እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዛንታ ኤርትራ ዝጸሓፉ ፊተውራሪ ሚካኤል ሓሳማ ራካ መን እዮም?
ብዙሓት ዓበይቲ ኣበዋት ናይ ጽሑፍ ታሪኽ ዘይምግዳፎም ይዝረብ እዩ።
ፊተ. ሚካኤል ነዚ ናይ ሎምን ጽባሕን ወለዶ ንጥንታዊ ዓሌታት ኤርትራ፡ ንግዝኣት ባዕዲ፡ ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ንዝነበሩ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ... ክሳብ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ዘመን ስደት ዘዘንቱ ምዕዶ እተሓወሶ ጽሑፍ ገዲፎም ብምሕላፎም ብኣብነት ይዝከሩ እዮም።
“ንኣቦይ….በቲ ዝነበሮ ልዑል ናይ ምዝካር ዓቕምን ንዓበይቲ ዓድታት ብምውካስ ከይተሓለለ ዝእክቦምን ዝመራመረሎምን ዝስንዶምን ዝነበሩ ዛንታታት እዝክሮ” ይብል ወዶም ኪዳነ ሚኪኤል።
“ብዙሕ ጊዜ ምስ ሰባት ብታሪኽን ዓሌታትን ዓድታትን ኤርትራ የዕልል ነበረ”።
ሓደ እዋን ፊተ ምኪኤል ሓሳማ ነታ ብ1985 ብኢድ ዝተጻሕፈት ንወለዶን ዓሌትን ኤርትራ እትትርኽ ፋልመይቲ መጽሓፎም ሒዞም ንወዶም ክበጽሑዎ ንዓዲ ጥልያን መጽኡ።
ኪዳነ ነቲ ብዛዕባ ወለዶታት ዘዘንቱ መጽሓፍ እንተንበባ’ኳ ሃምን ቀልብን ሰብ እቲ እዋን ብዛዕባ ሰውራ ጥራሕ ስለዝነበረ ብዙሕ ግዲ ኣይገበረላን።
ንኩነታት ወዶም ዘስተብሃሉ ፊተ ምኪኤል፡ “እዚ ኹሉ ንማሕበረሰባት ኤርትራ ገጥ ኣቢሉ ሒዙ ዝጸንሐ፡ ንዘመናት ከኣ ሰለይ ዘበለና ባህሊ፡ ስርዓት፡ ታሪኽ፡ ሕጊ’ንዳባ ዀነ ካልኦት ዓንድታት ሃገር ስለ ዘለዉና፡ ነዞም ኣዕኑድ ነቕ-ነቕ ኣቢልና፡ ኣዕኒና፡ ናይ ግዳም ስነ-ሓሳብ ተጠቒምና፡ ሓዳስ ሃገር ንምህናጽ ዝግበር ፈተና ኣይከዐውተናን’ዩ” ብምባል ሰውራ መልሲ ዘይህበሉ ሓቕታት ከም ዘሎ ከረድእዎ ፈተኑ።
ንምዃኑ ፊተ. ሚካኤል ሓሳማ ራካ መን’ዮም?
