ሰኔጋል፡ ዕግርግርን 'ዘሕፍር ተግባራትን' ኣብ ዝተራእዮ ጸወታ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኰይና

እታ ኣብ 2021 ነዚ ውድድር ንፈለማ ግዜኣ ዝተዓወተትሉ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል፡ ትማሊ ምሸት'ውን ንኣአንጋዲት ሞሮኮ ስዒራ ንኻልኣይ ግዜ ተዓዋቲት እዚ ውድድር ብምዃን ዘውዲ ደፊኣ።

እቲ ጸወታ ግን ሰኔጋል ተዓወቲ፡ ሞሮኮ ተሳዒራ ኢልካ ጥራይ ዝንገር ኣይኮነን።

እታ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ኣብ መበል 98 ደቂቕ ጸወታ ክዛዘም 16 ካልኢት ምስ ተረፎ ንሞሮኮ ዝተወሃበት ፍጹም ቅላዕ ንሓያለ ዓመታት ክትዝከር እትነብር ውሳነ ፍጹም ቅላዕ ኰይና ተሰኒዳ'ላ።

ማእከላይ ዳኛ እቲ ሰወታ ጂን ጃኩስ ነዳላ፡ ነታ ተኸላኻላይ ኢል ሓጂ ማሊክ ድዩፍ ንብራሂም ድያዝ ደፊእካዮ ኢሉ ብሓገዝ 'ቪኤኣር' ነታ ፍጹም ቅላዕ ምስ ኣወጃ፡ ኵሉ ነገር ተቐያይሩ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ፓፐ ትያው፡ ኣቐዲሙ'ውን ሰኔጋል ዘመዝገበታ'ሞ ብዳኛ ዝተሰረዘት ሸቶ፡ "ዘይቅኑዕ ውሳነ!" ብምባል ተቓውምኡ የስምዕ ስለዝነበረ፡ እታ ንሞሮኮ ዝተወሃበት ፍጹም ቅላዕ ምስ ተወሰኸት ድማ፡ ንተጻወትቱ ጸወታ ከይተወድአን እታ ፍጹም ቅላዕ ከይተሃረመትን ጸወታ ኣቋሪጾም ካብ ሜዳ ክወጽኡ ኣዚዙ።

ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ነበር ሳድዮ ማነ ግን ኣብ ውሽጢ ሜዳ ብምጽናሕ፡ ንደቂ ጋንታኡ ነቲ ጸወታ ክውድእዎ ክምሕጸኖም ጀሚሩ።

ተጻወትቲ ሰኔጋል ንሓድሕዶም ክለማመኑ 17 ደቂቕ ሓሊፉ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ናብ ሜዳ ተመሊሶም።

ተጻዋታይ ሪያል ማድሪድን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሙሽተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ኮኾብ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዝኾነን ድያዝ ነታ ንሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ድሕሪ 50 ዓመታት ተዓዋቲት እዚ ውድድር ክትገብራ እትኽእል ፍጹም ቅላዕ ክሃርማ ሓላፍነት ተዋህቦ።

ንዕኡን ንሃገራዊት ጋንታኡን ታሪኻዊትን ወርቃዊትን ዕድል ሒዙ - ብተኣምር'ውን ይዅን ነታ ቅላዕ ከድሕን ዝዳሎ ዝነበረ ሓላዊ ልዳት ሰኔጋል ኤድዋርድ መንዲ - ተፋጠጡ።

ፊስካ ተነፊሓ፣ ኣፍኲሱ ብቅዲ ፓነንካ ዝሸንቀራ ኵዕሶ መንዲ ከይተጸገመ ሓቂፉዋ፣ ዳኛ ፊስካ ነፊሑ ጸወታ ከምዝተዛዘመ ሓቢሩ - ናብ ተወሳኺ 30 ደቂቕ ኣምሪሐን።

ተወሳኺ ሰዓት 4 ደቂቕ ጥራይ ምስ ተላዕሎ ኣከፋፋሊ ቪላርያል ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ፓፕ ጉየ ተተኣማምን ሸቶ ብምምዝጋብ ነቲ ጸወታ ካልእ መልክዕ ኣትሒዝዎ።

እታ ጸወታ ገዲፋ ካብ ሜዳ ወጺኣ ዝነበረት ሰኔጋል ክትመርሕ ጀሚራ፣ እቶም ዓወት ጋንታኦም ርጉጽ ወሲደሞ ዝነበሩ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ኸኣ ናብቅዛነት ኣተዉ።

