እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንጽፈ ጽግያት ምስ ሕማም ረሲዕ ምትእስሳር ከምዘለዎ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ
ንጽፈ ጽግያት ንሕማም ረሲዕ ዘቃልዕ ምቅይያር ናይ ሓንጎል ከምዘስዕብ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
ሞኖፖዝ ወይ ንጽፈ ጽግያት ብቐጥታ ምስ ምውሓድ ዋህዮታት 'ግረይ ማተር' ዝተኣሳሰር'ዩ።
እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ምስ ዝኽርን ስምዒትን ኣብ ዝተኣሳሰሩ መዳያት፡ ደቀንስትዮ ብሓፈሻ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ንሕማም ረሲዕ ዝለዓለ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ከምዘለወን ከረጋግጽ ክኢሉ።
እቲ ኣብ ልዕሊ 125 ሽሕ ደቀንስትዮ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ብፍላይ ነተን 11 ሽሕ መርመራ ሓንጎል [ኤምኣርኣይ] ተገይሩለን።
ኣብቲ ኣብ መጽሔት ሳይኮለጂካል መዲስን ዝተሓተመ ርኽበት፡ እቲ ምቅይያራት ሆርሞን ሓደ ካብ ቀንዲ ጠንቂ ረሲዕ ምዃኑ'ዩ ብመርትዖ ኣሰንዩ ኣቕሪብዎ።
ብተወሳኺ እቲ ኤችኣርቲ [ hormone replacement therapy] ዝብሃል ሕክምናዊ ሓገዛት'ውን እንተዀነ ንምውሓድ፡ 'ግረይ ማተር' ክከላኸል ከምዘይክኣለ'ዮም ኣረጋጊጾም።
ነዚ ምርምር ብመሪሕነት ዘካየደቶ ፕሮፈሰር ባርባራ ሳሃክያን ካብ ከምብሪጅ ዩኒቨርስቲ "እቶም ፍልልያት ዝረኣናሎም ክፋል ከባቢታት ሓንጎል፡ ንሕማም ረሲዕ ዘቃልዑ ክፋላት ሓንጎል'ዮም"
"ምቍራጽ ጽግያት ነዘን ደቀንስትዮ ዝያዳ ተቓላዕቲ ክገብረን ይኽእል'ዩ። እዚ ምሉእ ስእሊ ዝህብ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ንምንታይ ኣብ ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዳርጋ ብዕጽፊ ዝበዝሐ ሕሙማት ረሲዕ ከም እንርኢ ንምርዳእ ግን ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ" ኢላ።
ኣብ እዋን ንጽፈ ጽግያት ኣብ ሓንጎል ዝርኣዩ ለውጥታት ኣብዞም ዝስዕቡ'ዩ፤
- ኣብቲ ንምምሃርን ንምዝካርን ወሳኒ ዝዀነ 'ሂፖካምፓስ' ዝብሃል ክፋል ሓንጎል
- ኣብቲ ንምዝካርን ነገራት ንምርዳእን ወሳኒ ዝዀነ 'ኢሮርናል ኮርተክስ' ዝተበሃለ ክፋል ሓንጎል
- ኣብቲ ኣተኵሮና ንምውዳንን ስምዒትና ንምቍጽጻርን ወሳኒ ዝዀነ 'ኣንቶርዮር ሲንጉለይት ኮርተክስ' ዝተበሃለ ክፋል ሓንጎል።
እቶም 'ዋይት ማተር' ከምኡ ኸኣ 'ግረይ ማተር' ተባሂሎም ዝጽውዑ ክፋላት ሓንጎል፡ ንሓንጎልን ንዓንዲ ሕቖን ኣዝዮም ወሰንቲ'ዮም።
እቲ ግረይ ማተር ብኣካላት ዋህዮታት ኒውሮን ዝቘመ እዩ፣ ቀንዲ ስርሑ ከኣ ኣብ ጥቓኡ ምስ ዝርከቡ ኒውሮናት ርክባት ምፍጣር'ዩ።
