ዋይት ሃውስ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ሽልማት ሰላም ብዘይምቕባሉ ንሽማግለ ኖቤል ነቒፉ

ዋይት ሃውስ፡ ሽማግለ ኖቤል ኣብ ክንዲ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንሓንቲ ስለ ደሞክራሲ እትቃለስ ቬንዙወላዊት ብምሃቡ፡ "ንፖለቲካ ልዕሊ ሰላም፡" ከም ዝሰርዖ ከሲሱ።

እቲ ሽማግለ ብዓርቢ፡ ማሪያ ኮሪና ማቻዶ፡ "ንህዝቢ ቬንዙወላ ደሞክራስያዊ መሰላት ንምድንፋዕ ከይተሓለለት ብምዕያያ፡" ሽልማት ሰላም ከም እትቕበል ኣፍሊጡ።

ትራምፕ፡ ብዙሕ ኲናታት ደው ኣቢለ ብምባል ነቲ ሽልማት ክወስድ ዘለዎ ድሌት ብግልጺ ተዛሪቡ እዩ። ኣብ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መደረ ከይተረፈ ነዚ ድሌቱ'ዚ ኣንጸባሪቑ።

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ ንሲቢኤስ ከም ዝሓበሮ፡ ትራምፕ ንዕውትቲ ኖቤል ሰላም 2025 ማሪያ ደዊሉ እንቋዕ መጐሰክን ይግብኣኪ እዩን ከም ዝበላ ገሊጹ።

ዳይረክተር ርክባት ዋይት ሃውስ ስቲቨን ቸንግ ብዓርቢ ንግሆ ድሕሪ እቲ ምልክታ፡ "ሽማግለ ኖቤል ንፖለቲካ ልዕሊ ሰላም ከም ዝሰርዑዎ ኣረጋጊጹ፡" ኢሉ።

"ፕረዚደንት ትራምፕ ስምምዓት ሰላም ኣብ ምፍጻም፡ ውግኣት ደው ክብሉ ኣብ ምግባርን ህይወት ምድሓንን ክቕጽል እዩ፡" ክብል ቸንግ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ትራምፕ፡ ነቲ እቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዕዉትቲ ቅድሚ ምርቋሑ ኣብ ዝነበረ ክልተ መዓልቲ፡ ኲናት ቓዛ ደው ንኽብል ዓቢይ ግደ ኣበርኪቱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብተን ኣብ ስልጣን ዝጸንሓለን ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ እብረ ስልጣኑ ሓያሎ ዓለማዊ ግጭታት ደው ከም ዘበለ'ውን ኣረጋጊጹ'ዩ።

ድሕሪ ምእዋጅ ስምምዕ ምቝራጽ ተዅሲ ኣብ ቓዛ፡ ትራምፕ፡ "ገበርቲ ሰላም ብጹኣን እዮም፡" ክብል ኣዊጁ። ዋይት ሃውስ ድማ፡ "ፕረዚደንት ሰላም፡" ክብል መጒሱዎ።

ትራምፕ ሽልማት ሰላም ክወስድ ዘለዎ ድሌት ቃልዕ ዝወጽአ ብምዃኑ፡ ብዙሓት መራሕቲ ምስ ኣመሪካ ዘለዎም ረብሓታት ንምውሓስ ስሙ ምስዚ ሽልማት ብምትሕሓዝ ክገልጹዎ ይስምዑ እዮም።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ሓዊሱ ብዙሓት መራሕቲ ወጻኢ ሃገራት፡ ትራምፕ እቲ ዘውዲ ክብሪ ይግብኦ እዩ ክብሉ ብግልጺ ክምጕቱ ጸኒሖም እዮም።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ ሽልማት ኖቤል ግብረ መልሲ ክህብ ብጋዜጠኛታት ሕቶ ኣብ ዝቐረበሉ፡ ትራምፕ ዝተሓላለኹ ቅልውላዋት ንምፍታሕ ብዙሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ትራምፕ ብወገኑ ነቲ ፑቲኒ፡ "እዚ ሽልማት ተኣማንነት ኣጥፊኡ፡" ክብል ዝገልጾ ቪድዮ ኣሰንዩ ኣብ ትሩዝ ሶሻል፡ "ንፕረዚደንት ፑቲን ነመስግኖ፡" ክብል ጽሒፉ።

