እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ደጋጊሙ ዘልዕሎ 'ዝሑል ኲናት' እንታይ እዩ?
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዘካይዶ ቃለመሕትት ይዅን ወግዓዊ መደረታት፡ ንዝሑል ኲናት መእተዊ ክገብር፣ ወይ ንህሉው ዓለማዊ ኰነ ዞባዊ ፖለቲካዊ ዳይናሚክስ ኣተኣሳሲሩ ክዛረብ ብቐጻሊ እዩ ዝስማዕ።
እዚ ዝሑል ኲናት ግን እንታይ እዩ? ብዛዕባኡኸ ማዕረ ክንደይ ኢና ንፈልጥ?
መብዛሕትና ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ብዛዕባ ዝነበረ ዓበይቲ ፍጻመታትን ስነ-ሓሳባዊ ግርጭታትን ንፈልጥ ኢና።
ዝሑል ኲናት ግን ብዙሓት ዘይንፈልጦ መዳያት ዘጠቓልል እዩ።
እዚ ኲናት እዚ ኣብ መንጎ ኣመሪካ እትመርሐን ምዕራባውያን ሃገራትን ሕብረት ሶቭየትን ዝነበረ ምትፍናን ዝፈጠሮ ዝመስለና ብዙሓት ኢና።
ዝሑል ኲናት ግን በዚ ሻቕሎት ጥራይ ዝግለጽ ኣይነበረን።
ጽልዋኡ ሕጂ'ውን ከይተረፈ ኣብ መላእ ዓለም ይንጸባረቕ ኣሎ።
ንምዃኑ ዝሑል ኲናት እንታይ እዩ? ብኸመይ ተበጊሱ? ሕጂኸ ኣብ ምንታይ ኵነታት ይርከብ?
እዚ ዛንታ እዚ፡ ኣስታት 76 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ፡ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ካብ ዝነበረ ኵነታት ይጅምር። እዚ ጽሑፍ ድማ ነቲ ኵነታት ብዝርዝር ዝድህስስ እዩ።
ኣብቲ እዋን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን (ምዕራብ ጀርመን) ከምኡ'ውን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ጀርመን (ምብራቕ ጀርመን) ዝተመስረታሉ እዋን እዩ ነይሩ።
ምዕራብ ጀርመን ካብ እንግሊዛውያን፡ ፈረንሳውያንን ኣመሪካውያንን ዝቈጻጸርዎም ከባቢታት ጀርመን ዝተመስረተት እያ። ምብራቕ ጀርመን ድማ ካብቲ ሕብረት ሶቭየት ዝሓዘቶ ከባቢታት ጀርመን ተመስሪታ።
ከም ኣካል ናይዚ ምክፍፋል እዚ፡ መንደቕ በርሊን ወይ 'በርሊን ዎል' ኣብ 1961 ንበርሊን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሓይልታት ምፍልላይ ንምፍጣር ተሃኒጹ።
ምብራቕን ምዕራብን ጀርመን ኣብ ሕዳር 1989 መንደቕ በርሊን ክሳዕ ዝፈርስ ከም ዝተፈላለያ ሃገራት ኰይነን እየን ጸኒሐን።
እዚ ምፍልላይ`ዚ ድማ ዝሑል ኲናት እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ንምርዳእ ኣገዳሲ'ዩ። ዝሑል ኲናት ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ን40 ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት እዩ። እዚ ግጭት'ዚ ኣብ 1991 እቲ መንደቕ ድሕሪ ምፍራሱ እዩ ዳርጋ ተዛዚሙ።
ዝሑል ኲናት እንታይ'ዩ?
ዝሑል ኲናት ካብ 1940ታት ክሳዕ 1991 ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራባውያን ሃገራትን ዝነበረ ምፍልላይ ዘርኢ ኵነታት'ዩ።
እዚ ኣብ መንጎ ዴስነትን ርእሰማልነትን ዝተኻየደ ኲናት፡ ብልክዕ ዝጀመረሉ መዓልቲ ምግላጽ ኣጸጋሚ እዩ።
ሩስያውያን ካብ 1922 ክሳዕ 1991 ዴሳዊ መንግስቲ ከተግብሩ እንከለዉ፡ ከም ኣመሪካ ዝኣመሰላ ምዕራባውያን ሃገራት ድማ ብርእሰማልነት ይመሓደራ።
ኣብ ምሉእ ዝሑል ኲናት፡ ዴሳውያንን ርእሰማላውያንን ሃገራት፡ ብሉጽ ቴክኖሎጂታት ከምኡ'ውን ኣጽዋር ንምምዕባል ክወዳደራ፡ ንሓድሕደን ክብድሃ ይጽዕራ ነይረን።
ኣብ መንጎ ርእሰማልነትን ዴስነትን ዘሎ ፍልልይ?
