እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ብቕዳሕ ዝበፅሓ ደብዳበ ትራምፕ፡ እንታይ ዝብል እዩ?
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣኑ፡ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ (GERD) ንኢትዮጵያን ግብጽን ክሽምግል ፈቲኑ ከም ዘይተዓወተ ይዝከር።
ንኻልኣይ ግዜ ናብ ስልጣኑ ካብ ዝምለስ ንደሓር ድማ ንግብጺ ደጊፉ ብዝመስል መልክዑ፡ ብተደጋጋሚ ክዛረብ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 8 ጥሪ 2018 [ግ] ድማ ትራምፕ ብቐጥታ ናብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፡ "ብመንፈስ ውልቃዊ ምሕዝነትናን ኣመሪካ ንሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ግብፂ ዘለዋ ተወፋይነትን፡" ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ፡ ልዝብ ምጅማር ከም ዝደሊ ገሊፁ ኣሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ደብዳበኡ፡ "ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘሎ ጉዳይ 'ብፅሒት ማይ ኣባይ' ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምፍታሕ ድሉው ምዃኑ፡" ብምግላጹ፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ።
ነዚ ደብዳበ ስዒቡ ፕረዚደንት ግብጺ ከምኡ'ውን ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዝርከብ ሓላፊ ሰራዊት ሱዳን ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃ፡ ንዕድመ ፕረዚደንት ትራምፕ ክንቅበል ኢና ክብሉ ብኡንብኡ መልሲ ክህቡ እንከለዉ፡ ኢትዮጵያ ግን ዛጊድ ዝዀነ ዕላዊ መግለጺ ኣይሃበትን።
እቲ ደብዳበ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ዝፀንሐ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ድሌት ከምዘሎ ብምግላጽ፡ "ኣብቲ ዞባ ዝዀነት ሃገር ንማያት ሩባ ኣባይ ብብሕቲ ክትቈጻጸርን ጐረባብታ ክትጐድእን የብላን፡" ክብል ገሊጹ።
ፈቕ ኣሕመድ ኣብ ልዝብ ሩባ ኣባይን ግድብ ህዳሴን ተሳቲፉ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ኣማኻሪ ልምዓት ሃብቲ ማይን ስግረ ዶባዊ ሩባታትን ሃይድሮ ዲፕሎማሲን ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ብዛዕባ ደብዳበ ትራምፕን ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ጉዳያትን ምስ ቢቢሲ ኣውጊዑ ኣሎ።
ኢትዮጵያ እንታይ ክትገብር ኣለዋ?
ኣቶ ፈቕ ኣሕመድ፡ ትራምፕ ዝመረጾም ቃላትን መግለጺታትን ክርአ ከሎ፡ ንግብፂ ኣዝዩ ወገናውነት ዘለዎ ምዃኑን እቲ ደብዳበን መስርሕ ድርድርን ንረብሓ ግብፂ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ ይብል።
