እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልዕልና ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ዘውሓሰ ገዚፍ ግድብ
- Author, ፋሩክ ቾቲያ
- Role, ቢቢሲ ኒውስ
- Author, የማነ ናግሽ
- Role, ቢቢሲ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዲፕሎማስያዊ መድረኽ ንግብጺ ድሕሪ ምብዳሃ፡ እቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ግድባት ዓለም ዝዀነን ኣብቲ ዝነውሓ ሩባ ኣባይ ዝተሃንጸን ግድብ ብወግዒ ከተመርቕ ተዳልያ ኣላ።
እዚ ፍጻመ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ንግብጺ ዘልኣለማዊ ውሕስና ክኸውን ዘጽደቐቶ ሕጊ ግብኣተ-መሬቱ ዘርኢ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ኣብ ደገ 'ብሉ ናይል'፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ሩባ ኣባይ እናተብሃለ ኣብ ዝፍለጥ ተፋሰስ ዝተሃንፀ ግድብ፡ ብ 5 ቢልዮን ዶላር ( 3 ቢልዮን ፓውንድ) ወፃኢታት ዝተሃንጸ ዀይኑ፡ ብግምት ክንዲ 'ግሬት ለንደን' ዝሽፍን ማይ ዘዕቍር እዩ።
እዚ ዓቢ ስራሕ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓሌታዊነት ዝተመቓቐለ፣ ዝተዓብለለን ኣብ ግጭት ዝጠሓለን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘቀራርብ 'ሓድነት' ዘፅንዕ ተገይሩ ይእመን።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ፡ ኣብ ማእከል ኢንስቲትዩት ፎር ሴኲሪቲ ስታዲስ [ISS] ተንታኒ ጸጥታ ዝዀነ፡ ሙሴ ክሪስፑስ ኦኬሎ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኢትዮጵያውያን እቲ ቀንዲ ምግቦም ዝዀነ እንጀራ ብኸመይ ከም ዝበልዑዎ ከይተረፈ ዘይክሳነዩ ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም፣ እንተዀነ ኣብ ጉዳይ እዚ ግድብ ግን ከም ሓደ 'ዮም ዝሓስቡ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲዅ፡ "ኣብ ማእከል ሩባ ከም ኵምራ ኮንክሪት ዘይኮነስ ከም ሓወልቲ ዓወቶም እዮም ዝርእይዎ፤ ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይዅን ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንህንጸት እቲ ግድብ ረሃጾም ኣፍሲሶምሉ እዮም፤ ኣብ 2011 ህንጸት እቲ ግድብ ኣብ ዝጅመረሉ እዋን ጻውዒት ምወላን፡ ማዕበል ኣበርክቶን ይውሕዝ ነይሩ፡" ይብል።
"መንግስቲ ብኩባንያታትን ሰራሕተኛታትን ዝዕደጉ ቦንድ'ውን ኣውጺኡ። ስለዚ፡ ኵሎም ኢትዮጵያውያን ስምዒት ዋንነት እቲ ግድብ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ዓብዩ'ሎ፡ ምምራቝ ድማ ንምሉእ ሃገር ዓቢ ሓበን'ዩ" ይብል ሚስተር ኦከሎ።
ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ተባሂሉ ዝተሰየመ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ምንጪ ሃይድሮ-ኤሌክትሪክ ብምዃኑ፡ ነቲ 135 ሚልዮን ዝቝጸር ህዝቢ ዘድልዮ ጸዓት ከማልእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነታ ሃገር "ልዕልና ጸዓት" ክህባን ኣታዊታታ ካብ ባጤራ ወጻኢ ከዕብን'ዩ ዝብል ተስፋ ከምዘለዓዓለ እቲ ተንታኒ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ናብ ከም በዓል ኬንያን ጅቡቲን ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዕባይ ትልሚ ከምዘለዋን፣ ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሩ ናብ ከም ስዑዲ ዓረብ ዝኣመሰላ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንምሻጥ ዝሕግዝ መርበብ መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምህናጽ ትልሚ ከምዘለዋ ይዝረብ።
ንግብጺ ግን እቲ ግድብ ኣንጻር ተስፋን ህርፋንን ኢትዮጵያ ዝውክል እዩ።
ግድብ ዋሕዚ ማይ ናብታ ሃገር ብሓያል መልክዑ ብምንካይ ሕጽረት ማይ ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ፡ ተመራረማሪ ስነምድሪ- ጂኦሎጂስት - ፕሮፌሰር ዓባስ ሻራኪ፡ "ኣስታት 93% ክፋል ግብጺ በረኻ ኰይኑ፡ ዳርጋ ህዝቢ ዝበሃል ኣይነብረሉን። ኵላትና 107 ሚልዮን ህዝቢ፡ ህይወትና ኣብ ሩባ ኣባይ ዝተደረኸ እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ጥንታዊ ስልጣነ ግብጺ ኣብ ሩባ ኣባይ እዩ ተሃኒጹ፣ ኣባይ ህይወትና'ዩ።"
እቲ ምሁር፡ ብሰንኪ እቲ ግድብ ኣብ ግብጺ "ሕጽረት ማይ" ክጋጥም ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።
"64 ቢልዮን ሜትሮ ኲብ፡ ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ግብጺ ዝውሕዝ ማይ ይዕቀብ ኣሎ። እዚ ንዓና ኣዝዩ ዓቢ ክሳራ'ዩ። ማእከላይ ዓመታዊ ብጽሒትና 55.5 ቢልዮን ሜትሮ ኲብ'ዩ። ካብኡ ወጻኢ ካልእ ምንጪ ማይ የብልናን" ይብል ፕሮፌሰር ሻራኪ።
ወሲኹ፡ ግድብ ህዳሰ፡ "ካብቲ ኣብ ቻይና ዝርከብ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘመንጩ፡ ግድብ ትሪ ጎርጅስ ብኣስታት ዕጽፊ ዝዓቐኑ ማይ ከምዘዕቍር" ይዛረብ።
ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተዛተይቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ፈቅኣሕመድ ነጋሽ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዋላ'ኳ ካብ ግብጺ ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጥን ዋላ'ውን ናይ ኲናት ምፍርራሕን እንተጋጠመ፡ ንኢትዮጵያ ንልምዓታዊ ዕላማታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝዀነ፡ ነቲ ግድብ ብቘራፅነት ክትሃንጾ ከምዝተገደደት ሓቢሩ።
እዚ ድማ፡ ነቶም መብራህቲ ዘይብሎም 60% ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረኽቡ ዝገብር ከምዝዀነ ይዛረብ።
ይዅን እምበር ኣብ መላእ ሃገር ኣኻውሕን ኣኽራናትን ዘለዎ መልከዓ-ምድሪ ፡መተሓላለፊ -ኤሌክትሪክ መርበብ ክህነጽ ስለዘገደድ፡ እዚ ቀሊል ከምዘይከውን ኣመልኪቱ።
ፕሮፌሰር ሻራኪ፡ እቲ ግድብ፡ ኣብ ዶብ-ሰገር "ዓለማዊ " ሩባ ዝተሃንጸ'ኳ እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ በይናዊ ውሳነ ከምዝወሰደት ይዛረብ። እዚ ድማ ግብጺ ኣብቲ እዋን ብናዕብን ቅልውላውን ኣብ ዝተሓመሰትሉ እዋን ኰይኑ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባረክ ካብ ስልጣን ብዓመፅ ዝተኣለየሉ ግዜ እዩ ነይሩ።
"እቲ ግድብ ክጅመር እንከሎ፡ ግብጺ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት እያ ነይራ፣ ፕረዚደንት ኣብዘይነበረሉ ኩነታት ድማ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ እታ ሃገር ተጸሚዱ ነይሩ።"