ብርእሰማልነት ኣብ ዝመሓደር ስርዓት፡ዜጋታት ኣብ ናይ ገዛእርእሶም ንግዲ ክነጥፉን ሃብቲ ከጥርዩን ይፍቀደሎም፤ ኣብ ዴሳዊ ስርዓት ግን ትካላት ንግዲ ብመንግስቲ ዝውነና ክዀና እንከለዋ፡ ካብአን ዝርከብ ዝዀነ ሃብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ህዝቢ ከም ዝቈጻጸሮ ይእመን።
ኣብ ርእሰማልነት፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝውክሉ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ክህልዉ ይኽእሉ። ኣብ ዴስነት ግን ሓላፍነት ዝወስድ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ጥራይ ይህሉ።
ርእሰማልነት፡ መንግስታት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ክምረጹ፡ መሰላትን ናጽነታትን ከኽበሩ፡ ፕረስ እውን ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ከስተማቕር የተባብዕ። ኣብ ዴስነት ግን ዜጋታት ኣብ ምርጫ ክሳተፉን ምርጫኦም ክውስኑን ዝኽእልሉ ዕድል የሎን። ካብ ውልቃዊ ናጽነት ንላዕሊ ንመንግስቲ ምግልጋልን ንሓለፍቲ ምምእዛዝን ኣገዳሲ እዩ። መራኸብቲ ብዙሓን እውን ብሰበስልጣን ቍጽጽር ይግበረሎም እዩ።
መበገሲ ዴስነት
ዝሑል ኲናት ንምንታይ ከም ዝጀመረ ንምርዳእ ኣብ ሩስያ ዴስነት ካበይ ከም ዝነቐለ ምርዳእ የድሊ።
ብ1917 ድሕሪ ሰውራ ጥቅምቲ ወይ 'ኦክቶበር ሪቮልዩሽን' ቦልሸቪካውያን ኣብ ሩስያ ስልጣን ሒዞም ዴስነት ዝበሃል ሓድሽ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣተኣታትዮም።
ኣብ ዝቐጽሉ ዓመታት ቻይና፡ ሰሜን ኮርያን ኩባን ዝርከብአን ካልኦት ሃገራት እውን ዴስነት ተቐቢለን።
ኣብ 1922 ሩስያ፡ ምስተን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ዝነበራ ሃገራት ብሓባር ማሕበርነታዊ ሪፓብሊካዊ ሕብረት ሶቭየት ኣቝማ። እዚ ድማ ዴሳዊ ጕጅለ ስለ ዝነበረ ምስ ምዕራባውያን፡ ርእሰማላውያን ሃገራት ይዅን ኣገባብ ኣመሓዳድራ እዘን ሃገራት ዝሰማማዕ ኣይነበረን።
ዝሑል ኲናት ስለምንታይ ተጀሚሩ?
ዝሑል ኲናት ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝጀመረ'ኳ እንተዀነ፡ መሰረታቱ ግን ካብዚ ኣቐዲሙ ዝብገስ እዩ።
ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ዘይተለምደ ነገር ኣጋጢሙ። ሂትለር ነቲ ሕብረት ሶቭየት እትቈጻጸሮም ግዝኣታት ክወርር ምስ ጀመረ፡ ሕብረት ሶቭየት ኣንጻር ጀርመን ኣብ እተካይዶ ኲናት፡ ምስታ ፖለቲካዊ ጸላኢታ ዝዀነት ብሪጣንያ ተጸንቢራ።
ጃፓን ኣብ ታሕሳስ 1941 ንፐርል ሃርበር ብቦምባታት ምስ ደብደበት፡ ኣመሪካ ናብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተጸንቢራ። ሽዑ ሕብረት ሶቭየት ምስታ ፖለቲካዊ ጸላኢታ ዝዀነት ኣመሪካ እውን ክትሓብር ገይርዋ።
እንግሊዝ፡ ኣመሪካን ሶቭየትን ብሓባር፡ ዓቢ ኪዳን ብዝብል መጸውዒ ኣንጻር ናዚ ዝቃለሳ መሻርኽቲ ኰይነን። ነዚ እዩ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ምጅማር ዝሑል ኲናት 1941 እዩ ዝበሃል።
ኣብ 1943ን 1945ን ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ኣኼባታት፡ መራሕቲ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ተራኺቦም ነይሮም። እዚ ኣኼባ ምስቶም ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ናዚ እንታይ ዓይነት ርክብ ከም ዝህልዎም ንምውሳን እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ድማ ዊንስተን ቸርችል ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፍራንክሊን ሩዝቨልት ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆሴፍ ስታሊን ድማ ቀዳማይ ምኒስተር ሕብረት ሶቭየት ነይሮም።
እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን ግን እቶም መራሕቲ ተቐይሮም ነይሮም። ኣብ 1945 ኣብ ፖትስዳም በርሊን ኣገዳሲ ኣኼባ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ (ክሌመንት ኣትሊ)ን ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካን (ሃሪ ኤስ ትሩማን) ነይሮም።
