እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስለምንታይ ኢናባ ንበኪ? ብድሕሪ ንብዓትና ዘሎ ሳይንስ
ክንሓዝን፡ ክንሓርቕ ወይ ድማ ዋላ ክንሕጐስ እንከለና ክንበለኪ ንቡር እዩ።ግን ደቂ ሰባት ጥራይ ስምዒታዊ ንብዓት ከም ዘፍስሱ ትፈልጡዶ?
ብዙሓት እንስሳታት፡ ጭንቀት ንምግላፅ ዓው ኢሎም ክበኽዩ እንተኸኣሉ'ኳ፡ ንዝተሓላለኸ ስምዒታት ንምግላፅ ንብዓት ከውፅእ ዝሕግዝ ክፋል ሓንጎል ዘለዎም ኣይመስሉን።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ንብዓት ብኸመይ ከም ዝወፅእ ይርድኡ እዮም፣ ደቂ ሰባት ንምንታይ ከም ዝበኽዩን፡ ስምዒታዊ ንብዓት እንታይ ከምዝዀነን ግን ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኡን።
ንብዓት ግን እንታይ እዩ?
ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ስነ-ህይወት፡ ተምሃሪት ድሕረ-ዶክትሬት ዝኾነት ዶክተር ማሪ ባኒየር-ሄላውት፡ "ንብዓት ካብ ሓሙሽተ ባእታታት - ማለት ካብ ንፋጥ፡ ኤሌክትሮላይት፡ ማይ፡ ፕሮቲንን ፈሳስን ዝስራሕ'ዩ" ትብል ።
ንሳ ንመደብ ኣገልግሎት ቢቢሲ ክራውድሳይንስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዞም ባእታት ዝተፈላለየ ስርሓት ከም ዘለዎም ትገልጽ።
ንኣብነት እቶም ፕሮቲናት ጸረ-ቫይረስን ጸረ-ባክተርያን ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ኤሌክትሮላይትስ ድማ ንስራሕ ኣካላት ኣገደስቲ ዝዀኑ ማዕድናት ዝሓዙ እዮም።
ንብዓት ድማ ሰለስተ ዓይነት እዩ።
"ቀዳማይ ንብዓት፡ኣብ ዓይንና ዝረአ እዩ። ንዓይንና ሽፍን የብሎ" ትብል እታ ተመራማሪት።
ካልእ ዓይነት ንብዓት፡ ከም ጣንጡ ወይ ሓመድ ዝኣመሰለ ነገር ናብ ዓይኒ ምስ ዝኣቱ፡ 'ሪፍለክስ ንብዓት' ይፍኑ።
እዚ ድማ ኣብ ኮርኒያ ብዘለዉ ዋህዮታት መትኒ - ኣንጻር ጀርምታትን ካልኦት ተሃዋስያንን ከም መከላኸሊ ኰይኑ የገልግል።
ኣብዚ ንዓይንና ዝከላኸል ክፋል ዓይንና፡ ካብ ምሉእ ኣካላትና ዝለዓለ ብዝሒ ዋህዮታት መትኒ ኣሎ።
እዚ ድማ ሙቐት፡ ኣካላዊ ቃንዛን ድርቀትን ክነለሊ ይገብር ትብል- ባኒየር ሄላውት።
ካብ ዋህዮታት መትኒ ዝመጽእ መልእኽቲ ናብ ሓደ ንብዓት ዝቈጻጸር ላክሪማል ኒውክለስ ዝበሃል ከባቢ ሓንጎል ይኸይድ፣ድሕሪኡ ንጽክታት ንብዓት ንኽውስኽ ምልክት ይህብ።
ስምዒታዊ ንብዓት
እቲ ሳልሳይ ዓይነት ንብዓት - ስምዒታዊ ንብዓት - ነገራት ዝያዳ ኣብ ዝተሓላለኹሉ ኵነታት ዝረአ እዩ።
ስምዒት ዝቈፃፀር ክፋል ሓንጎል እውን፡ ምስ ኒውክለስ ንብዓት ይረዳድኡ፣ ግን ካብቲ ቀሊል መከላኸሊ ሪፍለክስ [ዓይነት] ዝተፈለየ እዩ።
ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቲልብሩኽ ኤሜሪቱስ ፕሮፌሰር ክሊኒካዊ ስነ-ልቦና ኣድ ቪንገርሆትስ ከም ዝብሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ስምዒታዊ ብኽያት ልዕሊ ዓቐን ኵነታት ዘንጸባርቕ እዩ።
"ስምዒታት ብጽሩይ መልክዕ ሳሕቲ'ዮም ዝኽሰቱ። ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ምትሕውዋስ ወይ ቅልጡፍ ምልውዋጥ ዝተፈላለዩ ስምዒታት ስዒቡ ዝመፅእ እዩ" ይብል።
