እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብድኻምን ስእነት ድቃስን ትጽገሙ'ዶ? ነዞም ሓሙሽተ መገድታት ፈትኑ
ድኻም ይስምዓኩም'ዶ? ምናልባት በዚ ምኽንያት ንልምዲ ድቃስኩም ብኸመይ ክተዕርይዎ ከምዘለኩም ትሓስቡ ትህልዉ።
መብዛሕትኡ ግዜ ከም ፍታሕ እንሰምዖ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምሸት ክንገብሮ ዘይብላና ነገራት እዩ። ኵልግዜ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ምድቃስ፤ ናብ ዓራት ምስእንድይብ ሞባይል ስልክና ዘይምሓዝ ዝብሉ ማዕዳታት ሰሚዕና ንኸውን።
ግን ከኣ ጽቡቕ ድቃስ ምድቃስ በቲ ኣብ ምሸት እትገብሮ ንጥፈታት ጥራይ ዝድረኽ ኣይኮነን።
ጽቡቕ ስምዒት ዕረፍቲ'ውን ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ድቃስ ምድቃስ ጥራይ ኣይኮነን ዝመጽእ። ካልእ ኣቐዲምና ክንገብሮ ዝግብኣና ነገራት እውን ኣሎ።
ዝያዳ ዕረፍቲ ክስምዓናን ዓቕምና/ሓይልና ንምውሳኽን ዝሕግዙና ሓሙሽተ መገድታት ይስዕቡ።
1. ደረጃ ኣብ ሰብነትኩም ዘሎ 'ኣይረን' ኣስተብህሉ
ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሰለስተ ሰባት እቲ ሓደ ኣብ ኣካላቱ እኹል ንጥረ- ነገር ኣይረን (ሓጺን) የብሉን።
ዕሸላትን ህጻናትን ነዚ ዝያዳ ተቓላዕቲ እዮም። ጎራዙን ደቂ ኣንስትዮን (ብሰንኪ ምፍሳስ ደም ወርሓዊ ጽግያት) ከምኡ'ውን ነፍሰጾራት፣ ስፖርታውያን፣ ስጋ ዘይምገቡ ሰባትን ብተደጋጋሚ ደም ዝልግሱን ንሕጽረት ሓጺን ዝተቓልዑ እዮም።
ዝኾነ ሰብ ብሰንኪ ሕጽረት ሓጺን ወይ ሳዕቤናቱ ክጽሎ ይኽእል።
ኣብ ሰዓታት ድቃስኩም ለውጢ እኳ እንተገበርኩም ብዙሕ ግዜ ድኻም ዝስመዓኩም እንተኾይኑ፡ ምስ ሓኪምካ ብምምኽኻር ኣብ መጠን ፈሪቲ (ሓጺን ንምኽዛን ዝሕግዝ ፕሮቲን) ወይ ሄሞግሎቢን (ኣብ ኣካላትና ኦክስጅን ዘጓዓዕዝ) መርመራ ምግባር ረብሓ ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ዋላ ሕጽረት ሓጺን እንተዘይብልና፡ ኣመጋግባና ብምትዕርራይ ነቲ ጸገም ክንፈትሖ ንኽእል ኢና።
'ሄሜ ኣይረን' ተባሂሉ ዝጽውዑን ብቐሊሉ ምንጪታት ዝበሃሉን ከም ስጋ፣ ዓሳን እንቋቑሖን ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ሄሜ ዘይምደቡ ግን ከኣ ምንጪታት ኣይረን ዝኾኑ ድማ ከም ዓተርን ቀጠልያ ኣሕምልትን ዝበሉ እዮም። ብቪታሚን ሲ ዝሃብተሙ መግብታት ብምምጋብ እውን ንመጠን ኣይረን ክምለኡ ይኽእሉ።
2. ቀጠልያ ኣሕምልትን ፍሩታታትን ምምጋብ
መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ብብዝሒ ኣሕምልትን ፍሩታታትን ዝበልዑ ሰባት ዝሓሸ ድቃስ ክህልዎም እንከሎ፡ እቶም 'ፋስት ፉድ' ዝበሃሉ መግብታትን ልስሉስ መስተታትን ዝወስዱ ድማ ዝኸፍአ ኵነታት ድቃስ ኣለዎም።
ብፍላይ ከም ኣሕምልቲ፣ ፍረታት፣ ኦቾሎኒ፣ ጥረታትን ካልእ ዓይነታት እኽልን ከምኡ'ውን ትሑት ስብሒ ዘለዎም ነገራት ምውሳድ ንዝሓሸ ድቃስ ይሕግዙና።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝድቅሱ ሰባት፡ ካብቶም ንነዊሕ ሰዓታት ዝድቅሱ ሰባት ዝወሓደ ሓጺን፣ ዚንክን ማግነዝየምን ከምኡ'ውን ቪታሚን ሲ፣ ሉቲንን ሰሊኒየምን ተመገብቲ ከምዝኾኑ ይግለጽ።