ፕረዚደንት ትሩማን ካብ ፕረዚደንት ሩዝቨልት ንላዕሊ ብዛዕባ ስታሊንን ንማሕበርነት ዘለዎ ጽልእን ብግልጺ ይዛረብ ነይሩ። ብሪጣንያን ኣመሪካን፡ ስታሊን ድሕሪ ኲናት ሕብረት ሶቭየት ኣብ ትቈጻጸሮ ከባቢታት ምርጫ ክካየድ ክፈቅድ እየ ምባሉ ኣይኣምናን ነይረን። እዚ ድማ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተሰማምዕሉ ነገር ነይሩ።
ስታሊን፡ ኣብ እዋን ኲናት ከይተረፈ ንምብራቕ ኤውሮጳ ክቈጻጸር መደብ ነይርዎ። ሶቭየት ንናዚ ንድሕሪት መለስዎም፣ ሰፊሕ ክፋል ምብራቕ ኤውሮጳ ክቈጻጸሩ ጀሚሮም ነይሮም። ድልየቶም ኣብዘን ከባቢታት ድማ ማሕበርነታዊ ስርዓት ከስፍኑ እዩ ነይሩ።
እዚ ኣብ ኣመሪካን ብሪጣንያን ስክፍታ ኣስዒቡ። እንተዀነ፡ እቲ ዓቢ ኪዳን ኣብ ልዕሊ ጃፓን ገና ዘይተዓወተ ስለዝነበረ ግን ብሓባር ክቕጽል ነይርዎ።
ኣብ 1945 ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጃፓን ክልተ ኣቶማዊ ቦምባታት ኣውዲቓ - ኣብ ከተማታት ሂሮሺማን ናጋሳኪን፤ ኣስታት 214,000 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት ጃፓን ኢዳ ሂባ። ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጃፓን ዝደርበየቶም ቦምባታት ኣቶም፡ ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃናን ንሕብረት ሶቭየት ንኽተርኢ ዝዓለመ ከም ዝነበረ ገለ ሰባት ይዛረቡ።
ካልኣይ ኲናት ዓለም ድሕሪ ቍሩብ ግዜ ተዛዚሙ።
ኣብ መንጎ ዓቢ ኪዳን ዝነበረ ዝምድና ግን ወጥሪ ዓሲልዎ - ዝሑል ኲናት ተጀሚሩ።
ዝሑል ኲናት ይጅምር
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ምዕራባውያን መሻርኽቲ ሃገራት ኣብ ብዙሕ ክፋላት ኤውሮጳ፡ ምልካዊ ስርዓት ናዚ ብማሕበርነታዊ ምልኪ ይትካእ ኣሎ ዝብል ስክፍታ ሓዲርወን።
ኣብቲ እዋን ዳግማይ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበረ ቸርችል፡ ኣብ 1946 ኣብ መላእ ኤውሮጳ "መጋረጃ ሓጺን" (ኣይረን ከርተን) ከም ዝወረደ ኣዊጁ። ምኽንያቱ ድማ ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ዝተፈጥረ ምክፍፋል እዩ ነይሩ።
ኣብ መንጎ 1945ን 1948ን ሶቭየት ኣብ ኣልባንያ፡ ቡልጋርያ፡ ምብራቕ ጀርመን፡ ሮማንያ፡ ፖላንድ፡ ሃንጋሪን ቸኮዝሎቫክያን ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ዴሳዊ ስርዓት ክዝርጋሕ ገይራ። እዚ ድማ ሕብረት ሶቭየት ኣብ መጻኢ ካብ ምዕራብ ንዝመጽኡ ወራራት ዝዓግት መከላኸሊ ዞባ ክትረክብ ገይርዋ።
ግሪኽ እውን ቀጺላ ዴሳዊት ሃገር ከይትኸውን ስግኣት ነይሩ። እንግሊዝ፡ እዚ ንኸይኸውን ክትዓግት ዘኽእላ ገንዘብ ኣይነበራን። ስለዚ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ዴስነት ብቕልጡፍ ምዝርግሑ ከጨንቐን ጀሚሩ።
ኣብ መጋቢት 1947 ኣመሪካ ብፕረዚደንት ትሩማን ኣቢላ ዝርግሐ ዴስነት ንምዕጋት ቃል ኣትያ። እዚ መደብ 'ትሩማን ዶክትሪን' ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣብታ ዓመት ኣብ ሰነ፡ ፕረዚደንት ትሩማን ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ክግበር ከም ዝኽእል ንኸጻሪ ንጀነራል ጆርጅ ማርሻል ለኣኾ።
ነዚ ስዒቡ ማርሻል፡ 'ማርሻል ኤይድ' ብዝብል ዝጽዋዕ መደብ ክትግበር ሓሳብ ኣቕሪቡ። እዚ መደብ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሕውየት ንኽረኽባን ስርዓት ዴስነት ንኽነጽጋን ገንዘብ ዝህብ እዩ።
ብ1947 `ስታሊን ኮሚንፎርም` ብዝብል ዝጽዋዕ ኪዳን ዴሳውያን ሃገራት ኣቚሙ፤ እዘን ሃገራት ሓገዝ ማርሻል ከይሓትታ ድማ ከልኪሉ። ሶቭየት ድሕሪኡ ኣብ ጥሪ 1949፡ ዴሳውያን ሃገራት ኣብ ጐድና ምእንቲ ክዀና፡ ኮመኮን ዝበሃል ባይቶ ኣቚማ ።
ብኻልእ ኣበሃህላ ምዕራባውያንን ሶቭየትን ደገፍ ሃገራት ንምርካብ ይጽዕራ ነይረን።
በርሊን ኣብ ዝሑል ኲናት ስለምንታይ ኣዝያ ኣገዳሲት ኰይና?
