ቬነዝዌላዊት ተዓዋቲት ኖቤል ሰላም ሽልማታ ንትራምፕ ሂባ

መራሒት ተቓዋሚ ሰልፊ ቬነዝዌላ ማሪያ ኮሪና ማቻዶ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሸለመቶ ሽልማት ኖቤል ሰላም ንፕረደዚንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከም ዝሃበቶ ገሊጻ። ንሳ፡ ብሓሙስ ምስቲ ፕረዚደንት ብሕታዊ ኣኼባ ከም ዝነበራ ይፍለጥ።

ምስ ትራምፕ ድሕሪ ምርኻባ ድማ፡ "ሎሚ ንዓና ንቬነዝዌላውያን ታሪኻዊት መዓልቲ ትመስለኒ፡" ኢላ።

ሓይልታት ኣመሪካ ንፕረዚደንት ቬንዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ኣብ ካራካስ ድሕሪ ምሓዞምን ብጕዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ድሕሪ ምኽሳሶምን ድሕሪ ሰሙናት፡ ክልቲኦም ብኣካል ንፈለማ እዋን እዮም ተራኺቦም።

ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ምስጋናኡ ብምግላጽ፡ እቲ ስጕምቲ "ዘደንቕ ምልክት ሓድሕዳዊ ምክብባር'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ ንሳ እትመርሖ ምንቅስቓስ፡ ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዓወት ከም ዝረኸበ እኳ እንተገለጸ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንማቻዶ ሓዳስ መራሒት ቬነዝዌላ ክትከውን ግን ኣይደገፈን።

ትራምፕ ኣብ ክንድኡ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ማዱሮ ዝነበረት ግዝያዊት መራሒ ሃገር ቬነዝዌላ ደልሲ ሮድሪገዝ ክራኸብ ጸኒሑ። ምስ ማቻዶ ምርኻቡ ግን "ዓቢ ክብሪ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ብዙሕ ነገራት ዝሓለፈት እተደንቕ ጓለንስተይቲ፡" ክብል ገሊጹዋ።

ማቻዶ ካብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምውጽኣ፡ ኣብ ከባቢ ዋይትሃውስ ምስ ዝነበሩ ደገፍቲ ተዘራሪባ። "ኣብ ፕረዚደንት ትራምፕ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና፡" ክትብል ብቋንቋ ስጳኛ ከም ዝተዛረበት ድማ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ድሒሩ ማቻዶ ንጋዜጠኛታት ብእንግሊዝኛ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ንናጽነትና ንዝገበሮ ፍሉይ ተወፋይነት ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ መዳልያ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣበርኪተሉ፡" ኢላ።

ሽልማት ኖቤል ብተደጋጋሚ ይግብኣኒ እዩ ዝብል ዝነበረ ትራምፕ፡ ንማቻዶ ክወሃብ ከሎ ከም ዘይተሓጐሰ ምግላጹ ይዝከር።

ቢቢሲ ርእይቶ ንምርካብ ንዋይት ሃውስ ተወኪሱ ነይሩ።

ማቻዶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ሽልማት ምስ ትራምፕ ክትካፈሎ ምዃና እኳ እንተገለጸት፡ ድሒሩ ግን ኮሚተ ኖቤል ናብ ካልእ ዝሰጋገር ከም ዘይኰነ ኣነጺሩ።

እቲ ኮሚቴ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሽልማት ኖቤል ወግዓዊ ምስ ኰነ፡ ክስረዝ፡ ክካፈል ወይ ናብ ካልኦት ክሰጋገር ኣይክእልን'ዩ። እቲ ውሳነ ናይ መወዳእታን ንወትሩ ዝጸንዕን እዩ፡" ኢሉ።

ብዛዕባ ማቻዶ ዝሃበቶ ርእይቶ መልሲ ክህብ ምስ ተሓተተ፡ እቲ ኮሚቴ ንቢቢሲ ናብቲ ኣቐዲሙ ዘውጽኦ መግለጺ ከቕንዕ ሓቢሩዎ።

ቅድሚ እቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ኣኼባ ዋይት ሃውስ፡ ማእከል ሰላም ኖቤል ኣብ ኤክስ "ሜዳልያ ወነንቲ ክቕየር ይኽእል'ዩ፣ መዓርግ እቲ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ግን ኣይቅየርን፡" ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

ማቻዶ ኣብ መደረኣ፡ እቲ ኣብ ሰውራዊ ኲናት ኣመሪካ ዝተቓለሰ ማርኪስ ደ ላፋይት፡ ንሓደ ካብ መስረትቲ ዘመናዊት ቬነዝዌላ ዝዀነ ሳይሞን ቦሊቫር፡ ምስሊ ጆርጅ ዋሽንግተን ዝሓዘ ሜዳልያ ምሃቡ ገሊጻ።

እቲ ህያብ፡ "ምልክት ሕውነት" ቬነዝዌላን ኣመሪካን ከምኡ'ውን ኣመሪካ "ንናጽነት ኣንጻር ምልኪ ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ" ዝነበራ ተራ እዩ ኢላ።

"ኣብ ታሪኽ 200 ዓመታት ድማ፡ ህዝቢ ቦሊቫር ንወራሲ ዋሽንግተን ሜዳልያ - ኣብዚ ኣጋጣሚ'ዚ ድማ ሜዳልያ ሽልማት ኖቤል ሰላም - ከም ኣፍልጦ ንናጽነትና ዘለዎ ፍሉይ ተወፋይነት መሊሱ ይህቦ ኣሎ፡" ኢላ።

ማዱሮ ብ3 ጥሪ 2026 ብኣመሪካ ካብ ዝትሓዝ ንደሓር፡ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣመሪካ ዝጸንሐ ጽላት ነዳዲ ቬነዝዌላ ዳግማይ ናብ ስራሕ ንምእታው ብቕልጡፍ ስጕምቲ ወሲዱ ኣሎ።

ብረቡዕ ሓደ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን፡ ኣመሪካ ንፈለማ እዋን 500 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ነዳዲ ቬነዝዌላ ሸይጣ ከም ዝዛዘመት ገሊጹ።

እገዳ ዝተገበረሉ ነዳዲ ቬነዝዌላ ብምጕዕዓዝ ዝተጠርጠራ ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ እውን ብኣመሪካ ከም ዝተታሕዛ ሓይልታት ኣመሪካ ብሓሙስ ገሊጾም'ዮም።