እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓዲ-እንግሊዝ፡ ኣብ ልዕሊ ኣዘዝቲ ዳዕመ-ሰሪዕ እገዳ ኣንቢራ
ኣብ ህልቂት ኤል-ፋሽር ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተቓልዐ ሓደ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ እገዳ ተገይሩሉ።
'ኣቡ ሉሉ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ብርጋዴር ጀነራል ኣልፋቴሕ ዓብደላ እድሪስ፡ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ንኤል-ፋሽር ምስ ሓዙ፡ ብውሕዱ ዓሰርተ ዕጥቂ ዘይብሎም ምሩኻት ብጥይት ክቐትል እንከሎ ብቪድዮ ተራእዩ ነይሩ።
ሰራዊት ሱዳን ካብ ኤል-ፋሽር ድሕሪ ምስሓቡ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝተቐትሉ ይእመን።
ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ይቨት ኩፐር፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ፡ "ኣብ ሕልና ዓለም በሰላ'ዩ፤ እዚ ድማ ከይተቐጽዐ ክተርፍ ኣይክእልን'ዩ፡" ኢላ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ልዕሊ ምክትል ሓላፊ ዳዕመ-ሰሪዕ ዓብዱልራሒም ሓምዳን ዳጋሎ ሓዊሱ ካልኦት ሰለስተ ኣዘዝቲ ዳዕመ ሰሪዕ'ውን እገዳ ገይራ ኣላ።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሕዳር እገዳ ዝገበረሉ ኣዛዚ፡ እቶም ሓይልታት ዓብዱልራሒም ሓምዳን ዳጋሎ'ውን፡ ኤል-ፋሽር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እቶም ሓይልታት ድሕሪ ምእታዋ ኣብ ዝነበራ ሰዓታት፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መደበር ሰራዊት ክዘውር እንከሎ ኣብ ሓደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ተራእዩ'ዩ።
ንሱ፡ ሓው ንሓላፊ ዳዕመ-ሰሪዕ መሓመድ "ሕሜቲ" ዳጋሎ እዩ።
ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ብሰንኪ ኲናት ዝተበታተነት ሱዳን ብኸቢድ ዓንያ ትርከብ። ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ተበግሶታት ሰላም ፈሺሎም፣ ሓደ ካብኦም'ኳ ንዞባውያን ሓይልታት ጸቕጢ ክገብር ወይ ከእምን ኣይከኣለን።
ኣስታት 12 ሚልዮን ሱዳናውያን መረበቶም ክሓድጉ ተገዲዶምን ገለ ክፋል ሱዳን ንዓጸቦ ተቓሊዑን። ሱዳናውያን ነቲ መከራ ከብቅዕ ዘኽእል ብልሓት ኣሎ ዝብል ተስፋ ርሒቑዎም ኣሎ።
ኣብታ ብልሙድ ዕርዲ ሓይልታት ዓዕመ-ሰሪዕ ዝዀነት ዳርፉር እትርከብ ኤል-ፋሸር፡ ናይ መወዳእታ ዓባይ ድፋዕ ሰራዊት ሱዳን እያ ነይራ።
ቢቢሲ ቬሪፋይ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ፡ ኣብ እዋን እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብታ ከተማ ዝጸንሐ ክባ፡ እቶም ዕጡቓት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣረሜናዊ ሜላታት ኣቃሊዑ።
እዚ ድማ ቀረብ ናብታ ከተማ ብኮንትሮባንድ ከእትዉ ዝፍትኑ ሰባት ምእሳርን ምግፋዕን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ሰፊሕ ናይ ሑጻ መከላኸሊ ብምህናጽ ሰለማውያን ሰባትን ሰራዊት ሰራዊትን ንኸይሃድሙ ምዕጋት ዘጠቓልል እዩ።
ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝገበሮ እገዳ ኣብ ዘፍለጠ መግለጺኡ፡ ኣቡ ሉሉ "ዓሌትን ሃይማኖትን መሰረት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ዓመጽ ምፍጻም፡ ከምኡ'ውን ኰነ ኢልካ ንሰለማውያን ሰባት ዒላማ ምግባር፡" ፈጺሙ'ዩ ከም ዝኣምን ገሊጹ።
ኣብ ጥቅምቲ ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኣቡ ሉሉ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሑጻ ዝመልኦን ሓመድ ዝበዝሖን ከባቢ፡ ምስ ሓያሎ ዕጡቓት ምሩኻት ብኤኬ ሽጕጥ ክቐትሉዎም ዘርኢ እዩ።