ኣብ መንጎ ሃገራት ምዕራብን ሶቭየትን ኣብ ዝተገብረ ግጭት፡ በርሊን ኣዝያ ኣገዳሲት ከተማ ኰይና ወጺኣ።
ጀርመን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ መንጎ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ሩስያን ኣብ ኣርባዕተ ተኸፋፊላ ነይራ።
ከተማ በርሊን እውን ኣብ ክልተ ተኸፋፊላ፤ እቲ ምዕራባዊ ክፋል እታ ከተማ ብኸባቢታት ሶቭየት ዝተኸበበ ነይሩ። ምዕራባዊ ክፋል በርሊን ኣብ ምክልኻል ዞባ ሶቭየት ናይ መወዳእታ ኣገዳሲ ክፍተት ስለ ዝነበረ፡ ስታሊን ክቈጻጸሮ ድሌት ነይርዎ።
ኪዳን ሃገራት ካብ ማርሻል ኤይድ ዝተረኸበ ገንዘብ ተጠቒመን ጀርመን ድሕሪ ኲናት ንኽትሓዊ ሓጊዘን።
እቲ ሕብረት ሶቭየት እትቈጻጸሮ ከባቢታት ግን ድኻ ስለ ዝነበረ፡ ዴስነት ከም ሕማቕ ስርዓት ክርአ ደሪኹ።
ስታሊን ድማ ንበርሊን ክቈጻጸር ተላዒሉ። ነዚ ዘስተብሃላ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ኣመሪካን ኣብ ሰነ 1948 ኣብ ጀርመን ዝቈጻጸርኦም ከባቢታተን ብሓደ ብምጽንባር፡ ኣብቲ እዋን ምዕራብ ጀርመን ተባሂላ እትፍለጥ ሃገር መስሪተን፤ ምዕራብ በርሊን ድማ ርእሰ ከተማ ምዕራብ ጀርመን ኰይና።
ኣብ መንጎ 1949ን 1961ን ዝሓሸ መነባብሮ ተስፋ ዝገበሩ ኣስታት 2.7 ሚልዮን ዝግመቱ ምብራቕ ጀርመናውያን ናብ ምዕራብ ጀርመን ሰጊሮም።
እዚ ነገር ንስታሊን ባህ ኣይበሎን። ስለዚ፡ ብ23 ሰነ 1948 ነቲ ናብ ምዕራብ ዝወስድ መንገዲን ባቡር ክቋረጽ ገይሩ። እዚ ድማ 'ዕጽዋ ምዕራብ በርሊን' (በርሊን ብሎኬድ) ብዝብል ይፍለጥ።
እዚ ማለት ናብ ምዕራብ በርሊን ምብጻሕ ዝከኣል ብኣየር ጥራይ ነይሩ። ምዕራባውያን ብመሬት ብሓይሊ ክሓልፉ እንተ ፈቲኖም፡ መበገሲ ካልእ ኲናት ከይከውን ስግኣት ነይርዎም። ስለዝዀነ፡ ን11 ኣዋርሕ ናብ ምዕራብ በርሊን መግብን ቀረብን ብኣየር ከብጽሓ ተገዲደን።
እቲ ዕጽዋ ኣብ ግንቦት 1949 ተላዒሉ፣ እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ጀርመን ዝነበረ ግጭት፡ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ እናገደደ ከይዱ።
ዝሑል ኲናት ይጋደድ
ከም ውጽኢት ዕጽዋ በርሊን፡ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ 1949 ውድብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ወይ ኔቶ መስሪተን።
እዚ ሕብረት ንኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ምዕራብ ጀርመን፡ ፖርቱጋል፡ ፈረንሳ፡ በልጁም፡ ሆላንድ፡ ዴንማርክ፡ ኣይስላንድ፡ ኢጣልያን ሉክሰምበርግን ዘጠቓለለ እዩ።
ሕብረት ሶቭየት ግን ናብቲ ጕጅለ ክትጽንበር ኣይተዓደመትን።
ኣብ 1953 ስታሊን ሞይቱ፤ ኣብ ክንድኡ ኒኪታ ክሩስቼቭ መራሒ ሶቭየት ኰይኑ።
ኒኪታ ክሩስቼቭ፡ ምስ ምዕራባውያን ዝምድናታት ምምሕያሽን ዝያዳ ሰላም ምምጻእን ከም ዝደሊ ተዛሪቡ'ኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ግን ኣይተፈጸመን።
የግዳስ ካብ 1953 ክሳዕ 1960 - ዝሑል ኲናት ኣዝዩ ወጥሪ ካብ ዝነገሰሎም እዋናት ኰይኑ።
ኣብ ግንቦት 1955 ክሩስቼቭ ንምስረታ ኔቶ ግብረመልሲ ሂቡ። ከም ውጽኢቱ ድማ 'ውዕል ዋርሶ' (ዋርሶ ፓክት) ብዝብል ዝጽዋዕ ወተሃደራዊ ጕጅለ ኮምዩኒስታዊ ሕብረት መስሪቱ። እዚ ሕብረት ንሶቭየት ሕብረት፡ ፖላንድ፡ ሃንጋሪ፡ ቸኮዝሎቫክያ፡ ቡልጋርያ፡ ሮማንያ፡ ምብራቕ ጀርመንን ኣልባንያን የጠቓልል። ምዕራባውያን ሃገራት ኣካል ናይዚ ሕብረት ኣይነበራን።