ፊተ. ሚካኤል ብ15 ግንቦት 1920 ኣብ ዓዶም ምሕላብ ተወሊዶም።
ኣብ መንሳዕ ዝርከባ ክልተ ዓድታት ምሕላብም ገለብን ሚስዮናውያን ትምህርትን ሕክምናን ዝተኸሉለን ዓድታት’የን።
ፊተ ምኪኤል “ናይ ሃገርካ ታሪኽን ባህልን ምፍላጥ ዝዓበየ መሳርሒ መጻኢ ዕድል ምዃኑ ዘይምርሳዕ” ይብሉ ምንባሮም ይዝንቶ።
ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ንምድረ መንሳዕ ብደቂቕ’ዮም ዝገልጹዎ።
ንኣብነት ቀሺ እዝራ ምስ ካርል ዮሃን ሉንድስትሮም (ኣብ ገዛ ከኒሻ ኣስመራ መምህርን ሓለቓ ቤት ትምህርትን ዝነበሩ ሽወደናዊ) ኰይኖም ኣብ ዝጸሓፉዎ መጽሓፍ “መንሳዕ ኣብ ክልተ ሕብረተሰብ ተኸፊሎም ከም ዝነበሩ፣ ቤት ኣብረሀን (ኣብ ገለብ) ቤት እሻሓቃን ኣብ (ምሕላብ) ይብሉ።
እዞም ብጊዜ እንግሊዝ ኰነ ሃይለሰላሴ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ልዑል ሓላፍነት ዘለዎ ስርሓት ዝተዋፈሩ ፈላጥ ኣቦ፡ እቲ ዝደለብዎ ፍልጠት፡ ‘ዛንታ ኤርትራ - ቃል ይሓልፍ ጽሑፍ ይተርፍ’ ዘርእስቱ መጽሓፍ ጽሒፎም ታሪኽ ገዲፎም ዝሓለፉ ኣቦ እዮም።
መጽሓፎም ብ1985 ምስ ተሓትመት ኣንባቢ ቍም ነገራ ኣስተብሂሉ ተቓዳደመላ፣ ኣብ ዓመቱ ድማ ኣመሓይሾም ካልኣይ ሕታም ኣቕረቡ።
ቤት ማሕተም ፍራንቸስካና (ኣስመራ) ጥቕማ ተረዲኡ ኸኣ ብ1992 ደጊሙ ንሳልሳይ ጊዜ ኣሕተማ።
ንራብዓይ ጊዜ ኸኣ ብ2013 - ድሕሪ ስንብታኦም ምዃኑ’ዩ - ተመሓይሻ ንህዝቢ ቀረበት።
እዛ ካብ ስሳታት ጀሚሮም፡ ሓበሬታ እናኣከቡ ንሕብረተሰብ ኤርትራ እናጽንዑ ዝጸሓፍዋ መጽሓፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣውራጃታት ኤርትራ ብስራሕ ከም ኣማሓዳሪ ኰይኖም ዜገልግልሉ እዋን ነበረ።
ብ1976፡ ኣብ ኤርትራ ዕግርግር እናወሰኸ ምስ ከደ ግን ንስደት ከምርሑ ተገደዱ፣ እቲ ንክእክብዎ ዓመታት ዝወሰደሎም ሓበሬታ ኸኣ ፋሕ-ፋሕ በለ።
ይዅን’ምበር እቲ ሃቂኖሞ ዝነበሩ ፕሮጀክት ከም ብሓድሽ ኣብ ስደት ኰይኖም ተታሓሓዝዎ።
ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ኰነ ዓዲ ጣልያን ዝረኸብዎም መወከሲ መጻሕፍቲ ተጠቒሞም ከኣ ኣብ ምርምር ስነዳን ታሪኽ ተመልሱ።
መሊስና ንድሕሪት ንመለስ ...
ኪዳነ ንድሕሪት ተመሊሱ ብዛዕባ እንዳዓለብኡ ከዕልል እንከሎ፡ “ኣባሓጎይ፡ ሓሳማ ራካ፡ ኣስላማይ’ዩ ነይሩ” ኢሉ ይጅምር።
