እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ዕሉል ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ዝለዓለ ፍርዲ ተቐቢሉ
ብጐነጻዊ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት 20 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝተፈርደ ማዕከናት ዜና ነዘርላንድስ (ሆላንድ) ሓቢረን።
እቲ 'ወሊድ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ተወልደ ጐይትኦም መራሕቲ ናይ ሓደ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዙሕ ግፍዕታት ዝፈጸመ ዕስለ ኣሰጋገርቲ ምዃኑ'ዮም ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ዝገልጹ።
ብዘይካ'ዚ፡ ንገለ ካብቶም ግዳያት 30,000 ዩሮ ክኸፍል ተወሲንሉ ኣሎ።
"እዚ ተኸሳሲን ተሓባበርቱን ኣብ ልዕሊ'ቶም ስደተኛታት ዝፈጸምዎ ፍሉይ ጭካነ፡ ጐነጽን ክብሪ ዝግህስ ኣተሓሕዛን" ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ብይን ከምዝወሰነ ቤትፍርዲ ገሊጹ ክብል 'ዳች ኒውስ' ዝተባህለ ማዕከን ዜና ጸብጺቡ'ሎ።
እቲ ወዲ 42 ዓመት ኣብ 2022 ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሆላንድ ከም ዝተሰጋገረ ይዝከር። ቤትፍርዲ ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ገበናት ን18 ዓመት ማእሰርቲ፡ ከምኡ'ውን 200,000 ብር ክኸፍል ፈሪድዎ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።
ተወልደ ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን'ዩ ናይቲ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሊብያ ካብኡ ከኣ ናብ ኣውሮጳ ዘሰጋግር ጕጅለ ቀንዲ መራሒ ነይሩ።
እቶም ስደተኛታት ሊብያ ምስ በጽሑ፡ ኣብ መዳጐኒ ኣትዮም እናተቐጥቀጡን እናተሳቐዩን ናብ ስድራኦም ከምዝድውሉ ብምግባር፡ ዝሓተትዎ መጠን ገንዘብ ክኸፍሉ የገድድዎም ነይሮም።
እቲ ምስቓይ ሜላታት፡ ምህራም፡ ምቅጻል፡ ዝመኸኸ ጐማ ኣብ ሕቘኦም ምንጣብ፡ ብተሪር ገመድ ተኣሲሮም ኣብ ገረብ ምንጥልጣል፡ ኤለትሪክ ምትሓዝ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ኣሽሓት ብሓባር ኣሲርካ ውሑድ መግቢ ብምሃብ ከም ዝጠምዩ ምግባርን ዘጠቓለለ'ዩ።
እዚ ብመሰረት ጠለብ ኣኽበርቲ ሕጊ ተወሲኑሉ ዘሎ ማእሰርቲ ንከምዚ ዝበለ ገበናት ኣብታ ሃገር ዝወሃብ ዝለዓለ መቕጻዕቲ እዩ።
ካብቶም ነቲ ገንዘብ ዝኸፈሉ ቤተሰብን ኣዝማድን ኣብ ነዘርላንድስ ብምንባሮም'ዩ ኣብታ ሃገር ክፈረድ ኣኽበርቲ ሕጊ ሆላንድ ጠለብ ኣቕሪቦም።
እቲ ነዊሕ ዝወሰደ መርመራ ገበን፡ ብደገፍ ኢንተርፖል፡ ዩሮፖል ከምኡ'ውን ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ዝተኻየደ'ዩ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2025፡ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ዝተባህለ ካልእ ብምስግጋር ዲቂ ሰባት ዝኽሰስ ኤርትራዊ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ኔዘርላንድስ ተሰጋጊሩ ነይሩ።
እቲ ወዲ 41 ዓመት ኣብ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቤት ፍርዲ ካብ ዝሃድም ኣትሒዙ ብደረጃ ዓለም ሽሙ ኣብ ዝርዝር ተደለይቲ ሰባት ሰፊሩ ዝነበረ'ዩ።
እቲ ምስ ተወልደ ርክብ ከምዝነበሮ ብኣኽበርቲ ሕጊ ዝግለጽ ኪዳነ'ውን ምስግጋር ሰባት፡ ጭውያ፡ ዝምታ፡ ጎነጽን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎ ክስታት ተመስሪትዎ ኣሎ።
ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እዞም ክልተ ኤርትራውያን ኣሰጋገርቲ "ብሓባር ኰይኖም ብምስራሕ ብቐንዱ ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምዝማት ኣዝዩ ብዙሕ ሰልዲ'ዮም ኣኻዕቢቶም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘነበረ ግፍዒ፡ ጾታዊ ዓመጽን ምስቓይን ኣብ ሊብያ'ዩ ተፈጺሙ፤ እቲ ሰልዲ ከኣ እቶም ኣብዚ [ኔዘርላንድስ] ዝነበሩ ስድራ ግዳያት'ዮም ዝኸፍልዎ ነይሮም" ይብሉ።
ካብ 2016 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ከም ዝኣተዉ ብምግላጽ፡ እዞም ሰባት ብድምር ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዝኸፈሉ ኣብዚ ጉዳይ መጽናዕቲ ዘካይዱ ጕጅለታት ይሕብሩ።
ወሊድን ኪዳነን ኣብቲ ኣብ ሊብያ ዝነበሩሉ እዋን ብዘይካ ንኤርትራውያን ንኢትዮጵያውያን ሱዳናውያንን'ውን የሰጋግሩ ከም ዝነበሩ'ዩ ዝግለጽ።