ቻይና ንምንታይ ንዝለዓለ ወተሃደራዊ መራሒኣ ካብ ስልጣን ኣልያ?

ቻይና፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት (PLA) ኣብ ጸገም ወዲቖም ይርከቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ላዕለዋይ ጀነራል ቻይና ዣንግ ዩክስያን ካልእ ላዕለዋይ መኮነን ጀነራል ሊዩ ዠንሊን ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም።

እዚ ድማ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ንምንታይ ሓድሕዶም ይዋጠጡ ከም ዘለዉን ንሓይሊ ውግእ ቻይና ከመይ ከም ዝጸልዎን ዓበይቲ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ነታ ኣካለይ እያ እትብላ ታይዋን ብሓይሊ ንምጽንባር ኰነ ካልእ ዓቢይ ዞባዊ ኲናት ንምጅምር ኣብ ዝግበር ዝዀነ ይዅን መደብ እውን ጽልዋ ክህልዎ እዩ።

ወዲ 75 ዓመት ዣንግ፡ ቅድሚ ሕጂ ምክትል ኣቦ መንበር ማእከላይ ወተሃደራዊ ኮሚሽን (CMC) እዩ ነይሩ። ሲኤምሲ ብሺ ጂንፒንግ ዝምራሕ ጕጅለ ዴሳዊ ሰልፊ ኰይኑ፡ ንዕጡቓት ሓይልታት ይቈጻጸር።

መብዛሕትኡ ግዜ ሲኤምሲ ኣስታት 7 ኣባላት ኣለዉዎ፣ ሕጂ ግን ናብ ክልተ ጥራይ ወሪዱ ኣሎ፤ ንሳቶም ድማ ሺን ጀነራል ዣንግ ሸንግሚንን እዮም።

እቶም ካልኦት ኵሎም ኣብቲ "ጸረ ብልሽውና" ዝብል ዘመተ ብማእሰርቲ ተኣልዮም ይርከቡ።

ማእከላይ ወተሃደራዊ ኮምሽን (CMC) ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ኣብ ውትህድርና ዘለዉ ሰባት'ዩ ዝቘጻጸር።

ልዑል ስልጣን ስለ ዘለዎ ድማ ደንግ ሺያኦፒንግ ኣቦ መንበሩ ብምዃን ከም መራሒ ቻይና ሒዙዎ ዝነበረ ስልጣን እዩ።

ላይል ሞሪስ ካብ ትካል ፖሊሲ ማሕበር እስያ፡ ሺን ሓደ ጀነራል ሲኤምሲን ጥራሕ ምትራፎም ሓድሽ ኵነታት ምዃኑ ይገልጽ።

"ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት (PLA) ኣብ ድንግርግር እዩ ዘሎ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ወተሃደራዊ ሓይሊ ቻይና ዓቢይ ናይ መሪሕነት ሃጓፍ ኣጋጢሙዎ ከም ዘሎ ወሲኹ ገሊጹ።

ጠንቂ ምእላይ ናይ ሓያሎ ላዕለዎት ጀነራላት እንታይ'ዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ብዙሕ ወረታት ኣሎ። እቲ ቅኑዕ ሓበሬታ እንታይ ምዃኑ ግን ዛጊት ኣይንፈልጥን ኢና.. ንሺ ጂንፒንግ፡ መሪሕነቱን ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ዘለዎ ቍጽጽርን ግን ሕማቕ'ዩ፡" ኢሉ።

ካብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ሲንጋፖር ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ቾንግ ጃ ኢያን'ውን፡ ዣንግ ንምንታይ ከም ዝተኣልየ ርግጸኛ ከም ዘይኰነ'ኳ እንተ ገለጸ፡ ብዛዕባ'ዚ ግን ብዙሕ ግምታት ኣሎ።

"ሰባት ብዛዕባ ምልሓዅ ንዩክለሳዊ ምስጢር ናብ ኣመሪካ፡ ውጥን ዕልዋ መንግስትን ሓድሕዳዊ ምፍጣጥን ይዛረቡ። ኣብ ቤጂንግ ብጠበንጃ ምትዃስ ከይተረፈ ከም ዘሎ'ውን ይውረ ኣሎ፡" ኢሉ።

