እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓቃዊ ዘይኰኑ ተዘክሮታት ብኸመይ ይፍጠሩ?
ማቲው (ስሙ ዝተቀየረ) ብዘይተለምደ ዓይነት ሕማም ክሳቀ ጸኒሑ እዩ። ኣእምሮኡ ሓቀኛ ዝመስሉ ናይ ሓሶት ተዘክሮታት ይፈጥር።
ርግፅ፡ ናይ ኩልና መጻኢ ዘይርጉጽ እዩ።
ማቲው ግን መጻኢኡ ጥራይ ዘይኰነስ ሕሉፍ ታሪኹ'ውን ርጉጽ ኣይኰነን።
ትማሊ እንታይ ኣጋጢምዎ? ምስሑ እንታይ በሊዑ? ምስሑ መን ሂብዎ? ምናልባት ንስኹም ኡኹም ምሳሕ ሂብኩምኒ እንተይሉ ሓሶት ኣይኰነን። ግን ድማ ሓቂ እውን ኣይኰነን።
መን ደኣ እዩ ተጋግዩ?
ዝተጋገየ የለን።
እሞ ማቲው እንታይ እዩ ኣጋጢሙዎ?
ማቲው፡ መጥባሕቲ ሓንጎል ምስ ተገበረሉ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ስርሑ ተመሊሱ።
ኣብ ስርሑ ብድሆ ከምዘጋጥሞ ተረዲእዎ ነይሩ።
ምስ ቀዋሚ መጉዳእቲ ሓንጎል ይነብር ከም ዘሎ ክርድኡሉ ንሓላፍቱ ነጊሩ።
ኣስራሕቱ 'ከመይ ጌርና ክንሕግዘካ ንኽእል፡ ናብ ስራሕ ተመሊስካ ንምስራሕ ንኽትክእል ብኸመይ ክንሕግዘካ?' ከምዝበልዎ ማቲው ይገልጽ።
"ንጽባሒቱ ግን፡ ናብ ስራሕ ክምለስ ኣይክፈቕዱለይን፡ ከባርሩኒ እዮም ዝብል እዩ ነይሩ።"
እቲ ተዘክሮኡ ኣዝዩ ንጹር እዩ ነይሩ። ልክዕ ከም ዝኾነ ብጭቡጥ ዘጋጠመ ነገር ተሰሚዕዎ። እንተኾነ ሓቂ ኣይነበረን።
እዚ ብሰንኪ መጉዳእቲ ሓንጎሉ ብኮንፋብዩሌሽን (confabulation) ይሳቐ ከም ዝነበረ ካብ ዝሕብሩ ቀዳሞት ምልክታት ሓደ ምንባሩ ማቲው ይፈልጥ እዩ።
እዚ ኩነታት ዘለዎም ሰባት ዘየጋጠመ ነገር ከም ዘጋጠመ ይኣምኑ ወይ ይዛረቡ።
እዚ ንምሕሳው ወይ ንምትላል ኢሎም ዝገብርዎ ኣይኮነን።
እንታይ ደኣ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሓሶት ተዘክሮ ካብቲ ክውንነት ኣብ ምፍላይ ሰለ ዝጽገሙ እዩ።
ቅድሚ ዝተወሰነ እዋን ማቲው ኣብ ኣካላቱ ገለ ዘገርሙ ነገራት ኣጋጢምዎ፤ ኣብ ጫፍ ኣጻብዕቱ ስምዒቱ ጠፊኡ፡ ሓያል ስቃይ ዝተሓውሶ ሕማም ርእስን ቪዥታን ርእየትን ይስምዖ።
መብዛሕትኡ ግዜ ሓንቲ ዓይኑ ዓሚቱ ምሉእ መዓልቲ ክሰርሕ ግድን ኮይንዎ።
