መግብኹም 'ይጨኑ'ዩ' ዝተበሃሉ ህንዳውያን መጻምድቲ 200,000 ዶላር ተኻሒሶም

ኡርሚ ባህታቸርያንን ኣዲትያ ፕራካሽን ኣብ ሓደ ዩኒቨርስቲ መግቦም ኣብ ማይክሮዌቭ ከውዕዩ ኣብ ዝፈተንሉ፡ "መግብኹም ብርቱዕ ጨና ኣለዎ ተባሂሎም፡" ምስ ተኸልከሉ፡ ነቲ ዩኒቨርስቲ ብምኽሳስ ኣብ ምጕት'ዮም ጸኒሖም።

ድሕሪ ኣዋርሕ ዝወሰደ ምጕት ከኣ እቲ ዩኒቨርስቲ ነዞም ክልተ ህንዳውያን መጻምድቲ 200,000 ዶላር ክኽሐሶም ብቤት ፍርዲ ብይን ተዋሂቡ።

ኣዲትያን ሕጽይቱ ኢርሚን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለመሕተት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩኒቨርስቲ ኮሎራዶ ዝጀመርዎ ስቪላዊ ክሲ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ'ዮም ገሊጾም።

እቲ ክስተት ሓደ ኣባል እቲ ዩኒቨርስቲ ነዞም ክልተ መጻምድቲ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ህንዲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ብዝተጣሕነ ሓምልን ካልኦት ቀመማትን ዝስራሕ ባህላዊ መግቢ ከውዕይዎ ኣብ ዝፈተንሉ፡ እቲ መግቢ ሰርሳርን ብርቱዕ ጨናን ኣለዎ ኢሉ ኣብቲ ናይ ሓባር ማይክሮዌቭ ከውዕይዎ ከም ዘይክእሉ ምስ ነገሮም'ዮም ጀሚሩ።

ቢቢሲ ነዚ ኣመልኪቱ ካብቲ ዩኒቨርስቲ ሕቶ ኣብ ዘቐረበሉ፡ "ኣብ ሓደ ዝተነጸለ ጉዳይ ኣመልኪትና መልሲ ኣይንህብን ኢና፡" ዝብል መልሲ'ዮም ተዋሂቡዎ።

ብምስዓብ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ "ሃገራዊ መበቈል፡ ሃይማኖት፡ ባህልን ካልኦት ብሕጊ ኣመሪካን ብፖሊሲታት ዩኒቨርሲቲን ዝሕለዉ ክፍልታትን ብዘየገድስ ንዅሎም ተምሃሮ፡ መምህራንን ሰራሕተኛታትን ሓቛፊ ሃዋህው፡" ንምምዕባል ቃል ኣትዩ።

እቲ ዩኒቨርስቲ፡ "እዞም ክስታት ኣብ 2023 ምስ ተላዕሉ፡ ከምቲ ኣብ ኵሉ ናይ ኣድልዎን ምግፋዕን ክሲ እንገብሮ፡ ንዕኦም ንምፍታሕ ዝተመስረተን ድልዱልን መስርሓት ኢና ተኸቲልና። ኣብ መስከረም [2025] ምስቶም ተምሃሮ ኣብ ስምምዕ በጺሕና፡" ብምባል በዚ ብፍሉይ ዝሕተት ኣካል ከም ዘየሎ ገሊጹ።

ፕራካሽ፡ እቲ ነጥቢ ናይቲ ክሲ እቲ ገንዘብ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ "እቲ ቀንዲ ነጥቢ፡ ህንዳውያን ብሰንኪ 'ህንዳውያን' ምዃኖም ኣድልዎ ምስ ዝበጽሖም ሳዕቤን ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ'ዩ፡" ኢሉ።

ክሲ ናይዞም ክልተ መጻምድቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ እዝኒ ጋዜጠኛታት ካብ ዝበጽሕ ዓቢ ናይ ሚድያ ሸፈነ'ዩ ረኺቡ።

ገለ ነቲ ክስተት ብምዕራባውያን ዝተፈጸመ፡ "ዓሌታውነት ናይ መግቢ" ክብልዎ እንከለዉ፡ ገለ ህንዳውያን ከኣ ተመሳሳሊ ተመኵሮ ከም ዘጋጠሞም ኣካፊሎም።

ገለ ሰባት'ውን ኣብ ህንዲ ኣብ ልዕሊ መግቢ ዝግበር ኣድልዎ ከም ዝሰፍሐን ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርትን ኮለጃትን ስጋ ዘለዎ መግቢ ርዅስ ወይ ረሳሕ እዩ ብዝብል ኣረኣእያ ከም ዝእገድ ኣመልኪቶም እዮም።

ናይዞም ክልተ ህንዳውያን ጉዳይ ኣብ ማዕከናት ዜና ኣዘራራቢ ምስ ኰነ፡ እቲ ኣድልዎ ኣብ ልዕሊ ህንዳውያን ወይ ደቡብ እስያውያን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን፡ ላቲናውያንን ካልኦትን ተመመሳሳሊ ነገራት ከም ዘጋጥሞምን ብወግዒ ምግቦም 'ፉንፉን' ምዃኑ ከም ዝንገሮምን ዝመስከሩ'ውን ብዙሓት'ዮም።

እዞም ክልተ ህንዳውያን መጻምድቲ ጥርዓኖም ኣብ መስከረም 2023 እዮም ጀሚረሞ።።

ኣብቲ እዋን ኣዝዩ ዝጨኑ መግቢ ኣብ ማይክሮዌቭ ምውዓይ ክልኩል ምዃኑ ዝነግር ሕጊ ከም ዘሎ'ዩ ተሓቢርዎም፣ ነቲ ሕጊ ግን ኣብ ዝዀነ ክረኽብዎ ኣይከኣሉን።

ብሰንኪ እቲ ምስቲ ዩኒቨርስቲ ዝጀመርዎ ክትዕ ኣብቲ ናይ ዶክትረይት ዝገብርዎ ዝነበሩ መጽናዕቲ ምወላ ክሳብ ዝስእኑ ከም ዝዀኑ ፕራካሽ ይገልጽ።

ኣብ ግንቦት 2025 ክልቲም መጻምድቲ ንጉዳዮም ናብ ቤትፍርዲ ብምምራሕ ኣብ ልዕሊ እቲ ዩኒቨርስቲ ክሲ መስሪቶም።

ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ እቲ ዩኒቨርስቲ ነቲ ክሲ ንምርጋእ ዝተፈላለየ ስጉምትታት'ኳ እንተ ወሰደ፡ እቶም ህንዳውያን መጻምድቲ ግን በቲ ተግባር ናይቲ ዩኒቨርስቲ ዕጉባት ኣይነበሩን።

ኣብ ክሶም ስለ ዝተረሩ ከኣ ነቲ ዝጋጠሞም ኣድልዎን ኣእምሮኣዊ ተነጽሎን መኽሓሲ ዝኸውን እቲ ዩኒቨርስቲ 200,000 ዶላር ክኸፍሎም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።