ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቓይቕ ክትድቅስ ዝሕግዝ 'ወተሃደራዊ ሜላ' እንታይ'ዩ?

ኵሉ ሰብ ቀልጢፉ ክድቅስ ይደሊ።

ብደረጃ ዓለም ግን ሚልዮናት ሰባት ብድቃስ ምስኣን ይሳቐዩ ወይ ቀጻሊ ጸገም ኣለዎም።

ዝተፈላለየ ግምታት'ኳ እንተለዉ፡ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ ግን፡ ኣብ ዝዀነ ዓዲ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 50% ሰባት ድቃስ ዝስእኑ እዮም።

ብዙሓት ሰባት ድቃስ ክረኽቡ ዝሕግዞም ብልሓት የናድዩ ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ፡ ኣዝዩ ኣዘራረቢ ኰይኑ ዘሎ፡ "ወተሃደራዊ ኣገባብ" ሓዊሱ ኣብ ክልተ ደቓይቕ ድቃስ ክወስደካ ከምዝሕግዝ ዝመልክቱ ሜላታት ኣለዉ።

እዚ ብፍላይ ኣብ ቲክቶክ ኣዘራረቢ ኰይኑ ዘሎ፡ ብ ሚልዮናት ዝተርአዩ ቪድዮታት፡ ቀልጢፎም ድቃስ ከም ዘምጽኡ ዝግለጹ ቀለልቲ ኣገባባት ይረኣዩ እዮም።

እዚ ኣገባብ ግን ብሓቂ ዘየለ ተፅቢት ክትፈጥር ብምግባር፡ ዝገደደ ናይ ድቃስ ድሌትካ ክዕንቅፍ ከምዝኽእል ክኢላታት ንቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ገሊጾም።

ወተሃደራት ድቃሶም ንምምሕያሽ ዝጥቀሙሉ ምኽርታት ድማ ኣካፊሎም፣ ነዚ ድማ ድቃስ ዝስእኑ ተራ ሰቫት ክፍትንዎ ይኽእሉ።

እዚ 'ወተሃደራዊ ሜላ' ዝበሃል እንታይ እዩ?

እቲ ኣገባብ ብኣመሪካዊ ኣሰልጣኒ 'ትራክን ፊልድን' ሎይድ 'ባድ' ዊንተር ኣብታ ኣብ 1981 ዝፀሓፋ "ሪላክስ ኤንድ ዊን" ኣብ እትብል መጽሓፉ ኣምር ዝሃቦ እዩ።

ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ዊንተር ንሰልጠንቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ልምምድ ቅድሚ ምጅማሮም፡ ዋላ ኣብ ትሕቲ ልዑል ጸቕጢ ዘለዎ ኵነታት ኰይኖም፡ ጽቡቕ ድቃስ ንኽድቅሱን ዝበለጸ ውጽኢት ንኽረኽቡን ዝሕግዝ ሜላ ኣማዕቢሉ።

እቲ መጽሓፍ ነቶም ሰልጠንቲ ከምዚ ዝስዕብ መምርሒ ይህብ፤

  • ቀስ ኢልካን ኣዕሚቝካን እናተንፈስካ፡ ግንባርካ፡ ቆርበት ርእስኻ፡ መንጋጋን ገጽን በብተራ ኣዛንዮ
  • ማእገርካ ንታሕቲ ኣውርድ፡ እሞ ኣዕሚቝካ ምትንፋስ ቀፅል
  • ኣእዳውካ ኣብ መንበርካ ወይ ዓራትካ ኣንብር፣ ሰብነትካ ንቝልቁል ይውረድ፣ ኣእዳውካ እናቐያየርካ ደጋግሞ
  • ዓካዓካሪትካ፡ እግርኻን ኣብራኽካን ኣዛንዮም፤ ኣእጋርካ እናቐያየርካ ተግብር
  • ሓንጓልካ ነጻ ግበሮ፣ ንርእስኻ ዘዛኒ ምስሊ ፍጠር - ብርሃን መዓልቲ ወይ ርጉእ ቀላይ ክኸውን ይኽእል።
  • ኣድላዪ እንተዀይኑ "ኣይትሕሰብ" ዝብል ሓረግ ሓዊሱ፡ ሓንጐልካ ካብ ዝዀኑ ሓሳባት እንተወሓደ ን10 ካልኢት ባዶ ግበሮ

ዊንተር፡ እዚ ኣገባብ ንሽዱሽተ ሰሙን ብምልምማድ፡ እቶም ሰልጠንቲ በረራ ሓይሊ ኣየር ኣብ ክልተ ደቓይቕ፡ "ኣብ ዝዀነ ሰዓት መዓልቲ ይዅን ለይቲ - ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ኵነታት" ክድቅሱ ከም ዝሕግዞም ገሊጹ።