ነዚ ስዒቡ፡ ምብራቕ ኣንጻር ምዕራብ ዝብል ስምዒት ዝያዳ እናሓየለ ከይዱ።
ዓለም ድማ ኣብ መንጎ እዞም ዝተፈላለየ ሓሳብ ዝኽተሉ ክልተ ተጻረርቲ ወገናት ኣዝያ ተኸፋፊላ።
ክልቲኦም ወገናት ኣንጻር ሓድሕዶም ብቐጥታ ኣብ ኣካላዊ ውግኣት ይሳተፉ'ኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ዝዀነ ተጻረርቲ ሃገራት ናብ ዘይምርድዳእ እንተ ኣትየን፡ ኣዝዩ ዝኸፍአ ነገር ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ግን ኣዝዩ ክውን ኰይኑ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ግጭታት ካልኦት ሃገራት ኢድ ከእትዉ ጀሚሮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኲናት ኮርያ (1950-1953) ከምኡ'ውን ኲናት ቬትናም (1955-1975)፡ ተጻረርቲ ወገናት ኰይኖም ተጸሚዶም።
እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ምፍልላይ ክጋደድ ዝደረኸ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ 1960ታት ግን ኣብ በርሊን ዝነበረ ኵነታት ንሶቭየት ክትሓፍር ዝገብር እዩ ነይሩ።
ኣብ ነፍሲወከፍ መዓልቲ ዳርጋ 2,000 ስደተኛታት ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ይሃድሙ ነይሮም። ስለዚ፡ ክሩስቸቭ፡ ሓይሊ ሶቭየት ንምርግጋጽ፡ ስጕምቲ ክወስድ ነይርዎ።
ምዕራባውያን ኣብ ምዕራብ በርሊን ካብ ዝነበሮ ዞባ ምውጻእ ምስ ኣበዩ፡ ብ13 ነሓሰ 1961 ክሩስቸቭ 'መንደቕ በርሊን' (በርሊን ዎል) ክህነጽ ገይሩ። እዚ ማለት ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን በርሊን ዝነበረ ዶብ ዝዓጸወ መንደቕ እዩ።
ውድድር ጠፈርን ኣጽዋርን እውን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝነበረ ወጥሪ ክብርኽ ገይሩ።
ውድድር ጠፈር
ውድድር ጠፈር ማለት ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ዝግበር ውድድር ዘመልክት እዩ።
ብቐንዱ ድማ መን ኣብ ዳህሳስ ጠፈር ዓብላሊ ሓይሊ ይኸውን ዝብል ይምልከት።
ኣብ 1957 ሶቭየት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዙርያ መሬት እትዘውር ስፑትኒክ ዝተበሃለት ሳተላይት ኣወንጪፋ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ንፈለማ ግዜ ሰብ ናብ ጠፈር ሰዲዳ።
ኣመሪካ ብወገና ናይ ገዛእ ርእሳ ሰብ ናብ ጠፈር ብምልኣኽን ግብረ መልሲ ሂባ፤ ኣብ መወዳእታ 1960ታት ንፈለማ እዋን ሰብ ኣብ ወርሒ እግሩ ክረግጽ እትገብር ሃገር ከም እትኸውን ቃል ኣትያ።
ኣብ 1969 ድማ ቃላ ኣተግቢራ።
ውድድር ኣጽዋር
ብተመሳሳሊ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ምዕራብን ምብራቕን ኣብ ካልእ ውድድር ተጸሚደን ነይረን - መን ዝበለጸ ሚሳይላትን ቦምባታትን ክሰርሕ ይኽእል ዝብል ውድድር። እቲ ውድድር ኣጽዋር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ድማ እዚ እዩ።
ኣመሪካ ኣብ 1945 ኣብ ሂሮሺማ ኣቶሚክ ቦምብ ካብ እትድርቢ ኣትሒዛ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ተመሳሳሊ ኣጽዋር ክህልዋ ድሌት ዝነበራ ሕብረት ሶቭየት፡ ብ29 ነሓሰ 1949 ንፈለማ እዋን ንዩክለሳዊ ቦምባ ኣማዕቢላ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ምሉእ ዝሑል ኲናት ዝነበረ ወጥሪ ዝመልኦ ህሞታት ግን፡ እቲ ኣብ 1962 ዘጋጠመ እዩ።
