እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስጳኛ፡ ሓዲዳ ዝሰሓተት ባቡር ብዘስዓበቶ ሓደጋ ብውሕዱ 21 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ደቡባዊ ስጳኛ፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ባቡር፡ ዛጊት 21 ሰባት ከም ዝሞቱ ክረጋገጽ እንከሎ፡ ብዝሒ ዝሞቱ ክውስኽ ከምዝኽእል ሰብመዚ ኣጠንቂቘም።
ልዕሊ 30 ካብቶም ተጓዓዝቲ ብኸቢድ ተሃስዮም ኣብ ሆስፒታል ይሕከሙ ከምዘለዉ ምኒስተር መጓዓዝያ እታ ሃገር ኦስካር ፑኤንተ ገሊጹ።
እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ኮርዶባ ከባቢ ከተማ ኣዳሙዝ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ካብ ማላጋ ናብ ማድሪድ እትጓዓዝ ዝነበረት ፈጣን-ባቡር ካብ ሓዲዳ ወጺኣ ናብ ካልእ መስመር ባቡር ከም ዝሰገረት፡ ሓላፊ ኦፐሬሽን መርበብ ባቡር ኣዲፍ ገሊጹ።
ብድሕሪኡ እታ ሓዲዳ ዝሰሓተት ባቡር ምስታ ካብ ማድሪድ ናብ ሁኤልቫ ትጓዓዝ ብቕድመኣ ትመጽእ ዝነበረት ባቡር ተጋጭያ። ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ኣንዳሉስያ ከም ዝሓበሮ ብጠቕላላ 73 ሰባት በቲ ግጭት ከምዝተጐድኡ ሓቢሩ።
እታ ባቡር ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ዝተሓደሰ ትኽ ዝበለ ሓዲድ ትሕምበብ ምንባራ ዝገለጸ ፑኤንተ፡ እቲ ፍጻመ "ኣዝዩ ዘይተገመተ" ክብል ገሊጽዎ።
ወግዓዊ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተፈልጠን፤ ብልክዕ እንታይ ከም ዝጋጠማ ንምፍላጥ ድማ እንተወሓደ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ መርመራ ከም ዘድሊ ይግመት።
ቀዳማይ ምኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ፡ እታ ሃገር "ዓሚቕ ቃንዛ ዝመልኦ ለይቲ" ኣሕሊፋ ኢሉ።
ነቲ ጕዕዞ ካብ ማላጋ ዘመሓድር ዝነበረ ብሕታዊ ኩባንያ ባቡር ኢርዮ፡ እታ ባቡር ካብ መንቀሊኣ ኣስታት 300 ተጓዓዝቲ ሒዛ ከምዝወጸት ክገልጽ እንከሎ፣ እታ ብሬንፈ እትካየድ ካልይቲ ባቡር ድማ ኣስታት 100 ተጓዓዝቲ ከምዝነበሩዋ ገሊጹ።
ከንቲባ ከተማ ኣዳሙዝ ራፋኤል ሞሬኖ፡ ቀዲሙ ኣብ ቦታ ሓደጋ ዝበጽሐ በዓል ስልጣን ኰይኑ፡ "ዘባህርር" ክብል ነቲ ሓደጋ ገሊጽዎ።
ትካል ህጹጽ ረድኤት ኣንዳሉስያ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ መተሓሳሰቢ፡ ዝዀነ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ሰብ ብህይወት ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክሕብር ተላብዩ።
እቲ ዝተጨፋለቐ ኣካላት እታ ባቡር፡ ንመስርሕ ህይወት ኣድሕን ይዅን ሬሳታት ንምውጻእ ኣጸጋሚ ገይርዎ ከምዘሎ ሰራሕተኛታት ገሊጾም።
እቲ ሓደጋ፡ እታ ባቡር ካብ ማላጋ ድሕሪ ምብጋሳ ኣስታት ዓሰርተ ደቓይቕ ጸኒሓ፡ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 18፡40 (17፡40 GMT) ከም ዘጋጠመ ተፈሊጡ'ሎ።
ድሕሪ እቲ ሓደጋ ኵሉ እቲ ኣብ መንጎ ማድሪድን ኣንዳሉስያን ዝርከብ ኣገልግሎት ባቡር ደው ክብል እንከሎ፣ ሰኑይ ምሉእ መዓልቲ'ውን ዕጹው ኰይኑ ክውዕል እዩ። እቲ ኩባንያ ንዝተጐድኡ ተጓዓዝቲ ዘገልግል ተርሚናላት ግን ክፉት ከም ዝጸንሕ ገሊጹ።
እታ ሓደጋ ዝፈጠረት ባቡር ፍሬቺያ 1000 ዝዓይነታ ክትከውን እንከላ፡ 400 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት ዝበጽሕ ልዑል ፍጥነት ከም ዘለዋ ወሃቢ ቃል እቲ ኢጣልያዊ ኩባንያ ባቡር ፌሮቪ ደሎ ስታቶ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ቀይሕ መስቀል ስጳኛ ኣብቲ ቦታ ወሃብቲ ኣገልግሎት ህጹጽ ደገፍ ኣዋፊሩ'ሎ።
ኣብ ሓንቲ ካብተን ባቡራት ዝነበረ ጋዜጠኛ ኣርቲቪ ሳልቫዶር ጂሜነዝ፡ እቲ ኵነታት ልክዕ ከም "ምንቅጥቃጥ ምድሪ" ከምዝተሰምዖ ገሊጹ።
"ኣብታ ቀዳመይቲ ባጎኒ እየ ነይረ፣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፣ ብርግጽ እታ ባቡር ካብ ሓዲዳ ወጺኣ እያ" ይብል።
ዛጊት ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ሓላፊት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየንን ሓዘኖም ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ ስጳኛ ኣብ 2013 - ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ጋሊሽያ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣጋጢሙ 80 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት 140 ከም ዝተሃርሙን ተሰኒዱ'ሎ።