ኣብ ሓደ ወለዶ ዝተራእየ ዕልቕልቕ - 'ሰባት ኣብ ኣግራብ ተንጠልጢሎም ተሪፎም'

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሞዛምቢክ፡ ኣብ ሓደ ወለዶ ዝተራእየ ዝኸፍአ ዕልቕልቕ ውሕጅ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ኣግራብ ተንጠልጢሎም ከይተረፈ ይድሕኑ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ካብ ብራዚል፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ዓባይ ብሪጣንያን ዝተዋፈራ ኣሃዱታት ህይወት ኣድሕን፡ ኣብ ስርሒታት ህይወት ኣድሕን ክተሓጋገዛ ድሮ ተዋፊረን ጸኒሐን ኣለዋ።

24 ዝዕድመኡ መካኒክ ቶማስ ኣንቶንዮ፡ "ከምዚ ዝኣመሰለ ዕብየት ዘለዎ ሓደጋ ንዓይ መጀመርታ እዩ፤ ሽማግለታት ዓድና ኣብ 1990ታት ተመሳሳሊ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ክዛረቡ ሰሚዐ ኣለኹ፡" ይብል።

ካብ ርእሰ ከተማ ማፑቶ ንሰሜን 30 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ማራኩወነ ምስ ስድራኡ ዝነብር ቶማስ፡ ገማግም ሩባ ኢንኮማቲ ድሕሪ ምፍንጃሩ፡ ገዝኦም ብማይ ከምዘዕለቕለቐ ይነግር።

"ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ጃልባ ህይወት ኣድሕን ምስ መጸት፡ ኣብኣ ተሰቒልና ናብ ውሑስ ቦታ ክንወጽእ ኣይተማታእናን" ብምባል፡ ኵሉ ንብረቶም ክገድፉ ግድን ከም ዝነበረን፡ ዝተወሰነ ቅያር ክዳውንቲ ጥራይ ከውጽኡ ከም ዝኸኣሉን ገሊጹ።

ቶማስ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ኣብ ሓንቲ ካብተን ክሳብ ሕጂ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት ኣዕቍበን ዘለዋ ሽዱሽተ ማእከላት - ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ክርስትያናትን - ኣጽሊሎም ኣለዉ።

ብዙሓት ካብቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ግዋዛሙቲኒ ተዓቝቦም ዘለዉ ሰባት፡ ካብቲ ብመፍረ ጥሪትን ግራውቲ ሩዝን ዝፍለጥ ታሕታይ ከባቢታት እታ ሃገር ዝመጽኡ ሓረስቶት እዮም።

"ብሰንኪ'ቲ ውሕጅ ኵሉ ዝነበረና ስኢንና፣ ኣባይቲ፡ ቲቪ፡ ፍሪጅ፡ ክዳውንትን ጥሪትን - ከብቲ፡ ኣጣልን ሓሰማታት - ኵሉ። ሕርሻታትና ብማይ ኣዕለቕሊቝ። ኣነ ሓረስታይ እየ፣ ብሉጽ ሩዝ እየ ዘፍሪ፡" ይብል - ወዲ 67 ዓመት ፍራንቸስኮ ፈርናንዶ ቺቪንዲዚ።

"እቲ ውሕጅ ኣብ ዘይተጸበናዮ ቍመት በጺሑ፣ ኣብ ዕድመይ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሕጅ ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን" ይብል ፍራንቸስኮ።

"ኣብዚ ኣብ ዝበረኸ ቦታታት ብምህላውና ሕጕሳት ኢና፣ እንተዀነ ኵሉ ንብረትን ጥሪትናን ድሕሪት ተሪፉ ብምህላዉ ኣዚና ንስከፍ።"

ሓረስታይ ፍራንቸስኮ፡ ነቶም ንዕኡን ንጐረባብቱን ብነጻ ክሕግዙ ዝመጹ ወነንቲ ጀላቡ ምስጋናኡ ብምግላጽ፡ ካልኦት ድማ ንነብሶም ከድሕኑ ተማሕጺኑ።

