ኣብይ፡ ንኤርትራ ብስም ከይጠቐሰ 'ኣብ ግዜ ተዓኒዳ ዘላ ሃገር' ክብል ገሊጹ

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተሪር መጥቃዕቲ ቃላት ብምፍጻም፡ ክሳብ ሕጂ ነተን ግዜአን ዝሓለፈን ሚግ-21 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ እትውንን ሃገር ምዃና ብምግላጽ፡ ነታ ዝተራቐቓ SU-30 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ዝዓጠቐት ሃገሩ ክትደፍር ክትሓስብ ከምዘይብላ ኣጠንቂቑ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብ 24 ጥሪ መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስምዖ ብተለቪዥን ኢትዮጵያ ብቐጥታ ዝተፈነወ መደረኡ፡ ኢትዮጵያ "ዝተዋህበ መሬት ንምምላስ ካብ እትገብርዎ ጻዕሪ ደው ከምዘይትብል" ኣጠንቂቑ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓይልታት ኣየር ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ SU 27, SU 30ን ካልኦት ዝማዕበላ ነፈርቲ ውግእን ዘሳተፈ ምርኢት ኣየር ኣካይዶም።

መግለጺ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ነዚ መግለጺ'ዚ ዝህብ ዘሎ፡ ኣብቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ልዑላዊ ተበጻሕነት ንኽህልዋ ነቲ ኣቐዲሙ "ብዘይፍትሓዊ መንገዲ" ንኤርትራ ዝተዋህበ ዝብልዎ ወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ንምርካብ ብዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ምስ ኤርትራ ዝተፍጥረ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ጸላእትና ንኢትዮጵያ ንምድኻምን ስትራተጂያዊ ረብሓታታን ንምጕዳእን ካብ ሃብታ ንምምዝማዝን ንዝሓለፉ 100 ዓመታት ኣበርቲዖም ሰሪሖም እዮም" ክብል ተዛሪቡ።

"ሓድነት፡ ክብርን ሃገራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ንምርግጋጽ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ዕረፍቲ ከምዘይንህብ ንጸላእትና ደጊመ ከረጋግጽ እፈቱ" ይብል ኣቢይ።

"ፈተውትን ጸላእትን ክፈልጥዋ ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ፡ ንኢትዮጵያ ኣጸቢቕና ከምዘይንፈልጣ'ዩ። ኢትዮጵያ ብቝጠባ፡ ብታሪኽን ብዓቕምን ካብ እትፈልጥዋ ንላዕሊ እያ።

ኢትዮጵያ ትዓቢ ዘላ ሃገር እያ፣ ምሳሌ ህዳሰ ኣፍሪቃ'ያ። እቲ እንኮ ኣማራጺ ምስ ከምዚ ዓይነት ሃገር ሓቢርካ ምንባርን ምዕባይን ጥራይ'ዩ፡ ምኽንያቱ ዝዀነ ካልእ ኣማራጺ ዕንወት ጥራይ ከስዕብ ስለ ዝኽእል" ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣብይ ኣብ መደረኡ ንጐረቤት ሃገር ኤርትራ ብስም ከይጠቐሰ ኣብ ግዜ ተዓኒዳ ዘላ ሃገር ክብል ገሊጽዋ።

"እቶም ኣብ ግዜ ተዓኒድኩም ንቕድሚት ክትስጕሙ ዘይትኽእሉን [ከም] SU 30: J-10C ወይ ልዕሊኡ ምዕቡላት ነፈርቲ ውግእ ዝቃለሳ ዘለዋ ዝገርመኩም ግን ከኣ ክሳብ ሕጂ ምስ MiG-21 ትቃለሱ ዘለኹም፡ ብተደጋጋሚ ክትሓስቡን ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ተደሪታ ዘላ ሃገር ከምዘይኮነት ክትግንዘቡን ይግባእ።"

"ኢትዮጵያ ንርእሳ ከተሐድስ እትጽዕር ሃገር እያ። ዘይናታ ዘይትምነን ብፍላጥ ይዅን ብገርህነትን ናታ ዘይትህብን፤ ድሮ ዝተዋህበ [መሬት] እንተሃልዩ ድማ ዘይትሓድግ እያ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ዝርከብዎም ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናትን፡ ብተደጋጋሚ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝሰኣኑሉ፡ "ዘይፍትሓዊ ክሳራ" ዝበልዎ ተበጻሕነት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ክተዃቱዅ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ኤርትራ "መርዛም ኣጀንዳ ግዝኣታዊ ምስፍሕፋሕ" ብምባል ክትኵንኖ ጸኒሓ እያ።