ጸጸር ኵሊት ከስዕቡ ዝኽእሉ ዘገርሙ መግብታት

ጸጸር ኵሊት ብሰንኪ ማዕድናትን ካልኦትን ነገራትን ኣብ ሻምብቆ ሽንቲ ዝፍጠሩ እኩባት ነገራት እዮም።

መብዛሕትኦም ጸጸራት ብሽንቲ ኣቢሎም ካብ ኣካላትና ይወጽኡ። እንተዀነ ክወጽኡ ከለዉ ልዑል ቃንዛ ከስዕቡ ተኽእሎ ኣሎ።

እቲ ጸጸር ባዕሉ ክወጽእ እንተዘይክኢሉ ወይ'ውን ዕጽዋ እንተፈጢሩ ግን ንምብታን ወይ ንምእላይ መስርሕ ሕክምና ከድልየና ይኽእል'ዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሽንቲ ካብ ዝርከቡ ማዕድናትን ጨውን ዝስርሑ እዞም ተረርቲ ነገራት ኣብ ውሽጢ ኩሊት ኰይኖም ጸገም ይፈጥሩ።

ጠንቂ ኣብ ኩሊት ዝፍጠር ጸጸር ዝተፈላለየ እዩ። ገለ ካብዚኦም ኣመጋግባ፡ ተወሳኺ ክብደት ኣካላት፡ ገለ ኩነታት ጥዕና፡ ከምኡ'ውን ገለ መመላእታታ መኣዛታትን መድሓኒታትን ይርከብዎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ጸጸር ኩሊት ልዑል ከም ዝዀነ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሆስፒታላት ዝተግበረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ 18.1 ሚእታዊት ዝርገሐ ከም ዘሎ የመልክት።

እዚ ድማ ካብ መላእ ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ እቲ ዝለዓለ ከም ዝዀነ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ክሊማ፡ ኣመጋግባ፡ ሕጽረት ማይ፡ ሰረታዊን ማሕበረ-ቁጠባዊ ኵነታትን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ይርከብዎም።

ጸጸር ኩሊት ካብ ሰረታዊ ጀሚሩ ክሳብ ዝተወሰኑ መድሓኒታት ብዙሕ መንቀሊ ረቛሒታት ኣለዎ።

ግን መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ እንበልዖን እትሰትዮን ነገራት እውን ጽልዋ ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ከምዚኦም ዝበሉ ገለ መግብታት ንምእማኑ ዘጸግም ቃንዛን ሓደ ግዜ ድማ ረኽሲ ወይ ድኻም መስርሕ ኩሊት ከስዕቡን ተኽእሎ ኣሎ።

ስለዚ ድማ ነዚ ኵነታት ተቓላዕቲ ዝዀኑ ሰባት፡ ኣመጋግባኦም ብምትዕርራይ ነቲ ኩነታት ንምምላስ ወይ ምዕባለኡ ደው ንኽብል ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ንኣብነት ትሕት ኢሎም ዝተጠቐሱ ምትዕርራያት እንተገበሩ ዝሓሸ ይኸውን።

ጸጸር ኩሊት ከም ዘለና ብኸመይ ንፈልጥ?

"መብዛሕትኦም ጸጸር ኩሊት ዘለዎም ሰባት ከይፈለጡ እዮም ዝጸንሑ" ይብል ዶክተር ኢቮ ዱኪች፡ ኣማኻሪ ሓኪም መጥባሕቲ ሽንቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታላት በርሚንግሃም ኤንኤችኤስ ፋውንዴሽን ትራስት።

"ንኣሽቱ ጸጸራት ኣብ ኩሊት ተቐሚጦም ክጸንሑ ይኽእሉ'ዮም፡ ዝዀነ ጸገም ከምዘሎ እውን ምልክት ዘይክህሉ ይኽእል።"

"ምስ ግዜ ገለ ጸጸራት ክዓብዩ ወይ ምንቅስቓስ ይጅምሩ እሞ ናብቲ ልሙድ ምልክታት ርሱን ቃንዛ ጎድኒ፡ ደም ኣብ ሽንቲ ወይ ተደጋጋሚ ረኽሲ ሻምብቆ ሽንቲ ይመርሑ፡ እዚ ምስ ዝኸውን ሕክምናዊ ክትትል የድልዮ'ዩ" ይብል።

እቲ ቃንዛ "ብተለምዶ ናብ ቅድሚት ከብዲ ዘምርሕ ኰይኑ፡ ምስ ተደጋጋሚ ሽንቲ ምምጻእን ናብ ሽቓቕ ምጉያይን ዝተኣሳሰር ክኸውን" ከምዝኽእል የብርህ።

