ጃልባ ብምጥሓላ መብዛሕትኦም ህጻናት ዝዀኑ 90 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሰሜናዊ ሞዛምቢክ ኣገልግሎት መጓዓዝያ እትህብ ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ መብዛሕትኦም ህጻናት ዝዀኑ ብውሑዱ 90 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብ መዚ ኣፍሊጦም።

እቲ ሓደጋ፡ ኣብ ግዝኣት ናምፑላ ከጋጥም እንከሎ እታ ጃልባ 130 ሰባት ሒዛ ከም ዝነበረት ክሳብ ሕጂ ሓሙሽተ ሰባት ጥራይ ብህይወት ከም ዝተረኽቡን ገሊጾም።

ጸሓፊ ናምፑላ ጄይሚ ኔቶ፡ እቶም ተጓዓዝቲ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝተኸሰተ ለበዳ ሸሮኽ ይሃድሙ ኣብ ዝነበርሉ ዘጋጠመ ምዃኑ ሓቢሩ።

“እታ ጃልባ፡ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ስለ ዝጽዓነትን ሰባት ንምጕዕዓዝ ስለ ዘይተሰርሐትን እያ ጥሒላ” ይብል።

ቢቢሲ ከረጋግጾም ዘይክኣለ ብሰፊሑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወጽኡ ምስሊታት፡ ኣስክሬን ብርክት ዝበሉ ግዳያት እቲ ሓደጋ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተሰሪዑ የርእዩ።

ሰብ መዚ እቲ ከባቢ፡ 90 ሰባት ምማቶም ከም ዘረጋገጹ ክገልጹ እንከለው፡ ደሃዮም ዘይተፈልጠ ልዕሊ 30 ሰባት ከም ዘለውን እቲ ኣሃዝ ሓፍ ክብል ከም ዝኽእልን ሓቢሮም።

እቶም ሰባት፡ ኣብ ግዝኣት ናምፑላ ካብ እትርከብ ሉንጋ ናብ ደሴት ሞዛምቢክ ይጕዓዙ ነይሮም።

ኣብታ ግዝኣት ብተደጋጋሚ ለበዳ ሸሮኽ ይኽሰት።

ብመሰረት ጸብጻብ ኤጀንሲ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝተኸሰተ ለበዳ ሸሮኽ፡ ካብቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ተኸሲቱ ዝነበረ ዝኸፍአ እዩ።

ሞዛምቢክ፡ ክሳብ ሕጂ 13 ሽሕን 700 ብሸሮኽ ዝተትሓዙ ሰባት ክትምዝግብ እንከላ፡ ካብዚኦም እቶም 30 ከም ዝሞቱ ይሕብር።

ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ድማ፡ ብምኽንያት ምንቅስቓስ እስላማዊ ጕጅለ ህይወት ብርክት ዝበሉ ሰባት ይሓልፍ እዩ ዘሎ።

ጐረቤት ናምፑላ ዝዀነት ግዝኣት ካቦ ደልጋዶ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብምኽንያት ምንቅስቓስ እዞም ጕጅለታት ህይወት ኣርባዕተ ሽሕ ሰባት ክሓልፍ እንከሎ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።

ንአስታት 400 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፖርቱጋል ዝጸንሐት ደሴት ሞዛምቢክ፡ ኣብ እዋን እቲ መግዛእቲ ብዝተሃንጹ ህንጻታትን ታሪኻዊ ሓድጊታትን፡ ውርሻ ዓለም ኰይና ተመዝጊባ እያ።