እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሓደ ካብ ኣማኸርቲ ቅዲ መዓርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ዝመስረተት ኣርክቴክት ዛሃ ሓዲድ መን'ያ?
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን፡ እምነ ኵርናዕ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ኣብ ዝርከብ ኣቡሰራ ዝህነጽ ሓድሽ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣንቢሩ።
ቀዳማይ ምዕራፍ ህንጸት እቲ ብ12.5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝህነጽ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ተዛዘመ ኣብ ዓመት 60 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ከአንግድ ትጽቢት ይግበር።
እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምሉእ ብምሉእ ስራሕ ምስ ዝጅምር፡ ኣብ ዓመት 110 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ክሕዝ እዩ ተባሂሉ ይእመን። እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ 3,500 ሄክታር መሬት እዩ ክህነጽ።
እምነ ኵርናዕ ህንጸት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝተቐመጠሉ እዋን ኣዘራረብቲ ካብ መንጐ ዝነበሩ ኣካላት፡ ኣርኪተክት ዛሃ ሓዲድ ሓንቲ እያ።
ዛሃ ሓንቲ ካብቶም ፍሉጣት ኣርኪተክተራት ዓለም እያ።
ሓደ ካብቶም ኣማኸርቲ ቅዲ መዓርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ፡ ብዛሃ ሓዲድ ዝተመስረተ 'ዛሃ ሓዲድ ኣርኪቴክትስ' እዩ። እቲ ካልእ ድማ ዳር ይብሃል።
ዴም ዛሃ መሓመድ ሓዲድ (ዛሃ ሓዲድ) ዒራቓዊት-ብሪጣንያዊ ኣርክቴክት፡ ዲዛይነርን ስነ-ጥበባዊትን ነይራ።
ኣብ 1950 ኣብ ባግዳድ ዒራቕ ተወሊዳ፣ ብ2016 ብሕማም ልቢ ዓሪፋ።
ኣብ ኪነ-ህንጻ ዓለም ፍልጥቲ ዝዀነት ዛሃ ሓዲድ፡ ካብቲ ዝተለምደ ውጽእ ብዝበለ ዲዛይናት ህንጻታት ትፍለጥ።
ተፈጥሮኣዊ ዝዀኑ መስመራትን ዕጻፋትን፡ ንመብዛሕትኦም ቅዲታታ መበገሲ ምዃኖም ክኢላታት እቲ ዓውዲ ይዛረቡ።
ዛሃ ሓዲድ፡ ሓደ ህንጻ ክትሰርሕ ምስ እትሕተት፡ መጀመርያ ነቲ ከባቢ እያ ተጽንዖ። ቅዲ እቲ ህንጻ ቅድሚ ምስርሓ ኸኣ፡ ሓሳባታ ኣብ ወረቐት ትስፍሮ።
ኣብ 2004 ዛሃ ሓዲድ ፈላሚት ጓለንስተይቲ ተሸላሚት ፕሪትዝከር ኣርኪቴክቸር ነይራ። እዚ ሽልማት ኣብ ቅዲ ኪነ-ህንጻ እቲ ዝለዓለ ሽልማት እዩ።
ኢንስቲትዩት ዛሃ ሓዲድ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ኢንስቲትዩት ዳር ብምዃን፡ ኣብ 2024 ኣማኻሪ ዲዛይን መዓርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ክኸውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።
"ሓድሽ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቡሴራ ኣፍደገ ኣፍሪቃ ብምዃን፡ ንኢትዮጵያ ማእከል መጓዓዝያ እታ ኣህጉር ክገብራ'ዩ፡" ክብል ኣብ ዛሃ ሓዲድ ኣርኪቴክትስ ዳይረክተር ኣቬሽን ክርስትያኖ ሰሳቶ ገሊጹ።
ቅዲ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ "ካብ ባህሊ እቲ ከባቢ፡" ብምብጋስ ከም ዝተሰርሐን ህንጸቱ ክዛዘም እንከሎ፡ "ኣብ ዓለም እቲ ዝቐልጠፈ መዓርፎ ነፈርቲ፡" ከም ዝኸውን ተገሊጹ ኣሎ።
ዳይረክተር ኣቪየሽን ዛሃ ሓዲድ፡ "መልክዓ ምድሪ ኣቡሴራ ማእከል ናይቲ ዲዛይን ክኸውን'ዩ፡" ኢሉ።
ኣርኪቴክተር ዛሃ ሓዲድ፡ ሓደ ህንጻ ዝስርሓሉ ከባቢ ማእከል ዝገበረ ቅዲ ህንጻ ብምስራሕ ትፍለጥ።
