ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመ ክንመገቦም ዝግባእ መግቢታት

ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ መንግስቲ እንግሊዝ ስድራቤታት ሰሙናዊ ኣበል ክወሃቦም ዝፈቅድ ፖሊሲ ምምቕራሕ ኣተኣታትዩ።

እቲ ሓሳብ፡ መግቢ ኣብ መላእ ሃገር ብማዕረ ክባጻሕ ብምግባር፡ ሰባት ድሌታት ኣመጋግባኦም ከማልኡ ንክኽእሉ ዝዓለመ'ዩ ነይሩ።

ሽኮር ሓደ ካብቶም ራሽን ዝግበረሎም መግቢ እዩ ነይሩ።

ውልቀሰባት ኣብ ሰሙን ከባቢ 8oz (227 ግራም) ናይቲ ምቁር መግቢ ይፍቀደሎም ነይሩ። ትሕቲ ክልተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ግን ዝዀነ ኣይተመደበሎምን።

ብ1953 ምምቕራሕ ሽኮር ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ ኣባጽሕ፡ ማእከላይ ኣመጋግባ ሽኮር ብዕጽፊ ወሲኹ።

ኣብቲ እዋን ሰባት ኣብ ኣመጋብባ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ነይርዎ ክበሃለ ኣይክኣለን፡ እዚ ግን ኣብ መጻኢ ተመራመርቲ ብኣግኡ ሽኮር ምውሳድ ኣብ ጥዕናና ዘለዎ ጽልዋ ብንጹር ንኽፈልጡ ዓቢ ዕድል ሂቡዎም።

ኣብ 2025 ኣብ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ዓለማዊ ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ካብ 1951 ክሳብ1956ን - ምምቕራሕ ሽኮር ኣብ ዝነበረሉ እዋን - ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተወልዱ 63 ሽሕ ሰባት ሕክምናዊ መዛግብቲ ገምጊሞም።

ኣብ መጀመርታ ሓደ ሽሕ መዓልቲታት፡ ኣብ ማህጸን እንከለው ንውሑድ ሽኮር ዝተቓልዑ ህጻናት፡ ኣብ ዳሕረዋይ ዕድሚኦም ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም ብ20% ከም ዝነከየ ክርድኡ ክኢሎም።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ድኻም ልቢ ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም ብ25% ይትሕት፤ ከምኡ'ውን ካብቶም ምምቕራሕ ምስ ተዛዘመ ኣፎም ብሽኮር ክመልኡ ዝተፈቕደሎም ህጻናት ብወቕዒ ክጥቕዑ ዘሎ ተኽእሎኦም ብ31% ዝተሓተ እዩ።

እዚ ኣብ መንጐ ኣመጋግባ ሽኮርን ጥዕናን ዘሎ ጽኑዕ ዝምድና ድሕሪ ምውላድና ከም ዝቕጽል ምፍላጥና ምናልባት ዘገርም ኣይኰነን።

ብቐሊሉ ክንገልጾ እንተዀይንና፡ ብዙሕ ሽኮር ዘለዎ ምቁር መግቢ ምብላዕ -ዕድመ ብዘየገድስ - ሕማቕ እዩ።

ምስ ገለ ካልኦት መግብታት ግን፡ እቲ ናይ ኣመጋግባ ረብሓታት ኣብቲ ብኣጋጣሚ ኣብ ምንታይ ደረጃ ህይወት ኣለና ዝብል ይምርኰስ።

ንኣብነት፡ ንኣሽቱ ዕሸላትን ቈልዑን ኣብ ጸባ ዝርከብ ስብሒ ብዙሕ የድልዮም'ዩ።

እንተዀነ፡ ከምዚ ዓይነት ኣመጋግባ ንሓደ ኣብ 20ታትን 30ታትን ዕድመ ዝርከብ ሰብ ንጥዕናኡ ጽቡቕ ኣይኰነን።

ብመሰረት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ለንደን ተመራማሪት ኣመጋግባ ፈደሪካ ኣማቲ፡ ህጻናት ልዑል ጠለብ ጸዓት ማለት ብመኣዛታት ዝበልጸገ መግቢ የድልዮም።

"ኣብ ግዜ ቁልዕነት፡ መግቢ ንኣካላትን ሓንጐልን ይሃንጽ፡" ትብል ኣማቲ።

ከምኡ'ውን ጥዕና ዘለዎ ካሎሪ፡ ህጻናት ሕማም ንምክልኻል፡ ሓንጎል ንምምዕባልን ዕብየት ጭዋዳታትን ዝድግፍ ኣይረን፡ ኣዮዲንን ዝተፈላለየ ቪታሚናትን የድልዮም።

እዚ ማለት ብዙሕ ፍረታትን ኣሕምልትን፡ ጥረምረ፡ ባልዶንጋን መሸላን ሓዊሱ ጽቡቕ ጽሬት ዘለዎ ስብሒ፡ ከምኡ'ውን ውሑድ ኣዝዩ ዝተመስርሐ መግቢ የድልዮም ማለት እዩ።

"ድቂ ካብ ዝተቛጸረሉ ግዜ ክሳብ ቀዳሞት 1000 መዓልታትን ክሳብ ትምህርቲ ዝጅምርሉ ዓመታትን፡ ህጻናት ብቕልጡፍ ይዓብዩን መብዛሕትኡ ንመጻኢ ዘድልዮም ዓጽሚ ይሃንጹን፡" ትብል እታ ተመራማሪት።

"ስለዚ'ዩ ካልሲየምን ቫይታሚን ዲን ኣብዚ ደረጃ ቀዳምነት ዝወሃቦም መኣዛታት መግቢ ኰይኖም፡ ንንቡር ምዕባለ ዓጽምን ጥዑይ ጫፍ ዓጽሚ ንምርካብን ኣገደስቲ እዮም። እዚ ድማ ድሒሩ ዝመጽእ ሓደጋ ምህማነ ዓጽሚ የጉድል።"

እዚ ማለት ስሩዕ ካልሲየም - ከም ጸባ፡ ርጉኦ፡ ፋርማጂ (ቺዝ)፡ ካልሲየም ከምኡ'ውን ቪታሚን ዲ- ካብ ጸሓይን ከም ዓሳን እንቋቑሖን ዝኣመሰሉ መግብታትን ምርካብ ማለት'ዩ ትብል።

ኣብ ግዜ ቍልዕነት ምዕሩይ መግቢ ምምጋብ ኣብ ዳሕራይ ህይወትና፡ ንጥዕና ክጠቅም ከም ዝኽእል ዝገልጹ መርትዖታት ኣለው።

ኣብ 2023፡ ተመራመርቲ ኣመጋግባ ህጻናት ኣጽኒዖም። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ህጻናትን መንእሰያት ኣባጽሕን ዝነበሮም ጥዕና ኣነጻጺሮምዎ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ 7 ዓመት ዕድሚኦም ካብ መምርሒ ኢት-ዌል ብሪጣንያ ሰለስተ ወይ ልዕሊኡ ለበዋታት ኣመጋግባ ዘማልኡ ህጻናት፡ ምስቶም ዝዀነ ካብቲ ረቛሒታት ዘየማልኡ ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ ኣብ 24 ዓመት ዕድሚኦም ትሑት ናይ ሕማም ልቢ ሓደጋ ከም ዝነበሮም ረኺቦም።

ዓሰርተታትን ዕስራታትን

ግዜ ቍልዕነት ኣገዳሲ እዋን ኰይኑ፡ ኣብ ዓሰርተታን 20ታትን ዕድመና እንበልዖም መግብታት እውን ንመጻኢ ጥዕና መሰረት ከንጽፉ ይኽእሉ እዮም።

ኣማቲ ከም እትብሎ፡ እዚ ናይ ህይወት ደረጃ ህንጸት ኣዕጽምትን ጭዋዳታትን ዝውድኣሉ፡ ኣብ ስራሕን ማሕበራዊ ርክብን ብዙሕ ሰዓታት ከነሕልፍ እንጅምረሉ እዩ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ዝበለጸ መኣዛታት ዘለዎም መግቢታት ናይ ምርካብ ድልየት ይውስኽ።

