ልዕሊ ዓቐን ማይ እንተሰቲኹም እንታይ ትዀኑ?

ማይ ካብቶም ንህይወት ኣዝዮም ኣገዳስቲ ነገራት ሓደ እዩ።

ብዙሓት ዓለም ለኻዊ መምርሕታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መዓልቲ ከባቢ ክልተ ሊትሮ ማይ፡ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ መዓልቲ 2.5 ሊትሮ ማይ ክሰትዩ ይመኽሩ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ግን ድሌታት ማይና ኣብ ሓያሎ ረቛሒታት ከም ዝምርኮስ ይዛረቡ።

እኹል ማይ ዘይምስታይ፡ ኣብ ሰብነትና ሕፅረት-ፈሳሲ [ዲሃይድሬሽን] ከስዕብ ይኽእል እዩ፤ ብዙሕ ማይ ምስታይ ግን ቀታሊ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ማይ ኣስታት 60 ምኢታዊት ክብደት ኣካላትና ዝሓዘ ኮይኑ ኣብ ዋህዮታትና፣ ኣካላትናን ደምናን ይርከብ።

"ማይ መኣዛዊ መግቢ'ዩ" ትብል ስኮትላንድ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ስተርሊንግ ክኢላ 'ሃይድሬሽን' ዶክተር ኒድያ ሮድሪገዝ-ሳንቸዝ።

"ዝተመጣጠነ መግቢ ኣብ ፕሮቲን፣ ቪታሚናት፣ ካርቦሃይድሬትን ፋይበርን ከምዘሎ ጥራሕ ጌርና ኢና ነተኩር፡ እንተኾነ ማይ ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ መኣዛ ዘለዎ ነገር'ዩ" ኢላ።

ማይ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስራሕ ኣካላትና ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ብመሰረት ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና ሃቫርድ ገለ ካብቶም ቀንዲ ረብሓታት ማይ እዞም ዝስዕቡ'ዮም።

  • መኣዛታትን ኦክስጅንን ናብ ዋህዮታት ምጉዕዓዝ
  • ካብ ፍሕኛ ባክተርያ ምጽራግ
  • ምሕቃቕ መግቢ ምሕጋዝ
  • ጸቕጢ ደም ንቡር ምግባር
  • መላግቦታት ስሩዕ ምግባር
  • ምክልኻል ኣካላትን ቲሹታትን
  • ሙቐት ኣካላት ምቁጽጻር
  • ሚዛን ኤሌክትሮላይት (ሶድየም) ምሕላው

እኹል ማይ እንተዘይሰቲኻ እንታይ ትኸውን?

ኣካላትና ብቐጻሊ ብረሃጽ፡ ሽንቲን ዋላ እውን ምስትንፋስ ማይ ይስእን። እዚ ብግቡእ ንኽሰርሕ፡ እዚ ዝጠፍአ ፈሳሲ ምትካእ የድልዮ - እዚ መስርሕ እዚ ብሚዛን ማይ ዝፍለጥ እዩ።

ኣካላትና፡ እቲ ክረኽቦ ዝግባእ መጠን ማይ እንተሲኢኑ፡ ሕፅረት ፈሳሲ [ዲሃይድሬሽን] ከጋጥሞ ይኽእል።

እዚ ድማ ዝተፈላለዩ ከበድቲ ናይ ጥዕና ጸገማት ከስዕብ ይኽእል።

ምልክታት ዋሕዲ ማይ፡

  • ጸሊም ብጫ፡ ብርቱዕ ጨና ዘለዎ ሽንቲ
  • ካብቲ ልሙድ ውሑድ ሽንቲ ምህላው
  • ምድንዛዝ ወይ ድማ ጸረውረው የብለካ
  • ድኻም ይስመዓካ
  • ድርቀት ኣፍ፡ ከንፈርን መልሓስን
  • ምጭምጫም ኣዒንቲ

ኣብ ከቢድ ኩነታት ድማ፡ ዋሕዲ ማይ ደንገርገር ምባል፣ ቅልጡፍ ህርመት-ልቢ፣ ዋላ'ውን ኣካላት-ስሩዕ ንጥፈት ደው ምባል- ከስዕብ ከም ዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

ብዙሕ ማይ ምስታይ'ከ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል ድዩ?

እወ – ውጽኢቱ ድማ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ መጠን ንላዕሊ ማይ ምስታይ 'ሃይፖናትሪሚያ' ከስዕብ ይኽእል እዩ።

እዚ ዝፍጠር ሚዛን ሶድየም ኣብ ደምካ ኣዐርዩ ትሑት ምስ ዝኸውን፡ ዋህዮታት ኣካላትና ክሓብጡ ክገብር ተኽእሎ ኣለዎ።

ምልክታት ሃይፖናትሪሚያ፤

  • ረስኒን ተምላስን
  • ሕማም ርእሲ
  • ጸረውረው ምባል
  • ሓይሊ ምስኣን፡ ድቃስን ድኻምን
  • ዕረፍቲ ዘይምህላውን ቁጥዐን
  • ድኻም ጭዋዳታትን

ዝኣመሰሉ ኮይኖም፡ ክሳዕ ናብ 'ኮማ' [ቀልብካ ምስሓት] ክትኣቱ'ውን ይገብር'ዩ።

ኣብ 2018 ዮሃና ፔሪ ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን ንምስታፍ ምስ ጓላን ወዲ ሓሙኣን ልምምድ ትገብር ነይራ።

