'ሞት ምሓሸኒ፡ ጕዕዞ ሲኦል'ዩ ነይሩ' - ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ብሊብያ ዝሓልፉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ ሊብያ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ፡ ግዱድ ጾታዊ ንግድን ምስርጣይን ይዀኑ ከም ዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝበጽሕ "ርህራሀ ዘይብሉን ስልታውን ግህሰት መሰላት፡" መብዛሕትኡ ግዜ "በቶም ምስ ሰብመዚ ሊብያ ርክብ ዘለዎም፡" ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝፍጸም ዘሎ እዩ ኢሉ።

ቤትጽሕፈት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታትን ልኡኽ ድጋፍ ሊብያን፡ ብ17 ለካቲት 2026 ብሓባር ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ከምኡ'ዉን ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ዝበጽሖም ዘሎ ስቓይ ዘርዚሮም ኣለዉ።

እዚ ካብ ጥሪ 2024 ክሳብ ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝሽፍን ጸብጻብ ክዳሎ ከሎ፡ ካብ 16 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ደቡብ እስያን ዝመጽኡ ኣስታት 100 ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ቃለመጠይቕ ተገይርሎም።

እዚኦም፡ ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ ኬንያን ሶማልያን ዝርከቡዎም እዮም።

ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቕሰት ንልዕሊ ሽዱሽተ ሰሙን ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ኣብ ዝርከብ ቶብሩቕ ኣብ ዝርከብ እንዳ ንግዲ ተኣሲራ ዝጸንሐት ኤርትራዊት፡ "ሞት ምሓሸኒ፣ ጕዕዞ ሲኦል'ዩ ነይሩ፡" ኢላ።

"ዝተፈላለዩ ደቂ ተባዕትዮ ብዙሕ ግዜ ዓሚጾምኒ፤ ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድመአን ኣዋልድ መዓልታዊ ይዕመጻ ነይረን፡" ትብል።

እታ ግዳይ፡ ኣባላት ስድራኣ ካብቲ ዝተትሓዘትሉ ኵነታት ክትወጽእ መበጆ ክኸፍሉ ተገዲዶም እዮም።

ኣብ ጥሪ 2025፡ ሓንቲ ግዳይ ስቅያትን ጾታዊ ዓመጽን ናይ ዝዀነት ኢትዮጵያዊት ጓለንስተይቲ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ነይሩ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ እታ ግዳይ ንኽትፍታሕ ስድራኣ መበጆ ክኸፍሉ ክትምሕጸን ትርአ።

ብ28 ጥሪ ድማ ስድራኣ 6,000 ዶላር ምስ ከፈሉ ከም ዝተፈትሐት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብዚ እዋን፡ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ኣብ ዝሓልፉላ ሊብያ፡ "ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዝፍጸም ስልታዊ ከምኡ'ውን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን በደላትን ብዘይተሓታትነት፡" ከም ዝቐጸለ ኦቻ ገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ሊብያ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብብረት ምፍርራሕ ክወርዶም ብሓይሊ ክትሓዙ፡ ይጭወዩን ካብ ስድርኦም ይፍለዩን። ድሕሪኡ፡ "ናብ ወግዓዊ፡ ዘይወግዓውን ዘይሕጋውን መዳጐኒ ማእከላት፡" ከም ዝውሰዱ ጠቒሱ።

ኣብቲ መዳጐኒታት፡ "ንነዊሕ ግዜ ይእሰሩ፡ ብዝወርዶም ስቅያትን ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ድማ ንኽፍትሑ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ፡" ብምባል "መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ናይ መንግስቲ ኣካላት ርክብ ዘለዎም፡" ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ስደተኛታት፡ ካብቲ ኵነታት ንምኽሳብ ከም ዝንቀሳቐሱ የረድእ።

እዚኦም፡ ነቶም ስደተኛታት "ናብ ግዱድ ጾታዊ ንግዲ፡ ግዱድ ዕዮን ናይ ገዛ ግልያነትን፡" ከም ዘቃልዑዎም ሓቢሩ።

ካልኦት ድማ ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ፡ ምስርጣይን ምዝመዛን ከም ዝወርዶም ኣመልኪቱ።

ሓንቲ ኣቐዲማ ግዳይ ምኽንሻብ ኰይና ዝጸንሐት ኤርትራዊት ስደተኛ፡ ንሳን መሓዛኣን ከም ዝተዓመጻ ገሊጻ። እታ መሓዛኣ ከቢድ ምፍሳስ ደም ስለ ዘጋጠማ ግን ሞይታ።

ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ እዞም ግዳያት ዝሓልፉዎ ዘለው ስቓይ፡ "ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስስዐ ነጋዶን ካብቲ ስርዓተ-ምዝመዛ ዝረብሑ ዘለዉን፡" ኵነታት ንምግላጽ ቃላት ከም ዝሓጽሮ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ብጐነጻዊ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት 20 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝተፈርደ ይዝከር።

እቲ 'ወሊድ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ተወልደ ጐይትኦም፡ መራሒ ናይ ሓደ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዙሕ ግፍዕታት ዝፈጸመ ጕጅለ ኣሰጋገርቲ ምዃኑ'ዮም ኣኽበርቲ ሕጊ ኔርላንድስ ዝገልጹ።

ተወልደ ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን'ዩ ናይቲ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሊብያ፡ ካብኡ ከኣ ናብ ኤውሮጳ ዘሰጋግር ጕጅለ ቀንዲ መራሒ ነይሩ።

እቶም ስደተኛታት ሊብያ ምስ በጽሑ፡ ኣብ መዳጐኒ ኣትዮም እናተቐጥቀጡን እናተሳቐዩን ናብ ስድራኦም ከም ዝድውሉ ብምግባር፡ ዝሓተትዎ መጠን ገንዘብ ክኸፍሉ የገድድዎም ነይሮም።

እቲ ምስቓይ ሜላታት፡ ምህራም፡ ምቅጻል፡ ዝመኸኸ ጐማ ኣብ ሕቘኦም ምንጣብ፡ ብተሪር ገመድ ተኣሲሮም ኣብ ገረብ ምንጥልጣል፡ ኤለትሪክ ምትሓዝ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ኣሽሓት ብሓባር ኣሲርካ ውሑድ መግቢ ብምሃብ ከም ዝጠምዩ ምግባርን ዘጠቓለለ'ዩ።