ኤርትራ፡ 'ኢትዮጵያ ተቕርቦ ዘላ ክሲ ምስግጋር ኣጽዋር፡ መመኽነይታ ንኲናት እዩ'

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ናብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምቕባል ዘቕረቦ ክሲ ሓሶት ምዃኑ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክጅምሮ ዝደሊ ዘሎ ኲናት ንመመሳመሲ ዘቕርቦ ዘሎ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።

ኣብቲ መግለጺ ፈደራል ፖሊስ እታ "ታሪኻዊ ጸላኢ" ኢሉ ዝገለጻ መን ምዃና ብንጹር ኣይተቐልዐን።

እንተዀነ ብወገን ኢትዮጵያ ከም ታሪኻዊት ጸላኢት እትርአን እትግለጽን፡ብሰንኪ ሩባ ኣባይ ነዊሕ ብዝጸንሐ ጉዳይ ኣብ ዝኸረረ ምትፍናን እትርከብን፡ ኣብዚ እዋን ድማ ምስ ኤርትራ ጥቡቕ ምሕዝነትን ርክብታን ዘለዋ ግብጺ እያ።

ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ወጥሪ እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ'ዩ ዝስማዕ ዘሎ።

መግለጺ ፖሊስ፡ እቲ ጠያይት ብ13 ጥሪ ኣብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መፈተሺ ነቝጣ ወልድያ ከምዝተታሕዘ ይሕብር።

እዚ ወተሃደራዊ ናውቲ ካብ ኤርትራ ብትግራይ ኣቢሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ - ናብቶም "ኣኽረርቲ" ዝበሎም ሓይልታት ፋኖ ይሰጋገር ከምዝነበረ መግለጺ ፖሊስ ወሲኹ ይሕብር።

እቶም ነቲ ኣጽዋር ብምስግጋር ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ከም ዝተታሕዙ'ውን ተገሊጹ።

"ብዝተገብረሎም መባእታዊ መርመራ ድማ" ዝበለ መግለጺ ፖሊስ ፈደራል፡ "እቲ ጠያይት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ተዋሂቡ ብህወሓት ዝሰጋገር ኰይኑ፡ ካብ መቐለ ናብቲ ዕጡቓት ፋኖ ዝርከብዎ ሽዋሮቢት ዝተባህለ ከባቢ ክልል ኣምሓራ ይጓዓዝ ምንባሩ" ከምዘቃልዑ ኣፍሊጡ።

ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ነዚ ክሲ ኣመልኪቱ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ንምኽፋት መመኽነይታ ይደሊ ምህላዉ'ዩ ሓቢሩ።

"ስርዓት ብልጽግና ነቲ ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ ክዳለወሉ ዝጸንሐ ኲናት ንምምኽናይ ናይ ሓሶት ባንዴራታት የንበልብል ኣሎ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ'ውን ኣብቲ ብ12 ጥሪ ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ዘካየዶ ቃለ መሕተት፡ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኲናት ይእውጅ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት እንተኸፊቱ ግን "ከመይ ከም እንከላኸሎ ንፈልጥ ኢና" ኢሉ ነይሩ።

ነቲ ዝተተሓዘ ብረት ካብ ኤርትራ ብትግራይ ኣቢሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ - ናብቶም "ኣኽረርቲ" ዝበሎም ሓይልታት ፋኖ ይሰጋገር ከምዝነበረ ፖሊስ ኢትዮጵያ ዝገለጾ ኣብ ዝምልከት፡ ሪፖርተር ቢቢሲ ካብ መቐለ ንወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ሚኪኤል ኣስገዶም ኣብ ዝተወከሰሉ'ውን ነቲ ክሲ መርትዖ ዘይብሉ ክሲ ኢሉ'ዩ መሊስሉ።

ኣቶ ሚኪኤል፡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ "እዚ ምስ ህወሓት፡ ምስ ትግራይ ይዅን ሰራዊት ትግራይ ዝዀነ ይዅን ምትሕሓዝ ዘይብሉ፡ ጭቡጥ መርትዖ'ውን ክቐርበሉ ዘይክእልን፡" ክብል ገሊጽዎ።

ዝጸንሓ ሜላታት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "ካብ ውሽጣዊ ኵነታቶም ንምህዳም ኣጀንዳ ንምፍጣር፡" በቲ ኻልእ ወገን ድማ፡ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ዘይገበርዎ ግቡኣት ንመመኽነዪ ዘቕርብዎ እዩ፡ ክብል ይነጽግ።

ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ካብ ዘጓሃሃረ ሓደ ቀንዲ ጉዳይ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባ፡ ጕዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝተፈላለየ ትረኻን ምጕትን ከልዕልዎ ምጽንሖም እዩ።

መግለጺታት ኢትዮጵያ ካብ ተጠቃምነት፡ ናብ ዋንነት፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ወተሃደራዊ ህላወ ክሳብ ምውሓስ ናብ ዝብል ክዓቢ፡ ማዕረ-መዕሪኡ ድማ ንኤርትራ ብምትእትታውን ንዕጡቓት ተቓወምቲ ብምድጋፍን ዝቐርብ ክሲታት ብተደጋጋሚ ይስማዕ።

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞቲዎስ ኣብቲ ሆርን ረቪውን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ኣብ ዘዳለውዎ መድረኽ፡ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ካብ ዘስዕብ ንጥፈታት ክትቍጠብ፡ ክብል ንማሕበረሰብ ዓለም ሓቲቱ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ምኒስተር "ንመንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ዞባን ዝኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ ከውጽኡዎ፣ ናብ ብሩህን ምትሕብባርን ዘለዎ መጻኢ ዝዓለመ ስጕምትታት ክወስድ ከተባብዑዎ፡" ክብል ጸዊዑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ንዝቐረበ ተመሳሳሊ ክሲ እውን ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ "ርእይቶ ህዝቢ ንምትላል ዝግበር ርኡይ ሃቐነ፡" ብምባል ሰልፊ ብልጽግና፡ "ዝኣወጆ ማኒፈስቶ ኲናት" ብቐጻሊ መጠረዚኡ እናቐየረ ንነብሱ ከም "ግዳይ" ናብ ዝርኢ ትረኻ ዝኣተወ ይመስል" ክብል ብመንገዲ ኤክስ ምላሽ ሂቡሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።