"ጉርዝውናን ብጽሕናን ካልእ ኣገዳሲ ክሊ ዕድመ ኣመጋግባ'ዩ፡" ትብል ኣማቲ።

"ኣብ 20ታት ዕብየት ይዝሕትል'ዩ፤ እንተዀነ ዳሕራይ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ጸገማት ጥዕና ልብን ሓንጐልን ዝከላኸሉ ልምድታት ንምምስራት ወሳኒ ክሊ ዕድመ እዩ። ዋላ'ኳ ምልክታት ኣዝዩ ድሒሩ እንተተራእየ፡ ብዙሕ መሰረት ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን ኣብዚ ከም ዝጅምር ንዕዘቦ ኣለና፡"።

ኣብ ዕድመ ንእስነትና፡ ኣካላትና ምስቲ ድሒሩ ዝመጽእ ብጽሕና ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝያዳ ሓያሎ መኣዛታት የድልዮ።

እዚ ድማ ካልሲየም፡ ቪታሚን ዲን ኣይረንን የጠቓልል - እዚ ድማ ብፍላይ ወርሓዊ ጽግያት ንዝርእያ ደቀንስትዮ ኣገዳሲ እዩ። ፕሮቲንን ቪታሚንን እውን ኣገደስቲ እዮም።

ስለዚ እዚ ኣመጋግባ እንታይ ክመስል ኣለዎ?

ተመራማሪት ኣማቲ ከም እትብሎ፡ ኮተቴታትን መንእሰያት ኣባጽሕን ብዓቢኡ ኣብ ኣሕምልቲ ዝተመርኰሰ ኣመጋግባ ክኽተሉን ካብ ልዕሊ ዓቐን ዝተመስርሑ መግብታት ክቑጠቡን ይግባእ።

ስለዚ ብዙሕ ፍረታት፡ ኣሕምልቲ፡ ምሉእ እኽሊ፡ ባልዶንጓን፡ ፍረታት፡ መሸላን ከዘውትሩ ኣለዎም።

ንነፍሲ ወከፍ መግቢ እኹል መጠን ፕሮቲን ምህላው'ውን ኣገዳሲ'ዩ።

እዚ ድማ ካብ ኣብ ኣሕምልቲ ዝተመርኰሰ ኣመጋግባ ክኸውን ከም ዝኽእል ትዛረብ።

ከምዚ ዓይነት ኣመጋግባ ምኽታል ንኣካላት ጥራይ ዘይኰነስ ንጥዕና ኣእምሮ እውን ጽልዋ ከሕድር ከም ዝኽእል መጽናዕትታት ይሕብሩ።

"ኣብ ዕድመ ንእስነት ዝረአ ኣገባብ ኣመጋግባ ንሓደጋ ጥዕና ኣእምሮ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ዝሕብር መርትዖታት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ - ልዑል መጠን ኣመጋግባ ኣዝዩ ዝተመስረሐ መግብታትን ውሑድ መጠን ኣሕምልቲ ዘለዎን መግቢ ምስ ዝለዓለ መጠን ጭንቀትን ቃዝኖትን ዝተኣሳሰር ክኸውን ከሎ፡ ዝያዳ ኣሕልምቲ ዘለዎ ኣመጋግባ ድማ እዞም ጸገማት ንምክልኻል ይሕግዝ፡"።

እዚ ማለት፡ ልዑል መጠን ኣሕምልቲ፡ ፍረታትን ዘይቲ ኣውሊዕን ዝሓዘ ኰይኑ፡ ውሑድ መጠን ዓሳ፡ ጸባን ደርሆን ዘለዎ ኣመጋግባ ማለት እዩ።

እዚ ስድራቤት ክምስርቱ ንዝደልዩ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን እውን ክጠቅም ይኽእል እዩ።

እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ 20ታት፡ 30ታትን 40ታትን ዝፍጸም እዩ።

መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣሕምልቲ ማእከል ዝገበረ ስርዓት ኣመጋግባ፡ ንፍርያምነት ብእወንታ ክጸልዎ ይኽእል።