ብድሕሪ'ዚ ብኽልቲአን ጋንታታት ሓያለ ፈተነታት'ኳ እንተ ተኻየደ፡ ናብ ሽቶ ዝተቐየረ ዕድል ስለዘይነበረ ግን ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ንኻልኣይ ግዜኣ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኰይና።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ዋሎድ ረግሩጊ ድሕሪ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግልጺ፡ ንተግባር ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል "ንኣፍሪቃ ዘይበቅዕ ዘሕፍር ተግባር" ኢሉ ገሊጽዎ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ትያው ጋዜጣዊ መግለጺ ክህብ ኣብ ዝፈተነሉ እቲ ቦታ ዕግርግር ስለዝበዝሖ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሰሪዙ። ድሒሩ ምስ በይን ስፖርት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ግን፡ ንተጻወትቲ ካብ ሜዳ ክወጽኡ ክእዝዞም ከምዘይነበሮ ተኣሚኑ።

"ናብ ዝርዝር እቲ ዝነበረ ክስተታት ክምለስ ኣይደልን'የ፡ በቲ ውሳነ ዳኛ ግን ኣይተሰማማዕናን፣ በቲ ተግባር ከኣ ንዅሉ ማሕበረሰብ ኵዕሶ እግሪ ይቕሬታ ይብል" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ኣብ ርሱን ኵነታት እንከለኻ ብዙሕ ነገራት ይግበር'ዩ፣ ነቲ እቲ ዳኛ ዝገበሮ ጌጋ ተቐቢልናዮ፡ ነቶም ተጻወትቲ ናብ ሜዳ ከምዝምለሱ ገይረ፡ ከምኡ ክግበር ኣይነበሮን ግን ከኣ ኰይኑ'ዩ ደጊመ ይቕሬታ እሓትት፡" ኢሉ።

ወዲ 44 ዓመት ትያው፡ ነታ ተጻዋታይ ክሪስታል ፓላስ ኢስማዒል ሳር ዘመዝገባ ሸቶ ዳኛ ምስ ሰረዛ'ዩ፡ ንውሳነ እቲ ዳኛ ዘለዎ ተቓውሞ ከስምዕ ጀሚሩ።

እታ ዝተሰረዘት ሸቶ ረስና ከይነከየ እንከሎ 'ዘይግብእቲ እትመስል' ፍጹም ቅላዕ ንሞሮኮ ምስ ተወሃበት ከኣ እቲ ዕግርገር ተላዒሉ፣ ደገፍቲ ሰኔጋል ኣብ ኢዶም ዝነበረ ዝተፈላለየ ነገራት ናብ ሜዳ ክድርብዩ እንከለዉ፡ ገለ'ውን ንሓለዋ ሰጊሮም ናብ ሜዳ ክኣትዉ ዝፈተኑ ነይሮም'ዮም።

እቲ ኣብ ውዱእ ሰዓት፡ ንሞሮኮ ነታ ኣብ 1976 ዝወሰደታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ካልኣይቲ ክትገበረላ ፍጹም ቅላዕ ክሃርም ዕድል ዝተውሃቦ ድያዝ እናበኸየ ተቐይሩ ወጺኡ፣ ንዅሉ ግዜ እናተጣዕሰ ዝዝከራ ታሪኻዊት ፍጹም ቅላዕ።

ንዕኡን ንሃገራዊት ጋንታኡን ናብ ስዕረት ሸሚማቶም።

ድሕሪ ጸወታ ሳድዮ ማነ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኵዕሶ እግሪ ፍሉይ ነገር'ዩ፣ ዓለም ትዕዘብ ነይራ'ያ፡ ስለዚ ጽቡቕ ነገር ከነርኢ ነይሩና፡ ዳኛ ንሕና ዘይተቐበልናያ ኣብ ልዕለና ፍጹም ቅላዕ ስለዝሃበ ነቲ ጸወታ ፈጺምና ኣቋሪጽናዮ እንተንኸይድ ነይርና ኣዝዩ ሕማቕ ሽም ምዀነ፣ ኣብ ክንድኡ ኣብ ሜዳ ኣቲና ተሳዒርና ክንወጽእ'የ መሪጸ። ኣዝዩ ሕማቕ ነገር'ዩ ነይሩ፡ ብሰንኪ ከምዚ ጸወታ ን10 ደቂቕ ክቋረጽ ኣይነበሮን ግን እንታይ ክንገብር ንኽእል? ነቲ ዝነበረ ከምዘለዎ ክንቅበሎ ነይሩና፣ ናብ ጸወታ ተመሊስና ኸኣ እቲ ዝዀነ ዀይኑ" ብምባል ነቲ ዝነበረ ክስትተ ገሊጹ።

ሓላዊ ልዳት ቸልሲ ነበርን ምስ ስዑዳዊት ጋንታ ኣል ኣህሊ ዝጻወት ዘሎን መንዲ፡ በቲ ማነ ንኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ዘርኣዮ ኣልያ ኣዝዩ ሕጕስ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ፡ "ናብ ሜዳ ሳላ ዝመለሰና ኢና ዋንጫ ወሲድና" ኢሉ።

መንዲ፡ "እቲ ኣብ መንጐና ዝተዘራረብናዮ ኣብ መንጐና ዝተርፍ'ዩ፤ ብሓባር ኴንና ኢና ገይርናዮ ብሓባር ኴንና ኸኣ ናብ ሜዳ ተመሊስና።