ሕጂ ግን መንግስቲ፡ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መጽረዪ ማይ ምህናጽ፡ ከምኡ'ውን ልዕሊ 5 ሽሕ ዒላታት ምኹዓት ሓዊሱ፡ ኣማራጺ ምንጪ ማይ ንምርካብ ስጕምትታት ይወስድ ኣሎ።
እቲ ምሁር፡ ግብጺ ኣብ ጽላት ሕርሻ ለውጢ ክትገብር እውን ከምዝተገደደት ይዛረብ። ንኣብነት፡ ነቲ ብዙሕ ማይ ዝሓትት ንምህርቲ ሩዝ ዝኸውን ስፍሓት ካብ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሄክታር ናብ ሓደ ሚልዮን ሄክታር ክጐድል ተገይሩ።
"ቀደም ናብ ግብጺ ዝውሕዝ ዝነበረ 64 ቢልዮን ሜትር ኲቢክ ማይ እንተሒዝካዮ፡ ጉድኣት ኣየስዕብን ድዩ?" ዝብል ፕሮፌሰር ሻራኪ፡ እታ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር በቲ ግድብ ብኣሉታ ኣይክትጽሎን እያ ዝብል ምጕት ኢትዮጵያ፡ ይነጽግ።
ኣቶ ፈቅኣሕመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ድሕሪ ሕጂ፡ ኢትዮጵያ ናብቲ ግብጺ ፍሉይ መጠን ውሕስነት ማይ ዝረኸበትሉ ዘመን ከምዘይትምለስ፡ እንተዀነ "ብዛዕባ ኣሰዳድዳ ማይን ድሕነት እቲ ግድብን ብዝምልከት ንዝርርብ ኵሉ ግዜ ድልውቲ እያ" ኢሉ።
ተንታኒ ፖለቲካ፡ ኣብ ኬንያ ዝመደበሩ ሳሃን ሪሰርች፡ ራሺድ ዓብዲ፡ ምዝዛም እቲ ግድብ፡ እታ - ናይ ሽዑ ባዕዳዊ ገዛኢት- ሓይሊ ዝነበረት፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ 1920ታት ንግብጺ ኣስታት 80% ማያት ሩባ ኣባይ ንምውሓስ፡ ዝተኸለቶ ስምምዕ ከምዘብቀዐ ዘረጋግጽ ምዃኑ ገሊጹ።
ራሺድ ዓብዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ብሪጣንያ ንግብጺ ንምህዳእ፡ ከምኡ'ውን ረብሓኣ ንምውሓስ እያ ገይራቶ፡ ምኽንያቱ ግብጺ ነቲ ኣፍደገ ኤውሮጳ ዝዀነ ስወጽ ካናል እትቈጻጸር ስትራተጂያዊት ሃገር እያ" ኢሉ።
"ኢትዮጵያ ግን ሕጂ እናሓየለት ትመጽእ ኣላ፡ ግብጺ ግን ጸብለልታኣ እናነከየ መጺኡ። ኣብ ልዕሊ ፈለግ ኣባይ ዝነበራ ፍሉይ መሰል ስኢና ኣላ" ኢሉ።
እቲ ተመራማሪ ድሕነት፡ ሚስተር ኦኬሎ ብወገኑ፡ ግብጺ ኣብ ክሊ ማያት ሩባ ኣባይ፡ ንዘመናት ኣውሒሳቶ ዝነበረት ጸብለልታ [Veto power] ዘብቀዐ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ነፍሰሄር መለስ ዜናዊ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን "ፕሮጀክት ኤክስ" ዝበሎ ንምህናጽ ኣብ 2011 ኣብ ዘበሰረሉ እዋን ከምዝዀነ ይዛረብ።
ንሱ፡ ነቲ ኵነታት እንክዝክር፡ 'ዓብይ ፖለቲካዊ በርቂ [political masterstroke] ክብል እዩ ዝገለጾ። "ደቂ ሩባ ኣባይ ካብ ምቝዛምን ምሕዛንን ወጺኦም፡ ረሃጾም ኣፍሲሶም ንዘልኣለም ዝዀርዑሉ ሃገራዊ ኩርዓት ክሰርሑ እዮም" ብዝብል ፀላዊ ዘረባኡ ዝዝከር ዘሎ መለስ ዜናዊ፡ ካብ ግብጽን ዓለምለኸ ትካላት ገንዘብን ዝወርድ ዝነበረ ጸቕጢ ዘብቀዐሉ ዘበን ከምዝኸውን ኣንፊቱ ነይሩ።
ንሱ ምዝዛም ናይቲ ፕሮጀክት ክርኢ'ኳ እንተዘይበቕዐ፡ ኣብ ድሮ መመረቕታ እቲ ግድብ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን 'ሓወልቲ መለስ' ወይ ድማ 'ሓድጊ መለስ ዜናዊ' እናበሉ ይዝክርዎ ኣለዉ።
እቲ ግድብ፡ ብዙሕ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ፋይናንሳውን ማሕለኻታት ሓሊፉ፡ ካብቲ ዝተመደበሉ እዋን ብዙሕ ደንጉዩ'ኳ እንተዀነ ሎሚ ኣብዚ ምምራቕ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።