ብስምዒት እንበኽየሉ ምኽንያታት ምስ ዕድመ ከምዝቕየር እውን ይገልጽ።
ኣካላዊ ቃንዛ ህጻናት ክነብዑ ኣገዳሲ ምኽንያት ኰይኑ፡ ኣብ ኣረጋውያን ግን ብዙሕ ኣይኰነን።
ብዕድመ እናደፋእና ምስከድና፡ ብኽያት ምስ ርህራሀ ዝተኣሳሰር ይኸውን።
ብኽያት "ብሰንኪ ስቓይና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ስቓይን ሕሰምን ካልኦት እውን" ይመፅእ።
ቪንገርሆትስ፡ ኣወንታዊ ስምዒታት - ከምቲ ብጽባቐ ስነ-ጥበብ ወይ ተፈጥሮ ዝለዓል፡ ንብዓት እውን ብኸምኡ ክፍጠር ከም ዝኽእል ይሕብር።
ምብካይ ግን እንታይ እዩ ረብሓኡ?
ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ምብካይ እፎይታ ከም ዝስምዖም ይሕብሩ፤ እንተኾነ እዚ ውፅኢት ናይ ብሓቂ ድዩ ኣይኮነን ኣብ ዝብል ሳይንሳዊ ክትዕ ኣሎ።
ሎረን ቢልስማ ዝተባህለት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፒትስበርግ ኣመሪካ ክኢላ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮን ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰርን፡ ብኽያት ዝሓሸ ስምዒት ዝፈጥረልና እንተዀይኑ ንምፍታንን ንምፍላጥን፡ መመርመሪ ህርመት ልቢ ተጠቒማ ክትሰርሕ ፀኒሓ እያ።
ኤሌክትሮካርዲዮግራም ህርመትን ፍጥነትን ልብና ይምዝግብ፣ እዚ ድማ ስርዓተ መትንና ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ገለ ርድኢት ክህበና ይኽእል።
ኣብ መጀመርታ ውጽኢታታ ከም ዝሕብሮ፡ ቅድሚ ምብካይ ምጅማርና፡ ንጥፈታት ኣብቲ ን"ምግጣም ወይ ምህዳም" ዝብል ምላሽና ተሓታቲ ዝዀነ ስርዓተ-መትንና ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይሕብር።
"ድሕሪኡ ድማ ልክዕ ድሕሪ ምብካይ ምጅማርና፡ሓዘኔታ ዝመስል ንጥፈታት ንርኢ"፤ እዚ እቲ ክንሃድእን ክንዝሕልን ዝሕግዘና ክፋል እዩ።
ቪንገርሆትስ ግን ብኽያት ፅቡቕ ስምዒት ዝፈጥረልና ኵሉ ግዜ ከምዘይኰነ ይዛረብ፣ ብፍላይ ድማ ጭንቀትን ሃልክን እንተሃልዩና ከምኡ ኣይከውንን።
እቲ ዘብክየና ዘሎ ኵነታት ድማ ይውሰን።
"ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ ክንቈፃፀሮ እንኽእል ኵነታት ክንበኪ ከለና ምምሕያሽ ስምዒት ንርኢ፡ ብሰንኪ ዘይንቈጻጸር ኵነታት ክንበኪ ከለና ግን ኣይከምኡን" ይብል።
ኣብ ጥቓና ዘለዉ ሰባት እውን ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ እዮም።
"ብምርዳእ ግብረመልሲ እንተሂቦምኻን ደገፍን ምጽንናዕን እንተሂቦምኻ፡ ሽዑ ዝሓሸ ይስምዓካ። ክላገጹልካ እንተጀሚሮም ወይ እንተተቘጢዖም ወይ ሕፍረት እንተ ተሰሚዑካ ግን፡ ሽዑ ዝዀነ ዕረፍቲ ኣይክህሉን'ዩ" ክብል ይገልጽ።
ማሕበራዊ ድጋፍ
ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ብኽያት ካልኦት ኣብ ልዕሌና ኣብ ዝህልዎም ኣረኣእያ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ገለ መርትዖታት ኣሎ።
