ሱዳን፡ 'ኣብ ሰለስተ መዓልቲ 6000 ሰባት ዝተቐትሉላ ከተማ' - ሕቡራት ሃገራት

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንከተማ ኣልፋሽር ኣብ ዝተቘጻጸረሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 6,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ኣብ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዝተጠቕሱ ግዳያትን መሰኻኽርን ኣቃሊዖም።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ህንጻ ዩኒቨርሲቲ ተዓቚቦም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ 1,000 ሰባት ተዅሲ ኣብ ዝኸፍቱሉ እዋን፡ ሬሳታት ናብ ኣየር ክነጥር ዝረኣየ ሰብ፡ "ካብ ሓደ ሆሮር - ናይ ፍርሒ - ፊልም ዝተወስደ ምርኢት እዩ ነይሩ፡" ክብል ምስክርነቱ ሂቡ።

እቲ ጸብጻብ፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ስቅያት፡ ጭውያታትን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝተገብረ ጾታዊ ዓመጽን ዝምልከት መርትዖታት ይጠቅስ። እዚኦም ድማ ገበናት ኲናትን ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝሕሰቡ እዮም ይብል።

ዳዕመ-ሰሪዕ ብዛዕባ እቲ ጸብጻብ ርእይቶ ኣይሃበን፣ እንተዀነ ቅድሚ ሕጂ ንዝቐረበሉ ተመሳሳሊ ክሲታት ክነጽግ ጸኒሑ እዩ።

ሱዳን ኣብ መንጎ ምዱብ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ዳርጋ ንሰለስተ ዓመት ዝቐጸለ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ክትሳቐ ጸኒሓ እያ።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ቀቲሉ፡ ልዕሊ 13 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ ገዛኦም ክፈናቐሉ ኣገዲዱ።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቀንስትዮን ህጻናትን ዝፍጸም ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ከገልግል ጸኒሑ ኣሎ።

ክልቲኦም ሰራዊት ይዅኑ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ግፍዒ ብምፍጻም ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።

ኣመሪካን ሂዩማን ራይትስ ዎችን፡ ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቱ ምልሻታትን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ማሳሊትን ካልኦት ዓረብ ዘይኮኑ ማሕበረሰባትን ምጽናት ዓሌት ከም ዝፈጸሙ ይገልጹ፤ እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጽአ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ግን ንኸምዚ ዝበለ ክሲ ደው ኣቢልዎ'ሎ።

ኣብ ዳርፉር እትርከብ ወሳኒት ከተማ ኣል-ፋሽር፡ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ከበባ ኣትያ ነይራ። እዚ ቦታ ድማ ኣብ ግጭት ሱዳን ካብቶም ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ዛንታታት ዝተራእየሉ እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መወዳእታ 2025 ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ሱዳንን ኣብ ምብራቓዊ ጫድን ልዕሊ 140 ግዳያትን መሰኻኽርን ብዛዕባ'ዚ ዝተፈጸም ግፍዒ ምስክርነቶም ሂቦም።

ኣብተን ቀዳሞት ሒደት መዓልታት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኣልፋሽር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ጥራይ "ብውሑዱ 4,400 ሰባት ተቐቲሎም፣ ልዕሊ 1,600 ካልኦት ድማ ካብታ ከተማ ክሃድሙ እንከለዉ ኣብ መንገዲታት ተቐቲሎም፡" ይብል ሕቡራት ሃገራት።

"እቲ ልክዕ መጠን ናይቲ ንሓደ ሰሙን ኣብ ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት ግን ብዘየወላውል ካብዚ ኣዝዩ ዝለዓለ'ዩ፡" ይብል እቲ ጸብጻብ ወሲኹ።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ኵሎም ሓይልታት ሱዳን ኣባላቶም ካብ ከምዚ ዝበለ ከቢድ ጥሕሰት ከጠንቀቑ ደጊሙ ጸዊዑ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ንኸምዚ ዝበለ ግፍዒታት ዝፍጽሙ ዘለዉ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ እትድግፍ ኢማራት ኢዳ ክትስሕብ ዝቐርብ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ እናወሰኸ መጺኡ።

ኢማራት ዓረብ ቀንዲ ኣቕራቢት ኣጽዋር ዳዕመ-ሰሪዕ እያ ዝብል ሰፊሕ ምጕት ትነጽግ።

ብሪጣንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንዂናት ሱዳን የጐሃህሩ ኣለዉ ዝበሎም ሽዱሽተ ወሰንቲ ሰባት እገዳ ኣንቢራ፤ ንሳቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ከምኡ'ውን ኮሎምብያውያን ዕሱባት ኣብ ምምልማል ዝነጥፉ ሰለስተ ወጻእተኛታት ዜጋታት እዮም።

ኣባላት ባይቶ ብሪጣንያ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን፡ ነቲ ብሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ኢማራት ዓረብ ዝተሸጠ ኣጽዋር ድሕሪኡ ብኢማራት ዳዕመ-ሰሪዕ ተሰጋጊሩ ኢሉ ሕቡራት ሃገራት ንዘልዓሎ ጉዳይ ኣብ ፓርላማ ተዘራሪቦምሉ እዮም።

ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ይቨት ኩፐር ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ "ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሰደድ ኣጽዋር ኣዝዩ ሓያል ቍጽጽር ኣለዋ፣ ካብ መዓላኡ ዝጥምዘዝ እውን ትከላኸል እያ፤ ነዚ ጉዳይ ድማ ብዕቱብ ኢና ንርእዮ፡" ኢላ።