"ምእላይ ዣንግን ሊዩን ግን ምስቲ ኵሉ ዘሎ ወረታት፡ ሺ ደልዲሉ ይቕጽል ምህላዉ እዩ ዘርኢ። ኣብ ቤጂንግ ድሩትነት ሓበሬታ ናይ ምርካብ ኣሎ። ስለዝዀነ ድማ ዘይርጕጽነትን ወረታትን ሳዕሪሩ ኣሎ።"

እቲ ዣንግን ሊዩን "ኣብ ትሕቲ መርመራ" ከም ዘለዉ ዝገልጽ ወግዓዊ መግለጺ፡ "ብኸቢድ ጥሕሰት ድስፕሊንን ሕግን" ከም ዝተወቐሱን እዚ ድማ ብልሽውና ንምባል ቀሊል መንገዲ ምዃኑን ገሊጹ።

ጋዜጣ ፒኤልኤ ደይሊ (ብህዝባዊ ስራዊት ሓርነት እትዳሎ)፡ እቲ ስጕምቲ፡ ዴሳዊ ሰልፊ ንስኻ መን ምዃንካ ወይ ዕዮኻ ክሳብ ክንደይ ልዑል ምዃኑ ብዘየገድስ ንብልሽውና "ዜሮ ተጻዋርነት" ከም ዘለዎ ዘርኢ'ዩ ክትብል ኣስፊራ።

ኣብ ልዕሊ'ዞም ጀነራላት ዝቐርብ ክስታት ብንጹር ንህዝቢ ኣይተገልጸን። ኣብ መርመራ ከም ዘለዉ ስለ ዝተፈልጠ ግን እንተ ወሓደ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ክወሃቦም ምዃኑ ዳርጋ ርግጽ እዩ።

ኣዳላዊ ናይ ፒኤልኤ ደይሊ፡ ንዣንግን ሊዩን ድሮ ከም ገበነኛታት ገይሩ ገሊጹዎም ኣሎ፣ "ንእምነትን ትጽቢትን ማእከላይ ሽማግለ ዴሳዊ ሰልፊ ብኸቢድ ጠሊሞም፡" ከምኡ'ውን፡ "ንማእከላይ ወተሃደራዊ ኮምሽን ጐዲኦምን ኣዳኺሞምን፡" ኢሉ።

እቲ ምእላይ ካብ ስልጣን ኣብ ብልሽውና ዝተመርኰሰ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዝተገብሩ ምእላያት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ስልጣን ቍርቍስ'ውን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ብርግጽ ሺ ጂንፒንግ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ጸገም ብልሽውና እኳ እንተ ነበረ፡ ንወፍሪ ጸረ-ብልሽውና ተጠቒሙ ንፖለቲካዊ ተቐናቐንቱ ወይ'ውን ምእዙዛት ዘይኰኑ ካብ ስልጣን ንኽኣልዮም ከም ዝተጠቀመሉ ገለ ሰባት ይገልጹ።

እዚ ድማ ንዋና ጸሓፊ ሺ ድሕሪ ማኦ ዘይተራእየ ደረጃ ቍጽጽር ክህልዎ ገይሩ ኣሎ።

እንተዀነ፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመራርሓ ድሒሩ ዝነትጕ ገለ ነገር ሒዝሉ ክመጽእ ይኽእል እዩ።

እቲ ጥርጣረታት ነቶም ኣብ ሰራዊት ዘለዉ ኣዘዝቲ ስጕምቲታት ክወስዱ ክደፍኦም ተኽእሎ ኣሎ።

ኣቦ ዣንግ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንኣቦ ሺ ሓጊዙዎ ነይሩ። ዣንግን ሺን ንነዊሕ እዋን ዝፋለጡ ኰይኖም፡ ቅድሚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጥረ ዘይምስናይ ከም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኰይኖም እዮም ዝርኣዩ ነይሮም።

እዚ ድማ ንሰባት ውሕስነት ዘይብሎም ኰይኑ ክስምዖም ገይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዣንግ፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ተመኵሮ ውግእ ዘለዎም ላዕለዎት መኮንናት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት እዩ ነይሩ፣ ስለዚ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ቻይና ክሳራኡ ዓቢይ እዩ።

ሞሪስ ከም ዝገልጾ፡ ምእላይ ናይዚ ኣዛዚ ሰራዊት ድሕሪ ግዜ ንፕረዚደንት ሺ ጸገም ከስዕበሉ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ሺ ዘለዎ ስልጣን ኣርእዩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መጻኢ ግን ቀጻሊ ዘይምርድዳእ ከኸትል እዩ ብምባል ይውስኽ።