ምዕራባዊ ኣመጋግባ - ልዑል ስብሒ፡ ስጋን ጻዕዳ ካርቦሃይድሬትን ዘለዎ - ግን ምስ መኻንነት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተኣሳሰር እዩ።

ንደቀንስትዮ፡ ብፎሌት ዝሃብተመ ኣመጋግባ ኣብ ሕክምና ፍርያምነት ክሕግዝ ከም ዝኽእል'ውን መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ልዑል ፎሌት ዘለዎም መግብታት፡ ቖጽሊ ዝበዝሖም መግቢ፡ ቡቕሊ፡ ብሮኮሊን ዓተርን ይርከብዎም።

ማእከላይ ዕድመ

ኣብ መፋርቕ ዕድመና፡ ንዳሕራይ ህይወትና ንዝህልወና ጥዕና ኢና ክንሓስብ ዘለና ትብል ፕሮፌሰር ኣመጋግባ ደቂ ሰባት ዩኒቨርሲቲ ሸፊልድ ዓባይ ብሪጣንያ ኤልሳቤጥ ዊልያምስ።

እዚ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጽንፈተ ጽግያት ንዝርከባ ደቀንስትዮ ኣገዳሲ እዩ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ "ቅልጡፍ ምጕዳል ድለዳለ ዓጽሚ - ካልሽየምን ፎስፎረስን - ከምኡ'ዉን ሳርኮፔንያ [ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰር ምጕዳል ጭዋዳታት]ን ምምህማን ዓጽምን ዝርኣየሉ ዕድመ ስለ ዝዀነ'ዩ፡" ትብል ኤልሳቤጥ።

ጽንፈተ ጽግያት [ሜኖፖ'ዝ] ምስ ምውሳኽ ሓደጋ ክብደት ሰብነት፡ ሕማም ልብን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርን ዝተኣሳሰር እዩ።

ኣብ ዕድመ ምፍራይ ኣብ ዝርከባ ደቀንስትዮ፡ ኢስትሮጅን ኣብ ማእከላይ ስርዓተ ነርቭ ብምስራሕ ሸውሃት መግቢ ይቕንስ።

ብተወሳኺ ንናይ ኢንሱሊን ተነቃፍነትን ምውሳድ ግሉኮስን ጭዋዳታት ይውስኽ።

ይኹን እምበር ኣብ እዋን ጽንፈተ ጽግያት ኣብ ዙርያ ኣካላት ውሑድ ኢስትሮጅን ይውሕዝ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ክብደት ሰብነት – ከምኡ'ውን ስብሒ ውሽጣዊ ኣካላት – ክውስኽ ይኽእል።

ይኹን እምበር፡ እዚ ሓደጋ እዚ ጽቡቕ ኣመጋግባ ብምኽታል ብዓቢኡ ክመዓራረ ይኽእል እዩ።

ንኣብነት፡ ተመራመርቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ብዝሒ ህዝቢ፡ ኣመጋግባን ጥዕናን ብውሑድ 39 ዓመት ዝዕድሚኦም ልዕሊ 100,000 ኣመሪካውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ርእዮም።

ፍረታት፡ ኣሕምልቲ፡ ምሉእ እኽሊ፡ ዘይተዘግሐ ስብሒ፡ ኣእኻል ጥረን ትሑት ስብሒ ዘለዎም ፍርያት ጸባን ዝሓዘ ጥዑይ ኣመጋግባ ምስ ጥዑይ ዕድመ ምድፋእ (እዚ ድማ ብውሑዱ ክሳብ 70 ዓመት ብዘይ ሕዱር ሕማም ምንባር፡ ከምኡ'ውን ጽቡቕ ናይ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕና) ብጽኑዕ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ረኺቦም።

"ደቀንስትዮ ናብ 40ታትን 50ታትን ኣብ ዝጽግዓሉ እዋን፡ ክልተ ዓበይቲ ቀዳምነታት ኣመጋግባ ይቕልቀሉ፡ ጥዕና ልብን ጥዕና ዓጽምን ጭዋዳታትን፡" ትብል ኣማቲ።