'ትፅቢት ቀታሊ እዩ'

ኣዝዩ ቅልጡፍ ውጽኢት ምጽባይ፡ ነቲ ንምድቃስ ዝግበር ፈተነታት ክቐትሎ ከምዝኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ።

" 'በዚ ኣገባብ ክትድቅስ ትኽእል ኢኻ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቓይቕ ድማ ድቃስ ክወስደካ እዩ' ምባል ሓደገኛ ሓሳብ'ዩ" ትብል ወተሃደራዊት ኒውሮሳይንቲስትን ክኢላ ድቃስን ዶክተር ኣሊሰን ብራገር።

ሓደ ሰብ ንኽድቅስ ብገምጋም - ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 20 ደቒቕ ይወስደሉ።

ስለዚ ኣብ ክልተ ደቓይቕ ጥራይ ክትድቅስ ምፍታን ካልእ ጭንቀት ክፈጥረልካ ዋላ'ውን ዝገደደ ድቃስ ከስእነካ ተኽእሎ ኣሎ።

"ብሐቂ፡ ዘይከኣል ነገር ክትበፅሕ ወይ ድማ ክትትግበር ክትፍትን ከለኻ ትበሳጮ" ትውስኽ።

ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቓይቕ፡ ከምቲ ዝተብሃለ ድቃስ ዝወስደካ እንተዀይኑ፡ ምልክት ናይ ካልኦት ጉዳያት ከም ሕዱር ሕጽረት-ድቃስ ወይ ዘይተፈልጠ ካልእ ጸገማት ክኸውን ይኽእል።

ብራገር፡ ብሓቂ ነቲ ኣገባብ ዝትግብሩ ወተሃደራት ከም እትፈልጥ ትዛረብ።

ኣድካሚ ባህሪ ወተሃደራዊ ስራሕ ኣብ ግምት ብምእታው ግን፡ ገለ ወተሃደራት ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ክድቅሱ ምኽኣሎም ዘገርም ኣይኰነን - ትብል።

እሞ ብኸመይ ደኣ ቀልጢፈ ክድቅስ እኽእል?

ድቃስ ዝሰኣኑ ሲቪላት በቲ ወተሃደራዊ ሜላ ክፍትኑ ምግባር፡ ዝያዳ ዝወሓደ ድቃስ ክረኽቡ ተኽእሎ ከምዘሎ፡ ኣማኻሪ ሕክምና ስነ-ኣእምሮን ድቃስን ዶክተር ሂዩ ሰልሲክ ይዛረብ።

"ብሓፈሻ እቶም መጺኦም ዝነገሩኒ ሕሙማት፡ ኣይሰርሓሎምን፤ እንተዘይኰይኑ ሕጂ ኣብ ቅድመይ ኮፍ ኢሎም ኣይምሃለዉን" ክብል ንቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ይዛረብ።

ወሳኒ ነገር፡ ሕሙማት ቀልጢፎም ክድቅሱ ይደልዩ ይዀኑ ግን እዚ ዅሉ ግዜ ዝኸውን ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

"ንነዊሕ እዋን ምስ ድቃስካ ምስኣን ትቃለስ እንተዄንካ፡ ነዚ ማዕዳ ፍጹም ነገር ጌርካ ምሕሳብ ኣዝዩ ቀሊል'ዩ" ይብል ሰልሲክ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ሆስፒታል ድቃስ - ክኢላ እዩ።

"መብዛሕትኡ መዓልቲ፡ ንቑሕን ዕረፍትን ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ድቃስካ ስርሑ ይሰርሕ ኣሎ ማለት'ዩ።"

ንነዊሕ እዋን፡ ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ ሰዓታት ምድቃስ ግድን ተባሂሉ ይሕሰብ ነይሩ - እዚ ግን ዘየድሊ ጸቕጢ ክውስኽ ከምዝኽእል እዩ ዛዘረብ።

"እዚ 'ሸሞንተ ሰዓታት ደቅስ' ዝብል ሓሳብ ጽውጽዋይ'ዩ፡ ምሉእ ብምሉእ ድማ ኣዕናዊ ጽውጽዋይ'ዩ" ይብል።

ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ምቹእ መጠን ድቃስ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት ይፈላለ እዩ።

እዚ ድማ ብኸፊል ብሰንኪ ጀነቲክስ ኰይኑ፡ ውሱን ኣሃዝ የለን።

ሰልሲክ፡ እዚ ምስ ዓቐን ጫማታት የነጻጽሮ፤ እቲ ማእከላይ መጠን ሽዱሽተ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ካልኦት ሰባት ግን ብትኽክል ዓቐን ሸሞንተ ወይ ኣርባዕተ ጫማ ይውድዩ።

