እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ውጹልና፡ እተዘኰይኑ ክንቅትለኩም ኢና' ዝጋፍዑ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን
እዚ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ፡ ማንዴራ ኣብ ዝተበሃለ ክልል [ካውንቲ] እዩ ኣጋጢሙ።
ኢትዮጵያውያን፡ ካብቲ ከባቢ ብቕልጡፍ እንተዘይወጺኦም ክቕተሉ ምዃኖም መጠንቀቕታ ከምዝተዋህቦም ተገሊጹ ኣሎ።
"ህይወትና ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ" ክብሉ ድማ ስሞም ከይጥቀስ ዝደለዩ ኢትዮጵያውያን መሰኻኽር ዓይኒ ቢቢሲ ገሊጾም።
ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ነቲ ኵነታት ይከታተሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሓደ ካብቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኢትዮጵያውያን መሰኻኽር ኣቦ ክልተ ቆልዑ ኮይኑ፡ ኣብ ማንዴራ ንሸሞንተ ዓመታት ከምዝነበረ ይዛረብ።
"ሞተር ዓዲግና፡ ሆቴል ከፊትና እናሰራሕና ነይርና። መበገሲኡ ኣይፈለጥናን ግን 'ኢትዮጵያዊያን ይውጽኡ' ኢሎም ተላዒሎም" ክብል ገሊጹ።
ኣብ ክልል ማንዴራ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ይግለጽ።
"ብዝሒ ኢትዮጵያውያን 10 ሽሕ ይግመት" ይብል እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኢትዮጵያውያ።
"ኢትዮጵያውያን ኣይንደልን፤ ይውጽእሉና። ሃገርና ይቈፃፀሩዎ ኣለዉ ኢሎም እዮም ፀሊኦምና" ይብል እቲ ስደተኛ።
ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መብርሂ ክሓትቱ ምስ ፈተኑ "ንሽማግለታት ሃገር ኣማኽሩ" ተባሂሎም።
ወሲኹ ድማ ገለ ኢትዮጵያውያን ናብቶም ሽማግለታት ምስ ከዱ "ክንርእየኩም ኣይንደልን፤ ካብ ሃገርና ውጹ" ከምዝተበሃሉ ሓቢሩ።
ኣብ ማንዴራ ካውንቲ ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼባታት፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ዘፈር መጓዓዝያ ሞተር ሳይክልን ሆቴልን ይሰርሑ ከምዘለዉን፡ "እንታይ ሰሪሕና ክንበልዕ?" ዝብል ጥርዓናት ከምዝቐረቡን ጠቒሱ።
'ክሳብ 5 ጥሪ እንተዘይወጺእኹም ክንቅተለኩም ኢና'
"እዚ ሕጂ 'ውጹሉና' ዝብል ወፍሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ኢትዮጵያዊ ምቕታሉ ስዒቡ እዩ" ይብል ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስደተኛ ነበሪ።
"ሬሳ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ክንሰድ ኣይፈቐዱልናን" እውን ኢሉ።
እቲ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ወሲኹ፡ ኣብ ቡራቡር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ከም ዝተቐትለ ብምጥቃስ፡ "እቲ ዝተተኮሰቶ ጥይት ካብ ኣካላቱ ከም ዝተኣልየት" ከምኡው'ን መርመራ ሬሳ ከም ዘይተገብረን ከምዝተነግሮምን ገሊጹ።
ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ነበርቲ ምስ ቐበርዎ፡ "ኢትዮጵያውያን ኣይንደልን ኢና፤ ውጹልና" ዝብል ጎስጓስ ከምዝተጀመረ እውን ይዛረብ።
ኢትዮጵያውያን ካብ ግዝኣት ማንዴራ ንኽወጹ ዝተቐመጠ 'ናይ መወዳእታ ግዜ' 5 ጥሪ ከምዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ ነባሪ፡ ብድሕሪ'ዚ፡ እቶም ስደተኛታት ነበርቲ እቲ ከባቢ "ብእምኒ ተቐጥቂጦም ክቕተሉ" ኣለዎም ዝብል ወፍሪ ከምዝተጀመረ ይዛረብ።
"እቲ ውሳነ ካብ ዓበይቲ ዓዲ ዝመጸ እዩ። ኣካላት መንግስቲ ዝተሳተፍዎ ይመስል። እናኣሰሩ ክሳብ 20 ሽሕ [ሽልንግ - ባጤራ ኬንያ] ይሓቱ ኣለዉ። ዝኸፈለ ይፍታሕ፡ ገንዘብ ዘይብሉ ክሳዕ ክልተ ኣዋርሕ ይእሰር" ይብል ነባሪ እቲ ከባቢ።
ቅድሚ ሕጂ እውን 'ካብ ሃገርና ይውጽኡ' ዝብል ጎስጓስ ከምዝነበረ ዝጠቐስ እቲ ኢትዮጵያዊ፡ ሕጂ ግን "ኣዝዩ ሓያል" ስለዝኾነ "እቲ ኩነታት ንህይወትና ኣብ ሓደጋ የውድቕ ኣሎ" ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።
ኣብዛ መዋስንቲ ዝኾነት ግዝኣት ኬንያ፡ ኢትዮጵያውያን ዝበዝሑ ኣብ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዘይስሩዕ ስራሕቲ ከምዝዋፈሩ ዝጠቐሰ እቲ ነባሪ፡ እቲ ወፍሪ ምስተጀመረ፡ ኣስራሕቲ ብቕልጡፍ ደሞዞም ከፊሎም ካብ ማንዴራ ክወጹ ክገብሩ ብሽማግለታት ከምዝተነግሮም ገሊጹ።
'ኣማራጺ የብልናን'
እቶም ስደተኛታት ኣብ ግዝኣት ማንዴራ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ድሮ ከምዝወጽኡን ገሊኦም ድማ ክወጹ ይሸባሸቡ ከምዘለዉን እቶም ስደተኛታት ይገልጹ።
እቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተቐትለ ኢትዮጵያዊ ፍትሒ ከምዘይረኸበ ዝተሓተተ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ብወገኑ፡ ". . . ደም ወዲ ሰብ ፈሲሱ ሬስኡ ናብ ሃገር ንክኣቱ እንተዘይተሓቲቱ፡ መንግስቲ ከምዘይብልና እዩ ዘርኢ" ክብል ንቢቢሲ ምላሽ ሂቡ።
ምክትል ሓላፊ ኣምባሳደር፡ ደመቀ ኣጥናፉ፡ "ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢርና ኣለና። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርናዮ፡ ንምምሕዳር ማንዴራ'ውን ሓቢርና ንከታተሎ ኣለና" ኢሉ።