እዚ ወጥሪ`ዚ ምስ ቅልውላው ሚሳይል ኩባ ይተኣሳሰር።
ኣመሪካ ንዴሳዊት ኩባ ወሪራ መራሕታ ብፍላይ ፊደል ካስትሮ ካብ ስልጣን ክትኣሊ ድሌት ነይርዋ።
ኣብ ጥቅምቲ 1962፡ ሕብረት ሶቭየት ንኩባ ኣንጻር ኣመሪካ ክትጥቀመሉ እትኽእል ሚሳይላት ምስ ኣቕረበት፡ ዓለም ኣብ ኣፍደገ ንዩክለሳዊ ኲናት ደው ክትብል ተገዲዳ።
እቲ ኵነታት ኣብ መወዳእታ እናሃድአ ከይዱ። ገለ ሰባት እቲ ወጥሪ ምህድኡ፡ ክልቲኦም ወገናት ድሒሩ ኣብ ዝሑል ኲናት ምምዕባል ኣጽዋር ኣብ ዝምልከቱ ስምምዓት ብሓባር ንኽሰርሑ መንገዲ ከም ዝኸፈተ ይዛረቡ።
ዝሑል ኲናት ብኸመይ ተዛዚሙ?
ዝሑል ኲናት ንኽዛዘም ዝደረኹ ሓያሎ ረቛሒታት ነይሮም።
ኣብ 1970ታት፡ ኣብ መንጎ ምዕራብን ምብራቕን ዝነበረ ወጥሪ፡ 'ዴይተንት' ብዝብል ኣብ ዝጽዋዕ እዋን እዩ ቍሩብ ሃዲኡ።
ዝያዳ ሰላማዊ ዝምድናታት ንምትብባዕ ስምምዓት ተፈሪሞም። መንኮርኮር ሶቭየትን ኣመሪካን ከይተረፈ ብሓባር ኣብ ጠፈር ተዓቚበን። ኣመሪካ፡ ዴሳዊት ሃገር ዝዀነት ቻይና፡ ናብ ሕቡራት ሃገራት ክትጽንበር ፈቒዳ። ኣብ 1972 ፕረዚደንት ኣመሪካ ሪቻርድ ኒክሰን እውን ኣብ ቻይና ምብጻሕ ኣካይዱ።
እዞም ኵነታት ግን እቶም ወገናት ይሰማማዑ ከም ዘለዉ ዓለም ንኽትሓስብ ካብ ዝግበር ፈተነታት ዝሓለፉ ኣይነበሩን።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ዝገበርዎ ስምምዓት ኣይጸንዑን። ኣብ መወዳእታ ሰብዓታት ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ኒካራጓን ኣንጎላን ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ብተጻራሪ ወገን ተሰሊፎም ተሳቲፎም። እዚ ድማ እቲ ምፍልላይ ሽዑ እውን ገና ኣብ ወጥሪ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ ነይሩ።
ገለ ሃገራት ግን ሶቭየት ኣብ ልዕሊአን እተንብሮ ብዝነበረት ቍጽጽር ሰልክየን ነይረን። እዚ ድማ ዝተፈላለየ ናዕብታት ኣስዒቡ። ሕብረት ሶቭየት ነዞም ናዕብታት ክትጭፍልቕ ክኢላ'ኳ እንተ ነበረት፡ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ግን ማሕበርነታዊ ስነሓሳባት እናተዳኸሙ ክኸዱ ተራእዮም።
ብድሕሪኡ ዝመጽኡ ክልተ መራሕቲ ስዒቡ ግን ኣብ 1980ታት ዝነበረ ኵነታት ተቐይሩ፤ እዞም መራሕቲ ኣብ 1980 ዝተመርጸ ፕረዚደንት ኣመሪካ ሮናልድ ሬጋንን ከምኡ'ውን ኣብ 1985 ናብ ስልጣን ዝመጽአ ቀዳማይ ምኒስተር ሕብረት ሶቭየት ሚኻኤል ጎርባቾቭን እዮም።
ሬጋን ዝተመርጸሉ ምኽንያት ብኸፊል ንሕብረት ሶቭየት ዝነቅፍን ተሪር ጸረ-ዴስነት ስለ ዝነበረን እዩ።
ንሱ፡ ኣመሪካ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ እትገብሮ ወጻኢታት ብምብራኽን ምስ ቀዳመይቲ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ማርጋሬት ታቸር ብቐረባ ብምስራሕን ኣብ ልዕሊ ሶቭየት ጸቕጢ ክገብር ጀሚሩ። እቲ ጸቕጢ ሶቭየት ንድሕሪት ካብ ምስሓብ ዝሓለፈ ካልእ ኣማራጺ ከይህልዋ ዝገበረ ነይሩ።
ጎርባቾቭ ብወገኑ፡ ሕብረት ሶቭየት ክንድ'ቲ ኣመሪካ ኣብ ኣጽዋር እተውጽኦ ገንዘብ ማዕረ ከተውጽእ ከም ዘይትኽእል ተረዲኡ። ስለዚ፡ ምፍራይ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ብኽልቲኡ ወገን ንኽድረት ዝርርብ ጀሚሩ።