ገሊኦም ካብ ሸውዓተ ክሳብ ሸሞንተ ሰዓታት ንላዕሊ ድቃስ ከድልዮም ይኽእል እዩ፣ ገሊኦም ድማ ትሕቲኡ።

"እቲ ክትገብሮ እትደሊ፡ ንዓኻ ዝምጥን መጠን ድቃስ ክትድቅስ ምኽኣል እዩ" ይብል።

ሕጂ ውን ቀልጢፍካ ክትድቅስ እንተደሊኻ ሰለስተ ነገራት ይምዕድ፤

መዓልታዊ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ምትንሳእ፡ ሓደ ኣገባብ ድቃስ ክትሃንጽ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ፣ እዚ ማለት ድማ ​​መዓልታዊ ድኻም ክስምዓካን ድቅስ ክትብልን ተኽእሎ ኣሎ።

ቀትሪ ምድቃስ ኣወግድ፣ እዚ ነቲ ውህሉል ድቃስካ ክጥቀሞ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ንለይቲ ድቃስ ዝኸበደ ይገብሮ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣካላትካ ንኽድቅስ ድሉው ኣብ ዘይኮነሉ እዋን ካብ ምኻድ፡ ምስ ደኸመካ ጥራይ ኢኻ ክትድቅስ ዘለካ፡ "ንነዊሕ ግዜ ኣብኡ ክትድቅስ ኢኻ" ይብል።

"ስለዚ ኮፍ በል፡ ምሸትካ ኣስተማቕር፡ ቅሩብ ንብሕትኻ ግዜ ሃብ፡ ትኽስ ምስ እትብል፤ ኣዒንትኻ ምስ ተዓመታ፡ ኣብቲ ትሰርሖ ዘለኻ ከተተኩር ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ንሱ'ዩ እቲ ክትድቅሰሉ እትኽእል ልክዕ ግዜ" ይብል።

ካብቶም ወተሃደራት እንታይ ንመሃር?

እቲ "ወተሃደራዊ ሜላ ድቃስ ጌጋ'ዩ" ይብል ኣብ ሰራዊት እንግሊዝ ክኢላ ሳይንስን ሕክምናን ድቃስ ዶክተር ኣሌክስ ራውክሊፍ።

ብሓቂ እቲ ኣገባብ ብሓፈሻኡ ጌጋ ኣይኮነን - ምዝናይ ጭዋዳታትን ሜላታት ምስትንፋስን ሎሚ እውን ንወተሃደራት ይምከር ከምዘሎ ይውስኽ።

ኣብ ናይ ሓባር ክፍልታት 12 ሰባት ምድቃስ፡ ንወተሃደራዊ ሰልጠንቲን ኣባላትን ብዘይ ምቁራጽ ድቃስ ንኽረኽቡ ከቢድ ክዀኖም ይኽእል እዩ።

ቀለልቲ ምትዕርራያት ከም መሸፈኒ ዓይኒ፡ መሸፈኒ እዝንን፡ ቀስ ኢሉ ዝዕጾ ማዕጾን ሓገዝቲ እዮም።

ከምኡውን ወተሃደራት ኣብ ጽንኩር ሃዋህው ዝጥቀሙሉ ሜላታት ድቃስ እውን ከይተረፈ ንገለ ሰባት ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ነቶም ብለይቲ ቀልጢፎም ድቃስ ክድቅሱ ዝደልዩ ሰባት፡ ናይ ቀትሪ ድቃስ ክምከር ዘይክእል እኳ እንተኾነ፡ ዘጥብዋ ኣደታት ንኣብነት ለይቲ ድቃስ ስለዝስእና ቀትሪ 'ቀም' ከብላ ይምከራ።

ሲቪላት ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክመሃርዎ ዝኽእሉ ካልእ ቀንዲ ነገር ከምዘሎ ክኢላ ኒውሮሳይንስ ብራገር ይዛረብ።

"እቲ ቀንዲ ዲሲፕሊን እዩ፤ ዲሲፕሊን ሓደ ወተሃደር ልምዲ ምህናጽ ኰይኑ፣ ኣቓልቦ ዝሰርቁ ነገራት ኣብ ምንካይን ንፉዕ እዩ" ትብል።

ናብ ዓራትካ ምእታው፡ ተሌፎንካ ምጥፋእ፡ መጽሓፍ ምንባብን ምሸት ምሸት ልክዕ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት መብራህቲ ምጥፋእን ሓገዝቲ ልምድታት እዮም።

"እቲ ኣካል ቀልጢፉ ይደክም፣ መዓልቲ መዓልቲ እንተገይርካዮ ድማ፣ ተለማዲ እዩ" ትብል ብራገር።