እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንግሆ፡ ገበል ኣብ ጐንኹም ኣብ ዓራትኩም ደቂሱ እንተዝጸንሓኩም እንታይ ምገበርኩም?
ኣውስትራልያዊት ራቸል ብሉር ሰኑይ ለይቲ ካብ ዓራታ ምስ ተበራበረት ኣብ ዓራታ ኣዝዩ ገዚፍ ገበል ፍርቂ ኣካሉ ኣብ ኣፍልባ በጥ ኢሉ ምስ ጸንሓ ክትኣምን ኣይክኣለትን።
ብብዕጉጋ ንኸልባ ክትሕዝ ሃሰስ ምስ በለት'ያ፡ ሓደ ዋዒ ዘለዎ ለምባእ ለምባእ ዝብል ነገር ተንኪፋ።
ራቸል ብሉር ሃሰስ እናበለት ነቲ ተሸፊናትሉ ዝነበረት ኮቦርታ ከትስሕቦ ኣብ ዝፈተነትሉ፡ ሓደ ከቢድ ነገር ጸቒጥዋ ምህለዋ ኣስተብሂላ። ከልባ ከምይኮነ ኸኣ ተረድኣ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት እንከላ'ያ ብዓል ቤታ ነታ ኣብ ጐድኒ ዓራት ዝነበት መብራህቲ ወሊዕዋ፡ ነቲ ዝርኣዮ ኸኣ ክኣምን ኣይክኣለን።
ራቸል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ከይትንቀሳቐሲ ኣብ ልዕሌኺ 2.5 ሜትሮ ዝኸውን ገበል ኣሎ ኢሉኒ" ኢላ።
"እቶም ኣኽላባት ኣብቲ ክፍሊ ተመን ከምዘሎ እንተፈሊጦም ህልቂት ክስዕብ'ዩ" ኢለ ሓሲበ ትብል።
እቶም ኣኽላባት ካብቲ ክፍሊ ወጻኢ ውሑስ ኣብ ዝዀነ ቦታ ተዓጽዮም፡ ብዓል ቤታን ራቸል ብሉርን ከኣ ብጥንቃቐ ካብቲ ገበል ዝገላገሉሉ ኣገባብ ክበላሓቱ ጀሚሮም።
"እቲ ገበል ኣብ ልዕሊ እቲ ተኸዲነዮ ዝነበርኩ ኮቦርታ'ዩ ነይሩ፣ ኣነ ከኣ ካብቲ ኮቦርታ ብጥንቃቐ ክወጽእ'የ ዝፍትን ነይረ፡ ብሓቂ ካብዚ መዓት'ዚ ክወጽእ ድየ ኢለ ኸኣ ፈሪሐ" ትብል ራቸል።
እቲ መርዚ የብሉን ኢሎም ዝኣመንሉ ገበል ፍርቂ ኣካሉ ብፍኒስትራ ኣብ ደገ'ዩ ነይሩ።
እቲ ገበል ፍርቂ ኣካሉ ካብ ነብሳ ምስ ተኣለየ፡ ጎሰስ እናበለ ንዝተረፈ ክፋል ኣካሉ በቲ ፍኒስትራ ተሳሒቡ ክወጽእ ጀሚሩ።
"ደዉ ኢለ ምስ ረኣኽዎ ኣዝዩ ገዚፍ'ዩ፣ ፍርቂ ኣካሉ ጥራይ ኣብ ልዕለይ ስለዝነበረ'የ ንኽብደቱ ርእየ ዕብየቱ ክግምቶ ዘይክኣልኩ።"
ኣስዒባ፡ "ብድሕሪቱ ምስ ሓዝክዎ ኣይተረበሸን ፈንጥርጠር'ውን ኣይበለን"
እቲ ነቲ ገበል ክትሕዞ እንከላ ደንጽይዎ ዝርእያ ዝነበረ ብዓል ቤታ ግን ገና ካብ ስንባደ ኣይወጽአን ነይሩ፡ ራቸል ግን ኣትማን ብብዝሒ ኣብ ዘለዉዎ ከባቢ ስለዝዓበየት እቲ ገበል ዝጓዳእ ከምዘይኰነ ተረዲእዋ ነይሩ'ዩ።
"እቲ ገበል ካብ ዓሌት ኬን ቶድ [ሓደ ካብቶም ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ኣዝዮም መርዛማት ገባብል] እንተዝኸውን ነይሩ እቲ ታሪኽ ካልእ ምዀነ ነይሩ" ትብል።
እቲ ንራቸል ኣብ ልዕሊኣ ዝደቀሰ ገበል 'ካርፔት ፓይቶን' ዝብሃለ ዓይነት ገበል ኰይኑ ኣብ ገማግም ኣውስትራልያ ብብዝሒ ዝርአን ኣዕዋፍ ዝምገብን'ዩ።