እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓዲ እንግሊዝ፡ ብጾታዊ ዓመጽ ዝተኸሰሰ ኢትዮጵያዊ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ
መላኩ ገብረሰንበት ዝተባህለ ሓታቲ ዕቝባ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብዝብል ንዝቐረበሉ ግሲ ከም ዘይወዓሎ ገሊጹ።
እቲ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብቲ ኣብ ሳውዝሃምፕተን ዝርከብ ሆቴል ሃይፊልድ ሃውስ ንእትሰርሕ ብጾታዊ መንገዲ ከም ዝተንከፋ እዩ ተኸሲሱ።
እዚ ኣብ ኤርትራ ከም ዝተወልደ ዝገልጽ ኢትዮጵያዊ፡ ሕቶ ዕቝባኡ ክፍጸመሉ ንሓሙሽተ ዓመታት ክጽበ ምጽናሑ ንደያኑ ሳውዝሃምፕተን ተሓቢሩ።
ኣብ መጀመርታ ኣብ ቤትፍርዲ ሳውዝሃምፕተን ምእንቲ ክቐርብ ብዋሕስ ክፈትሑዎ ወሲኖም እኳ እንተ ነበሩ፡ ዓቃቢ ሕጊ ይግባይ ድሕሪ ምባሉ ግን ኣብ ቤትማእሰርቲ ክጸንሕ ተገይሩ።
ቤትፍርዲ ሳውዝሃምፕተን፡ ተኸሳሲ መላኩ ብቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብቲ ሆቴል ክቕመጥ ከም ዝጸንሐ ሰሚዑ።
ብሰንኪ እዚ ሆቴል፡ ብተደጋጋሚ ጸረ-ኢምግረይሽን ተቓውሞታት ክለዓል ጸኒሑ እዩ።
መላኩ ናብታ ጓለንስተይቲ ቀሪቡ ከም ዝሓዛ ክኽሰስ እንከሎ፡ ንሱ ግን ነቲ ዝበሃሎ ዘሎ ተግባራት ከም ዘይወዓሎ እዩ ዝዛረብ።
ንመላኩ ዝተኸላኸለ ኻልድ ሚዙሪ፡ "ንሱ [መላኩ] ኣብ ኤርትራ እዩ ተወሊዱ። እታ ሃገር ድማ ዜጋታታ ዕቝባ ክሓቱ ዝኽእሉላ እያ፡" ኢሉ።
"ኣብ ኤርትራ ሓያሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣጋጢሙ እዩ። ብዝዀነ ምኽንያት ድማ [ሕቶ ዕቝባኡ] ሓሙሽተ ዓመት ወሲድሉ ኣሎ፣ ገና ውሳነ ክወሃቦ ይጽበ ኣሎ።"
እቲ ጉዳይ ኣብ ቤትፍርዲ ሳውዝሃፕተን ናይ ዋሕስ መስርሕ ክህልዎ እንከሎ፡ ፍርዲ ድማ ንሚያዝያ 2027 ተቘጺሩ ይርከብ።