መጠኖም እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ ወይ ንኵሊት ኣብ ሓደጋ ምስ ዘእትዉ ድማ ሕክምናዊ ክንክን ክብርኽ ኣለዎ።

ቁልፊ ስጉምቲ

"ጸጸር ኩሊት ንኽይህልወና እቲ ቀንዲ ረቛሒ፡ እኹል ማይ ወይ ፈሳሲ ምስታይ'ዩ" ይብል ዶክተር ኢቮ ዱኪች።

ብመሰረቱ፡ መዓልታዊ እንሰትዮ ማይ ብዝወሓደ መጠን፡ ጸጸር ኩሊት ናይ ምምዕባል ሓደጋ ክብ ክብል ኢና ንገብር ዘለና።

ንጸጸር ኩሊት ተቓላዕቲ ዝዀኑ ሰባት ኣብ መዓልቲ ካብ 2 ክሳብ 2.5 ሊትሮ ማይ ከም ዝሰትዩ ከረጋግጹ ከም ዘለዎም እቲ ክኢላ ይገልጽ።

እዚ ድማ ካብ ካልእ መስተታትን መግብታትን ካብ ዝርከብ ፈሳሲ ተወሳኺ እዩ።

ንኩሊት ዝጸልዉ መግብታት

ዶክተር ኢቮ ዱኪች ከምዝብሎ፡ "ክኢላታትን መጽናዕትታትን ኣየኖት መግብታት ዝተፈላለየ ዓይነት ጸጸራት ክፈጥሩ ከም ዝኽእሉ" ኣይሰማምዑን።

"ዝተፈላለየ ኣመጋግባን ጸጸር ኩሊትን ብዝምልከት ቁጽጽር ዝተገብረሎም ፈተነታት ድማ ኣዝዮም ውሑድ እዮም።"

ገለ መግብታት ግን ንኣቃውማ ሽንቲና ብምቐያር ጸጸር ክእከብ ከም ዝገብሩ ይፍለጥ እዩ ይብል።

ከምዚኦም ዝበሉ መግብታት ብቐጻሊ ምምጋብ ድማ ጸጸር ኩሊት ጸጸር ናይ ምምዕባል ዕድልና ክብ ክብል ከምዝገብር ይገልጽ።

  • ልዑል ኦክሳሌት ትሕዝቶ ዘለዎም መግብታት

ኦክሳሌት ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ መግብታት ዝርከብ ንጥረ ነገር እዩ።

ኣብ መብዛሕትኦም ሰባት ጉድኣት ኣየስዕብን።

እንተዀነ ጸጸር ኩሊት ንምክልኻል ኣብ እንፍትነሉ እዋን ግን፡ ትሑት ኦክሳሌት ዘለዎ ኣመጋግባ ምምጋብ ኣገዳሲ ይኸውን።

  • ልዑል ጨው ዘለዎም መግብታት

"ልዑል ጨው ዘለዎ ኣመጋግባ ዓቢ ረቛሒ ሓደጋ'ዩ" ይብል እቲ ክኢላ።

እዚ ማለት ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 6 ግራም ዝኸውን ጨው ምብላዕ የመልክት።

ጨው ኣዝዩ ልዑል ሶድየም ስለ ዘለዎ፡ ካብዚ ልዕሊ ዓቐን ጨው ኩሊትካ ዝያዳ ካልሲየም ናብ ሽንቲ ክትፍንው ምኽንያት ይኸውን።

"እዚ ልዑል ትሕዝቶ ካልሲየም ኣብ ሽንቲ፡ ንሓደጋ ምፍጣር ኣብ ካልሲየም ዝተመስረተ ጸጸር ኣዝዩ ክውስኽ ይገብር" ይብል ዶክተር ኢቮ ዱኪች።

ኣብ ኣመጋግባና፡ ዝተመስርሑን ቅልጡፍን መግብታት ብዝምልከት ክትትል ምግባር ልዑል ረብሓ ኣለዎ።

"ኣብ ቆርቆሮ ዝተዓሸገ ሾርባን ብትኪ ዝተጠብሰ ስጋን መብዛሕትኡ ግዜ ብሶድየም (ጨው) እዩ ዝዕሸግ።"