ኣብ መንጎ ጠንቅን ሳዕቤንን ዘሎ ርክብ ምፍታሕ ኩሉ ግዜ ኣጸጋሚ እዩ።
ብፍላይ ከም ኣመጋግባን ድቃስን ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ካብቶም ንምጽናዕ ኣዝዮም ከበድቲ ጉዳያት እዮም።
በዚ ምኽንያት ኣብ መብዛሕትኡ መጽናዕትታት ሰባት ዝያዳ ክድቅሱ ከለዉ ድዮም ዝሓሸ መግቢ ዝምገቡ ወይስ ዝሓሸ መግቢ ስለ ዝበልዑ እዮም ዝሓሸ ድቃስ ዝድቅሱ ወይ ድማ ክልቲኡ ዝብል ንጹር ኣይኮነን።
ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ 15 መንእሰያት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ልዑል ስብሕን ሽኮርን ዘለዎ ኣመጋግባ ንማዕበል ሓንጎል ከም ዝቕይርን ጽሬት ድቃስ ከም ዘጉድልን ኣረጋጊጹ።
ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ ንጽቡቕ ድቃስ ዝህልዎ ረብሓ ዘርእዩ ካልኦት ብዙሓት መርትዖታት እውን ኣለዉ።
ገለ መጽናዕትታት፡ ኣብ መዓልቲ ደጋጊምካ ዝተፈላለዩ ኣሕምልቲ ምብላዕ ንድቃስ ከማሓይሽ ከምዝኽእል ይሕብሩ።
ኣብ መዓልቲ ትሕቲ ሰለስተ ግዜ ፍሩታታትን ኣሕምልትን ኣብ ዝበልዑ ልዕሊ ሽሕ መንእሰያት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ዝያዳ ፍረታትን ኣሕምልትን ክበልዑ ምስ ጀመሩ፡ ጽሬት ድቃሶም ከም ዝተመሓየሸ ኣረጋጊጹ'ሎ።
ካልእ መጽናዕቲ ድማ ህጻናት ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ ግዜ ቀጠልያ ኣሕምልቲ ዘጠቓለለ ኣመጋግባ ምስ ዝበልዑ ዝያዳ ዕረፍቲ ከም ዝስምዖምን ዝሓሸ ድቃስ ከም ዝህልዎምን ኣመልኪቱ።
ተመራመርቲ፡ ቀጠልያ ኣሕምልቲ ልዑል መጠን ቪታሚናት ብፍላይ ድማ ቪታሚን ኤን ሲን ስለዘለዎም፡ እዚ ድማ ምስ ከም ሓጺን ዝበሉ ካልኦት ማዕድናት ተደሚሩ ንጽቡቕ ድቃስ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ይምዕዱ።
3. ስፖርታዊ ንጥፈታት
ዋላ ንሓጺር እዋን ኣብ ሰዓታት ምሸት እውን ይኹን ምንቅስቓስ ኣካላት ግበሩ።
ኣብ መንጎ ምንቅስቓስ ኣካላትን ድቃስን ዘሎ ርክብ ብዝምልከት መጽናዕቲታት ይካየድ እኳ እንተሎ፤ ምንቅስቓስ ኣካላት ግን ዝሓሸ ድቃስ ንምርካብ ዝሕግዘና ይመስል። ብዙሕ ክንነጥፍ ትጽቢት ኣይግበርን።
ኣብ 2015 ኣብ ኤውሮጳ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ንውሑዳት መዓልታት ጥራይ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር፡ ሰባት ቀልጢፎም ክድቅሱን ንነዊሕ እዋን ክድቅሱን ይሕግዞም።
ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ከኣ ንጽሬት ድቃስ ከም ዘመሓይሽ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ምስ ስእነት ጽቡቕ ድቃስ ዝቃለሱ ሰባት፡ ክሳዕ ዝርህጹ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እንተዝገብሩ ክጠቕሙ ይኽእሉ እዮም።
ገለ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ ድማ ለውጢ ንምምጻእ እቲ ንገብሮ ምንቅስቓስ ኣካላት ኣድካሚ ክኸውን ወይ መዓልታዊ ክግበር የብሉን።
ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ምግባር ካብቲ መዓልታዊ ወይ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ዝግበር ኣብ ድቃስ ዝሓሸ ጽልዋ ከም ዘለዎ ካልእ መጽናዕቲ ይሕብር።
ማእከላይ ምንቅስቓስ ኣካላት ካብ ብርቱዕ ምንቅስቓስ ዝሓሸ ድቃስ ከማሓይሽ ይኽእል።
ኣብ መዓልቲ ን10 ደቓይቕ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ።
ምንቅስቓስ ኣካላት ድቃስ የመሓይሽ ጥራይ ዘይኮነስ ዕረፍቲ ንኽስምዓና እውን ይሕግዘና።
4. ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ምንካይ
ኣዘውቲሮም ዝሰትዩን ዘትክኹን ሰባት ጠቕሊሎም ንምቁራጽ ከምዝጽገሙ ፍሉጥ'ዩ።
ሽጋራ ምትካኽ ምስ ድቃስ ስኣንን እኹል ዕረፍቲ ዘይምርካብን ከም ዝተኣሳሰር ይግለጽ።
ምስታይ እውን ንዓሚቝ ድቃስ ዝሕግዝ ክመስለና ይኽእል። ቅድሚ ምድቃስና ዝተወሰነ መስተ ብምስታይና ስምዒት ድቃስ ክስምዓና ይኽእል እዩ።
እዚ ግን ንመጀመርታ ግዜ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። በዚ ኣማራጺ ንሰለስተ መዓልቲን ልዕሊኡን እንተቐጺልና እቲ ውጽኢት ናብ ድሕሪት'ዩ ዝምለስ። ብቐጻሊ ምስታይ ምስ ድቃስ ምስኣን ዝተኣሳሰር እዩ።
ካልኦት መጽናዕትታት እውን ከም ዘመልክትዎ፡ ቅድሚ ምድቃስካ ኣዝዩ ዝነኣሰ መጠን መስተ ምውሳድ ንመስርሕ ድቃስና ክቕይሮ ይኽእል እዩ። ሰተይቲ ቀልጢፎም እዮም ዝድቅሱ።
ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ለይቲ ጽቡቕ ይድቅሱ። ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ለይቲ ግን ዝያዳ ክበራበሩን ድቃስ ምስኣን ከጋጥሞምን ይረአ።
ኣልኮላዊ መስተ ንህርመት ልብና ከዛብዕ፤ ሓፈሻዊ ጽሬት ድቃስ ከጉድልን ምስ ምስትንፋስ ዝተኣሳሰር ዝኾነ ይኹን ጸገም ድቃስ ከስዕብን ይኽእል።
5. ቁርሲ ዘይምዝላል
ቁርሲ ምብላዕ ኣብ ምጉዳል ክብደት ሰብነት ይሕግዝ ድዩ ኣይሕግዝን ዝብል ሕቶ ዝቐርብ መርትዖታት ዝተሓዋወሰ እዩ።
ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ቁርሲ ምብላዕ ወይ ምዝላል ኣብ ክብደት ኣካላት ንጹር ጽልዋ የብሉን።
ቁርሲ ምብላዕ ንዝኽርናን ምትኳርናን ከማሓይሽ ከም ዝኽእል ድማ ካልእ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
ካብ ድቃሶም ምስ ተበራበሩ ዝበልዑ ህጻናት፡ ኣቓልቦ፣ ምዝካርን ናይ ስራሕ ዓቕሞምን ይውስኽ።
ካልኦት መጽናዕትታት እውን ቁርሲ ምብላዕ ስምዒት ድኻም ንምንካይ ከም ዝሕግዝ ይሕብሩ።
ኣብ 127 ተማሃሮ ሕክምና ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቶም ቁርሲ ዝበልዑ ሰባት ካብቶም ዘይበልዑ ድኻም ከም ዘይስምዖም የመልክት።
እንምገበሉ ሰዓታት ተመሳሳሊ ክኸውን ከምዘለዎ ይግለጽ።
ነቶም ተማሃሮ ሓዊሱ ኣብ ታይዋን ኣብ ልዕሊ 1800 ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ ኮነ ካልኦት ምርምራት ከም ዘመልክትዎ፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሰዓታት ዝምገቡ ሰባት ካብቶም ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓታት ዝምገቡ ዝዛየደ ድኻም ከምዝስምዖም የረጋግጹ።