“ዓባየይ ጓል ቢለን’ያ ነይራ፣ እኳድኣ ክርስትያን። ኣባሓጎይ ንስድስራ ቤት ዓባየይ ከይዱ ጓልኩም ሃቡኒ ምስ በለ፡ ተሓጕሶም ተቐበልዎ። ኣብቲ ዘመን’ቲ ኣብ መውስቦ ፍቕርን ስምምዕን ሕያውነትን’ምበር ሃይማኖት ክሳብ ክንድዚ ተራ ኣይነበሮን። ኰይኑ ድማ ኣባሓጎይን ዓባየይን ተመርዕዮም ሸውዓተ ቈልዑ ወለዱ፣ ሓደ ካብኦም ከኣ ኣቦይ” ይብል።
ብ1921 ኣብ ምሕላብ ሓደ ጣልያን (ካፑቺን) ቤተክርስትያን ሃኒጹ ንዉልቁ ይነብር ነበረ።
ጸኒሑ ቤት ትምህርቲ ወሲኹ ንቈልዑ ደቂ’ቲ ዞባ ንክምህሩ ዕድል ከፈተሎም።
ኣቦይ ሚካኤል ሓሳማን ዓቢ ሓዎምን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ከለዉ ብፍቓድ ኣቦኦም ኣብ ሃይማኖት ካቶሊክ ኣተዉ።
“ኣቦይ ሸኸዲን’ዩ ነይሩ ስሙ፡ ሓወቦይ ከኣ ነስረዲን ... ኣብ እምነት ክርስትያን ምስ ኣተዉ፡ ኣቦይ ሚኪኤል፡ ሓወቦይ ከኣ ወልደጊዮርጊስ ተባህሉ” ኢሉ የዘንቱ ኪዳነ።
ኣቦይ ሚካኤል ኣብ 15 ዕድሚኦም ትምህርቲ ቅሽነት ንክምሃሩ ንመንደፈራ ናብ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ተጓዕዙ። ኣብ ትምህርቲ ኣይሓመቑን ኣዝዮም ከኣ ሰጐሙ።
ኣብ ትምህርቲ ቅሽነት ከለዉ ብመንፍዓቶምን ብደገፍ ሓለቓ ቤት-ትምህርቲ ሳንጆርጅዮ ቆላሕታ ኣመሓደርቲ ጣልያን ስለ ዝረኸቡ ከም ተርጓሚ ኰይኖም ንኸገልግሉ ተሓጽዩ።
ንፈለማ እዋን ከኣ እቶም ኣማሓደርቲ ንኣዲስ ኣበባ ሒዞሞም ተጓዕዙ።
ብ1941፡ ሚካኤል ሓሳማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንከለዉ፡ እንግሊዝ ንኣዲስ ኣበባ ስለ ዝተቘጻጸርዋ፡ ብእግሮም ንኤርትራ ተመልሱ።
ኣይጸንሑን፡ እንግሊዝ ምሁራት ደቀባት የድልይዎም ስለ ዝነበሩ ድማ ኣብ ምምሕዳር ትራፊክ ከተማ ተቘጺሮም ኣብ ስራሕ ኣተዉ፣ እቲ ትምርቲ ቅሽነት ከኣ ብኡ ኣቢሉ ተረፈ።
ኣቦይ ሚኪኤል ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ቋንቋታት መታሕት ከምኡ’ውን ጣልያንኛ ብግቡእ ክጥቀሙ ይኽእሉ ስለ ዝነበሩ ስራሕ ንክረኽቡ ብልጫታት ነበሮም።
‘ኣርባዕተ ሓያላት ኮሚስዮን’ - ብኣርብዓታት ንመጻኢ ኤርትራ ከጽንዕን ክውስንን ተመዚዙ ዝነበረ ኣካል ንኤርትራ ምስ መጸ፡ ኣድላይነት ኣቦይ ሚካኤል ብኡ-ንብኡ ተራእየ።
ብቋንቋታት ትግረ፡ ትግርኛ፡ ቢለን፡ ጣልያን፡ መጠነኛ ዓረብኛ ስለ ዝበሰሉ፡ ኣብ ፈቐዶ ቦታ ከም ተርጓሚ ኰይኖም ክበጽሑ ዕድል ረኸቡ። ብኡ ኣቢሎም ድማ ንባህልታት ኤርትራ ብቐረባ ክርእዩን ከጽንዑን ጀመሩ።
“ኣብ ኤርትራ ሰልፍታት ምስ ተፈቕደ” ይብል ኪዳነ፡ “ኣቦይ ኣብ ዝዀነት ሰልፊ ተሰሊፉ ክዋሳእ ኣይደለየን።” ዝዝከር’ዩ፡ ኣብቲ ዘመን’ቲ ሰልፍታት ሕብረት (ምስ ኢትዮጵያ)፡ ማሕበር እስላሚያ፡ ሰልፊ ናጽነት፡ ጸግዒ ጣልያን ዝሓዘ ሰልፊ ከም ዝነበራ። ኰይኑ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ስኢኑ ንሓድሕዱ ይፋለስ ነበረ።
