"ኣቦይ ሰብ ቀቲሉ ድዩ?"- መዘክር’ቲ ጋዜጠኛ

እንግሊዛዊ ሳውል ወርድስዎርዝ፡ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ብሪጣንያ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ዝነበረ ኣቡኡ ሰብ ቀቲሉ ድዩ? ዝብል ጥርጣረታቱ ንዓለም ኣካፊሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ መደባት ሬድዮ (ፖድካስት) ኣዳልዩ ኣሎ። ብዙሕ ጽሑፋት ተጻሒፉሉ እዩ።

ኣቡኡ ካብ ዝመውት 25 ዓመታት ገይሩ ኣሎ።

ኣቡኡ ምስ ከቢድ ምስጢሩ ናብ መቓብር ወሪዱ- ዝብል ጥርጣረ ምንጪ ናይቲ ጋዜጠኛ፡ ኣቦ ባዕሉ ዝጸሓፎ እዩ።

መጀመርታ፡ "ኣቦኻ ሰብ ዝቐተለ ይመስለኒ” ዝበለት ብኢድ ዝተጻሕፈ መዘከርታ ኣቡኡ ትቐድሕ ዝነበረት ሰበይቲ እያ ነይራ።

ካብቲ ትቕድሖ ዝነበረት መዘከርታ፡ ሓደ ሬሳ ከም ዝተሓብአ ዝገልጽ መስመር ኣሎ።

ሳውል ርግጸኛ ኣይነበረን።

ኣቡኡ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዝነግሮ ዝነበረ ዛንታ ዝተጋነነ ምዃኑን ሓቂ ዘይክኸውን ከም ዝኽእልን ዘኪሩ ይዛረብ።

ክሪስቶፈር ወርድስዎርዝ ክሳብ ተስዓታት ኣብ መጽሄታት ኦብዘርቨርን ጋርድያንን ዝጽሕፍ ሰሙናዊ ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ።

ንስነ-ጽሑፍ ዓሚቝ ፍቕሪ ዝነበሮ ክሪስቶፈር ዝድነቕ ነቓፊ እዩ ነይሩ።

ኣብዘን መጽሔታት እዚኣተን ዝተሓተማ፡ ልብ-ወለዳቱ፣ ግምገማታት ገበንን ኣብ ህይወት ህንዳውያንን እንግሊዛውያንን እተመርኰሰ ጽሑፋት ነይረን።

ደጋፊ ስፖርት ዝነበረ ክሪስቶፈር፡ ብዛዕባ ክሪከትን ራግቢን ኣብ ምጽብጻብ እውን ንፉዕ እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር: እዚ ዅሉ ዓወታት እናሃለወ: ሳውል ሓደ ፍሹል ባህጊ ኣቦኡ እውን ይፈልጥ ነይሩ።

ምሉእ ዕድሚኡ ዘሳቐየቶን ኣብ መወዳእታ ዝፈሸለን ዓብዪ ልብ-ወለድ ናይ ምፅሓፍ ሕልሙ ከይሰመረት ምትራፋ ንሱ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኩሉ ዝቐርቦ ዝነበረ ሰብ’ዩ ዝፈልጥ።

እዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ዋላ’ውን ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ተሓቢኡ ዝነበረ ምስጢር ክፈልጥ ብዙሕ እንተዘይፈተነ፡ እንታይ ከም ዝተፈጥረ ንምፍላጥ ተገዳስነት ነይርዎ።

ኣብቲ መዝገብ መዘከርታ ኣቡኡ፡ እቲ ገበን ከም ዝተፈፀመ ዝሕብሩ ካልኦት መስመራት’ውን ተኻቲቶም ኣለዉ።

ንኣብነት "እቲ ዘሕፍረኒ ተግባረይ፡ እዚ ቅትለት እዩ" ዝብል።

ወዲ 51 ዓመት ኣቦ ሳውል ንሓደ ሰብ እንተዝቐትል፡ ብዛዕባ እዚ ኽጽሕፍ ምደፈረ’ዶ? ወይስ ከይሓሰቦ ቀቲሉዎ? ዝብሉ ሓሳባት ኣብ ውሽጡ ይመላለሱ ነይሮም።

ብተወሳኺ፡ ነቲ ሓቂ ካብ’ቲ ልቢ-ወለድ ክፈልዮ ብምፍታን፡ ተዘክሮታት ኣቡኡ፡ 'ዲያብሎስ ኣብ በረኻ' ብዝብል ሽዱሽተ ክፋላት ዘለዎ ፖድካስት ኣቕሪቡ።

ምስቶም ዓበይቲ ኣዕሩኽ፣ ኣዝማዱን መሳርሕቲ ኣቡኡን ብምዝርራብ፡ ኣቡኡ ክሳብ ክንደይ ንፉዕ ምዃኑን ታሪኹ ክሳብ ክንደይ ዝተሓላለኸን ዘሰክፍን ምዃኑ ከርኢ ክኢሉ።

