሰለማውያን ሰባት ንምክልኻል ህጹጽ ስጉምትታት ክወስዱ ኣለዎም፡" ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ኮርዶፋን ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ልዕሊ 50 ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዝገልጽ ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ'ዩ ነዚ ለበዋ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ደብዳብ ድሮን ብሰራዊት ሱዳን ከም ዝተፈጸመ'ዮም ካብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ጸብጻባት ዝሕብሩ።
እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባትን ትሕተ ቅርጽን ደብዳብ ብምፍጻም ክልቲኦም ወገናት'ዮም ዝኽሰሱ።
ኮርዶፋን ቀንዲ መራኸቢት እቲ ኣብ ትሕቲ ዳዕመ ሰሪዕ ዝርከብ ዞባ ዳርፉርን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን እትርከብ ካርቱምን'ያ።
እቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ብሰንኪ ዘይምስምማዕ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተወለዐ ኰይኑ ክሳብ ሕጂ መዕለቢ ኣይተረኸቦን ዘሎ።
ዞባ ኮርዶፋን ብወርቅን ነዳድን ሃብታም ብምዃና ከኣ ሰራዊት ሱዳን ንኻርቱም ድሕሪ ምቍጽጻሩ ነዛ ዞባ ንምሓዝን ንምዕቃብን ቀንዲ ዕላማኡ ገይሩ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።
ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ'ውን ኣብ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ንከተማ ኣልፋሸር ምስ ሓዛ፡ እዛ ኣብ ደቡባዊ ማእከል ሱዳን እትርከብ ዞባ ቀንዲ ግንባር ናይቲ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ክትከውን ግዜ ኣይወሰደላን።
ንዳዕመ ሰሪዕ ንኮርዶፋን ምቍጽጻር ነታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝኸሰራ ካርቱም ንኸማልስ ዕድል ስለዝፈጥረሉ'ዩ ከም ዓባይ ስትራተጅያዊት ዞባ ዝርእያ።
ብዓቢኡ ከኣ ንኮርዶፋን ምቍጽጻር ኣብ ልዕሊ እቲ ዘለዋ ሃብታም ጸጋታት ንምሉእ ምዕራብ ሱዳን ንኸውሕስ ከም እትሕግዞ ኣክለድ ካብ 'ኢንዲፐንደንት ግሎባል ኮንፍሊክት ሞኒተር' ይገልጽ።
ዳዕመ ሰሪዕ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ንምዕራብ ሱዳን ካብ ሱዳን ብምንጻል ክልተ መንግስታት ክትከሉ'ዩ ዝጠልብ ዘሎ።
ምስቲ ቀንዲ መደበሩ ኣብ ደቡብ ዳርፉር ዝዀነ ምንቅስቃስ ሰራዊት ሓርነት ህዝቢ ሱዳን-ሰሜን (SPLM-N) ልፍንቲ ብምፍጣር ንሰራዊት ሱዳን ኣብ ምጥቃዕ ይርከቡ።
ኤስፒኤልኤም-ኤን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣንጻር ማእከላይ መንግስቲ ክቃለሱ ዝጸንሑ ዕጡቓት ኰይኖም፡ ቀንዲ ጠለቦም ከኣ ኣብ ልዕሊ ዞባታት ኑባን ብሉ ናይልን ዝግበር ፖለቲካውን ቍጠባውን ተነጽሎታት ደው ንኽብል'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ግን ሰራዊት ሱዳን ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ንክልተ ከተማታት ካብ ኢድ ዳዕመ ሰሪዕን ኤስፔኤልኤም-ኤን ብምምንዛዕ ላዕለዋይ ኢድ ክሕዝ ክኢሉ።
ነበርቲ ናይተን ንኽልተ ዓመታት ኣብ ምሉእ ክርደና ዳዕመ ሰሪዕን ኤስፒኤልኤም-ኤንን ዝጸንሓ ከተማታት ካዱግሊን ዲሊንግን ከቢድ ጥምየት ኣጋጢምዎም ከም ዝጸንሓ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ኣጄንሲ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት ሱዳን ነዘን ከተማታት ምስ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ዝጀመሮ ደብዳብ ኣጽዒቕዎ ይርከብ።
ዳዕመ ሰሪዕ ካብ ምጅማራ እቲ ኲናት ኣትሒዙ ልዕልና ሓይሊ ኣየር ሰራዊት ሱዳን ንምምካት ድሮናት'ዩ ዝጥቀም ዘሎ።