ዜግነት ዒራቕን እንግሊዝን ዝነበራ ዛሃ ሓዲድ፡ ናይ መጀመርታ ጓለንስተይቲ 'ሮያል ኢንስቲትዮት ኦፍ ብሪትሽ አርክቴክትስ' ዝተባህለ ሜዳልያ ዝረኸበት እያ።
ነቲ ሽልማት ክትቕበል እንከላ፡ "ሕጂ ቁጽሪ ደቀንስትዮ ኣርኪተክተራት እናወሰኸ ንርኢ ኣለና። ቀሊል ኣይኰነን። እቲ ብድሆታት ብዙሕ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ግን ዓቢ ለውጢ ተራእዩ። ክንቅጽሎ ኢና፡" ክትብል ተዛሪባ።
ህንጻታት ዛሃ ሓዲድ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሆንግ ኮንግ፡ ጀርመን፡ ኣዘርባጃንን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ይርከቡ።
ካብ ዲዛይናታ ኣብ ቻይና ዝርከብ ጓንግዝሆ ኦፔራ ሃውስ፡ ኣብ ለንደን ዝርከብ ሰርፐንታይን ሳክለር ጋለሪን ቤተ መዘክር መጓዓዝያ ግላስኮን ይርከብዎም።
ንሳ፡ ክልተ ግዜ ተዓዋቲት ንኣርክቴክተራት ዓባይ ብሪጣንያ ዝወሃብ 'ሪባ ስተርሊን ፕራይዝ' እያ።
ኣብ 2010 ማሲ ሙዚየም ሮማ ክሽልማ እንከሎ፡ ኣብ 2011 ድማ ኣብ ብሪክስተን ዝርከብ ኤቨሊን ግሬስ ኣካዳሚ ሽልማት ሂቡዋ።
ዛሃ ሓዲድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ በይሩት ሕሳብ ተማሂራ። ድሒራ ድማ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ሓደ ህንጻ ዲዛይን ገይራ።
ዛሃ ሓዲድ ኣርኪቴክትስ ብ1979 ዝመስረተቶ ትካል እዩ።
ናይ መጀመርታ ዓቢ ፕሮጀክታ ኣብ ጀርመን ዊ ኣም ሪን ዝተሃነጸ 'ቪትራ' ዝተባህለ መከላኸሊ ሓደጋ ባርዕ እዩ።
ንኦሎምፒክ ዲዛይን ዝገበረቶ፡ ውድድራት ማይ ከካየደሉ 'ለንደን ኣኳቲክስ ሴንተር'፡ ቅርጺ ማዕበል ማይ ዘለዎ ኰይኑ 50 ሜትሮ ጥልቀት ዘለዎ መሐምበሲ ዝሓዘ እዩ።
"ዝነብረሉ ከባቢ ስለ ዝተሃነጸ እፈትዎ እየ፡" ክትብል ኣብ ሓደ ቃለመጠይቕ ገሊጻ ነይራ።
ኣብ 2022፡ ኣብ ዋንጫ ቐጠር ፍሉጣት ካብ መንጐ ዝነበሩ ስታድየማት ዲዛይን ዝገበሮ'ውን ኣማኻሪ ትለል ዛሃ ሓዲድ እዩ።
ዛሃ፡ ኣብ መበል 20ን 21ን ክፍለ ዘመን ከዋኽብቲ ካብ ዝበሃሉ ኣርክቴክተራት ሓንቲ ምዃና ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይምስክሩ።
ብብዝሒ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተዋፈርሉ ዓውዲ፡ ስርሓታ ፍሉጣትን ቅቡልነትን ንክዀኑ፡ ከምኡ'ውን ንደቀንስትዮ ዝሓቘፈ ንክኸውን ከም ዝገበረት ይንገር።
ንትምህርቲ፡ ካብ ዒራቕ ጓል 17 ዓመት እንከላ እያ ወጺኣ። ካብ ዩኒቨርሲቲ ቤይሩት ምስ ተመረቐት፡ ኣብ ለንደን ኣርክቴክቸራል ኣሶሴሽን ስኩል ኦፍ ኣርክቴክቸር ተማሂራ።
ን30 ዓመታት ናብ ዒራቕ ከይተመልሰት ብምጽናሕ፡ ብ2010 ህንጻት ሃገራዊ ባንክ ባቕዳድ ዲዛይን ንኽትገብር ክትሕተት እንከላ፡ "ኣዝዩ ስምዒታዊት፡" ከም ዝገበራ ተዛሪባ ነይራ።
ኣብ ጀርመን ላይፕዢግ ዝርከብ ህንጻ ቢኤምደብሊውን ኣብ ስጳኛ ዛራጎዛ ዝርከብ ድልድልን ገለ ካብቶም ፍሉጣት ስርሓት ዛሃ እዮም።
ብ2014፡ ኣብ ኣዘርባዣን ባኩ ዝሰርሓቶ ቅዲ ሙዚየም ብሉጽ ቅዲ እቲ ዓመት ተባሂሉ ተሸሊሙ'ዩ።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ - ሪያድ ብትሕቲ ምድሪ ዝህነጽ መደብር ባቡር ዲዛይን ገይራ።
ኪነ-ህንጻታት ብሪጣንያ፡ "ኣድልዎ ጾታ፡" ዘርእዩ ምዃኖም ዛሃ ሓዲድ ትገልጽ ነይራ።
ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ እቲ ዓውዲ "ብደቂ ተባዕትዮ ዝተትሓዘ'ዩ፡" ኢላ እያ።
"ከምህር ከለኹ፡ እተን ንፉዓት ተምሃሮ ደቀንስትዮ እየን፤ ኵለን ግን ቀስ እናበላ እየን ዝቕህማ፡" ትብል።
ደቀንስትዮ ክኢላታት ኪነ-ህንጻ፡ ኣብ ክንዲ ገዘፍቲ ትካላት ህንጻ፡ መንበሪ ኣባይቲ ዘዛይን እንተገበራ ይሓይሽ ዝብል ዝንቡዕ ኣመለኻኽታ ከም ዘሎ ትገልጽ።
"ጓለንስተይቲ ኰይነ፡ ጽቡቓት ገዘፍቲ ህንጻታት ከም ዝሰርሕ ርግጸኛ እየ፤ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ስራሕ እዩ ኢለ ኣይኣምንን።"