"እቲ ናይ ጽንፈተ ጽግያት ዝግበር ምስግጋር ምስ ብርቱዕ ምውሳኽ ሓደጋ ልብን ስርዓተ ደምን ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ብኸፊል ምጥፋእ ኢስትሮጅን ንሽኮር ደም፡ ሰራውር ደምን ዝርግሐ ስብሒ ኣካላትን ስለ ዝጸልዎ'ዩ።"

ስብሒ ኦሜጋ 3 - ብፍላይ ኣብ ከም ማከረልን ሳልሞንን ዝኣመሰሉ ዘይቲ ዘለዎም ዓሳታት ዝርከቡ - ንሕማም ልቢ ዘቃልዑ ረቛሒታት ስለ ዘጉድሉን ጸረ-ነድሪ ስለ ዘለዎምን ንጥዕና ይሕግዙ እዮም በሃሊት እያ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሳዕቤናት ምጕዳል ጭዋዳታት ንምምካት ቁሩብ ወሰኽ ኣመጋግባ ፕሮቲን ክግበር ትመክር።

ከምኡ'ውን ንዝሓሸ ጥዕና ልቢ ኣሕምልቲ ማእከል ዝገበረ ኣመጋግባ- ምናልባት'ውን ጥዕና መዓንጣን ጥዕና ኣእምሮን'ውን- ክንኽተል ኣለና ኢላ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንጥዕና ልቢ፡ ዓጽምን ሓንጐልን ዝድግፍ እኹል ፕሮቲን፡ ካልሲየም፡ ቫይታሚን ዲን ኦሜጋ-3ን ዘለዎ ዝተፈላለየ፡ ብኣሕምልቲ ዝሃብተመ ኣመጋግባ ኣገዳሲ ምዃኑን፡ ኣዝዮም ዝተመስርሑ መግብታት ድማ ምድራት ኣገዳሲ ምዃኑን ትዛረብ።

ዕድመ ኣብ እንደፍኣሉ...

ዕድመ እናወሰኽና ምስ ከድና ኣቃውማ ኣካላትና ይቕየርን ጠለብ ጸዓት ይንክን።

ስለዚ ውሑድ ካሎሪ ክንወስድ ኣለና።

ይኹን እምበር ሕጂ'ውን ድልዳለ ዓጽምን ጭዋዳታትን ንምዕቃብ እኹል መኣዛታት ዘለዎም መግቢታት ንረክብ ምህላውና ከነረጋግጽ ኣለና።

ብመሰረት ኤልሳቤጥ ዊልያምስ፡ ኣብ ኣጋ እርጋን ከነተኩረሎም ዝግበኣና ክልተ ቀንዲ መኣዛታት ካልሲየምን ቪታሚን ዲን እዮም።

እኹል ካልሲየም ወይ ቪታሚን ዲ ዘይረኽቡ ኣረጋውያን፡ ንልዑል ሓደጋ ምጕዳል ጥንካረ ዓጽሚን ዝተቓልዑ እዮም።

ካልሲየም ኣብ ጸባን ተሪር ፋርማጆ -ቺዝ-፡ ሳርዲን፡ ቶፉን ሓምሊ ቆስጣን ይርከብ።

ብቫይታሚን ዲ ዝሃብተሙ መግብታት ቅብኣት ዘለዎ ዓሳ፡ ኣስኳል እንቋቑሖን ፍረታትን ንረኽቦም።

እኹል ጽሬት ዘለዎ ፕሮቲን ምምጋብ'ውን ምስ እርጋን ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ ትብል ክኢላ ኣመጋግባን ሓባራዊት መሪሕ ማእከል ምርምር እርጋንን ረስዕን ዩኒቨርሲቲ በርንማውዝ ጄን መርፊ።

"ዕድመ እናወሰኽና ምስ ከድና፡ ቅርጽናን ስርሓትናን ይቕየር፡ ጽፍሒ ጭዋዳታትን ጥንካረን ንስእን። ምስ ዕድመ ብዝተኣሳሰር ዝመጽእ ምጕዳል ጥንካረ ዓጽሚ ንምክልኻል ድማ ፕሮቲን የድልየና፡" ትብል።