ኣዝዩ ውዑይ መዓልቲ ስለ ዝነበረ፡ ብወለንተኛታት ንጐየይቲ ዝተዓደለ ብዙሕ ማይ ትሰቲ ነበረት።

ዮሃና ንመደብ ቢቢሲ ዘ ፉድ ቸይን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እቲ ናይ መወዳእታ ዝዝክሮ ነገር፡ ምልክት ፍርቂ ማራቶን'ዩ" ኢላ።

ኣብ ጽዑቕ ክንክን ንሰለስተ መዓልቲ ምስደቀሰት ተበራቢራ። በዓል ቤታ መስመር መዛዘሚ ክትሰግር ከላ ዘርኢ ቪድዮ ኣርእይዋ። እንተኾነ ዋላ ሓንቲ ክትዝክሮ ኣይከኣለትን።

"ሰብኣየይን ገለ ካልኦት ኣዕሩኽተይን ኣብኡ ነይሮም። ንዓይ ኢዶም የወዛወዙለይ'ኳ እንተነበሩ ኣነ ግን የንቀጥቅጠኒ እዩ ዝነበረ። ገዛ ምስ ኣተኹ ናይ ብሓቂ ሓሚመ" ክትብል ትዝክሮ።

ንሳ ኣስዒባ "ኣዝዩ ብዙሕ ማይ ሰቲየ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣካላተይ ንኽሰርሕ ዘድልይዎ ጨውን መኣዛታትን ካብ ነብሰይ ሓጺበዮ ነይረ -ማለት እዩ" ክትብል፡ ዘብፀሐላ ሳዕቤን ተረድእ።

ጉዳይ ዮሃና፡ ኣካላትና ካብቲ ክሕዞ ዝኽእል ንላዕሊ ፈሳሲ ምስ ዝወስድ እንታይ ከም ዘጋጥም ብንጹር ዝብርህ'ዩ።

ፈሳሲ ቀልጢፉ'ዩ ናብ ደም ሰራውርና ዝወሓጥ።

እቲ ዝኣቱ ልዕሊ ዓቐን ፈሳሲ ብኩሊት ኣቢሉ ይጽረግ፣ ድሕሪኡ ድማ ሽንቲ ኮይኑ ንደገ ይፈስስ።

ይኹን እምበር ኮላሊትና ኣብ ሰዓት ኣስታት ሓደ ሊትሮ ፈሳሲ ጥራይ እየን ከጻርያ ዝኽእላ።

ግን ዘድልየና መጠን ማይ ክንደይ እዩ?

ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ኣብ መዓልቲ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ኩባያ ማይ ክንሰቲ ይመኽሩ።

በዓል መዚ ድሕነት መግቢ ኤውሮጳ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክልተ ሊትሮ ማይ፡ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ክልተ ሊትሮን ፈረቓን ማይ ክሰትዩ ይመክር። እዚ ንመግቢ ሓዊሱ ካብ ኩሉ ምንጪታት ዝመጽእ ማይ ዘጠቓልል'ዩ።

መብዛሕትኦም መግብታት - ፍረታት፡ ኣሕምልትን ሩዝን ማይ ዝሓዙ እዮም። ንኣብነት ብርጭቕ ኣስታት 92 ምኢታዊት ማይ እዩ።

እንተኾነ እቶም ለበዋታት ንኹሉ ብማዕረ ዝምጥኑ ዘይክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ስኮትላንድ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣበርደን ዝምህር ፕሮፌሰር ጆን ስፒክማን ኣካል ናይቲ ኣብ 23 ሃገራት ዝተኻየደን ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ዝሰተይዎ ማይ ዝከታተል ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ እዩ ነይሩ።

"ካብ 20 ክሳብ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ ምናልባት ኣብ መዓልቲ ኣስታት 1.8 ሊትሮ የድልዮም። ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብ 1.5 ክሳብ 1.6 ሊትሮ የድልየን። ወዲ 85 ዓመት ምስ በጻሕካ ግን ኣብ መዓልቲ ሓደ ሊትሮ ጥራይ'ዩ ዘድልየካ" ይብል ፕሮፌሰር ስፒክማን።

ሓደ ውልቀሰብ ዘድልዮ መጠን ማይ ኣብ ከም፡ ክብደት፣ መጠን ኣካላዊ ምንቅስቓስ፣ ዕድመ፣ ጾታን ከባብያዊ ኩነታትን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ዝተመርኮሰ ይኸውን።

እቲ ፕሮፌሰር ኣስዒቡ "ጠለብ ማይ ምስ ግዝፊ ኣካላትካ ብቐጥታ ምትእሳሰር ኣለዎ" ኢሉ።

"ኣብ ውዑይን ሃፈጽታ ዘለዎን ከባቢ ትነብር እንተኾይንካ፡ ካብቲ ኣብ ዝሑልን ደረቕን ቦታ ዝነብር ንላዕሊ፡ ኣዝዩ ዝለዓለ ጠለብ ማይ ከምዘድልዮ ፍሉጥ'ዩ" ኢሉ።

ጽምኢ፡ ዝያዳ ማይ ከም ዘድልየካ ዝሕብር ተፈጥሮኣዊ ምልክት'ዩ።

ሕብሪ ሽንቲ ጽቡቕ መርኣዪ ዋሕዲ ማይ እዩ። ፍሕሽው ዝበለ ብጫ ሽንቲ፡ እኹል ማይ ከም ዝረኸብካ ዘርኢ ክኸውን ከሎ፡ ጸሊም ብጫ ድማ ዋሕዲ ማይ ከመልክት ይኽእል።

ንዓቐብ ንቑልቁል ዘብል ሕማም እንተሓሚምካ ድማ፡ ዝያዳ ፈሳሲ ክትወስድ ከድልየካ'ዩ።