እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ዩጋንዳ፡ ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሙሴቨኒ ሕጂ'ውን ተዓዊቱ
ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዝነበሮ ኣርባዓ ዓመታት ብተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ብምንዋሕ፡ ተዓዋቲ ናይቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ተባሂሉ ተኣዊጁ።
ሙሰቨኒ 72% ድምጺ ከም ዝረኸበ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ ነቲ ውጽኢት "ናይ ሓሶት ውጽኢት" ኢሉ ዝገለጾ ቀንዲ ተነሓናሒ ሙሰቨኒ ዝዀነ ቦቢ ዋይን ከኣ 25% ከም ዝረኸበ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።
ቦኒ ዋይን ነቲ 'ናይ ስርቒ ውጽኢት'ዩ' ዝበሎ ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን። ሰብመዚ ድማ ንክስታቱ መልሲ ኣይሃቡን።
ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተዓዘብቲ ኰይኖም ነቲ መስርሕ መረጻ ዝተኸታተልዎ ሰብ መዚ ግን "ድምጺ ከም ዝተሰረቐ ዘረኢ መርትዖ" ከም ዘይትዓዘቡ ገሊጾም። እቲ ነቲ ውጽኢት ዘይተቐበሎ ቦቢ ዋይን ግን ዘይጐነጻዊ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዑ ኣሎ።
ወዲ 81 ዓመት ሙሰቨኒ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1986 ከም መራሒ ዕጡቓት ተቓወምቲ ኰይኑ ምስ ተዓወተ ነታ ሃገር ክመርሓ ጀሚሩ፡ ነዚ ናይ ሕጂ ሓዊስካ ኸኣ ኣብ ሸውዓት ዝተኻየዱ መረጻታት ተዓዊቱ።
መስርሕ መረጻ ዕግርግር ዝበዝሖ'ዩ ነይሩ። ወዲ 43 ዓመት ናይ ፖፕ ደራፋይ ነበር ቦቢ ዋይን ከኣ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ መላእ ሃገር ብውሕዱ 21 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይዛረብ።
ሰብመዚ ግን ቁጽሪ ምውታት ሸውዓተ ጥራይ ምዃኖም'ዮም ኣሚኖም ዘለዉ።
ሓላፊ ኮሚሽን ምርጫ ሳይሞን ብያባካማ ነቲ ውጽኢት ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን፡ ደገፍቲ ክልቲኡ ውድባት ብሓድነት ነቲ ውጽኢት ክቕበልዎ ተማሕጺኑ።
ኪኖ እቲ ኣብ ማእከል ሃገራዊ ቈጸራ ዝነበረ ጽንብል፡ መብዛሕትኡ ጽርግያታት ርእሰ ከተማ ካምፓላ ውሑድ ሰብ'ዩ ዝንቀሳቐሶ ነይሩ። ትካላት ንግዲ'ውን ተዓጽዮም'ዮም ውዒሎም።
ይኹን እምበር ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ከተማ ዕግርግር ከም ዝነበረ ክረጋገጽ ክኢሉ'ዩ።
ኣብታ ሃገር ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምቁራጹ፡ ንዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ገይርዎ ኣሎ።
እቶም ሰብ-መዚ፡ እቲ ምቁራጽ ኢንተርነት፡ ግጉይ ሓበሬታ ንኸይዝርጋሕን ዘየድሊ ዕግርግራት ንኸይልዓልን ንምክልኻል ኣድላዪ ምዃኑ ይገልጹ።
ነዚ ስጉምቲ እዚ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ዩ" ክብል ኰኒንዎ።
ቦቢ ዋይን'ውን ኢንተርኔት ናብ ንቡር ክምለስ ጠሊቡ ኣሎ።
ንልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ መሪሑ ናብ ዩጋንዳ ዘምርሐ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ጉድላክ ጆናታን እቲ መረጻ ኣብ ዝተቓረበሉ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "መንግስቲ ካብ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክቑጠብ ኣለዎ፡" ኢሉ ነይሩ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ቃል መሕተቱ "ጸብጻባት ምፍርራሕ፡ ማእሰርትን ምጭዋይን፡ ኣብ መስርሕ መረጻ ፍርሒ ዘስረጽን እምነት ህዝቢ ዘበላሸወን፡" ብምባል ኰኒኑ'ዩ ክብል ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ተሓጋጋዚ ቦቢዋይን ዳን ማጂክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባላት ጸጥታ ብሓሙስ ምሸት ናብ ገዛ ቦቢ ዋይን ብምእታው ክጨውይዎ ፈቲኖም ኢሉ ከሲሱ።
ብምስዓብ ብሕጂ እንታይ ገምዘጋጥም'ውን ንጹር ከም ዘይኰነን ቦቢ ዋይን ኣበይ ከም ዘሎ ከም ዘይፈልጥን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ቦቢ ዋይን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።
ብቀዳም ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ግን ካብቲ ዝተኻየደሉ ፈተነ ከም ዘምለጠ ገሊጹ።
እዚ ብፖሊስ ኣይተረጋገጸን፤ እንተዀነ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ዩጋንዳ ኪቱማ ሩሶከ፡ እቲ ፖለቲከኛ ገዛኡ "ንናይ ጸጥታ ሓደጋ ዝተቓለዐ ስለ ዝዀነ" ኣብቲ ከባቢ ምንቅስቓስ ከም ዝተኣገደ ገሊጹ።
ጋዜጣ ዳይሊ ሞኒተር ዩጋንዳ ንዕኡ ብምጥቃስ "ናብቶም ናይ ጸጥታ ጸገማት ክዀኑ ዝኽእሉ ከባቢታት ዘእትዉ መገድታት ተቘጻጺርናዮ ኣለና። ገለ ሰባት ንገለ ቦታታት ተጠቒሞም ተኣኻኺቦም ህውከት ከስዕቡ ክንፈቅድ ኣይንኽእልን ኢና፡" ኢሉ ኢላ።
ቦቢ ዋይን ኣብታ ዝበዝሕ ህዝባ ትሕቲ 30 ዓመት ዝኸነት ዩጋንዳ ብመንእሰያት ኣዝዩ ፍቱው ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።
ንሱ'ውን ንመንእሰያት ወኪሉ ይወዳደር ከም ዘሎ'ዩ ዝሕብር።
ኣብ እዋን ጎስጓስ ብልሽውና ብምውጋድ ሰፊሕ ጽገናታት ክገብር ምዃኑ ቃል ክኣቱ እንከሎ፡ ሙሰቨኒ ድማ ኣብታ ናይ ግጭት ታሪኽ ዘለዋ ዩጋንዳ እቲ እንኰ ሰላም ከውሕስ ዝኽእል ንሱ ምዃኑ'ዩ ተማጒቱ።
ካልኦት ሽዱሽተ ሕጹያት ነይሮም፤ ግን ልዕሊ 2% ድምጺ ዝረኸበ ኣይነበረን።
ካብቲ ከድምጽ ዝግብኦ ህዝቢ ዩጋንዳ እቲ 52.5% ከም ዘድመጸ ኸኣ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።