ሲቲ ስካን ምስ ገበረ፡ እቲ ጸገም ኣብ ኣፍደገ ሓደ ካብ ቬንትሪክላት ሓንጎል (ኣብ ዙርያ ኒውራል ቲሹና ንዑደት ፈሳሲ ዓንዲ ሕቖ ዝሕግዙ ጕድጓዳት) ዘጋጠመ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ኣብ ሓንጎሉ "ኮሎይድ ሲስት" እትበሃል ንእሽቶ ከረጢት ጽኪ ብምዕባያ፡ ንመእተዊ ቬንትሪክል ዓጊታ እቲ ፈሳሲ ዓንዲ ሕቖ ከይወጽእ ገይራ።
"እቲ ጸቕጢ ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ክብ እናበለ ይመጽእ፡ እቲ ፈሳሲ ድማ ንሓንጎልካ ምስ ግድግዳ ርእስኻ ክጋጨ ይገብር ኣሎ" ይብል ኣብ መደብ ዌልከም ኮሌክሽን ብዛዕባ መጉዳእቲ ማቲው ዝዘተየ ኒውሮሳይንቲስት ቫውጋን ቤል ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ለንደን።
እቲ እናሰፍሐ ዝኸይድ ቬንትሪክል ኣብ ልዕሊ መትኒ ርእየት እውን ጸቕጢ ስለ ዝፈጥር፡ ድርብ ርእየት [ቪዥታ] የስዕብ።
ሓካይም ህጹጽ መጥባሕቲ ኣካይዶም፤ ኣብ ርእሱ፡ ንእሽቶ ነዃል ብምግባር፡ ንገለ ክፋል ናይታ ጽኪ ኣልዮም ነቲ ልዕሊ ዓቐን ፈሳሲ ክውገድ ገይሮም።
እዚ መስርሕ እዚ ግን ሳዕቤን ነይርዎ።
ማቲው፡ ገና ኣብ ሆስፒታል እንከሎ፡ እቲ መጉዳእቲ ከቢድ ናይ ምዝካር ሕጽረት ከምዝፈጠረሉ ፈለጡ። ሰባት ናብቲ ክፍሊ ክኣትዉ ወይ ክወጹ ምርኣዩ ይርስዕ ነበረ። ምእታዎም ረሲዑ፡ ብገለ ተኣምር ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝበሉ ይመስሎ።
ኒውሮሳይንቲስት ቫውጋን ቤል፡ እቲ ጸገም ብሰንኪ ኣብ ክልተ ከበብቲ ቲሹ ዘጋጠመ ጉድኣት ዝመጸ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።
እዞም ፅሕጊ ቲሹ ምስ ተዘክሮ ምትእስሳር ከምዘለዎም ይፍለጥ።
ብሰንኪ እዚ ጸገም ማቲው ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ፡ ነገራት እናመዝገብ ክሕዝ ግድን ኮይንዎ።
ኣበይ ከም ዝገበረ፡ እንታይ ከም ዝበልዐ፡ ሰባት እንታይ ከም ዝበልዎ ኣብ መዝገብ የስፍር። ዋላ'ኳ ከምኡ እናገበረ ግን፡ ናይ ዘይሓቃዊ ተዘክሮታት ከምዘጋጥሞ ይዛረብ።
"ብዙሕ ግዜ እቲ ናይ ሓሶት ተዘክሮታት ዘጋጥም ማቲው ኣዝዩ ምስ ዝጭነቕ'ዩ" ይብል መሳርሕቲ ማቲው ዝኾነ ቤን ግራሃም።
ማቲው ኣብቲ መጉዳእቲ ሓንጎል ንዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ዝድግፍ ትካል ግብረ ሰናይ ከም ወለንተኛ ይሰርሕ ኣሎ።
ኮንፋብዩሌሽን እንታይ እዩ?