ሩስያ ሓያልን ዓለማዊት ልዕለ ሓያል ሃገር ክትከውን እንተዀይና፡ ምስ ምዕራባውያን ክትላዘብ ከም ዘለዋ ተገንዚቡ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሶቭየት እውን ናይ ምዝራብ ናጽነት ዘተባብዑ ዝያዳ ህዝባዊ ፖሊሲታት ኣተኣታትዩ፡ ከምኡ'ውን ዳግመ ውደባ ቍጠባ ኣካይዱ።
ኣብ 1980ታት ምዕራባውያንን ሶቭየትን ብዝያዳ ጐድኒ ጐድኒ ክነብሩ ይለማመዱ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብተን ድኻታት ሰባት ክሃድሙለን ዝደልዩ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ግን እቲ ናዕቢ እናቐጸለ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ 1980ታት ድማ እቲ ጎርባቾቭ ኣብ ሶቭየት ዘስፋሕፍሖ ዝያዳ ናጽነትን ክፉትነትን ኣብ መላእ ምብራቕ ኤውሮጳ ክዝርጋሕ ጀሚሩ።
መንደቕ በርሊን ከም ምልክት ጭቆናን ኵሉ ኣብ ምሕደራ ሶቭየት ዝነበረ ጌጋን ኰይኑ ተራእዩ።
ብ8 ሕዳር 1989 እቲ መንደቕ ፈሪሱ ዶብ በርሊን ድማ ተኸፊቱ።
ብሰንኪ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝካየድ ዝነበረ ናዕቢን ከምኡ'ውን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠመ ስዕረት ሕብረት ሶቭየትን ስዒቡ፡ ኣብ ታሕሳስ 1991፡ ዴስነት ኣብ ሶቭየት ሕብረት መወዳእታ ረኺቡ፤ ከምኡ'ውን ዝሑል ኲናት።
ሩስያ፡ ሪፓብሊክ ምዃና ኣዊጃ፤ ቦሪስ የልሲን ድማ ፕረዚደንታ ክኸውን መሪጻ።
ኣብዚ እዋን ዘሎ ህልው ኵነታት እንታይ ይመስል?
ዝሑል ኲናት ኣብ መወዳእታ ተዛዚሙ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራብን ዘሎ ወጥሪ ግን ሕጂ'ውን ኣርእስተ ዜና ምዃኑ ኣይተረፈን።
ኣብ ለካቲት 2019፡ ኣመሪካን ሩስያን ኣብ 1987 ኣብ ዝፈረማሉ ውዕል ዘለወን ተሳትፎ ኣቋሪጸን እየን።
ውዕል ማእከላይ ርሕቀት ንዩክለሳዊ ሓይልታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውዕል፡ ክልቲአን ሃገራት ሓጺርን ማእከላይን ርሕቀት ሚሳይላት (ብዘይካ ኣብ ባሕሪ ዝውንጨፍ ኣጽዋር) ከይጥቀማ ዝእግድ ነይሩ።
ኣብ 1991 ኣብ መዛዘሚ ዝሑል ኲናት ዳርጋ 2,700 ሚሳይላት ክዓንዉ ተገይሮም እዮም።
ብ1 ለካቲት 2019 ግን ኣመሪካ ካብቲ ውዕል ክትስሕብ ምዃና ምስ ገለጸት፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን እውን ሃገሩ ሓደስቲ ሚሳይላት ምምዕባል ክትጅምር እያ ኢሉ።
እዚ ዝሑል ኲናት ኣብ መወዳእታ ተዛዚሙ'ኳ እንተዀነ፡ ሃገራት ምብራቕን ምዕራብን ግን ሕጂ'ውን ኣይሰማምዓን።
ኣብ መንጎ ምዕራባውያን ሃገራትን ሩስያን ዘሎ ወጥሪ ሕጂ'ውን እንተዀነ ልዑል ኰይኑ'ዩ ዝቕጽል ዘሎ።
ከም ቀንዲ ምኽንያታት ናይዚ ድማ ኲናት ዩክረይንን ሰፊሕ ጂኦፖለቲካዊ ድሌታት ሩስያን ይለዓል።
ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝኸፍአ ግጭት ኣስዒቡ'ዩ።
ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራባውያንን ዝነበረ ወጥሪን ዘይምትእምማንን ክጋደድ ገይሩ ኣሎ።
ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበርዎ እገዳ ኣብ ቍጠባ ሩስያ ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩ'ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዋጋታት ጸዓት ክብርኽን ቀረብ ሰንሰለት ክዛባዕን ገይሩ እዩ።
ብሰንኪ'ቲ ግጭት ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኤውሮጳ ይውስኽ ኣሎ።