ነቲ ፍጻመታት ዝረኣዩ ወተሃደራት ዳዕመ-ሰሪዕ ድሒሮም ንተግባራት ኣዛዚኦም ክጽንብሉ ተራእዮም።
ሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣቡ ሉሉ፡ ዳጋሎ፡ ጌዶ ሓምዳን ኣሕመድን ቲጃኒ ኢብራሂም ሙሳ መሓመድን፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ስርዓታዊ ጾታዊ ዓመጽን ኰነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ምፍጻምን ሓዊሱ "ጽዩፍ" ተግባራት ዓመጽ ፈጺሞም ክብሉ ከሲሶም።
እቶም ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ እገዳ መገሻ ከም ዝኣትዉን ዝዀነ ዝውንኑዎ ንብረት ድማ ክእገድ ምዃኑን ተፈሊጡ።
"ኣብ ልዕሊ ኣዘዝቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝተገብረ እገዳ ብቐጥታ ነቶም ኣብ ኢዶም ደም ዘለዎም ሰባት ዝቐጽዕ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ዝተጠናኸረ ፓኬጅ ሓገዝ ድማ ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ህይወት ዘድሕን ደገፍ ከቕርብ'ዩ፡" ኢላ ይቨት ኩፐር።
እቲ ቤትጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ምስልታት ሳተላይት ብምጥቃስ - ኣቐዲሙ ብናይ ሰብኣዊ ምርምር ዩኒቨርሲቲ የል ዝተሓትመ - ድሕሪ እቲ ቅትለት ኣብ ኤል-ፋሽር ኵምራ ሬሳታትን ጃምላዊ መቓብርን ከም ዝተራእዩ ገሊጹ።
ኩፐር ብተወሳኺ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ብዝካየድ ውግእ ንዝተሃስዩ ሰላማውያን ሰባት መግቢ፡ መጽለልን ኣገልግሎት ጥዕናን ንምሃብ ተወሳኺ 21 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዝስልዕ ገሊጻ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ኤል-ፋሽር ዝተፈጸመ ቅትለት ኣብ ዘለዉ መዓልታት፡ መራሒ ዳዕመ-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ "ሕሜቲ"፡ ሰራዊቱ "ጥሕሰት" ከም ዝፈጸሙ ተኣሚኑ፤ እቶም ፍጻመታት ክምርመሩ ምዃኖም ድማ ገሊጹ።
ካብቶም ዝተኣሰሩ ኣቡ ሉሉ ይርከብዎም።
ኣብ ወግዓዊ ናይ ተለግራም መዝገብ ናይቲ ዕጡቕ ጕጅለ ኣብ ዝተዘርግሐ ብጥንቃቐ ዝተሰርሐን ዝተኣርመን ቪድዮ፡ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናብ ዝርከብ ሸላ ከምርሕ ተራእዩ።
እዚ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ወሰን ከተማ ኤል-ፋሽር ከም ዝርከብ ቢቢሲ ቨሪፋይ ክርዳእ ክኢሉ።
እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝተዘርግሐ ናይ ፕሮፖጋንዳ ቪድዮታት ብብዝሒ ዝቕርብ ዝነበረ ኣዛዚ፡ ካብ ዝእሰር ንደሓር ኣይተራእየን።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ርእይቶ ንምርካብ ናብ ቲክቶክ ሕቶ ድሕሪ ምቕራቡ፡ እቲ ንጥፈታቱ ዝሰነደ ናይ ቲክቶክ መዝገብ፡ ኣብ ጥቅምቲ በቲ ኩባንያ ተኣልዩ።
ዓባይ ብሪጣንያ ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ'ቶም ወተሃደራት ኮሎምብያ ነበር ብምምልማልን ውልቀሰባት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንምውጋእ ዘሰልጠነን መርበብ ኵባንያታትን ውልቀሰባትን ናይ ገዛእ ርእሳ እገዳ ድሕሪ ምግላጻ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ዝመጽአ ምዕባለ እዩ።
ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ካብ 2024 ጀሚሩ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኮሎምብያውያን ዕሱባት ወተሃደራት ኰይኖም ናብ ሱዳን ከም ዝተጓዕዙን ከም ኣጋር ሰራዊትን ኣብረርቲ ድሮናትን ካልእን ብምዃን ኣብቲ ውግእ ተሳቲፎም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ብምዃን ኲናት ሱዳን ንኸብቅዕ ከም ዝሰርሕን "ዓቢይ ግፍዒታት" ይፍጸም ከም ዘሎን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ ነይሩ።