እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ንመራሕቲ ካናዳ ፈረንሳን ስዊዘርላንድን ዘስምዖ ዘለፋ እንታይ እዩ?
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ቍጠባዊ መድረኽ ዘስምዖ መደረ መብዛሕትኡ ኣብ ሓይሊ ቍጠባ ኣመሪካን ንግሪንላንድ ንምጕባጥ ዘለዎ ድሌትን ዘተኮረ እኳ እንተነበረ፡ ብዛዕባ ካልኦት መራሕቲ ዓለም'ውን ነቐፌታ፡ ዳእላን ጸርፍን ዝመስል ነገራት ኣስሚዑ'ዩ።
ትራምፕ፡ ንቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝተዛረቦ "ከመስግን ይግባእ" ብምባል'ዩ ዘረባ ጀሚሩ።
ንፕረዚደንት ፈረንሳ ኣማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝምልከት ከኣ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ 'መነጽር ጸሓይ ተኸዲኑ' ኢሉ ክዝልፎ እንከሎ፡ ንፕረዚደንት ስዊዘርላንድ ነበር ካሪን ኬለር-ሳተር ኣብ ዝምልከት'ውን 'ዘረባ እትደጋጋም ባእባእ" ብምባል ዘረባ ፈይ ኣቢሉ።
ትራምፕ ብዛዕባ መራሕቲ ኣብ ዝበሎ ዓለም ንምንታይ ኣቓልቦ ትህቦ ከምዘላ ክንርኢ ኢና።
'ካናዳ ሳላ ኣመሪካ እያ ትነብር ዘላ'
ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝስመዖ መደረ መጀመርታ ስም ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ'ዩ ኣልዒሉ።
"ካናዳ ሳላ ኣመሪካ'ያ ትነብር ዘላ፡ ማርክ ካርኒ ካልእ መዓልቲ መደረ ከተስምዕ እንከለኻ ነዛ ዘረባ እዚኣ ዘክራ" ኢልዎ።
ኣስዒቡ ካናዳ "ካብ ኣመሪካ ብዙሕ ነገር'ያ ብነጻ ትረክብ፡ ነዚ ኸኣ ከመስግኑና ይግባእ" ኢሉ።
ትራምፕ ነዚ ክብል እንከሎ ርእይቶ ድዩ ምፍርራሕ'ኳ እንተዘየነጸረ፡ ካናዳውያን ግን ነዚ ኣቓልቦ ሂቦም ይስንድዎ ከምዘለዉ ኣየጠራጥርን።
ማርክ ካርኒ ብሰሉስ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ካናዳውያን መራሕቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ካብ ዘስምዕዎ መደረታት እቲ ዝተረረን ድርኺት ዘለዎ መደረን ተባሂሉ'ዩ ተገሊጹ።
ንሱ ንትራምፕ ብቐጥታ ስሙ ድኣ ኣይግለጽ'ምበር፡ ዓለም ብኸመይ "ናብ ምስግጋር ዘይኮነስ ምብትታን" ትኣቱ ከምዘላ ኣብ ዘቐመጠሉ እዋን ግን ብዛዕባ "ልዕልና ኣመሪካ" ተዛሪቡ።
ኣብ መወዳእታ ንኣሽቱ ሓይልታት ብሓባር ክሰርሑ ክላመዱን ካብ "ዓበይቲ ሓይልታት" ዝመጽእ ምግዳድ ክነጽጉን ኣተሓሳሲቡ።
ካናዳ ሕጂ'ውን ብሰንኪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ከም ሓጺንን መካይንን ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ፍርያት ዝገበረቶ ቀረጽ ትናወጽ ኣላ።
ብተወሳኺ ካናዳ ነቲ፡ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ ስልጣኑ ዝፈረመሉ ስምምዕ ናጻ ንግዲ ሰሜን ኣመሪካ USMCA ክሕደስ ተስፋ ትገብር ኣላ፡ ሕጂ ግን እቲ ስምምዕ ኣብ ዳግመ ግምት ኣትዩ።
ንካናዳ ምስ ኣመሪካ ዝግበር ስምምዕ ንቍጠባኣ ኣዝዩ ወሳኒ'ዩ፣ ምኽንያቱ 75% ካብ ፍርያታ ናብታ ብደቡብ ትዳወባ ኣመሪካ'ያ ትሸጠላ።
ምኒስተር ንግዲ ካናዳ ማኒንደር ሲድሁ ብዛዕባ እቲ ትራምፕ ዘስምዖ መደረ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ኣመሪካ "ንካናዳ ኵሉ ግዜ ኣገዳሲት ክትከውን እያ"፡ እንተዀነ ኣብ ካልእ ቦታታት ከም ቻይናን ህንድን እውን ዕድላት ትደሊ ከምዘላ ገሊጹ።
