እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ተቓውሞ ኢራን ኣሽሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ
ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቱላህ ዓሊ ከማኒ፡ ኣብቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተኣሚኑ።
ኣያቱላህ ዓሊ ከማኒ ብቀዳም ኣብ ዘስመዖ መደረ ኣሽሓት ሰባት "ብኢ-ሰብኣውን ኣረሜናዊ ኣገባብን" ከም ዝተቐተሉ ብምሕባር፡ ጠንቂ እቲ ቅትለት ኣመሪካ ምዃና ከሲሱ።
ኣብ ኢራን፡ እዚ ሓዲሽ ተቓውሞ ካብ ዝጅመር 3090 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ 'ሁማን ራይትስ ኣክቲቪስት ኒውስ' ዝተሰመየ ኤጀንሲ ኣፍሊጡ።
እቲ ቁጽሪ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጹ ገለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት'ውን ኣለዉ።
ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ተቋሪጹ ስለ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ክረጋገጽ ኣጸጋሚ ገይርዎ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ እቶም ኣብ ኢራን ዝቓወሙ ዘለዉ ሰባት 'ተቓውመኦም ክቅጽሉ" ብምጽዋዕ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢራን ክቐትልዎም እንተጀሚሮም ኣመሪካ ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምእትገብር ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቱላህ ዓሊ ከማኒ ኣብቲ ናይ ቀዳም መደረኡ "እቶም ምስ እስራኤልን ኣመሪካን ርክብ ዘለዎም ዓቢ ዕንወትን ኣኸቲሎም ኣሽሓት ሰባት ንኽቕተሉ'ውን ምኽንያት ኰይኖም፡" ከም ዝበለ ሃገራዊት መደበር ተለቪዥን ኢራን ኣቃሊሓ።
"ፕረዚደንት ኣመሪካ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢራን ዘውረዶ ጉድኣት፡ ዕንወትን ጸለመን ከም ገበነኛ ኢና ንቖጽሮ።" እውን ኢሉ።
እቲ ብሰንኪ ምንቁልቋል ቁጠባ ኢራን ብ28 ታሕሳስ ዝጀመረ ተቓውሞ፡ ስልጣን ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ንከብቅዕ ናብ ዝጽውዕ ተቓውሞ ተቐይሩ ኣሎ።
መንግስቲ ኢራን ነቲ ብጸላእቲ ኢራን ዝድገፍ'ዩ ዝበሎ ሰልፍታት ተቓውሞ "ናዕቢ" ኢሉ'ዩ ገሊጽዎ።
ሰልፈኛታት ብዝተተዀሰሎም ጥይት ከም ዝተቐተሉ ዘርኢ ቪድዮታት ሓቅነቱ ብቢቢሲ ፋርስን ቢቢሲ ቨሪፋይን ክረጋገጽ ክኢሉ'ዩ።
ኣብ ኢራን ኣብዚ እዋን ኣገልግሎት ኢንተርነት ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ'ዩ ተቋሪጹ ዘሎ።
ትማሊ ቀዳም፡ ኣብ ማላእ እታ ሃገር ምስቲ ቅድሚ ተቓውሞ ምጅማሩ ዝነበረ ዋሕዚ ኢንተርኔት ብምንጽጻር ኣብታ ሃገር ክልተ ሚኢታዊት ጥራይ ከም ዘሎ፡ ንፍጥነት ኢንተርነት ዝከታትል ኔትብሎክስ ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት መዓልታት ቁጽሪ ማእሰርቲ ከም ዝነከየ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ፤ እንተዀነ ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክሳብ ዘይሃለወ፡ ነዚ ምርግጋጽ ዝክኣል ኣይኰነን።
ኣብ ደቡባዊ ምዕኣብ ኢራን ሺራዝ ኣብ ዝብሃል ከተማ እትነብር ኢራናዊት ንቢቢሲ ፐሪሽያ ኣብ ዝሃበቶ ቃል "ሓይልታት ጸጥታ፡ ንኹለ ነገራት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ንምእታው ብብዝሒ ብሞተር ብሽክልታ ኮለል ኢናበሉ'ዮም ዝሕልዉ ዘለዉ፡ ብሓፈሻ ግን ኩሉ ነገራት ናብ ንቡር ዝተመለሰ ይመስል" ኢላ።
ኣያቱላህ ዓሊ ከማኒ ኣብቲ ብቀዳም ዘስምዖ መደረ፡ ኢራን ንፕረዚደንት ትራምፕ ከም "ገበነኛ" ከም እትቖጽሮ ብምግላጽ፡ ኣመሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጥረ ናዕቢ "ክትሕተተሉ" ኣለዋ ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ዕላማ ኣመሪካ ንኢራን ምውሓጥ እዩ" ክብል ገሊጹ።
ትራምፕ ንመደረ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቱላህ ዓሊ ከማኒ ኣመልኪቱ መልሲ ኣይሃበን ቢቢሲ ድማ ርእይቶ ንምርካብ ናብ ዋይት ሃውስ ሕቶ ኣቕሪቡ
ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ንመደበራት ኣመሪካ ዒላማ ንምግባር ኣማራጺታት ትደሊ ከም ዘላ ዝገልጽ ጸብጻባት በጺሑና ኣሎ፡" ኢሉ።
ኢራን ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ እንተፈጺማ "ኣዝዩ ኣዝዩ ሓያል ሓይሊ ግብረ መልሲ" ከም እትረክብ ብምግላጽ፡ ቴህራን "ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ከይትጻወት" ኣጠንቂቓ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ብረቡዕ "ኣብ ኢራን ዝፍጸም ቅትለት ደው ኢሉ" ኣሎ ተባሂሉ ከም ዝተሓበሮ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ተኽእሎ ከም ዘሎ ግን ኣይሓበአን።
ነዚ ዝገለጸ፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ክልቲአን ኣብ ቐጠር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኣል-ዑደይድ ቁጽሪ ሰራሕተኛታተን ወተሃደራትን ድሕሪ ምንካየን'ዩ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣመሪካ ገለ ሓይላ ካብቲ ኣብ ቐጠር ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ምውጻእ "ናይ ጥንቃቐ ስጕምቲ" ምዃኑ ገሊጾም።