ፕረዚደንትነት ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ኣብ መጀመርታ ሰሙናት ኣመሪካን ሩስያን ክልተኣዊ ዝምድናታተን ዳግማይ ንምጅማር ኣብ ዘኽእል መስመር ዝርከባ መሲለን ተራእየን ነይረን።
ኣብ መንጎአን ግጫት ከም ዝለዓል ዝዀነ ምልክት ኣይነበረን።
እዚ ግን ከምዚ ኢሉ ኣይቀጸለን።
ኣብ መጀመርታ ኣመሪካ ኣብ ወራር ዩክረይን ንሩስያ ትድግፍ መሲላ ተራእያ። ኣብ ለካቲት ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሩስያ ብምውጋን ነቲ ብኤውሮጳውያን ዝተነድፈ ንሩስያ ዝዅንን ውሳነ ተቓዊማ።
ሩስያ ሽዑ ኣብ ዓውደ ውግእ ዓብላልነት ምሓዛ ርግጸኛ ዝዀነ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሞስኮ ንዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ተወፋይነት ከም ዘለዋ እኳ እንተ ገለጸ፡ ውግእ ደው ከብል ግን ፍቓደኛ ኣይነበረን።
በዚ ምኽንያት ድማ ዶናልድ ትራምፕ ተስፋ እናቐበጸ ከይዱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ከተማታት ዩክረይን ዘካየደቶ ዘይሕለል መጥቃዕቲ፡ "ዘሕፍር" ክብል ኰኒኑ።
ፑቲን፡ ዶናልድ "ኵሉ ተስፋ ምቝራጽ ካብ ኣዝዩ ዘይከውን ትጽቢት ዝፍጠር'ዩ፡" ብምባል ናብ ዶናልድ ትራምፕ ዘነጻጸረ ዝመስል ርእይቶ ሂቡ።
ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ ኣብ መወዳእታ ሓምለ፡ ሩስያ ኣብ ውሽጢ "ዓሰርተ ወይ 12 መዓልታት" ምስ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ኲናት ደው ከተብል ሓድሽን ሓጺርን ናይ ግዜ ገደብ ኣቐሚጡ።
ትራምፕ፡ ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ምዕባለ ስለ ዘየርኣየ፡ ነዚ ገደብ ከም ዘቐመጠ እዩ ገሊጹ።
ብድሕሪ'ዚ፡ ካብ 2008 ክሳዕ 2012 ፕረዚደንት ሩስያ ዝነበረ ድሚትሪ መድቨደቭ፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ትራምፕ፡ "ምስ ሩስያ ናይ መወዳእታ ጸወታ" ከም ዝተጻወተ ከሲሱ።
ነቲ ሩስያ ኣብ 2022 ዝጀመረቶ ምሉእ ወራር ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝድግፍን ንምዕራባውያን ብግልጺ ዝነቅፍን መድቨደቭ፡ ወሲኹ "ነፍሲወከፍ ሓድሽ ናይ መወዳእታ ዝብል መጠንቀቕታ፡ ስግኣትን ናብ ኲናት ዝወስድ ስጕምትን እዩ፡" ኢሉ።
ነዚ ስዒቡ ትራምፕን መድቨደቭን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓድሕዶም ኣብ ተኸታተልቲ ውልቃዊ መጥቃዕትታት ተጸሚዶም።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ድሚትሪ መድቨደቭ ንዝሃቦ "ኣዝዩ ተዅታዂ" ርእይቶታት ግብረመልሲ ንምሃብ፡ ክልተ ንዩክለሳውያን ሳብማሪናት "ኣብ ዝምልከተን ከባቢታት ክቕመጣ" ከም ዝኣዘዘ ገሊጹ።
ይዅን'ምበር ሩስያን ኣመሪካን ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝውንና ምዃነን ዝፍለጥ እዩ። ክልቲአን እውን ንዩክለሳውያን ሳብማሪናት ኣለወን።
ስለዚ፡ ሕጂ'ውን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ዘሎ ወጥሪ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሃድእን ንቡር ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝምስረትን ኣይመስልን።