ኮንፋብዩሌሽን ማለት ብዘይፍላጥ ዘይተፈጸመ ነገራት ምዝካር ወይ ብዘይ ፍላጥ ዝተፈብረኸ፡ ዝተዛብዐ ወይ ጌጋ ዝኾነ ዝኽሪ ምፍራይ ማለት እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኮነ ተባሂሉ ብንጹር ንቕሓት ንምትላል ዝፍጸም ዘይኮነስ ሓንጎል ክፍተታት ንምምላእ ዝገብሮ ኒውሮሳይኮሎጂካዊ መስርሕ የመልክት።
እዚ ተርእዮ'ዚ፡ ምሉእ ዝተፈጥረ ወይ ኣብ ግዝያዊ ኵነታት ዝተሓዋወሰን ዝተደናገሩን ብዘይግቡእ ዝተረኽቡን ቅኑዕ ዝኽርታት ዝሓቖፈ ናይ ሓሶት ወይ ጌጋ ዝኽርታት የመልክት።
ኮንፋብዩሌሽን ምስ ሓሶት ሓደ ኣይኮነን።
ሓደ ሰብ ሓሶት ክዛረብ ከሎ፡ ንኻልኦት ንምዕሻው ወይ ንምትላል ኮነ ኢሉ ሓሲቡ ዘይሓቂ ሓበሬታ የቕርብ።
ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኮንፋብዩሌሽን ዘለዎ ሰብ ዕላምኡ ሰብ ንምትላል ዘይኮነስ፡ እቲ ዝኽርኡ ሓቂ ከምዘይኮነ ኣይፈልጥን።
ጠንቂ ኮንፋብዩሌሽን
መብዛሕትኡ ግዜ ኮንፋብዩሌሽን ውጽኢት ሕማም ሓንጎል ወይ መጉዳእቲ እዩ።
ገለ ካብቶም ምስ ኮንፋብዩሌሽን ዝተኣሳሰሩ ኩነታት፡ ጸገማት ዝኽሪ፡ መጉዳእቲ ሓንጎልን ከም ቨርኒክ-ኮርሳኮፍ ሲንድሮም፡ ሕማም ኣልዛይመር፡ በሰላ ዘስዕብ መጉዳእቲ ሓንጎል፡ ስኪዞፍረኒያ ዝኣመሰሉ ገለ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ይርከብዎም።
ልሙዳት ባህርያት ኮንፋብዩሌሽን
ኮንፋብዩሌሽን ኣብ ዝኽሪ ሓደ ሰብ መሰረታዊ ጸገም ከምዘሎ እዩ ዝሕብር። ናይ ኒውሮሳይካትሪክ ኵነታት፡ መጉዳእቲ ሓንጎል ወይ ጸገም ኣጠቓቕማ መዐወኒ ገለ ኣብነታት እዮም።
እዚ ኩነታት ዝግለጸሉ ሓያሎ ልሙዳት ባህርያት ኣለዉ።
ንኣብነት ሓደ ዝኽሪ ሓሶት ወይ ዝተዛብዐ ምዃኑ ዘይምፍላጥ ሓደ ካብቶም ምልክታት እዩ።
ንምትላል ወይ ንምሕሳው ዝፍጸም ፈተነ ኣይኮነን።
መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝንገር ዛንታ ካብ ዝኽሪ እቲ ሰብ ዝብገስ እዩ። መሰረት ናይቲ ግጉይ ሓበሬታ ብሓፈሻ ኣብ ሕሉፍ ወይ ህሉው ተመኩሮታትን ሓሳባትን ናይቲ ሰብ ዝተመስረተ እዩ።
እቲ ዛንታ ወይ ኣዝዩ ክእመን ወይ ኣዝዩ ዘይእመን ክኸውን ይኽእል።
ሕክምና ኮንፋብዩሌሽን
ሓደ ሰብ ኮንፋብዩሌሽን ከምዘለዎ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ።
ሰለዝኾነ ድማ ንምሕካሙ እውን ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል።
መብዛሕትኡ እዋን እቲ ዝምከር ኣገባብ ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ምፍታሕ እዩ፤ እዚ ፍልፍል እቲ ፀገም ምልላይ እንተተኻኢሉ እዩ።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ብስነ-ኣእምሮኣውን ተገንዝቦኣዊን ሕክምናታት ባህርይ ክፍታሕ ይኽእል።
እዞም ኣገባባት እዚኣቶም፡ እቶም ጸገም ዘለዎም ውልቀሰባት ኣብ ዝኽሮም ንዘሎ ዘይቅኑዕነት ብዝያዳ ንኽፈልጡ ይሕግዙ።