እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኩባ፡ ኣብ ማያዊ ግዝኣታ ዝተቐትሉ ሰባት 'ዜጋታተይ' ክትብል ከላ፡ ኣመሪካ ግን 'ክጻረ እዩ' ትብል
መንግስቲ ኩባ፡ ሓለዋ ዶብ ኩባ ተኲሱ ዝቐተሎም ኣብ ኣመሪካ ምዝግብቲ ኣብ ዝዀነት ፈጣን ጃልባ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኩባውያን ምዃኖም ኣፍሊጡ።
ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኩባ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቶም ኣብታ ፈጣን ጃልባ ዝነበሩ ኣርባዕተ ዝተቐትሉን ካልኦት ሽዱሽተ ዝቘሰሉን ኩባውያን ምዃኖም፣ ከምኡ'ውን ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ እትርከብ ደሴት ናብ ሓንቲ መርከብ ሓለዋ ተዅሲ ከም ዝኸፈቱ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ፡ ገለ ካብቶም ዓሰርተ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ገበን ከም ዝፈጸሙ ምዝጉባት ዝነበሩን ሽበራ ንምፍጻም ዕላማ ከም ዝነበሮምን እቲ መግለጺ ይሕብር።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ሃገሩ ነቲ "ኣዝዩ ዘይተለምደ" ፍጻመ ባዕላ ትምርምሮ ከም ዘላ ገሊጹ።
ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኩባ ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ሽዱሽተን ሓደ ዝሞተን መንነቶም ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ።
ኣብታ ፈጣን ጃልባ፡ ዝተፈላለየ ብረታት፡ ነተጕትን ካልኦት ናውቲታትን ከም ዝተረኽቡ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ኣካል ናይቲ ውዲት እዩ ዝበልዎ መበል ዓሰርተ ሓደ ሰብ ከም ዘለለዩን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተውዎም ይገልጽ።።
እቲ ምኒስትሪ ኣቐዲሙ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እታ ኣብ ፍሎሪዳ ዝተመዝገበት መርከብ - ቍጽሪ መዝገብ FL7726SH ኰይና - ኣብ ጥቓ ካዮ ፋልኮነስ፡ ኣብ ማእከላይ ግዝኣት ቪላ ክላራ እታ ሃገር፡ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ከም ዝተረኸበት ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ሓለዋ ዶብ ዝሓዘት ጃልባ እንታይነት ናይታ ፈጣን ጃልባ ንምፍላጥ ምስ ተጸግዐት፡ ካብታ ጃልባ ብዝተተኰሰ ጥይት ሓደ ኩባዊ ኣዛዚ ከም ዝቘሰለ ይገልጽ።
በቲ ዝተፈጥረ ምልውዋጥ ተዅሲ ድማ ኣርባዕተ ክሞቱ ከለዉ ሽዱሽተ ቈሲሎም።
እቶም ዝተጐድኡ፡ ካብቲ ቦታ ተወሲዶም ሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዝተገበረሎም እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኩባ ንገለ ካብቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰባት መንነቶም ቅድሚ ምግላጹ፡ ምኒስተር ሩቢዮ፡ እታ ጃልባ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመሪካ ከም ዘይጸዓነትን እቶም ሰባት ኣብቲ ከባቢ እንታይ ይገብሩ ከም ዝነበሩ "ንምጽራይ" መርመራ ይቕጽል ከም ዘሎን ገሊጹ።
ሩቢዮ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኩባ ጸቕጢ ንምዕባይ ንመራሕቲ ሃገራት ካሪብያን ክረክብ ኣብ ዝገሸሉ ኰይኑ እዩ መግለጺ ሂቡ።
"እንታይ ከም ዘጋጠመን መን ኣብቲ ኵነታት ተሳቲፉን ብልክዕ ክንፈልጥ ኢና። በቲ ዝረኸብናዮ መሰረት ድማ ውሳነ ክንህብ ኢና፡" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ ናብቲ ቦታ ከም ዝተዋፈሩን መርመራ ዘካይዱ ኣመሪካውያን ጭብጥታት ንምምእራር "ብቕልጡፍ" ክጓዓዙ ምዃኖም ቃል ኣትዩን።
ኣመሪካ ኣብቲ መንግስቲ ኩባ ዝህቦ ሓበሬታ ከም ዘይትምርኰስን ነቲ ጉዳይ ብናጻ ኣካል ከተረጋግጾ ምዃናን ተዛሪቡ።
"ኣብ ሰጣሕ ባሕሪ ከምኡ ዓይነት ተዅሲ ምርኣይ ኣዝዩ ዘይተለምደ'ዩ፣ ዕለታዊ ዝፍጸም ነገር ኣይኰነን፡" ኢሉ።
እቲ ፍጻመ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኩባን ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።
ኩባ ከቢድ ቅልውላው ነዳዲ ኣጋጢምዋ ኣሎ። ኣመሪካ ካብ ቬንዙወላ ንዝለኣኽ ነዳዲ ስለ ዝዓገተቶ እቲ ቅልውላው ተጋዲዱ ይርከብ።
ቬንዙወላ ኣብቲ ዞባ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዛ ኩባ እያ።