እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቲቦር ናዥ፡ ኣብ ናይ ኤርትራ ጻንሒቱ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣልዒሉ ዶ?
ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ከካይድ ዝቐነየ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ፡ ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት መብርሂ ሂቡ።
ሚስተር ናጊ ኣብቲ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ዝነበሮ ርክብ፡ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣልዒሉ እንተኾይኑ፡ ዝረኸቦ ግብረ መልስን ዝምልከት ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ።
ንሱ ኣብ ዝርዝር ንምእታው ፍቃደኛ ከም ዘይኮነ እኳ እንተገለጸ፡ "ኣብቲ ኣሜሪካ ምስ ኤርትራ ትገብሮ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣካል ናይቶም ቀንዲ ጠመተታትና ኢዮም" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ "ከምቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎና ጥቡቕ ዝምድና ምስ ኤርትራ'ውን ከምኡ ክኸውን ኢና ንደሊ፤ ምኽንያቱ ክልቲአን ሃገራት ኣዝየን ኣገደስቲ ኢየን" ኢሉ።
ኣብቲ ዞባ ብዘሎ እወንታዊ ምዕባለታት ከም ዝተመሰጠ ዝገለጸ ሚስተር ናዥ፡ ምስ መራሕቲ ኤርትራ ዝሓሸ ዝምድናታት ንምፍጣር ዘሎ ተኽእሎታት ኣመልኪቱ ዝገበሮ ርክብ ከም ዘተባብዖ ገሊጹ።
ካብዚ ብተወሳኺ፤ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ክትሃንጾ እትደሊ ርክብ እንታይ ዓይነት ከምዝኾነን፤ ኣብ ኣየኖት ዓውድታት ምስታ ሃገር ክሰርሑ ከምዝደልዩን እውን ሕቶ ቀሪቡሉ እዩ።
"ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምውቕን ዓሚቕ ዝምድና ምስ ኤርትራ ከም ዝህልዋ ተስፋ ኣሎኒ" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ ብቕልጡፍ ናይ ስራሕ ዕድላት ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምሕባር፡ ንተኽእሎታት ወፍሪ ኩባንያታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት'ውን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ።
ናብ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ኤርትራ፡ ኬንያን ምብጻሕ ዘካየደ ሚስተር ናዥ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ናብ ዋሽንግተን ክምለስ ኢዩ።