ኣካላትና ብግቡእ ንኽንጥቀመሉ ግን፡ ፕሮቲን ሓደ ክፋል ናይቲ ካርቦሃይድሬት፡ ጽቡቕ ጽሬት ዘለዎ ስብሒ (ከም ዘይቲ ኣውሊዕ፡ ኣቮካዶ፡ ፍረታትን ዘይቲ ዘለዎ ዓሳን ሓዊሱ ዘይተዘግሐ ስብሒ)፡ ከምኡ'ውን ቪታሚናትን ማዕድናትን ዘጠቓለለ ሚዛናዊ ኣመጋግባ ክኸውን ኣለዎ ትብል መርፊ።

ዕድመና እናደፍአ ምስ ዝኸይድ፡ ማይክሮባዮማትና እውን ይቕየሩ።

እዚ ድማ ጎኒ ጎኒ ምውሳኽ ከም ክሎስትሪድየም ዝኣመሰሉ ጐዳእቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ዓይነታት ባክተርያ ከም ፊርሚኩትስን ቢፊዶባክተርየምን ዝኣመሰሉ ጠቐምቲ ባክተርያታት ብምጥፋእ ዝልለ እዩ።

እዚ ዘይምዕሩይነት ምስ ሓያሎ ጸገማት ጥዕና ከም ረስዒ፡ ወቕዒን ሕማም ልብን ዝተኣሳሰር እዩ።

ተመራመርቲ ንማይክሮባዮም መዓንጣ ምስ ነፍሲ ወከፍ ዝተፈላለየ መስርሕ ሕማም ብዝተኣሳሰር ገና ምሉእ ብምሉእ ክርድእዎ እኳ እንተዘይከኣሉ፡ 100 ዓመት ኣረጋውያን ካብ ዝረገጹ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና ይብል ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ክሊኒካዊ መምህር ሕክምና ኣረጋውያን ሜሪ ኒ ሎክላይን።

"[ክሳብ] 100 ዓመት ዝነብሩ ሰባት፡ ንኻልኦት ሰባት ልሙድ ዝዀነ ብዙሕ መዳያት እርጋን ዝተፈለየ ዑደት ዘለዎም ይመስሉ። ካብ ናይ ካልኦት ኣረጋውያን ዝተፈልየ ዝመስል ዝተፈላለየ ማይክሮባዮም ኣለዎም።"

ብሓፈሻ፡ ዝያዳ ንጥዕና ንምድንፋዕ ብሓባር ዝሰርሑ ማይክሮብስ ሚዛን ምህላው ስለ ዝዀነ፡ ጥዑያት ወይ ዘይጥዑያት ባክተርያ መዓንጣ ዝብል የለን።

ይኹን እምበር፡ ንጥዕና ዝከላኸሉ ዝመስሉ ሒደት ፍሉያት ዓይነታት ባክተርያ ከም ፌካሊባክተርየም ፕራውስኒትዚ ምህላዎም ይፍለጥ።

ጥዑይ መዓንጣ ምህላው ንገለ ካብቲ ምስ ዕድመ ምድፋእ ክተሓሓዝ ዝኽእል ሕጽረት መኣዛታት ንምምሕዳር' ውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ፤ ምኽንያቱ ኣረጋውያን ካብ መንእሰያት ንላዕሊ ቪታሚናት ካብ መግቢ ኣብ ምምጣጥ ንፉዓት ኣይኰኑን።

መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ጥዑያት ባክተርያ መዓንጣ ንጠለባት ናይቲ እኹል ሰብ ቢ12 ከውጽኡ ክኽእሉ እንከለዉ፡ ገለ ባክተርያ መዓንጣ'ውን ፎሊክ ኣሲድ ከውጽኡ ይኽእሉ።

ጥዑይ ማይክሮባዮም መዓንጣ ኣብ እርጋን ንዝፍጠር ሓደጋ ምጥፋእ ጭዋዳታትን ምምንማን ዓጽምን ንምክልኻል እውን ክሕግዝ ይኽእል።