ፈደረሽን ምስ መጽአ ኣቦይ ሚኪኤል ኣብ ምምሕዳራት ንከገልግሉ ሰገሩ።
ሰልፊ ሕብረት እናሓየለ ምስ ከደ’ውን ከም’ቶም ናይ ሽዑ ዘመን ዝበዝሑ ኣቦታት ኤርትራ (ምናዳ ህዝቢ ክርስትያን) ድልየቶም ናብ ሕብረት ገጾም ቀነነ።
ብዕድሚኦም ካብ’ቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ፖለቲካ ንእስ ይብሉ ስለ ዝነበሩ (ኣብ ሰላሳታት ዕድሚኦም) ቀንዲ ኣድህቦኦም ኣብቲ ቢሮክራሲ ከደ።
ቅድሚ ፈደረሽን ምምጽኡ ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት - ከም ጸሓፊ፡ ሕይሽ ዝበለ ሓላፍነት ዘለዎ ቦታታት - ብምእታው ምምሕዳር ከመይ ከም ዝሰርሕ ብቐረባ ተማህሩ።
በቲ ዘመን’ቲ ኣብ ልዕሊ ቋንቋታት መታሕት ኰነ ትግርኛ ቋንቋ እንግሊዝን ዓረብን ተማህሩ።
ሽዑ ብድሕሪኡ፡ መፋርቕ ሓምሳታት ምዃኑ’ዩ፡ ከም ላዕለዋይ ኣማሓዳሪ ወረዳ ኰይኖም ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት መታሕት - ከም ከረን፡ ኣቑርደት - ከምኡ’ውን ባጽዕ ሰርሑ።
ድሕሪ ባጽዕ (1954-57) ከም ኣማሓዳሪ ከረን ኰይኖም ተመዚዞም ንመታሕት ተመልሱ።
ብድሕሪኡ ከም ኣማሓዳሪ ናቕፋ፡ ኣብ ዓመቶም ከኣ ኣማሓዳሪ ዓሰብ ነበሩ።
ብድሕሪ ዓሰብ ከም ኣማሓዳሪ ሰምሃር ኰይኖም ንባጽዕ ተመልሱ። ኣብኡ ንሓሙሽተ ዓመት ኣገልገሉ።
ብ1969 ምስ ኣልኦት ብጾቶም ኰይኖም ብዛዕባ ምዕቡል ምሕደራ-ህዝቢ ከጽንዑ ንስልጠና ንዓዲ ጀርመን ተላእኩ።ዝዝከር’ዩ ጃንሆይ ምስ ጀርመን ፍሉይ ርክብ ነይሩዎም።
ፊተ. ሚካኤል ነቲ ተልእኾ ተጠቒሞም ቋንቋ ጀርመን ከጽንዑ ህርድግ በሉ።
ንኤርትራ ምስ ተመልሱ ኸኣ፡ ክሳብ 1971፡ ኣማሓዳሪ ዓዲ ቀይሕ/ኣከለጉዛይ ኰይኖም ኣገልገሉ።
ኣብቲ እዋንቲ ብ1971 ፊተ. ሚካኤል ካብ ዓዲ ቀይሕ ናብ ሰንዓፈ ብስራሕ ብመኪና እናተጓዕዙ ብድብያ ተዅሲ ተኸፊቱ ተወግኡ።
ተዅሲ ምስ ኰነ እቶም ዘዐጅብዎም ዝነበሩ ክልተ ዓሰክር ምስ’ቶም ኣድበይቲ ተሸርቡ።
እቲ ጕዳይ ሕልኽልኽ ዝበለ ኰይኑ ምስ ናይ ጦርዓን ጸንዓደግለን ጸገማትን ኢድ-ኣእቶ ኣስራተ ካሳን ዝተኣሳሰር’ዩ ነይሩ።
ዝዀነ ኰይኑ፡ ፊተ. ሚካኤል ምስ ሓወዩ ካብ ኣማሓዳሪ ኣከለጉዛይ ምዃን ተኣልዮም ኣብ ክፍሊ ሕርሻዊ ልምዓት ተመደቡ።
ኣይጸንሑን፡ ብድሕሪኡ ጥሮታ ይሕሸኒ ኢሎም ኣብ 53 ዕድሚኦም ጥሮታ ወጽኡ ኢሉ ኪዳነ ወዶም የዕልል።