እተን ድሮናት ሲኤች 95 ዝብሃላ ነዊሕ ዝጕዓዛ ስርሓት ቻይና ኰይነን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ትህቦም ከም ዘለዋ'ዩ ብሰፊሑ ዝግለጽ፣ ኢማራት ግን ነዚ ክሲ ትነጽጎ'ያ።
ሰራዊት ሱዳን ከኣ ባይካር ዝብሃላ ስርሓት ቱርኪ ዝዀና ድሮናት'ዩ ዝጥቀም።
መንግስቲ ቱርኪ እተን ድሮናት ስርሓቱ ምዃነን'ኳ እንተዘይከሓደ፡ ንሰራዊት ሱዳን ብቐጥታ እተን ድሮናት ከም ዘይሃበ'ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መጀመርታ ለካቲት፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዞባ ዳርፉርን ኮርዶፋንን ድሮናትን ጸረ ነፈርቲ ሚሳይላትን ከም ዘዕነወ ገሊጹ ነይሩ።
ወሃቢ ቃል እቲ ሰራዊት ብሪጋደር ጀነራል ኣሲም ኣዋድ፡ እቲ ኣብ ዞባታት ዳርፉርን ኮርዶፋንን ኣብ ልዕሊ ኣጽዋር ዳዕመ ሰሪዕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ኣካል ናይቲ ብዳዕመ ሰሪዕ ተዓጢቑ ዘሎ ዘይወግዓዊ ኣጽዋር ንምዕናው ዝተወሰደ ስጕምቲ'ዩ" ኢሉ።
ቢቢሲ ነቲ ብማዕከን ዜና ሱዳን ዝተራእየ ስእልታት ሓቅነቱ ከረጋግጽ ኣይከኣለን፣ እንተዀነ ማዕከናት ዜና ቱርኪ ብ10 ለካቲት ስርሓት ቱርኪ ዝዀነት ኣኪንቺ ዝተሰመየት ድሮን ነቲ ብቻይና ዝማዕበለ ኤፍከይ-2000 ዝብሃል ስርዓት ምክልኻል ኣየር ከምዘዕነወት ኣቃሊሐን።
ብዛዕባ ቱርኪ ተፍርዮን ትዓጥቖን ዘላ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣኹል ኣፍልጦ ዘለዎ ዮሱፍ ኣክባባ ኣብ ኤክስ "እቲ ዳዕመ ሰሪዕ ዓጢቕዎ ዘሎ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር እንድሕር ዓንዩ፡ ሱዳን ብቕጽበት ነጻ ክትከውን'ያ" ኢሉ።
ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ከኣ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን ዝርከብ ስርዓት ምክልኻል ኣየር ዳዕመ ሰሪዕ ከምዘዕነዎ ኣፍሊጡ።
ዳዕመ ሰሪዕ ካብ ሊብያ ዝመጽኦ ዝነበረ ቀረባት በተን ካብ ግብጺ ዝበገሳ ሰለዋ ድሮናት ቱርኪ ይዕገት ብምህላዉ ሰራዊት ሱዳን ጸብለል ንኽብል ዓቢ ኣበርክቶ ይገብራ ከምዘለዋ'ዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ።
ዳዕመ ሰሪዕ ንዞባ ዳርፉር ምስ ተቖጻጸረ፡ ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንጥፍቲ ሓጋዚት ሰራዊት ሱዳን ኮይና ከምዘላ ብኒው ዮርክ ታይምስን ሮይተርስ ዝተገበረ መርመራታት የረድእ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ኤስፒኤልኤም-ኤን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኮርዶፋን መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ዝኸፍአ መልክዕ ከይሕዝ ስግኣት ኣሎ።
እቲ ዞባ ምስ ደቡብ ሱዳን ብዓቢኡ ምስ ኢትዮጵያ ከኣ ብጸቢብ ቦታ ዝራኸብ ብምዃኑ፡ ሰራዊት ሱዳን ክልቲኤን ሃገራት ዳዕመ ሰሪዕ ካብ ዶባተን ተበጊሱ መጥቃዕቲ ንኽፍጽም ይፈቕዳ ኣለዋ ብምባል ይኸሰን'ዩ።
መንግስታት ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ግን ነቲ ክሲ ይነጽገኦ'የን።
ሕቡራት ኢማራት'ውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ዝስልጥነሉ መዓስከር ከፊታ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ'ያ።
ሰራዊት ኤስፒኤልኤም-ኤን ምስ ዳዕመ ሰሪዕ ብምዃን ኣብ ከባቢ ዞባ ብሉ ናይል ሓድሽ ግንባር ንምኽፋት ነቲ ኣብ ዞባ ኮርዶፋን መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዘሎ ሰራዊት ሱዳን ጸቕጢ ንምፍጣር ይፍትኑ ኣለዉ ተባሂሎም'ዮም ዝግለጹ።
ኣዛዚ ዳዕመ ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኡጋንዳ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ'ውን "እዞም የሕዋትና ኣብ ብሉ ናይል ጽቡቕ ስራሕ'ዮም ዝገብሩ ዘለዉ" ኢሉ ነይሩ።