ትራምፕ ብዛዕባ መነጽረ ማክሮን ዘባጨዎ
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማንኤል ማክሮን ትማሊ'ዩ መደረኡ ኣስሚዑ።
ንሱ ልክዕ ከም ማርክ ካርኒ፡ ብዛዕባ ዓለማዊ ርግኣት፡ ኣመሪካ ንኣውሮጳ ስግኣት ንምፍጣርን ንምድኻምን፡ ብጉዳይ ታሪፍን ንግሪንላንድ ክሕዛ'የ ብምባል ትሰርሕ ኣላ ኢሉ።
ትራምፕ ኣብ ናይ ረቡዕ መደረኡ፡ ነቲ ኢማኑወል ማከሮን መደረ ክስምዕ እንከሎ ገይርዎ ዝነበረ መነጽር ኣመልኪቱ ላግጺ ኣብ ዝጀመረሉ "ትማሊ፡ ጽቡቓት መነጽራት ገይሩ ርእየዮ" ድሕሪ ምባል "እንታይ'ዩ ወሪድካ?" ብምባል'ዩ ኣባጭዩ።
ብመሰረት ሮይተርስ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኢማኑወል ማከሮን ብሕክምና ዓይኒ ዝተወሃቦ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ኣብ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ማክሮን ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝተረኸበሉ ኣዒንቱ ቀይሑ ተመሳሳሊ መነጸር ገይሩ'ዩ ተራእዩ ነይሩ።
ትራምፕ ኣብ መደረኡ፡ ብዛዕባ መደረ ማክሮን ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃበን፡ ብሰሉስ ግን ብፖለቲካዊ መርገጺ ማከሮን ምጥርጣራት ስለዘለዎ፡ ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ኣኼባ ጕጅለ ሸውዓት ክሳተፍ ድዩ ኣይሳተፍን ብሕጂ ዝሓስበሉ ጉዳይ ከምዝዀነ'ዩ ሓቢሩ።
ትራምፕ፡ "ጥዑም ወዲ'ዩ፡ ንማክሮን ይፈትዎ'የ፡ እንተዀነ ኣብዚ ዘለዎ ነዊሕ ኣይክጸንሕን'ዩ" ኢሉ።
ትራምፕ ንፕረዚደንት ስዊዘርላንድ ነበር 'ባእባእ' ኢልዋ
ትራምፕ ኣብ መደረኡ ብዛዕባ ፕሪዘደንት ስዊዘርላንድ ነበር ካሪን ከለር ሳተር ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዛረበሉ፣ ኣብ ክንዲ ፕረዚደንት 'ቀዳመይቲ ምኒስተር" ኢሉ'ዩ ገሊጽዋ።
ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ካብ ስዊዘርላንድ ዝኣቱ ኣቝሑ 30 ሚእታዊት ቀረጽ ከንብር ምዃኑ ድሕሪ ምፍርራሕ፡ ካሪን ከለር ሳተር ሓሳቡ ንኸተለውጦ ከምዝረኸበቶ ትራምፕ ተዛሪቡ።
"ኣዝያ ባእባእ'ያ ትብል ነይራ" 'ኣይፋል ኣይፋልን ኣይፋልን ከምኡ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ንሕና ንእሽቶ ንእሽቶ ሃገር ኢና' ኢላ" ኢሉ ትራምፕ።
ድሕሪ እቲ ናይ ተሌፎን ርክብ ትራምፕ ነቲ ቀረጽ ናብ 39% ከምዘዕበዮ'ዩ ገሊጹ።
እቲ መደረኡ ነቶም ምስ ዶናልድ ትራምፕ ኣኼባ ክገብሩ መደብ ተሰሪዕሎም ዝነበረ ካሪን ከለር ሳተርን ንሳ እትመርሖ ጕጅለን መደረኡ ብኸቢድ ጸልይዎም ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ካብ ብዓል ሮሌክስን ካልኢት ትካላት ስዊዘርላንድን ጸቕጢ ምስ በዝሖ፡ ትራምፕ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ፍርያት ስዊዘርላንድ ዝኽፈል ቀረጽ ናብ 15% ክወርድ ምስምምዑ ይዝከር።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ግን እቲ ወሰኽ ቀረጽ ዳግማይ ክለዓል ከምዝኽእል ትማሊ ረቡዕ ኣጠንቂቑ።
"ሰባት ክጎድእ ስለዘይደሊ እየ ኣጕዲለዮ፣ ክጐድኦም ኣይደልን። [ነቲ ቀረጽ] ናብ ታሕተዋይ ደረጃ ኣውሪድናዮ፤ ኣይድይብን ማለት ግን ኣይኰነን፡" ብምባል ናብ ስዊዘርላንድ ዘቕንዐ ዘረባ ኣስሚዑ።