ኣቶ ፈቕ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዙሕ ክትዕ ካብ ዝግበረሎምን ሓደ ካብቲ ኣብ ስምምዕ ከይብፃሕ ምኽንያት ዝዀነን፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ግድብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምፍራይ እምበር፡ ነቲ ማይ ናይ ምጥቃም መሰል ኣፍልጦ ዘይምሃብ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።
"ብፍላይ ኣብ እዋን ደርቂ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ማይ ክትለቅቕ ኣለዋ ዝብል መልእኽቲ ኣብቲ ደብዳበ ኣሎ።"
ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ተኸታታሊ ልዝባት ከም ዘካየዱ ይዝከር። እንተዀነ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ፡ ስምምዕ ክብፃሕን ክፍረምን ትፅቢት ኣብ ዝተገብረሉ እዋን፡ እቲ ጉዳይ ዕልባት ከይረኸበ ተሪፉ።
ኢትዮጵያ ነቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዝቐረበ ስምምዕ ዘይተቐበለቶ፡ "ንመጻኢ ማይ ሩባ ኣባይ ናይ ምጥቃም መሰላ ስለ ዝኸልእ'ዩ፡" ክብል ኣቶ ፈቕ ኣሕመድ ይዝክር።
ኣብዚ ግዜ'ዚ እውን፡ ግብጽን ሱዳንን እቲ ብተደጋጋሚ ዝሓተትኦ ቀያዲ ስምምዕ ክፍረም ክጠልባ እየን ዝብል እምነት ኣለዎ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ከይተረፈ እቲ ኣብ 2019ን 2020ን ዝተቛረፀ ስምምዕ ሰነድ ክቐርብን ክፍረምን ክጠልብ እዩ።
እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሰነድ ዝነጸገቶ ክፍሊ ምምላእ ማይን ዓመታዊ ምውጻእ ማይን ዝምልከት፡ "ብጽሒት ማይ ግብጽን ሱዳንን ኣፍልጦ ክትህብ ዘገድዱ ተሓቢኦም ዝኣተዉ ሓረጋት፡" ዝሓዘ እዩ ክብል ኣቶ ፈቅ ይዛረብ።
ፈታኒ እዋን
ትራምፕ ኣብቲ ሃገራዊ መረፃ ኣመሪካ ተሳዒሩ ካብ ዋይት ሃውስ ምስ ወጽአ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝተገብረ ካልእ ዙር ፈተነ ልዝብ ውጽኢት ከምፅእ ኣይከኣለን።
ሎሚ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፡ ትራምፕ ናብ ስልጣን ኣብ ዝተመልሰሉ እዋን፡ ግብፂ፡ ሱዳንን ኣመሪካን፡ ነቲ ቅድሚ ዓመታት ከይተፈረመ ዝተረፈ ሰነድ ክፍረም ብምግባር ዕላማአን ንምዕዋት ይጽዕራ ከም ዘለዋ ኣቶ ፈቅ ይኣምን።
እቲ ትራምፕ ዘቕረቦ ኣማራጺ ፈታኒ ክኸውን ከም ዝኽእልን ነዚ ድማ ኢትዮጵያ "ጥንቃቐ ክትገብር ከም ዘድልያ"ን የተሓሳስብ።
"ከምዚ ዝበለ ስምምዕ ምፍራም ንሃገራዊ ረብሓታት ዝጐድእ እዩ። ዘይምልዛብ እውን ካብ ኣመሪካ ርኡይ ጸቕጢ ከስዕብ ይኽእል'ዩ።"
"ትራምፕ ቅድመ-ዅነት ኣቐሚጡ 'እዚ ግበር ወይ ተቐበል' ክብል ይኽእል'ዩ፣ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ስጕምትታትን ጸቕጥን ክወስድ እዩ።"
ኣቶ ፈቅ፡ እዚ ንኢትዮጵያ እውን ፀገም ስለ ዝዀነ፡ "መንግስቲ ንነገራት ብጥንቃቐ ክሕዞን ብጥበብን ብልሓትን ክምልስን፡" ይምዕድ።
"ኢትዮጵያ ብኽልቲኡ ወገን ኣብ ቅልውላው እያ ዘላ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ስምምዕ ምቕባል ናይ ባዕሉ ፀገም ኣለዎ፣ ዘይምዝርራብ ድማ ካልእ ፀገም ኣለዎ፡" ብምባል፡ ኢትዮጵያ በቲ ትራምፕ ዝደልዮ እንተኸይዳ፡ ኣብ ኣፀጋሚ ኵነታት ክትኣቱ ከም እትኽእል ኣመልኪቱ።
ትራምፕ፡ ስለምንታይ እዩ ጉዳይ ህዳሰ ዘገድሶ?