"በዚ ፖድካስት እቲ ሓቀኛ ምስልኻ ከርእየካ ክኢለ ኢለ ተስፋ እገብር፡ ብዝዀነ ግን ኣቦይ ይቕረ በለለይ" ክብል ኣብ ቀዳማይ ክፋል ይስማዕ።

ብ1914 ኣብ ኮልካታ ዝተወልደ ክሪስቶፈር፡ ኣብ መበል 50 ዓመቱ ፀኒሑ እዩ ናብ ጋዜጠኝነት ኣትዩ።

ብዙሓት ንቓላት ዝነበሮ ተመስጦ ምስ ረኣዩ፡ ዓብዪ ጸሓፊ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ነይሩዎም።

ኣብ መበል 83 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ 1998 ዓ.ም እቲ ንነዊሕ እዋን ድቃስ ዝኸልኦ ዝነበረ ልብ-ወለድ ናይ ምጽሓፍ ሕልሙ እውን ምስኡ ተቐቢሩ።

ክሪስቶፈር፡ ወዱ ሳውል ክውለድ እንከሎ ወዲ 57 ዓመት ነይሩ። ካብ ሳልሳይ ሓዳሩ እንኰ ውላድ እዩ።

ሓዳሩ ሰነያ ኣይነበሮን።

ክሪስቶፈር፡ ነቲ ኣቡኡ ሃረር ዝብሎ ዝነበረ ልብ-ወለድ ክበጽሖ ተስፍኡ ኣብ ወዱ እዩ ነይሩ።

"ሳውል ስለኻ እየ ዝነብር ዘለኹ" ይብሎ ነይሩ።

ነዚ ጾር እዚ ንነዊሕ እዋን ተሰኪሙ ምኻዱ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣስዒቡሉ።

ኣቦን ወድን ዘመሳሰሎም ነገር እንተሃልዩ፡ ፍቕሪ ስፖርት እኳ እንተዀነ፡ ምሉእ ህይወት ክሪስቶፈር ግን ምስጢር ኰይኑ ጸኒሑ።

“ብዙሕ ምስጢራት ነይርዎ። ነዚ ድማ ይፈትዎ ነይሩ” ይብል ሳውል ብዛዕባ ኣቡኡ እናዘከረ።

እቶም ፍንጪታት ብሚስጢር ተሸፊኖም እዮም። ምስ ኣንስቲ ኣዕሩኽቱ ፆታዊ ርክብ ከም ዝፈጸመን፡ ካልኦት ቈልዑ ወሊዱ ክኸውን ከም ዝኽእልን እውን ኣተንቢሁ።

ብተወሳኺ ኣብ ተዘክሮታቱ ምስታ ጓል ፈላስፋን ምሁር ስነ-ሕሳብን በርትራንድ ራስል ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሐ ዕግርግር ዝመልኦ ፍቕራዊ ርክብ ብዝርዝር ገሊጽዎ።

ሳውል ንባህርያት ኣቡኡ "ንሰባት ዘይግደስ"፡ "ንርእሱ ጥራይ ዝሓስብ" ከምኡ'ውን ብንጹር ዝተጎድአን ተስፋ ዝቐበፀን ክብል ይገልጾ።

"ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዝዀነ ነገር ክልተ ፍጻመታት እሱር ገይሮምኒ" ክብል ኣብ ዝጸሓፎ መዘከርታ ጽሒፉ።

"ነታ ነፍሰጾር ዝነበረት ጆኣን ምህራምን፡ እታ ህሞት ኣብ ዒራቕን" ይብል።

እንታይ ማለት እዩ? እቲ ቀዳማይ ርዱእ እዩ ነይሩ። ቀዳመይቲ ሰበይቱ ክሃርም ከሎ ዘርኢ እዩ። ዒራቕ ግን እንታይ እያ?

"ክሪስቶፈር ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ሰራዊት ህንዲ እናኣገልገለ ከሎ ድዩ ሰብ ቀቲሉ?" ፣ ዝብል ሕቶ ሳውል እዩ።

“ኣብታ ህሞት እቲኣ ኣብ ዒራቕ እንታይ ኣጋጢሙ? ብዛዕባኡ ዝብሎ ዝዀነ ነገር የለን፤ ኰነ ኢልካ ዝተገብረ ድማ ይመስለኒ" ይብል ሳኦል።

ሳውል ኣብቲ ፖድካስት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ መደምደምታ ክበጽሕ ይስማዕ። ገና ግን ዘይተመለሱ ሕቶታት ስለ ዘለዉ ተወሳኺ መርመራታት ከካይድ መደብ ኣለዎ።

ዋላ'ኳ ከቢድ ኣርእስቲ እንተዀነ፡ ሳውል ነዚ ፖድካስት ምግባር ዕግበት ዝፈጠረሉ ተሞክሮ ምዃኑ ይዛረብ።