ብሰብዓታት ደርጊ ኣብ ስልጣን ምስ መጽአ ኵነታት ከፍአ፣ ፊተ. ሚካኤል ከኣ ንሰደት ኣምርሑ።
ኣብ ሱዳን ኰይኖም ምስ ገድሊ ኤርትራ፡ ጸኒሖም ከኣ ምስ ሳልሕ ሳበ ኰይኖም ክሰርሑ ፈቲኖም ግን እቲ ኵነታት ኣየቕሰኖምን፣ ኰይኑ ድማ ብስራሕ ምኽንያት ንጀዳ ሰገሩ።
ፊተ. ሚካኤል ክኢላን ብዘይ ስራሕ ኮፍ ዘይብሉን ሰብ ስለዝነበሩ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኤምባሲ እንግሊዝ ከም ተርጓማይ ስራሕ ጀመሩ።
እቲ ዛንታ ንምሕጻሩ፡ ካብኡ ኸኣ ንኖርወይ ሰገሩ።
‘ዛንታ ኤርትራ’
ፊተ. ሚካኤል ሓሳማ ናብ ኦስሎ’ውን ኮፍ ኣይበሉን፡ ዝገበሩ ገይሮም ኣብ ሓደ ቤተ-ንባብ ክሳብ 1984 ሰርሑ። ምስኡ’ውን ቋንቋ ኖርወይ ንክምሃሩ ህርድግ ይብሉ ነበሩ።
እቲ ኣውራ ዘገድሶም ዝነበረ ዛንታ ኤርትራ ነበረ። ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ኤርትራ ክበጽሑ፡ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ባህልታትን ልምድታትን ኤርትራ ንከጽንዑ ዕድል ረኸቡ።
ከምኡ’ውን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ዓበይቲ ቤተ-ንባብ ዝርከቡ መጻሕፍቲ እናፈተሹ ዛንታ ኤርትራ ክጽሕፉ ጀመሩ።
እዞም ብጊዜ እንግሊዝ ከም ተርጓምን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናትከም ኣማሓዳሪ ናይ ሓሙሽተ ኣውራጃታት ኤርትራ፡ ዳይረክተር ጀነራል ናይ ማሕበራውን ቍጠባውን ጕዳያት፡ ከምኡ’ውን ከም ኣማኻሪ መንግስቲ ኰይኖም ዘገልገሉ ኣቦ ተቛሊሶም ንመጽሓፎም አሕተምዋ።
ኪዳነ ወዶም፡ ኣቦኡ ንታሪኽ ኤርትራ ባዕላትና ክንጽሕፎ ዘይምኽኣልና የሕምሞም ከም ዝነበረ ይጠቅስ።
ደጋጊሞም ‘ንሕና ከለና ጸዓዱ ንታሪኽና ክስንዱ ዘሕፍር’ዩ’ ይብሉ ነበሩ።
ብዛዕብኦም ዝምልከት ኣብ ዛንታ ኤርትራ ዳት ኮም (zantaeritra.net) ኣብ ዝብል መርበብ ሓበሬታ ሰፊሩ ይርከብ።
እቲ ቀንዲ ዕላማ መጽሓፎም፡ ኣብ መቅድሞም ሰፊሩ ከም እንረኽቦ፡ ኤርትራውያን ብታሪኾም ኣቢሎም ሓድነቶም ዝረኽብሉ መንገዲ ሃሰስ ንምባል’ዩ ይብሉ።
ወሲኾም፡ “ሽግር ኤርትራውያን ብሱር መሰረቱ ናይ ስምምዕ ምስኣን ሳዕቤን ምዃኑ ርዱእ’ዩ” ኢሎም ይምጕቱ።
“ቀዳሞት ኤርትራውያን ግርም ዝዀነ ዘዋጽኦም ባህሊ መስሪቶም ኢዮም ሓሊፎም። እንተዀነ ግን ነቲ ርስቲ’ቲ ተመሓዪሹ ምስ ጊዜ ከም ዝግስግስ ስለዘይተገብረ ጕድለት ይርከቦ። ኣብ መሰረት ሃገራዊ ባህሊ ከይወጻእካ ምምሕያሹ ኣድላዪ’ዩ” ብምባል ምዕዶኦም ሂቦም ሓለፉ።