እቲ ዋይት ማተር ከኣ ብኣክሶናት ኒውሮናት ዝቘመ ኰይኑ፡ ናብ ዝያዳ ርሕቕ ዝበሉ ከባቢታት ሓንጎልን ዓንዲ ሕቘን ርክባት ይፈጥር።
ሓገዝ ምሕታት
ብመሰረት መምርሒታት NHS ከምኡ ከኣ ኤችኣርቲ [ hormone replacement therapy] ንናይ ጽግያት ምልክታት ከም ቀጨውጨውታን ድቃስ ምስኣንን ከምኡ ከኣ ውዑይ ፈሳሲ ካብ ርሕሚ ምውጻእን ከም ቅድመ ምልክት ክርአ ይክኣል'ዩ።
እቶም ተመራመርቲ ኣብዚ እዋን ብዛዕባ ጽልዋታት ንጽፈ ጽግያትን፡ 'ኤችኣርቲ' ኣብ ሓንጎል፡ ዝኽሪን ኵነተ ኣእምሮ ዘለዎ ምትእስሳርን ውሑድ ኣፍልጦ'ዩ ዘሎ ይብሉ።
እቶም ተመራመርቲ ነዚ ክብሉ ዝደረኾም እተን ኤችኣርቲ ዝጥቀማ ደቀንስትዮ፡ ብጥዕና ኣእምሮ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎአን ዝለዓለ ኰይኑ ስለዝረኸብዎ'ዩ።
ሓንቲ ካብቶም ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፈት ዶክተር ክሪስቲለ ላንገሊ ዝተበሃለት ክኢላ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ንጽፈ ጽግያት ዝመጽኡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ብድሆታት ክልለዩ ኣገዳሲ ምዃኑ'ያ ትመክር።
"ኵላትና ኣብ እዋን ንጽፈ ጽግያት ዝመጽእ ኣካላዊ ለውጥታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ'ውን ዝያዳ ኣፍልጦና ከነዕቢ ይግብኣና'ዩ፡ ብኸመይ ኵነታት ንሓልፍ ምህላውና ምርዳእን ካልኦት ከምዝፈልጡ ገይርና ሓገዝ ምሕታትን ከሕፍረና የብሉን" ትብል።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሕማም ረሲዕ ከምዘለዎም ካብ ዝተፈለጡ ሰባት እተን ክልተ ሲሶ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ሚቸል ድያሶን ዝተበሃለት ኣባል ማሕበረሰብ ጥቑዓት ሕማም ረሲዕ ዓዲ እንግሊዝ ትሕብር።
"ክሳብ ሕጂ ንምንታይ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ደቀንስትዮ በዚ ሕማም ተጠቃዕቲ ኰይነን ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተዘይተረዳእና፡ ምቅይያራት ሆርሞናት ግን ተራ ክህልዎ ከምዝኽእሉ'ዩ ዝሕሰብ" ትብል።
ብምስዓብ፡ "እዚ መጽናዕቲ፡ ንጽፈ ጽግያት ኣብ ሓንጎል እንታይ ዓይነት ጽልዋ ከምዘለዎ ዘርኢ ውጽኢት'ዩ፡ ንጽፈ ጽግያት ኣብ ኣካላዊ ለውጢ ጥራይ ዘይኰነ ዓቐን ሓንጎል ኣብ ምሽምራር'ውን ግደ ከምዘለዎ'ዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ" ኢላ።
ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር፡ ሽጋራ ዘይምትካኽን ኣልኮላዊ መስተ ምድራትን፡ ንሓደጋ ሕማም ረሲዕ ንምንካይ ክሕግዝ ከምዝኽእል ብምግላጽ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ ይዅኑ ደቀንስትዮ ካብዚ ክቝጠቡ ምኽራ ትልግስ።