"ገና ገለ ሰባት ኣይንወጽእን ዝበሉ ከምዘለዉ ንሰምዕ ኢና፣ ኣብ ርእሲ ኣግራብን ይዅን ኣብ ናሕሲታት ተንጠልጢሎም፤ ነቶም ረድኤት ዝህቡ ሰባት ሰሚዖም ኣብዚ ግዝያዊ መዕቆቢ እንተዝጽንበሩና ጽቡቕ ምዀነ፣ ልዕሊ ንብረት ንህይወት ዋጋ ክንህቦ ይግባእ" ይብል እቲ ኣቦ ትሽዓተ ውሉዳት።

ኣብቲ ብውሕጅ ዝተሃስየ ከባቢታት፡ ኣሽሓት ዝዀኑ ሰባት ከምዝተረፉን፣ ንኸድሕንዎም ይረባረቡ ከም ዘለዉን ሰበስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ።

ኣብ ደቡባውን ማእከላይን ዞባታት ብፍላይ - ካብ 7 ጥሪ ጀሚሩ - ብውሕዱ 642,122 ሰባት ብውሕጅ ከምዝተሃስዩ ፣ ክሳብ ሕጂ 12 ሰባት ከምዝሞቱ ካብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ምሕደራን ምንካይን ሓደጋታት ዝተረኽበ ግዝያዊ መረዳእታ የመልክት።

ኣብ ሞዛምቢክ ወቕቲ ዝናብ ኣብ ጥቅምቲ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብድምር 125 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

ከንቲባ ሲዳት ኣብታ ምንጪ ሩባ ኢንኮማቲ ዝዀነት ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ እቲ ኵነታት ክገድድ ከምዝኽእል ስግኣቱ ይገልጽ።

ገለ ብኣየር፡ ካብ ላዕሊ ዝተወስደ ኣሳእል ከምዘመልክቶ፡ ኣብቲ ዕልቕልቕ ኣማኢት ስድራቤታት ተቘሪጸን ተሪፈን ኣለዋ።

መጓዓዝያ መካይን እውን ኣብቲ ከባቢታት ተቛሪጹ'ሎ፤ ብሰንኩ ድማ ሕጽረት ቀረባትን ናህሪ ዋጋታትን ይርአ ከምዘሎ ነበርቲ ይገልጹ።

ፖሊስ ኰይና ኣብ ትርፊ ግዜኣ ኣብ ሕርሻ እትነጥፍ ሚቪንጋ፡ ኣብ ከተማ ማራኩወነ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበረትሉ ገዛኣ ብውሕጅ ከምዘዕለቕለቐ ትገልጽ።

እንተዀነ፡ ብሰንኪ ቀጻሊ ክዘንብ ዝጸንሐ ዝናብ ደቃ ምስቶም ኣብ በረኽቲ ቦታታት ዝነብሩ ስድራኣ ንኽጸንሑ ኣግዒዛቶም ከምዝነበረት እትገልጽ፡ እታ ጓል 32 ዓመት ሚቪንጋ፡ ንሳቶም'ውን ከይተረፈ በቲ እናኸበደ ዝመጸ ማያት ከምዝተሃስዩ ተረድእ።

ሚቪንጋ፡ ተምሃሮ ኣብ ቀረባ እዋን ትምህርቲ ክጅምሩ ከምዝተሓሰበ ብምግላጽ፡ ሰበስልጣን ቀዋሚ ኣማራጺ መንበሪ ክረኽበሎም ትምሕጸን።

"ውሕጅ ክሃድእ ከሎ፡ ኵሉ ሰብ ናብ ዓዱ ክምለስ እዩ ዝፈቱ ዝብል እምነት ኣለኒ፡ ግን ኣዝዩ ሓደገኛ'ዩ፤ ሰበስልጣን ኣብ ውሑስ ከባቢ ካልእ ቦታ እንተዝህቡና፣ ናብቲ ሓደገኛ ከባቢ ንስርሓት ሕርሻ ጥራይ ምኸድና፣ ናብራና ግን ኣብ ውሑስ ከባቢ ምገበረና፡" ትብል እታ ኣባል ፖሊስን ሓረስታይን ሚቪንጋ።