  • ልዑል ፕሮቲን እንስሳታት ዘለዎ ኣመጋግባ

"ልዑል መጠን ካብ እንስሳታት ዝርከብ ፕሮቲን ምምጋብ፡ ሓደጋ ጸጸር ካልሲየምን ዩሪክ ኣሲድን ክውስኽ ክገብር ተኽእሎ ኣሎ።

ብተወሳኺ መጠን ናይቲ ጸጸር ከይፍጠር ዝሕግዝ ሲትሬር ዝተበሃለ ኬሚካል ክጎድል ይገብር" ይብል እቲ ክኢላ።

እዚ ንኹሎም ዓይነታት ፕሮቲን እንስሳታት፡ እንተላይ ቀይሕ ስጋ፡ ደርሆ፡ እንቋቑሖን ዓሳን ዝምልከት እዩ።

ብዙሕ ግዜ ጸጸር ኩሊት እንተ ኣጋጢሙኩም፡ ኣብ መዓልቲ እትምገብዎ ፕሮቲን እንስሳታት ካብ 40-50 ግራም ክድረት ከም ዘለዎ የተሓሳስስብ።

ኩሊትና ከይጉዳእ ዝሕግዙ መግብታት

  • ብካልሲየም ዝሃብተሙ መግብታት፡

መብዛሕትኡ ጸጸር ካብ ካልሲየም እዩ ዝስራሕ።

ስለዚ፡ ብዙሕ ካልሲየም ክንበልዕ ይግባእ ድዩ ኣይግባእን ኣብ ዝብል ምድንጋራት ኣሎ።

"ሰባት ካልሲየም ከወግዱ ከም ዘለዎም ይኣምኑ፡ እንተኾነ ብኣንጻሩ'ዩ። ካልሲየም ዝከላኸል ንጥረ ነገር'ዩ" ይብል ዱኪች፡

እዚ ማለት ኦክሳሌት ናብ ደም ከይምጠጥን ናብ ሽንቲ ከይሓልፍን ይከላኸል እዩ።

"ካልሲየም ድማ ካብ መመላእታታት ዘይኮነስ ካብ ከም ጸባ ዝኣመሰሉ መግቢታት እንተተረኸበ ይሓይሽ፤ መመላእታታት ብትኽክል እንተዘይወሲዶም ዝለዓለ ሓደጋ ጸጸር ከስዕቡ ተኽእሎ ኣሎ።"

  • ፍረታትን ኣትክልትን

ብዙሕ ፍረታትን ጽሕግታትን ዘጠቓልል ኣመጋግባ፡ ብሰንኪ ጸጸር ኩሊት ናብ ሆስፒታል ካብ ምኻድ ዘድሕን ከምዝዀነ እቲ ክኢላ የመልክት።

"ብሓፈሻ ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ክፋላት ፍረታትን ኣሕምልትን ክንምገብ ይምክር።"

"ከምኡ'ውን ኣብ መግቢ ወይ መስተ ጽማቝ ለሚን ምውሳኽ፡ ተፈጥሮኣዊ ተዓጻጻፊ ጸጸር ዝኾነ ሲትሬት ስለዘለዎ ጠቓሚ ምዃኑ እዩ ዝእመን።"

ኣብ ሓደ ሊትሮ ማይ 60 ሚሊ ሊትር ጽማቝ ለሚን ምውሳኽ ድማ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ይንገር።

ብፍላይ ደቂ ተባዕትዮ ክጥንቀቑ ኣለዎም ድዩ?

"ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዕድሚኦም ዝያዳ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዕጽፊ ጸጸር ኩሊት ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ኣለዎም" ይብል ዱኪች።

"ደቂ ተባዕትዮ ብተለምዶ ዝለዓለ ፕሮቲንን እንስሳታት ጨውን ዘለዎም መግብታት ይምገቡ እዮም። እንተኾነ ግን ልዑል ሓደጋ ብባዮሎጂን ጀነቲክስን እውን ክጽሎ ተኽእሎ ኣሎ።"

እቲ ክኢላ ከምዝብሎ፡ "ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ከም ክራሸን ሕማም ሽኮርን ዝኣመሰሉ ጸገማት ከማዕብሉን ዝያዳ ካልሲየምን ኦክሳሌትን ምስ ሽንቲኦም ክፍንዉን ዘሎ ተኽእሎ ልዑል እዩ"።

"ንኹሉ ጾታታት፡ ብዙሕ ፈሳሲ ዘጠቓልል ሚዛናዊ ኣመጋግባ ዝበለጸ መከላኸሊ ጸጸር ኩሊት እዩ" ይብል።

መተሓሳሰቢ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ካብ ሓኪምን ክኢላ ኣመጋግባን ንዝወሃብ ግቡእ ሕክምናዊ መርመራ ወይ ምኽሪ ኣመጋግባ መተካእታ ኣይኰነን። ዝተመጣጠነ ደገፍን ምኽርን ንምርካብ በጃኹም ንሓፈሻዊ ሓኪም ተወከሱ።