ትራምፕ ምስ ግብጺ ብፍላይ ድማ ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎ ዝገለጸ ኣቶ ፈቅ፡ ሲሲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዋሽንግተን ከም ዝበጽሐ ጠቒሱ።
ኣብ 2019 ትራምፕ ብሕቶ ግብጺ እዩ ናብ ሽምግልና ግድብ ህዳሰ ኣትዩ። ሕጂ ድማ ኣል ሲሲ ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ቓዛ ጸቕጢ ድሕሪ ምግባሩ፡ ትራምፕ ነቲ ጉዳይ ዳግማይ ኣልዒሉዎ፡ ከም መንጎኛ ኰይኑ ክሽምግል ተላዒሉ ኣሎ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብፅን ኲናት ክካየድ እኳ እንተ ዘይተራእየ፡ ትራምፕ ግን ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ካብ ኲናት ኣድሒነየን ክብል ብተደጋጋሚ ይስማዕ እዩ።
ኣብዚ ድማ ካብቶም ወትሩ ሽልማት ኖቤል ክዕወተሎም ዝደለዮም ሸውዓተ ግጭታት ኣስማት ክልቲአን ሃገራት ክጠቅስ ይስማዕ።
ኣቶ ፈቕ ከም ዝበሎ፡ ትራምፕ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝወስዶ ዘሎ ዳግማይ ተበግሶ፡ ኣካል ናይቲ ዝቕጽል ሽልማት ኖቤል ናይ ምዕዋት ሕልሙ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
እቲ ደብዳበ ዝተፅሓፈሉ ኣገባብ እንታይ መልእኽቲ የሕልፍ
ደብዳበ ትራምፕ ዝተጻሕፈሉ ኣገባብ ሓደ ካብቶም ብዛዕባ ዘይሻራዊነቱ ሕቶታት ዘልዓሉ ጉዳያት እዮም።
ናይቲ ድርድር ቀንዲ ተዋሳኢት ዝዀነት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ደብዳበ ብግቡእ ኣይተጠቕሰትን።
እቲ ደብዳበ ብቐጥታ ናብ ፕረዚደንት ግብጺ ዝተጻሕፈ ኰይኑ፡ ብቕዳሕ እዩ ናብ ኢትዮጵያ ዝተላእከ።
እዚ ዓርሱ ካልእ መልእኽቲ ዘሕልፍ እዩ ዝበለ ኣቶ ፈቕ፡ "ብግቡእ ዲፕሎማስያዊ ኣሰራርሓ፡ እቲ ደብዳበ ናብ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ክቐርብ ነይርዎ፡" ይብል።
ኢትዮጵያ፡ ብቐጥታ ናብ ዘይተሳተፋ ሃገራት ዝተጻሕፈ ቅዳሕ እዩ በፂሑዋ።
ስለዚ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ተሳትፎኣ ብቐጥታ "ኣይተሓተትኩን" ብምባል ዝዀነ ይዅን መልሲ ካብ ምሃብ ክትቍጠብ ከም እትኽእል ኣቶ ፈቅ ይኣምን።
ግብጽን ሱዳንን ቀልጢፈን ደገፈን ክገልጻ እንከለዋ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ገና ስቕታ መሪጹ ኣሎ።
እዚ ድማ ብቐጥታ ስለ ዘይተሓተተ ወይ እቲ ጉዳይ ዝተሓላለኸን ዝተፈላለየን መዳያት ክህልዎ ስለ ዝኽእል፡ ከምኡ'ውን እንታይ ዓይነት መርገጺ ክሕዝ ከም ዘለዎ ዝምዕድ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሚቶም።
ብዛዕባ እቲ ብኢትዮጵያ ብሕቡእ ናይ ድርድር እማመ ዝተሓበራ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንምንታይ ከም ዝተሓወሳ ኣይተፈልጠን።
ኣቶ ፈቅ፡ ብዛዕባ እቲ ዘተ ፈሊጠን ተሳተፍቲ ሃገራት ክመርጻ ዝግብአን ተደራደርቲ ሃገራት'ምበር ትራምፕ ክኸውን ኣይምነበሮን ይብል።