ሚሰተር ኦኬሎ ነዚ ብዝምልከት፡ "ግብጺ፡ ከም ባንኪ ዓለም ዝኣመሰላ ዓለማዊ ትካላት ገንዘብ፡ ንህንጸት እቲ ግድብ ዝዀነ ሓገዝ ይዅን ልቓሕ ከይገብራ፡ ኵሉ ዓይነት ድፍኢት ገይራ እያ። እንተዀነ፡ እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ብቘራጽነት ክሰርሖ እዩ ኣገዲድዎ፡ ካብ ዜጋታቱ ገንዘብ ከዋጽእ ዓቢ ጻዕሪ ገይሩ" ይብል።
ኰይኑ'ውን፡ "ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ውሽጣዊ ምንጭታት ገንዘብ ረኺባ፡ ከምኡ'ውን ካብ ውድብ ኢጋድ ንእሽቶ ኣበርክቶ ከምዝረኸበት ይእምን እዩ። ካብ ካልኦት ምንጭታት'ውን ገንዘብ ተረኺቡ እንተዀይኑ፡ ዓው ኢልካ ዝዝረብ ኣይኰነን" ክብል ሚስተር ኦከሎ ወሲኹ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንህንጸት እቲ ግድብ " ብዕሽነት ከም ዝመወለት"፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝውሕዝ ማይ "ብዓቢኡ" ከምዘጉድሎ ብምግላጽ ንሻቕሎት ግብጺ ከቃልሕ ተሰሚዑ ነይሩ ።
ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ፡ ካብ ዜጋታታን ካብ መንግስታዊ ወጻኢታትን ብውሽጣዊ ዓቕሚ ጥራይ ከምዝተሰርሕ፡ ብምግላጽ፡ ንዘረባ ትራምፕ፡ "መሰረት ዘይብሉ ሓሶት" ክትብል ነጺጋቶ።
ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ-ስልጣኑ፡ ብዛዕባ እቲ ግድብ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ጸቕጢ ክገብር ፈቲኑ'ኳ እንተነበረ፡ ኢትዮጵያ እቲ ፕረዚደንት ምስ ግብጺ ዝወገነ ዀይኑ ስለዝተሰምዓ፡ ካብቲ ስሉሳዊ ልዝብ ክትወጽእ ተገዲዳ።
ሚስተር ኦኬሎ፡ ምስ ኤርትራ ዕርቂ ፈጢሩ ብዝብል፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝተዓወተ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ትራምፕ ሃቐነኡ ከይዕወት ከምዝገበረ ብምግላጽ፡ "ትራምፕ ዝተዋረደ ኰይኑ ተሰሚዕዎ። ሽልማት ኖቤል ሰላም ደልዩ ነይሩ፤ ኣብይ ግን ንትራምፕ ዕድል ኣይሃቦን" ይብል።
ቅድሚ ሰሉስ ምረቓ እቲ ዲጋ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደዓጢ፡ ድሕነት ማይ "ቀይሕ መስመር" ምዃኑን፡ እቲ ግድብ ንሃገሩ "ህላወኣዊ ስግኣት" ዘስዕብ ምዃኑን ብምግላጽ፡ ኣንጻር እቲ ግድብ ዝፀንሐ መርገጽ ኣሐይሉዎ።
ሰብስልጠን ግብጽን ሱዳንን ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካይሮ ተራኺቦም፡ ተመሳሳሊ ሓበራዊ መርገጺኦም ገሊጾም ኣለዉ።
ይዅን'ምበር፡ ፕሮፌሰር ሻራኪ፡ ብሰንኪ እዚ ግድብ፡ ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ከምዘይተምርሕ እዩ ዝትስፎ።
"ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና እዮም፣ ካብ ሓደ ጉድጓድ ኢና ማይ ቀዲሕና ንሰቲ። ሩባ ኣባይ ካብኦም እዩ ዝምንጩ ዘሎ" ዝበለ እቲ ምሁር ማይ፡ ግብጺ ነቲ ምስሕሓብ ብዘተ ንምፍታሕ ክትጽዕር ምዃና ሓቢሩ።
ሚስተር ፈቅኣሕመድ ብወገኑ፡ ግብጺ፡ ከምኡ'ውን ምስ ኢትዮጵያ እትዳወብ ሱዳን፡ ነቲ ግድብ ምዕናው ወይ ድማ ምፍራስ ገለ ዝብል ምፍርራሕ፡ "ነብሰ ቅትለት" ከም ምፍጻም እዩ ዝቝፀር ይብል - እቲ ግድብ እንተፈሪሱ ክልቲአን ሃገራት "ብዕልቕልቕ ክዓንዋ" ስለዝዀና።