ነታ መዐወቲት ሸቶ ዘመዝገበ ጉየ ከኣ፡ "ፍትሒ ከምዝጐደለና ይስምዓኒ፣ ቅድሚ እታ ፍጹም ቅላዕ እታ ዘመዝገብናያ ሸቶ ተሰሪዛትና፣ ዳኛ ናብ 'ቪኤኣር' ከይዱ ክርእየልና ሓቲትናዮ ክርየልና ኣይክኣለን፣ ሳድዮ ማነ ናብ ሜዳ ክንኣቱ ኣተባቢዕና፡ ኤድዋርድ መንዲ ነታ ሸቶ ኣድሒኑዋ፣ ኣተኵሮና ኣኪብና ክንጻወት ጀሚርና ሸቶ ኣመዝጊብና ከኣ ተዓዊትና" ኢሉ።

ኣብቲ ሜዳ ኰይኑ ነቲ ጸወታ ዝትንትን ዝነበረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ስፖረት ጆን ባነት፡ እቲ ክስትት ንሓፈሻዊ ጸወታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝደወነ ከምዝነበረ'ዩ ገሊጹ፤ "ቅሩብ ሰሙናት ምልስ ኢለ እንድሕር ርእየዮ፡ ገለ ጋዜጠኛታትን ደገፍትን ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ነዚ ዋንጫ ንኽትዕወተሉ ብገለ ሰብ መዚ ባይታ ከምዝጣጥሓላ ይዛረቡ ነይሮም'ዮም" ኢሉ።

ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል'ውን ቅድሚ ጸወታ ካብ ዓርቢ ጀሚሮም ኣብ ራባት ናይ ጸጥታ ጸገማት ከምዘጋጠሞምን ገለ ደገፍቶም ብዙሕ ዘይተተሓዘ ሰድያታት እንከሎ ትኬት ንኽገዝኡ ከምዘይተፈቐደሎም ከሲሶም ነይሮም'ዮም።

እቲ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ጸወታ ኣቋሪጾም ካብ ሜዳ ዝወጽእሉ ክስትት ከኣ ኣብ ቅድሚ ፕረዚደንት ፊፋ ጅያኒ ኢንፋንቲኖ'ዩ ነይሩ።

ሞሮኮ ብኸም በዓል መሓመድ ሳላሕ ነዚ ውድድር ኵሉ ዓይነት ምድላዋት ገይራትሉ'ያ ተባሂላ ብዙሕ ናእዳ ውሒዝዋ'ዩ። ኣብ ልቢ ሞሮካውያን ግን እቲ ናእዳ ዘይኮነ እታ ድያዝ ዝሰሓታ ፍጹም ቅላዕ'ያ ተወቂጣ ክትነብር።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ስፖርት ኢያን ዊልያምስ ብወገኑ፡ "ብዛዕባ እዚ ናይ መወዳእታ ጸወታ ውሑድ እወታዊ ነገር'ዩ ክዝረብ ዝከኣል። ልዕሊ ዅሉ ኣብዛ ጸወታ ብጽቡቕ ክልዓል ዝነብር ግን ሳድዮ ማነ'ዩ። ንሱ ካብ መጀመርታ ካብ ሜዳ ክወጽእ ከይደለየ፡ ናብ ውሽጢ መቐየሪ ክዳን ኣትዩ'ዩ ነቶም ተጻወትቲ ካብ ሜዳ መሊስዎም፡ ድሕሪ ጸወታ'ውን ናብ ደገፍቲ ሃገራዊታ ጋንታ ሰኔጋል ብምኻድ ርግእ ክብሉ ተማሕጺንዎም" ብምባል ኣብ ልዕሊ ሳድዮ ማነ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ነበር ኢፋን ኢኮኩ ብወገኑ፡ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል፡ ንተጻወትቱ ጸወታ ኣቋሪጾም ካብ ሜዳ ክወጽኡ ትእዛዝ ምሃቡ፡ "ንኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ጽቡቕ ስእሊ ዝህብ ኣይኰነን" ኢሉ።

"እታ ኢል ሓጅ ማሊክ ዝፈጸማ ንሞሮካ ፍጹም ቅላዕ ዘውሃበት ፈኳስ ጌጋ፡ ዳኛ ፍጹም ቅላዕ'ያ እንተኢልዋ ብውሳነ ዳኛ ተቐይዶም ጸወታ ክቕጽሉ ነይርዎም፣ በቲ ውሳነ ንሰኔጋል ደንጊጸሎም'የ ሜዳ ሓዲጐም ግን ክወጽኡ ኣይነበሮምን" ኢሉ።

ኣብ 2013 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ብምዃን ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝወሰደ ጆን ኦቢ ሚከል'ውን "እቲ ብስጭቶም ይርድኣሎም'የ፡ ሜዳ ገዲፎም ክወጽኡ ግን እቲ ኣነ ክርእዮ ዝደሊ ነገር ኣይኰነን" ኢሉ።