ማቻዶ ንባዕላ ንትራምፕ ድሕሪ ዓወታ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ "እዚ ሽልማት ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ቬንዙወላን ፕረዚደንት ትራምፕ ንዕላማና ብዝገበሮ ወሳኒ ደገፍን አወፍዮ፡" ክትብል ንኢዳ።

ትራምፕ ንጽሑፍ ማቻዶ ኣብ ትሩዝ ሶሻል መድረኹ ዳግማይ ኣካፊሉዎ።

ዋላ እኳ ንስለኡ ዝግበር ጐስጓስ እንተሃለወ፡ ትራምፕ ኣብዚ ዓመት መሰናኽላት ኣጋጢሙዎ እዩ።

ሕጹያት ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ ነፍሲወከፍ ዓመት 31 ጥሪ ከም ዝዕጾ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ሽልማት ይሕብር። እዚ ድማ ትራምፕ ዳግማይ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ።

ሽማግለ ኖቤል ዝርዝር ሕጹያት ንምጽራይ ኣብ መንጎ ለካቲትን መስከረምን ይእከብ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ትራምፕ ማርኮ ሩቢዮ፡ ንማቻዶ ገና ሰነተር ኣመሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ነሓሰ 2024 ንሽልማት ካብ ዝሓረዩ ጕጅለ ኣባላት ኮንግረስ ሓደ እዩ።

ትራምፕ ኣብዚ ዓመት እንታይ ዓወት ከም ዝጓነጸፍ ንጹር ኣይነበረን።

ትራምፕ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ምፍሳስ ደም ደው ክብል መንጎኛ ኰይኑ እኳ እንተ ጸዓረ፡ ዘለንስኪን ፑቲንን ኲናት ይቕጽሉዎ ኣለዉ።

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተገብረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ርኡይ ምዕባለ እኳ እንተኰነ፡ ገና ኣብ መጀመርታ ደረጃኡ ይርከብ።

ትራምፕ ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ፡ "ቀዳምነት ኣመሪካ፡" ዝብል ፖሊሲ ብምኽታል፡ ኣብ ዓለማዊ ቍጠባን ዲፕሎማስያዊ መድረኽን ዘለዎ ቦታ ብድራማዊ መንገዲ የርእዮ ኣሎ።

ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣብ ሰሙናት ምስቲ ኣማኻሪኡ ዝነበረ ኤሎን ማስክ ብምዃን፡ ነቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህብ ዝነበረ ዩኤስኤይድ ክፈርስ ሰሪሑ።

ሽማግለ ኖቤል፡ ሽልማት ሰላም ነቶም፡ "ኣብ ምቍጽጻርን ምፍታሕን ዕጥቂ፡ ዘተ ሰላም፡ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን፡ ዝተወደበትን ዝያዳ ሰላም ዝሰፈናን ዓለም ንምፍጣር ዝዓየዩ፡" ሰባት ከም ዝወሃብ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ይሕብር።

ትራምፕ ዝኽተሎ ዘሎ ጃምላዊ ምስጓግ ኣብ መላእ ኣመሪካ ተቓውሞታት ዘስዓበ ኰይኑ፡ ካብ መሰል ስደተኛታትን ሰብኣዊ ጕጅለታትን ነቐፌታታት ኣስዒብሉ ኣሎ።

ትራምፕ ዓመጽን ገበንን ንምቍጽጻር ብዝብል፡ ሰራዊት ሃገራዊ ሓለዋ ተጠቒሙ ኣብ ከተማታት ኣመሪካ ኮለላ ክገብር ምፍታኑ፡ ኣብ ውሽጣዊ መሬት ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃሙ፡ ካብ ደሞክራትስ ስግኣት፡ ካብ ፈደራላዊ ዳያኑን መግናሕቲ ኣስዒብሉ ይርከብ።

ኣርባዕተ ፕረዚደንታት ኣመሪካ ሽልማት ኖቤል ሰላም ተቐቢሎም፡ ንሳቶም ድማ ቴዎዶር ሩዝቨልት፡ ዉድሮው ዊልሰን፡ ጂሚ ካርተርን ባራክ ኦባማን እዮም።

ነቲ ሽልማት ኣብ ስልጣን እንከሎ ኦባማ ጥራሕ እዩ ተዓዊትሉ።