እቲ ግብጻዊ ተመራማሪ ስነ-ምድሪ፡ ድሕሪ ደጊም፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ተጠቒማ "ወተሃደራዊ ሓይሊ" ከተርኢ ከምእትኽእል፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ስትራተጂያዊት መሓዛኣ ግብጽን፡ ስግኣት ከምእትኸውን ኣረዲኡ።
ፕሮፌሰር ሻራኪ፡ "ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ወጥሪ ወይ ግጭት እንተሃልዩ፡ ኢትዮጵያ በዚ ግድብ ኣቢላ፡ ብዘይ ኣጽዋር ይዅን ነፋሪት ንሱዳን ከተጥፋኣ ትኽእል እያ" ይብል።
እንተዀነ፡ እቲ ገዚፍ ግድብ፡ ኣብ ውሸጢ እቲ ዝዓበየ ሃጓፍ ሽንጥሮ ምብራቕ ኣፍሪቃ ስለዝርከብ፡ "ሓድሽ ስርዓት ምንቅጥቃጥ ምድሪ" ክስዕብ ከም ዝኽእል ስክፍታ ኣለዎ።
ኢትዮጵያ፡ ስክፍታታት ግብጺ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑን፡ እቲ ግድብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝቃላዕ ከባቢታት ዝረሓቐ ምዃኑን መጽናዕቲታት ብምጥቃስ ትምጕት።
ስለዚ ኢትዮጵያውያን፡ ምረቓ እቲ ግድብ ንምጽንባልን ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1991 ናጽነታ ምስ ዝረኸበት ኤርትራ፡ ዝሰኣነቶ ቀይሕ ባሕሪ ዳግማይ ንምምላስን ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን፡ ግብጺ ስሚዒታቶም ክትንክፎ ንክፈቅዱላ ዘሎ ዕዱል ጸቢብ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስኣን ቀይሕ ባሕሪ "ጽባሕ ዝእረም ጌጋ'ዩ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
"ጉዳይ ወደብ ባሕሪ ድሕሪ ሕጂ ዘሕፍር ነገር ኣይኰነን። እቲ ዓለማዊ ኵነታት ንጹር'ዩ፤ መተንፈሲ ወደብ ዘይብላ ዓባይ ሃገር የላን፡ እዚ ድማ ንዘተ ክቐርብ ኣለዎ" ክብል ኣብይ ወሲኹ ገሊጹ።
ኤርትራ፡ ነቲ ርእይቶ መሰልከዪ ብምባል ዝነጸገቶ ዀይና፡ ነቲ ነጻነታ ዝተጐናጸፈትሉ መስርሕ ህዝበ-ውሳነ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ዝዀነ ይዅን መግለጺታት ከምዘይትዕገስ ኣፍሊጣ ኣላ፤ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት- ናብቲ ኣብ መወዳእታ 1990ታት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ዝቐተለ ኲናት ዶብ የምርሕ ኣሎ ዝብል ስግኣት ሓዪሉ ኣሎ።
ክልቲኦም መንግስታት፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ሓደ ተሰሊፎም እንተወፈሩ'ኳ፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ርክቦም ንሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ወጥሪ ዝመልኦም ምልልሳት ይስምዑ ኣለዉ።
ሚስተር ኦከሎ፡ ኢትዮጵያውያን ምዝዛም ህንጸት እቲ ግድብ ዝፈጠረሎም ሃገራዊ ኒሕ፡ ኣብ ወፍሪ ቀይሕ ባሕሪ ክረአ ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።
"ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ሰሪሓቶ፡ ዋላ'ኳ ብድሆታት እንተነበረ፡ ሕጂ ናብ ባሕሪ ገጻ ተቛምት ኣላ። ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ድማ ትደሊ። ነዚ ብኸመይ ከም እትገብር ንጹር ኣይኰነን፣ ኢትዮጵያ ግን ንነብሳ ከም ዓባይ ሃገር እያ ትርእያ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ሃገራት ድማ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣይኰናን።"