ኣብ እስራኤል ኣብ ላቦራቶሪ ዝተመርኮሰ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ስምዒታዊ ንብዓት ደቀንስትዮ ዘጫነዉ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መርመራታት ካብቶም ፈሳሲ ጨው ዘጫነዉ ደቂ ተባዕትዮ ዝወሓደ ቁጥዐ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ።
ንብዓት ሓገዝ ከም ዘድልየና ንምግላጽ ከም ማሕበራዊ ምልክት ኰይኑ ከም ዝሰርሕ ተመራመርቲ ይሰማምዑ፣ ከምኡ'ውን ካልኦት ሰባት ደገፍ ንምሃብ ዘለዎም ድልውነት ይውስኽ።
ገለ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ ስምዒታዊ ንብዓት ዝያዳ ምትእምማን ከምዝፈጥር፡ እዚ ድማ ጥንታውያን ደቂሰባት ክተሓባበሩን ክደጋገፉን ሓጊዝዎም ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብዛዕባ ዝበኽዩ ዕሸላት ክዝረብ ከሎ፡ ብኽያት ሓደ ህጻን ኣብ ዓበይቲ ሰባት ንዝርከቡ ናይ ሓልዮት ምላሽ ዘበግስ መርበብ ከባቢታት ሓንጎል ከንቀሳቕስ ከም ዝኽእል መርትዖታት ኣሎ።
ቪንገርሆትስ፡ ንብዓት ደቂ ሰባት ዝማዕበለ ክኸውን ዝኽእል፡ ኣብ ወለድና ስለ እንምርኮስ ከምዚ ዝኣመሰለ ቍልዕነት ስለዝነበረና ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምን።
ሓደ ሓሳብ ኣሎ፡ንብዓት ህጻን ኣብ ዓበይቲ ሰባት ንዝፍጠር ነድሪ ንምንካይ ክሕግዝ ይኽእል'ዩ፣ ድምጺ ብኽያት "ኣዝዩ ዘሕርቕ ስለ ዝዀነ።"
"እዚ ኣዝዩ መሳጢ ኰይኑ ዝረኸብክዎ ዓይነት ርእሰ-ምክልኻል ናይቲ ዕሸል ዓቢ ትርጕም ዘለዎዩ" ይብል።
ገለ ሰባት ስለምንታይ ኣዝዮም ይበኽዩ?
ደቂ ተባዕትዮ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ወርሒ እንተበዝሐ ሓደ ግዜ ክበኽዩ እንከለዉ፡ ደቀንስትዮ ድማ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ግዜ ይበኽያ ትብል ቢልስማ።
እታ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላ፡ እዚ ግን ካብ ባህሊ ናብ ባህሊ ክፈላለ ከምዝኽእልን፡ እዚ ምሉእ ታሪኽ ከምዘይኰነን ትሕብር።
"ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ ዝያዳ ስምዒታዊ ምላሽ ዝህባ እየን፡ ብኽያት ድማ ሓደ መግለጺ ናይቲ ፍልልይ ጥራይ'ዩ ዝመስለኒ" ትብል።
"ፍልልያት ስነኣእምሮ፡ ሆርሞናት፡ ስብእና ክህሉ ይኽእል'ዩ።"
ባይልስማ፡ እንተዀነ ግን ኣብ መንጎ ጾታታትን ምስ ከም ጥንስን እርጋንን ዝኣመሰሉ ነገራትን ዘሎ ፍልልይ ሆርሞናት ተራ ከምዘለዎም ትግምት።
ብተወሳኺ ንውጽኢት ባህርያት ስብእና መጽናዕቲ ገይራ እያ፡ ብኽያት ብፍላይ ምስ 'ኒውሮቲክ' ዝተኣሳሰር ምዃኑ ረኺባ።
"ኒውሮቲሲዝም ምስ ጭንቀት ዝተኣሳሰር'ዩ፡ ስለዚ ኣብኡ ነቲ ምትእስሳር እንርእዮ" ክትብል ትእምት።
"ዝለዓለ ርህራሀ ዘለዎም ሰባት'ውን ዝያዳ ናይ ምብካይ ተኽእሎ ኣሎዎም" ክትብል ትውስኽ።
ኣብ መወዳእታ ብኽያት ብዛዕባ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝምልከት ይመስል፡ ትብል።